ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..? – ሳልሳይ ክፋል

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..?

ሳልሳይ ክፋል

ቅድሚ ናብቲ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ምእታወይ፡ ገለ ካብቲ ዝመጻኒ ኣዝዩ ብዙሕ ርእይቶታት ኣነ ውን ናተይ ትዕዝብትን ንእሽቶ ኣፍልጦይን ወስ ከብል፡፡ ብዙሓት ምስቲ ዘልዓልኩዎ ሓሳብ ዝሰማማዕ ጉዳይና ኣብ ሸንኮለል ኣይነእትዎ፡ ሕቶ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብቓልስና ተመሊሱ ዝተዓጽወ መዝገብ ኢዩ ዝብል ስለ ዝኾነ፡ ነቢቦም ንዝሃቡኒ ሃናጺ ርእቶኦም ከመስግኖም ይደሊ፡፡ ገለ ሒደት ግን፡ እንተስ ብፍላጥ ሓደው ሕጂ እውን ከምታ ዘለናያ ኣብ ሃለውሳ ንንበር ዝዓይነቱ ግብረ መልሲ እውን ኣንቢበ ኣለኹ፡፡ ናይ ገለ ከኣʼሞ ንቐባራይ ምርዳእ ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስሚዒት፡ ነቲ ናይዚ ኩሉ ገጢሙና ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ጥፍኣትን ብርሰትን ተሓታቲ ዝኾነ፡ ኢሳይያስን ሒደት ጉጅልኡን ተቓወምቲ ዝመስሉ ጠበቓታት እቲ ስርዓት፡ ኲናት መን ከም ዝጀመረ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ..? ለውጢ ንደሊ ኢና ግዳ  ንሓደ ኢሳይያስ ጸሊእካ ዘይኮነ ኣይትዛረብ ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ እታ እዋናዊት መዛረቢ ዛዕባና ኢሳይያስ ብሃሱሳቱ ኣብ ምክፍፋል ደምበ ተቓውሞ ዝደረሳ ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን እውን ይውስኹ፡፡

ሓደ ከነጽሮ ዝደሊ ኢሳይያስ ነዚ ኩሉ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ክጥጅእን ክገብርን ከም ሰይጣን በዓቲ በይኑ ኣይተጓዕዘን፡፡ ሕጂ ውን ኣብ ምጥፋእናን ምጽናትናን ንበይኑ ኣይኮነን ዘሎ፡፡ ቃልስና ምስ ሓደ ኢሳይያስ ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ኢሳይያስን እቲ ባዕሉ ጸፍዩ ባዕሉ ዘንጫጨሖን  ጉጅልኡን ዘስረጾ ግናይ ኣተሓሳስብኡን መዓሙቕ ክድበዩ ኣለዎም፡፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ እንተዘይ ኮይኑ፡ መለሳ  ቆሎ ጥጥቖ ዝዓይነቱ ስርዓት ኣየድልየናን ኢዩ፡፡ በቃ ስልጣን ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ብዊንታ ሸፋቱ ዘይኮነ ብሕግን ስርዓትን ትመሓደር ሃገር ክትህልወና ኣለዋ፡፡ ንብዙሕነትና ማእከል ዝገበረ ሕጋውን ተሓታትን መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ፡፡  ስለዚ ጽሑፈይ ምጽላእን ምፍታውን ንኢሳይያስ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብል ዝተበገስኩሉ ቁኑዕ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ መሰረት ዝገበረ ኢዩ፡፡ መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገጽ ድማ፡ ኣብቶም ስልጣን ብሰለማዊ መንገዲ ናብ ህዝቢ ከረክቡ ዘይክእሉ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ጠበንጃ ደምበ ተቓቀወሞ ክቐንዕ ኣለዎ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ስልጣን ብሰለማዊ መንገዲ ከረክቡ ከም ዘይክእሉ ብተደጋጋሚ ነጊሮምናን ርኢናዮምን ኢና፡፡

ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ጥራይ ስለ ዝበሉ፡ እቶም ሞዴላት ጅግንነትን ሓርበኛነትን ዝኾኑ፡ ገዳይም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ሕልፈቶም ማሕዩር ዒራ ዒሮ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ናይ ትማሊ ተበግሶ 21 ጥሪ እውን ፍትሒ ይንገስ፡ ብቕዋም ዝመሓደር መንግስቲ ይተኸል፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ ንጽሃት ዜጋታትና ይፈትሑ ዝብል ህዝባዊ ሕቶ እምበር ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክንሸጣ ኢና ዝብል ኣይነበረን፡፡ እቶም ሃዋርያ ለውጢ ተባዓት ጀጋኑ ግን ሕጂ እውን ሕልፈቶም ሞትን ማሕዩር ካርሸልን ኢዩ ኮይኑ፡፡  ብቛንቋ ኢሳይያስን ኢሳይያስ ዘስረጾ ግናይ ኣተሓሳስባን ናይ ጅግና ጀጋኑ ክንሶም፡ ጉጅለ ተሳዓርቲ: ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሸጥዋ ሓሲቦም፡ ልእኻት ናይ ወያነ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝብል ጸለሎ ጠቐነ ተቐቢኦም፡፡ ኢሳይያስ ዝደረሶ ንህዝቢ ኤርትራ ንዘንተ እለት እዳፈረሓን እንዳተጠራጠረን ከም ዝነብር እትገብሮ ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡: ኣብዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ናይ ሓዋሩ ጸላእቲ ኣለውኻ ዝብል መርዚ ስነ-ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ከም ዝሰርጽ ተገይሩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ክሳብ ካብ ዓሚቕ ድቃስና ንበራበር ኣብዚ በዓትዚ ተሓቢኦም ኣብ ኮረሻ ምልኪ ተወጢሖም ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ እውን ኣኽኢልዎም ኢዩ፡፡ ሎሚ ካብቲ ከቢድ ድቃስና ምስ ተበራበርና ከኣ፡ ህዝቢ ኣብ ውሽጥ ስደትን ንቓልሲ ብማዕበል ክትንስእ ምስ ጀመረ፡ ካባ ተቓወምቲ ዝወደዩ ሃሱሳት ስርዓት ህግደፍ ንደምበ ተቓውሞ ዘራጊቶ ከእትውሉ ናዕታታት ኢሳይያስ ዜማ ቀይሮም ክደርፍዎ ንሰምዖም ኣለና፡፡

እንተ እቲ ንኲናት መን ጀሚርዎ ዝብል ግን፡ ንቐባራይ ምርዳእʼዩ ንዓይ፡፡ ካብቶም ኲናት ኢሳይያስ ከም ዝጀመሮ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ ሓደ ኢየ፡፡ ኣበጋግስኡን መፈጸምትኡን ብውሑዱ ዝፈልጥ ሰብ እየ፡፡ ብዓቢኡ እውን ኣብታ 300 ገጻት ዝሓዘት ቦኽሪ መጽሓፈይ “ሚስጢረ ምብራዕ ኲናት ባድመ” ብዝብል ብሰፊሑ ኣቕሪበዮ ኣለኹ፡፡ ዝገርመኒ ነገር ግን ኣሎ፡፡ ዋላ ነቲ ኢሳይያስ ኲናት ባዕለይ ጀሚረዮ ብምባል፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ካሕሳ ናይቲ ዝወረደ ዕንወት ክትከፍል፡ ተገቲሩ ንኮሚሽን ካሕሳ ክታሙ ዘንበረሉ ሰነድ ክንጣበቐሉ ክንፍትን ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትንፈር እምበር ጤል ኢያ ኣተሓሳስባ ድማዩ ሓሸውየ ዘእትወልና ዘሎ፡፡ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል ምስላ ደቂ ግዜ ኣሎ፡፡ ሎሚ ኢሳይያስ ጀማሪ ናይቲ ኣስካሕካሒ ኲናት፡ ኢሳይያስ ተሓታቲ ናይቲ ኩሉ ጥፍኣት ምዃኑ፡ ህዝቢ ብኣፈሙዝ ብረት ድኣ ኣፉ ተሎጒሙ እምበር ኣዳዕዲዑ ፈሊጥዎ ኢዩ፡፡ ወደሓንኩም፡፡

ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ዘበነ ሕሱም ምልኪ ህግደፍ ኢሳይያስ እቲ ድርሰት መዓስ ኢዩ ደሪስዎ፡፡ እዚ ሕጂ ንኣእዛና ዘጽምመና ዘሎ ትያትሮ፡ ኣብቲ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንምእላይ ዝተገብረ ኲናት ሕድሕድ 1981 ኢሳይያስ ኣልዒልዎʼዶ ነይሩ ይኸውን? ኣብ 1982 ኣብ ወፍሪ ዘመቻ ቀይሕ ኮኾብ (ሻድሻይ ወራር) ተጋደልቲ ሕወሓት ኣብ እምባታት ሳሕል ብሓደ ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንደርጊ ክምክትዎን ክስውኡን ከለዉ ኣይንደልየኩምን ተኣለዩልና ተባሂሉʼዶ ነይሩ ይኸውን? ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኲናት ሽረ ክሳብ ምእታው ኣዲስ ኣበባ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቶም ተጋደልቲ ህውሓት ብሓደ ክምርሹን ክስውኡን ኣይፋልናን ናይ ሓዋሩ ጸላእትና ኢኹም ተባሂሉʼዶ ነይሩ ይኸውን?  ኣብ ተስዓታት ማለት ኣብቲ ጽቡቕ ዝምድና ስርዓት ህግደፍን ወያነ ኢሂወደግን ዝነበረሉ ግዜ ንፈውሲ ማሕላ ተላዒሉ ይፈልጥʼዶ ነይሩ ይኸውን…? ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ኢትዮጵያ ነበር ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ምስ የመን ኣብ ዝተገብረ ኲናት ብጉዳይ ሓንሽ “ኣፍንጫ እንተሃርመ ዓይኒ ይነብዕ” ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝእወጅ ውግእ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን እንክብል፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ጭርሕʼዶ ሰሚዕና ንኸውን…? ኢሳይያስ ኣብ መንበረ ምልኪ ተኾይጡ ክነብር ምእንቲ፡ ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሑ፡ ናይ ዕብዳን ውግእ ክጅምር እንከሎ፡ ብስልበጣ ወያነ ወሪሩና፡ ሞኮንናትና ቀቲሉ ክበሃል እንከሎ ኤርትራ ንኤርትራውያን ትያትሮ ተደሪሱ ዶ ነይሩ ይኸውን…? ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኮኑ ሓርበኛታት ገዳይም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ኣብ ዝበልሉ ድራማ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንሰምዕ ነይርናʼዶ ንኸውን…? እዝን ቁጽጽርን ስርዓት ህግደፍ ተበታቲኑ ብሰንኪ ዓቕሊ ጽበት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት 25 ኪ.ሜ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ንኽኣቱ ኢሳይያስ ተንበርኪኹ እሺ ክብል እንከሎ ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣእዛና ሰሚዕዎʼዶ ነይሩ ይኸውን……..ወዘተ…..ወዘተ……እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ፡፡

ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን መዓስ ኢዩ ተደሪሱ….? ኣሕዋት ኣይንዓሹ ምምርማር ዝመስልዎ የለን ንመራመር፡፡ እዚ ድርሰት እዚ ናይ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት እዋናዊ ትያትሮ ኢዩ፡፡ ስለምንታይ እዚ ትያትሮዚ ኣብዚ ናይ መጠረሽታ ዋግዋጎ ግዜ ተላዒሉ..? ኣኸር ጣልጋ ዝበሃል ኣሎ፡፡ ናይ መጠረሽታ ጥይት መፈላለይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ክኸውን ዝተደርሰ ትያትሮ ኢዩ፡፡ ንሓደ ዋና ሓላይ ህዝቡ ሃገራዊ ነቲ ሓደ ጓና ሸያጢ ዓዱ ልኡኽ ናይ ኢትዮጵያ ዝገብር ትያትሮ፡፡ እዚ ትያትሮ እዚ ሎሚ ድኣ መልክዑን ሕብሩን ቀይሩ እምበር ስርዓት ሃጸይ ሃይለ ስላሴን ስርዓት ደርግን ህዝቢ ንምድንጋር፡ ድምጺ መሰለይ ኢሉ ዝተላዕለ ህዝቢ ኤርትራ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ንምዕፋን ዝተጠቕምሉ በልዩ ዝተጓሕፈ ድርሰት ኢዩ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መሰል ሕቶ ናይ ናጽነት ሕቶ ክንሱ ጀብሃን ሻዕብያን ብሽያጥ በንዚን ተዓሲቦም ንኤርትራ ናብ ዓረብ ክሸጥዋ ዝደልዩ ተገንጸልቲ ኢዮም እኮ ተባሂሉን ኣእዛን ግሩሃት ኢትዮጵያውያን ኣጽሚሙን ኣደናጊሩን ኢዩ፡፡ ኤርትራ ብመስዋእትናን ድምጽናን ነጻ ሉኡላዊት ሃገር ድኣ ኮይና እምበር ናብ ዓረብ ክትሽየጥን ክትልወጥን ኣይተራኣየን፡፡ ሕጂ እውን እቲ ግጥሚ ንሱ ዜማ ተቐይርዎ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ የግዳስ መንዩ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሸጣ…..?

ኣብ መጠረሽታ ስለምንታይ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ክብሪ ሎሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ተደልዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራውነትና ብመንጽር ምውድዳር ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ እውን ብመንጽር ምውድዳር ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክኸውን ዝፍተን ዘሎ….?

ራብዓይ ክፋል ይቕጽል………………….

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251-921924501

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.