ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..? ካልኣይ ክፋል

ካልኣይ ክፋል

                  ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..?

    ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ገለ ምስቲ ኣነ ዝጽሕፎ ዘለኹ ሓሳብ ዘይሳነ ሕቖን ከብድን ኮይኑ እየ ረኺበዮ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ጽሑፈይ ምስ ሰሚት ቦለኛ ብምትእስሳር ናብ ካልእ ጫሌዳ መገዲ ከተትሕዝዎ ዝፈተንኩም፡ ኣይፋልኩምን እዚ ጽሑፍ ምስ ሰሚት ቦለኛ ዝኾነ ዘራኽብ የብሉን፡፡ ንሰሚት ቦለኛ ዝነቅፍን ነቲ ኣብ ቦለኛ ዝግበር ምትእኽኻብ ዝኹንን ኣይኮነን፡፡ መሪሕ ጭርሖ ሰሚት ቦለኛ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዘይኮነ Eritrean solution for Eritrean problems ኢዩ ዝብል፡፡ ስለ ዝኾነ ጽሑፈይ ንንጽል ነገራት ዝዓለመ ዘይኮነ ኣዝዩ ዓቢ ጥቕላል ኢዩ፡፡ ክጽሕፎ ዝደረኸኒ እውን ውህሉል ትዕዝብተይን ብኣካል ዘጋጥሙኒ ነገራትን ደኣ እምበር፡ ሰሚት ቦለኛ ኣይኮነን፡፡ ንኣንፈይ ግን ዝተወሰነ ርእይቶ ኣነ ውን ወስ ከብል፡፡ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ጻጸ ምስ ሓርማዝ ዝዓይነቱ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፡፡ ቃልስና ምስቲ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ሳሪሃ ማሪሃ ዝጠጀአ ኣዝዩ ግናን ሓደገኛን ቀታሊ ሰርዓት ምዃኑ ምፍላጥን ምእማንን የድሊ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ዓቢ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ እውን ጎረባብቲ ሃገራት የድልየና፡፡ እዚ ቀታሊ ስርዓት ብጠበንጃ እምበር ብጸሎትን ምህለላን ኣይእለይን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ እንትናዊ ደገፍ ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት የድልየና፡፡ ዝግበር ሽርክና፡ ዝግበር ትዕበ ትንኣስ ደገፍን ሓገዝን ግን፡ ናይ ለማናይን ተኻብን ናይ ለኣኽን ተላኣኻይን ዘይኮነ፡ ኣብ ቅኑዕ መሰረት ዝተሰረተ፡ ንብረብሓ ኩለን ጎረባብቲ ህዝብታት ናብ ስኒትን ፍቕርን ዘምጽእ፡ ሓባራዊ ዕቤትን ሰላምን ዘረጋግጽ ራእይን ዝሓዘ፡ ግሉጽነት ዘለዎ ሽርክናን ምትሕግጋዝን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ምስ ኣኽብሮት፡፡ ናብቲ ዘበገስኩዎ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንወድያመን ድኣ ንቐጽል፡፡

ኣነስ እንታይ ምበልኩ ናብ ጎድኒ ምትኳስ ኣይምኣኸለናንʼዶ…? ንሕድሕድና ምትኹዃብ ኣይምኣኸለናንʼዶ….? ናብ ቅድሚት ናብቲ ልቸንስኡ ዘውጸአ ህግደፍ ገጽና እንተንትኩስʼዶ ኣይምሓሸን…..? ሃብቶም ተኽለ ዝተባህለ ካብ ነበብቲ ጽሑፈይ ዝሰደደለይ ርእይቶ ኢያ፡፡ ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ከምዚአ ገይራ ኣብ ልበይ ዝኣተወት ሓሳብ የላን፡፡ ብሓቂ ብዘይ ቀልዓለም እዚ ሃብቶም ዝብሎ ዘሎ ኢዩ ክኸውን ዝግበኦ፡፡ ሓደ ዕላማን ንሓደ ጸላእን ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ኣቲና ንሕድሕድና ክንበላላዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ጽሑፍ ንደምበ ተቓውሞ ክነቅፍ ወይ እውን ጉድለታቶም ከቃልዕ ዘይኮነኩ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ውን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካባ ተቓወምቲ ወድዮም ሰሊኾምና ምህላዎም ንምግንዛብ ኢየ፡፡ ከምቲ ሃብቶም ዝበሎ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ሃገር ምብዳምን ኤርትራውያን ከጽንትን ነበረያ ነበረ ክገብርን ብኣዋጅ ልቸንሳ ዘውጸአን ብዘውጸኦ ወግዓዊ ናይ ምቕታልን ምጽናትን ተግባራቱ ብጸሓይ ቀትሩ እናኣተግበረ፡ ስለምንታይ ንዕዑ ጎሲና ንሕድሕድና ኣብ ምውንጃል ንኣቱ ዘለና፡፡ ስለምንታይ ንተቓለስትን ምንቅስቓስ ቃልስን ምቕታልን ምቕንጻልን ምብትታንን….?

ንእመን ኣይንእመን ብዘየገድስ ነቲ ሓቀኛ ቃልሲ ዝዕንቅፉ ሃሱሳት ተቃወምቲ ዝመስሉ በታተንቲ ሶሊኾምና ኣለዉ፡፡ ብዙሕ ነገራት ይፍተን ጽቡቕ ኣንፈትን መንገድን ይሕዝ፡ ከይጸነሐ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ኣካይዳታት ይስዕብ፡፡ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ናይ ዘተ መኣድታት ኣትየን ተሳቲፈን፡፡ ንህግደፍ ከመይ ገይርና ንስዕሮን ነጥፍኦን ተባሂሉ ክዝረብ ዳርጋ ኣይሰማዕኩን፡፡ ብዓቢኡ እቲ ኣስታት 600 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኣዋሳ ወሲኽካ፡ ዝበዝሑ ዝተሳተፍኩዎም ኣኼባታት ንስርዓት ህግደፍ ከምዚ ቀስ ኢልካ ዝስራሕ ዕዮ ገዛ ኣወንዚፎም፡ ኣብ ካልእ ናይ ሓሸውየ ዛዕባታት ሸንኮለል ክብሉ እየ ተዓዚበ፡፡ ስለምንታይ….? እቲ ሕቶ ናይ ኩልና እቲ መልሲ ውን ናይ ኩልና ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ዕዮና ዘይንሰርሕ….? እቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ፕሮግራም ዘይንሕንጽጽ…? ሕጂ እውን ንፍቶ ንጽላእ ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ሕቶ ንምዕንቃፍ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ልቸንሳ ዘውጸአ ህግደፍ ዜማ ቀይሮም ዝደርፉ ሃሱሳት እቲ ስርዓት ኣብ መንጎና ተሰግሲጎም ኣለዉ፡፡ እታ ብቐዳምነት ዘምጽእዋ ቅድመ ኩነት ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ወያነ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ኣሻማውን ኣብ ምጥርጣር ዘእቱ ሓሳባትን ኢዩ፡፡

ሎሚ እዚ ኢሳይያስ ዝደረሶ ትያትሮታት ክቀላላዕ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ጠበናጁና ናብ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ክቐንዕ እንተድኣ ኮይኑ ንሓቂ ብትብዓት ክንስየፈላ ኣለና፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ድማ እዚ ደም አሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ዘፍሰሰ ኣራዊታዊ ስርዓት ብሓይሊ ብጠበንጃ እምበር፡ ብሰለማዊ መንገዲ ክእለ ከምዘይክእል ምእማን የድሊ፡፡ ሓይሊ ጠበንጃ ክብል እንከለኹ፡ ኣብ መንጎ ኣሐዋት ኤርትራውያን ኲናት ሕድሕድ ይገበር ማለት ኣይኮነን፡፡ በሰላ ኲናት ሕድሕድ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ክሳብ ከንደይ ከቢድ ምዃኑ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልጦን የሕምመንን ኢዩ፡፡ ከምኡ ዓይነት ትራጀዲ ኣብ ህይወተይ ዳግማይ ክርኢ ኣይደልን፡፡ ሓደ ክንፈልጦን ከነረጋግጾን ዘለና ሓቂ ግን፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ሰራዊትን ህዝብን ብመንጽሩ፡ እቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጠበንጃ ኣልዒሉ ዘሎ ተቓላሳይን ድሌቶም ሓደ ኢዩ፡፡ ክልቲኦም ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝደልዩን ዝብህጉን ኣካላት ኢዮም፡፡ እቶም ንሓርነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም ደም ዘፍስሱ ዘለዉ ገበነኛታት ግን፡ እንትርፎ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡ ከምዘይክእሉ  ምግንዛብ የድሊ፡፡ ዓሚ ታንኪ ኣምሪሑ ፎርቶ ዝደየበ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ህዝባዊ ሕቶ ድኣ ሓቲቱ እምበር፡ ኲናት ሕድሕድ ኣይኣወጀን፡፡ ኣፈሙዝ ታንኩ ናብ ህዝቢ ኣየቕነዐን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ምስክርነት የለን፡፡ እቶም ንጠበንጃ ከም መመሳመሲ ኲናት ሕድሕድ ስክፍታታት ዝፈጥሩ ካብ ፍጻመ 21 ጥሪ ይመሃሩ፡፡

ከምዚ ዝኣመሰለ ንምጾታት ስርዓት ህግደፍ ዘቀላጥፍ ዛዕባ እንክለዓል ደም ብዝሒ ዝለዓለም ኣካላት ድማ ኢዮም፡ ሓለይቲ ህዝብን ተቓለስትን ተመሲሎም ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ሓዊሶም፡ ንስለ መሰል፡ ንስለ ሓርነትን ፍትሕን ዝተበገሰ ህዝባዊ ቃልስና ካብ ሓደ ገጽ ናብቲ ካልእ ገጽ ከም ዝዛዝው ዝገብርዎ ዘለዉ፡፡ ጎነጽ ዝበሃል ቃል ክለዓል የብሉን፡፡ እዚ ህዝቢ ንሕድሕዱ ደም ክፋሰስን ክፋለስን የብሉን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ዝግበር ቃልሲ ቅቡል ኣይኮነን ክድዓትዩ፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ሓዋሩ ጸላኢትና ኢያ፡፡ ወያነ ትማሊ ኣሕዋትና ዝቐተለን ህዝቢ ዘባረረን ኢዩ፡፡ ወያነ ኣይእመንንዩ፡፡ ወያነ ምስ ተቓወምቲ ተሰማሚዑ ንወደብ ዓሰብ ገሚዑ ክወስድን ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳን ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ ኣብ ጉዳይና ኢዶም ኣይኮነን እግሮም የእትዮምሉ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኢያ፡፡ ኣንቱም ሰባት ኣየናይ ጠበንጃ ዘልዓለ ምንቅስቓስ ኢዩ ኲናት ሕድሕድ ዝኣወጀ…? ኣየናይ ጻድቕ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ቃልሲ ምክያድን ጠበንጃ  ምልዓልን ውጉዝ ከም ከመ ኣርዮስ ኢሉ ዝወገዘ….? መን ኣየናይ ውድብ ኢዩ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኣይኮነትን ወይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ኣለዋ ዝበለ…? እዚ ተኣፋፊ ዛዕባ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ብዕሙቀት ክኣትዎ ክፍትን እየ፡፡ ንሕጂ ግን ናብታ ኤርትራ ንኤርትራውያን ትብል ገለ ሃሱሳት ድንግርግር ከእትዉልና ክበታትኑና ዘምጽእዋ ሓሳብ ክምለስ፡፡

ብቓልስና፡ ብመስዋእትና፡ ብድምጽና ዝመለስናዮን ዘረጋገጽናዮን ሓቂ፡ ስለምንታይ ኮር ተገልበጥ ኮይኑ ኣብ ምጥርጣርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ንኽኣትው ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝስራሕ ዘሎ….? ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ምዃና ዘይኣምንን ዝጠራጠርን መንዩ…? እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ዘብልዩ ነገራቱ፡፡ ኢሳይያስ ነቲ ገና ካብ ምብጋሱ ክርዳድ ንኽንፈሪ ዝተለሞ ትልሚ ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሕ ናይ ሓይለ ኣቡኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስ ነቲ ቃልሲ ንፍትሕን ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘለዓዓለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቢሩን ሰሚሩን ብማዕበል ከይትንስእን ክርዳድ ትልምታት ኢሳይያስ ብርዒን ከይገብሮን ብኹሉ መዳያት ክዕንቕፎ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዓይኒ መርፍእ ከም ዝከታተልዎን ንምዕንቃፉ፡ ንምብታኑ፡ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ክስእንን ክበላላዕን ኣዝዩ ገዚፍ ገንዘባዊ ባጀትን ሰብኣዊ ዓቕምን ኣዋፊሩ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ሓደ ካብኡ ኣብ ሕድሕድና ምፍልላይን ምጥርጣርን ከምዝኣቱ ምግባር ኢዩ፡፡

ኢሳይያስ ነቲ ከም ዘይገደሰሉን ዘይስከፈሉን ኮይኑ ክረኣይ ዝደሊ ደምበ ተቓውሞ፡ ምብትታን ጥራይ ዘይኮነ ከም ሑጻ ባሕሪ  ክበዝሕን ከም ነደቕቲ መንደቕ ባቤል ንሕድሕዱ ብዘየረዳድእ ቋንቋ ክተሃናኾትን ይሰርሕን ይገብርን ኣሎ፡፡ ነዚ ፈሊጥናን ኣለሊናን ነቶም ክርዳድ ክንፈሪ ዝሰርሑ ዘለዉ ሃሱሳት ኣይፋልኩምን፡ ትያትሮታት ኢሳይያስ ተገጢሙ ኢዩ እንተዘይ ኢልናዮም፡ እናሰሓቕና ውሕጅ ህግደፍ ንዕርብርብና ከዕርበና ኢዩ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶና ብቓልስናን መስዋእትናን ነጻ ድምጽናን ተመሊሱ ኢዩ፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራያን መዓልቦ ተገይሩሉ ዝተዓጽወ መዝገብ ኢዩ፡፡ እቲ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ምዃና፡ ኤርትራ ነጻን ሉላዊትን ሃገር ምዃና ብቐዳምነት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበ ድማ፡ እቲ ብሃሱሳት ህግደፍ ኣይእመንዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ወያነ ኢሂወደግ ምዃኑ ታሪኽ ሰኒድዎ ዘሎ ሓቂ ኢዩ፡፡ ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ምምርማር ከድልየና ኢዩ፡፡

ኣብ መጠረሽታ እንተዘይ ትንውንወኒ መን መጽደፈኒ ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣለና፡፡ ኢሳይያስ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡  ብኢደ ወነኑ ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሑ ንዝጀመሮ ኲናት ሸፊና፡ ንህዝቢ ከምቲ ዝሓለፈ ወያነ ክወሩኻ እዮም፡፡ ኣይእመኑን ኢዮም፡፡ እናበልና ኣብ ድንግርግር ከም ዝኣቱ ክንገብሮ ኣይግባእን፡፡ ህዝቢ ነዚ ፋሹል ሓሳብ ስዒሩ ናብቲ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዶብ ተሳጊሩ ብጅምላ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱን ይስደድን ኣሎ፡፡ ኣብ ሰሙን ካብ 700 ክሳብ 1000 ኤርትራውያን  ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሰነዳት UNHCR ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ  ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝተረፈ፡ ህዝቢ ዝፈለጦን ዝሰዓሮን ሕሱር ሓሶት ንየው ንበሎ፡፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡

ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

251-921924501