መጋርያ ባድመ ብልጭ-ብልጭ! 1ይ ክፋል

መጋርያ ባድመ ብልጭ-ብልጭ!
1ይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 14 ነሓሰ 2014

ግዜ መረስዕ ስለዝኾነ፣ የረሳስዕ ኢዩ። ኲናት፣ በሰላ ኲናትን ወረ-ኲናትን ግን ኣብ ዕታር ዓመታት ዝርሳዕ ኣይኮነን። ባድመ ኢልና ክንሓስብ እንከለና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ዝተኣጉደ መጋርያን ዝሃለቐ ህይወትን ኢና እንዝክር። ብዛዕባ ጉዳይ ባድመ ብዙሕ ግዜ ተዘሪቡን ተጻሒፉን ኢዩ። እቲ ኣብዚ ክንብሎ ዝደለና ጉዳይ፣ ‘ዕሉል ቁንጪ ሓሰር ተጎልቢቡ ሓዊ ይስሕን’ ከም ዝበሃል፤ ኲናት ባድመ ኮነ ተባሂሉ ብመደብን ድሌትን ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተፈጀረ ታይም ቦምብ ምንባሩ ንምንጻር ኢዩ።

ሽዑ ኢሳይያስ ገለ ነገር ክሰርሕ ይውጥን ስለዝነበረ ኢዩ ከኣ፡ ብኣዝዩ ስዉር ዝኾነ መንገዲ፣ ብድሕሪኡ ዝተረኽበ ናጤባ ንምምሳል ናብ ሱዕድያ ገይሹ ነበረ። ነቲ ኲናት፡ ንሓደ ጀነራል መደብ ስራሕ ሂቡ ኣባሪዕዎ። እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ክሰርሖ ዝሓንጸጾ መደብ ድማ፡ እነሆ ሎሚ ብድሕሪ ደርዘን ዓመታት ብጋህዲ ርኢናዮ።

ወላ’ኳ ካብቲ ኲናት ደው ዝበለሉ ግዜ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 14 ዓመታት ሓሊፉ እንተኾነ፣ እቲ መጋርያ ባድመ ግን ገና መመሊሱ ብልጭ-ብልጭ ይብል ኣሎ። ዶብ ናይዚ ክልተ ህዝቢታት ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ብንጹር ዝተሳእለ ኢዩ። ወላ’ኳ ብድሕሪ 2000 ዓ.ም. ካብ ስምምዕ ኣልጀርስ ንደሓር እቲ ዝምድና ግንባራት፡ ኣይሰላም ኣይኲናት እንተሃለወ፣ ሓሙኽሽቲ ባድመ ግን ክሳብ ቀብሪ ስርዓት ህግደፍ ብቐሊሉ ዝጠፍእ ኣይኮነን።

ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ፡ ክልተ ታሪኻት የለን። ታሪኽ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ከኣ ሓደን ሓቀኛን ታሪኽ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቶም ብ1902 ዓ.ምሕረትን ድሕሪኡን ኣብ መንጎ መግዛእቲ ጣልያንን ንኢትዮጵያ ዝገዝእ ዝነበረ ሃጸይ ምነሊክን ዝተሓንጸጹ ዶባትን ዝተገብሩ ውዕላትን ኣብ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ተሰኒዶም ኣለዉ። በቲ ንጹር ሕንጻጽን ብድሕሪ ኲናት ባድመ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘ ሀግ ዝተዋህበ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ብይንን መሰረት፤ ባድመ ሉኣላዊት መሬት ኤርትራ ምዃና ዘጠራጥር ጉዳይ የለን። ኣብ ዘርከብናሉ ዘመናዊ ታሪኽ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ብዶብ ዝተበገሰ ዓቢ ግርጭትን እምባጋሮን ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ ኣብ ኤርትራ ገዛእቲ ሓይልታት ብዘተኣታተዉዎ ጉዳይ መሬትን ካልእ ጠንቅታትን ዝመበገሲኡ ኣብ መንጎ ዓድታት፣ ብሄራት፣ ቀቢላታትን ወረደታትን ካብ ግዜ ምምሕዳር መሳፍንቲ ክሳብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያን ደርግን፤ ቀጺሉ’ውን ክሳብ ግዜ ናጽነትን ዝተራእየ ባእሲን ውግእን ነይሩ ኢዩ። ኮር ተገልበጥ! እዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰ ጃንዳ ዓዋሉ ህግደፍ ከኣ፡ ሜላ ቀዳሞት ገዛእቲ ብምኽታል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ ኣገባብ ከፋፊልዎ ኢዩ። ብቀንዱ ድማ ምብራዕ ኲናት ባድመ።

ድሕሪ’ቲ ኩሉ ሕቡእ ኣጀንዳን ኣሽካዕላልን፣ ቅድድም ንህንጸት ኮረሻ ስልጣን ኢሳይያስን’ምበኣር፣ ምምራሕ ናብ መኣዝን ኲናትን ሕንፍሽፍሽን ክስዕብ ናይ ግድን ኮነ። እቲ ምንታይ ኢሳይያስ፣ ካብ ኣበጋግስኡ ኣብ እንርእየሉ ግዜ፣ ብንግሆኡ ትልሚ ዳንዴር ዝተለመ፣ ንኤርትራን ኤርትራውያንን በብቑሩብ ንምጽናት ሕቡእ ካራ ተኾልኲሉ ንሜዳ ዝተበገሰ፤ ቁሩሕ መንደላይ ተመን ስለዝኾነ ኢዩ።

ስለዚ እቶን መቕዘፍቲ ኲናት ባድመ፡ ገና ኣይዓረፈን። መምስ ሓድሽ ፖለቲካዊ መቐይሮ፡ እቲ ድጉል መጋርያ ብልጭ-ብልጭ ክብል ንርእዮ ኣለና። እቲ ሓደገኛ ኲናት ብስትራተጂያዊ ሕንጻጽ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ ዓምበርቦብ፤ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ ግድን ክመጽእ ዝነበሮ፤ ወይ ከም ታይም ቦምባ ኣብ ሰዓቱ ክፍጀር ዝነበሮ ሕንጹጽ መደብ’ምበር ናጤባ፡ ወይ ነጎዳ ሓጋይ ኣይነበረን።

ጠንቂ እቲ ኲናት ሕቡእ ድሌት ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ምዃኑ ካብቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ጉዕዞ ዘይተረድኦ ኤርትራዊ እንተሎ፣ ከም ፈረስ ማይ ኣባ-ሻውል የማነ-ጸጋም ዘይጥምት ሰብ ጥራይ ኢዩ። ብከመይ መንገዲ ከም ዝበርሃሉ እንድዒ! መበገሲ ኲናት ባድመ እቶም “ንክረዳድኡ” ብዝልብ ምኽንያት ናብ ውሽጢ ባድመ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ልኡኻት፤ ብሚሊሽያ ወያነ ምስ ተቐትሉ ኢዩ’ኳ ዝብል መመኽነይታ እንተቀረበ፤ ናብቲ ዝሰዓበ ዕንወት ንምብጻሕ ግን ሕቡእ ተንኮላት ኢሳይያስ ዝወልዖ ኲናት ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። እቶም ብሚልሽያ ወያነ ተቐቲሎም ዝተባህሉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣስማቶም መነመን ይበሃሉ ነይሮም? ዓዶምን ስድራ ቤታቶምን’ከ ኣበይ ይርከቡ? ፈለጥቶም’ከ በዓል መን ነበሩ? ዝብሉ ሕቶታት ዛጊት ክሳብ ሎሚ መልሲ ኣይተረኽበሎምን። ስለዚ እቶም ተቐቲሎም ዝተባህሉ፡ ሰባት ድዮም መናፍስቲ፡ ዛጊት ዝተረጋገጸ ጉዳይ የለን።

እቲ ሓንሳብ ዝተተኮሰ ነታጒ ኢሳይያስ ከኣ፣ እነሆ ጥሚቑ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን /ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ/ የበሳብስን ይብትንን ኣሎ። እቲ ድጉል ሓሙኽሽቲ ኲናት ድማ፡ ጠንቂ ምምዝባል ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። እቲ ብዕለት 12 ግንቦት 1998 ወጋሕታ ሰዓት 05:30 ብብርጌዳት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተጀመረ ኲናት ባድመ፡ ንኩላትና ኤርትራውያን ሃንደበት ኮይኑ ተሰሚዑና። ሽዑ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ሓላፊ ጠቕላላ ስታፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ብዛዕባ እቲ ምጅማር ኲናት፦

“ኣነ ኣብ ባድመ ኲናት ከም ዝተጀመረ ምስ ህዝበይ ብረድዮን ተለቪዥንን እየ ሰሚዐዮ” በለ። ብዙሓት ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ሰብ መዝታትን ሜጀር ጀነራላትን’ውን ብዛዕባ እቲ ኲናት ሽዑ ምስ ተባርዐ ከም ዝሰምዑ ተዛሪቦም ኢዮም።

ኲናት ባድመ ገና ኣይቀሃመን። ፖለቲካዊ ንፋስ ኣብ ዝሕይለሉ ግዜ ከኣ፡ እቲ ድጉል መጋርያ ብልጭ-ብልጭ ክብል ንዕዘብ ኣለና። ንሕና ኤርትራውያን “ኲናት ባድመ መን ጀመሮ?” ዝብል ግድል ብሓቂ ከይፈታሕና ናብቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽን ሎሚ ዘሎ በሰላ ንምሕዋይ ዝግበር ተጋድሎን ንጹር መንገዲ ክንሕዝ ዝከኣል ኣይኮነን። ነቲ ብዕለት 13 ሚያዝያ 2002 ናብ ዘ ሀግ ዘምርሐ ጉዳይን ከምኡ’ውን ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዕለት 21 ታሕሳስ 2005 ዝሃቦ ምስክርነትን መንግስቲ ህግደፍ ብወግዒ ዝተቐበሎ ውሳኔን ደጋጊምና ንርአ። ካብኡ ንደሓር ምህውታት ኣየድልን ኢዩ።

ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ምስሕሓብ ብዛዕባ ባድመ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። ግን እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ወይ ኣብተን መጀመርያ ዓመታት ናጽነት ብመሰረት ሕጋዊ መግዛእታዊ ካርታ ብሕውነታዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝነበሮ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። ክሳብ ናብ ሓዊ ዝቕየር ግን ብዓቢ ቆላሕታ ኣይተራእየን። እቲ ንክትኮስ መዓልታት ዝጽበ ዝነበረ ነታጒ ኢሳይያስ ተፈጂሩ ኢዩ። ሽዑ እቲ ሓዊ ብቕጽበት ከም ሳዕሪ ኣንቶረ፣ ናብ ገምሃሎ፣ ወረዳታት ኣድያቦ፣ ገዛ ገርህላሰ ወ.ዘ.ተ… ክባራዕ እንከሎ፤ በብግዚኡ ካብ ባድመ ብዝነጠረ ቁልዒ’ውን ኣብ ግንባራት ጾሮና፣ ዛላንበሳን ቡሬን ወ.ዘ.ተ…ንፋስ ከም ዝኣተዎ ረመጽ ብዝለዓለ ናህሪ ተባርዐ። ኩላትና ዜጋታት ኤርትራ በቲ ዝተረኽበ ትራጀዲ ቃዚንናን ኣስተንቲንናን ኢና። ምስ ግዜ ዘይበርህ ጉዳይን ምስጢርን ስለዘየለ ግን እቲ ኲናት ሓደ ካብ ጸወታ ቸዝ ኢሳይያስ ኢዩ ነይሩ።

‘ናብ ቤተ-ክርስትያን ትብል ጽግዕ ጽግዕ፣ ክትጸድቕ’ዶ ደልያ ዘይከተዘንግ’ ከም ዝበሃል እምበኣር፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ግዜ ምስላፉ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ሜላን ኣተሓሕዛን፣ ንስለ ናጽነትን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ንስለ ስልጣኑን ውልቃዊ ምልኩን ከምኡ’ውን ስለቲ ገና ተቐቢሩ ዘሎ ሕቡእ ሕልሙን ምንባሩ እነሆ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርበዓ በጣዕጣዕ ኢሉ ተራእዩ ኣሎ።

ንሕና ዝበዛሕና ኤርትራውያን ረሳዕቲ ኢና። ግርህነትናን ረሳዒ ባህልናን ግን ንጎሓላሉ ጠቒሙ። ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ኣገምጊሙና ይርከብ ኣሎ። ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳት ጸይቀ-ዕሉል ኢሳይያስን ስርዓተ-በጋሚንዶ ህግደፍን ተጻሒፎም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ግን በታ ናይዛ ዳሕረወይቲ ጸወታ ጥራይ ክንደጋግም ንግደድ ኣሎና። እቲ ምንታይ ኣይሽንኳይዶ ናይ ቅድሚ ዕስራታት ዓመታትሲ፣ ናይ ቀረባ ዓመታት’ውን ዘይንዝክር፡ ዓቢ መደምሰስ ዝወሓጥና ህዝቢ ብምዃንና።

ጉዳይ ባድመ፣ እቲ እንኮ መዓልቲ ንክፍጀር ተቐቢሩ ዝነበረ ፈንጂ ኢሳይያስ፣ ኣብ ክፍላ ግንቦት 1998 ተተኮሰ። ውግእ ባድመ ንረብሓ ውልቀ-ምልኪን ምጽናት ኤርትራውያንን ንክኸውን ነዊሕ መጽናዕቲ ዝተገብረሉ፣ ብለቢቶን ማይ ብሑቕን ሳሕል ዝተለውሰ፣ መጎጎ ቤተ መንግስቲ ህግደፍ ዝሰንከቶ ገዲም ጥጅእ ኢሳይያስ ዝነበረ ተወሰጥ ኢዩ። ሓድጊ ኲናት ባድመ ከኣ፣ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ፣ ማእሰርቲ ናይ ኢሳይያስ ዝደልዮም ዝነበረ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፣ ጥሜትን ራዕድን ንመላእ ህዝቢ፣ ሞት መንእሰያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ መቕዘፍቲ ላምፐዱዛ፡ መሸጣ ኩሊት ሲናይን ጥፍኣት ንኤርትራውያንን ኮነ። ሎሚ’ውን ካብቲ ን14 ዓመታት ተደጒሉ ዝጸንሐ ጓህሪ፡ ብልጭ-ብልጭ ንጣራት ንዕዘብ ኣለና።

 

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!
ይቕጽል…

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.