2 INVESTIGATES: Family searches for answers two years after mother’s arrest in Eritrea
2 INVESTIGATES: Family searches for answers two years after mother’s arrest in Eritrea
ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ
ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 መጋቢት 2014
መጋረጃ ይቀንጠጥ 30
መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ!!!!!!!
ዶክቶር ተወልደ ወዲ ቫካሮ!!!!!!!
ከመይ ኣለኻ ኣንታ ወዲ ቫካሮ
ወዳጀ ልቦና ወዳጀ ኣእምሮ
ካብ ጀመርካ ንህዝብኻ ክትመኽሮ
ደጋግመሉ ድኣ ኣጸቢቑ ክስቖሮ።
ዑቑር ምስጢር ኣውጽኣዮ
ሕበጥ ሃገር ጠዊቕካ ኣንተዓዮ
መድሓኒት ክርከቦ ቁስልና ከነጽርዮ
ሕማም ሃገርና ደጋጊምካ ጥብሓዮ።
ንዓመታት ዓቑርካዮ ዝነበርካ
ብዙሓት ኢና ሰብ ቓንዛ ከማኻ
ክንደይሞ! ኣላ ኣምዑታ መኺኻ
ብዙሕ እዩ ትጽቢትና ካባኻ
ኣትሪርካ ሓዝ ኣጽንዓዮ ዕርፍኻ።
ዶክተር ተወልደ ወዲ ወዲ ሎጎጭዋ
ወዲ ገብረ ኸፈለት ኣብ ላዕሊ ሓለዋ
ወለድኻ ኣብ ማይላሓም ሕጊ ተኸልዋ
ንበይኖም ዘይኮነ ንኹሉ ዝጸልዋ
ካብ ጀመርካ ዓድኻ ኽትሕልዋ
ኣክቦ ህዝብኻ ግበረሉ ዋዕላ
ተቓላጠፍ ሸፋቱ ጨሪሾም ከይ ኣብረስዋ።
ሕጊ ዓደቦኻ መሰረቱ ካብ ጥንቲ
ኣብ ዓዶም ዝሕግጉ ብትዕግስቲ
ንወለዶ ዝጸንሔ መርየት ኮነ ርስቲ።
ሰውራ ዝብል መጸ ብስም ገድሊ
ኣደንቛሪ፡ ንፍልጠትን ከልካሊ
ባህሊ ዘረግዎ ታሪኽ ከይደሊ
ከይፈልጥ ሰውራ መሃርዎ መታለሊ
ሃገሩ ኣጥፍኤ መሰረቱ ከየለሊ
ዘርእና ተማሕወ ከም ዓቢ ተኽሊ
ነዚኹሉ ተሰኪሙ ይነብር ብዓቕሊ።
ዶክቶር ሓወይ ኣዳልየኒ ምኽሪ
ኣብ ዓዲ እዩ ዝርከብ ሕድሪ ኮነ ዝኽሪ
ስትራተጂ ዓዲ ኣሎ ዝተጻሕፈ ብኽብሪ
ንዜጋ ዘደላድል ዘነባብር ብዘይ ሓለፋ ስድሪ።
መንምዃኑ ይፍለጥ! ወዲ ሃገር
ክንደሻዕ ክትብል ጠምበርበር
ብብርዒ ስም ዝጽዋዕ ብዓል ኣበር
ኣዳዕዲኡ ዘይመጉት ኣይቕረብ ኣብ መንበር
ብብርዒ ዝጽዋዕ ኣይእርነብ! ኣይኽበር።
በል ንህዝብና ንገሮ ብኹሉ
ሕጊ ንዝደሊ ክሕሎ መሰሉ
ተሓቢእካ ኣይኮነን ስራሕ ናይ ተዃሉ
ዝዛረብ ይዛረብ ኣብ መድረኽ ዓው ኢሉ።
ዶክትር ሓወይ ንገርና በብሓንቲ
ሀገርና ትጭፍጨፍ ኣላ ብኸተርቲ
ስድራቤት ብሓንሳእ ንኸይነብር በተንቲ
ሕጻናት ከይመሃሩ ንስደት መሳገርቲ
ኣኪቦም ይሸጥዎ ከም በጊዕ ከም ከብቲ
ጉዶም ይውጻእ ዘርዚርካ በብሓንቲ።
ወዲ ቫካሮ ሓደራኻ
ኣለዉ ተዃሉ ከየታልሉኻ
ባጀላ ኣለና ዝብሉ ልዕለኻ
ከይትኣምኖም! ኣስተውዒልካ! ስምዓዮም ኢኻ
ተግባሮም ተኹላ! ኣባጊ ከይመስሉኻ
ኣሕሊፎም ዘይህብዎ ንማፍያ ህግደፍ ዓድኻ
ጸበብቲ፡ ጉጀለውያን፡ ዘይጸርዩ፡ ምሁራት ኣብ ግዜኻ
ንኸምስሉ ተቓለስቲ፡ ኢና ከይብሉኻ
ሓደራኻ ሓደራኻ ንመንእሰይ ሓብሕበልይ ኢኻ።
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ!!!!
ፍትሒ ይንገስ!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
26 መጋቢት 2014
ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕጂ ኸ ተራ መን ተረፈ?
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
መጋቢት 26 – 2014
እወ ሎሚ ኸ ተራ መን ተረፈ? ብድሕሪ ኣሰቃቒ ህልቂት ህጣራታት ደቂ ኤርትራ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎን ጴጥሮስን፡ እወ ብድሕሪ ሃይለ ድሩዕን ዑቕበ ኣብራሃን! እወ ብድሕሪ ብርሃነ ገረዝግሄርን ጀርማኖ ናቲን፡ እህምም ብድሕሪ ሕመድ ሓምድን በራኺን፣ .. ወ.ዘ.ተ እታ ብደም ዝጠስጠሰት ሰባብ ገመድ ህግደፍ ስራሓ ኣይገደፈትን።
ክሳብ ግንባር ጎልያድ ብእምኒ ዳዊት ዝጭደድ ድማ፡ ገመድ ዲያብሎስ መመሊሳ ብደም ደቀባት ክትስባሕ ኢያ። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ንኡስ ኣነ እም ኣሃውየ! ዝበሎ፣ ታሪኻዊ ግዴታ ስለዝኾነ፤ ግንባር ኢሳይያስ ብዘይተገመተት ወንጭፍ ደቀባት ተጨዲዳ ንዘለኣለም ክትጠፍእ ኢያ። ክሳብ ሽዑ ኸ ትም ድዩ ክኸውን?
እሕሕ! ዘይተሰርነቐ ይኽእላ ኢዩ ሞ ዘይተሰርነቐ እንተሎ ሎሚ እሕሕሕሕ! ይበል።ኢሳይያስ ኤርትራውያን ደረጃ ብደረጃ እናኣጸመወ ዘጽንት ጉዳመኛ ተኹላ ምድረ በዳ ኢዩ። ንሱ ከም ኣባ ጎብየ ኣብ ሰፈሩ ኣድብዩ ግዜ ዘጽንዕን ዝጽበን፤ ከም ነፋሒቶ መምስ መድርኹ ሕብርታቱ ዝቐያይር ጥራይ ኢዩ እምበር ሕጂ እውን ብድሕሪ ውጩን እዞም መኮንናት እዚኦምን፡ ተር ከም ዓተር ካራ ዝሰሓለሎም ላዕለዎት መኮንናት ሰሪዑ ኣሎ።
ብዘይ ምግናን እዞም ሰባት እዚኣቶም (ብ/ር ጀነራል ኣማኑኤል ሃንጀማ፡ ብ/ር ጀነራል ቫይናክ፡ ደሱ ተስፋጽዮን) መዓልቲ ይጽበየሎም ከም ዝነበረ ገምጋም ነይሩና ኢዩ። ኩላቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዕግበት ኣይነበሮምን። ኣብ ቡን ትረ-ስተላን እንዳ ቢልያርዶን ብዙሕ ግዜ፡ <ኣከያይዳና ጽቡቕ የለን> ይብሉ ነይሮም ኢዮም። እዞም ሰባት ደለይቲ ለውጢ ኢዮም ነይሮም። ግን ከመይ ጌርካ ለውጢ ትፈጥር? ከመይ ዝበለ ስጉምቲ ትወስድ ጥበብ ኣይፈጠሩን። ካብዚ ከምኦም የድሕነና! መብዛሕትኦም መኮንናት ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ፍሽኽ እንተበሎም ናይ ወርሒ ከኒንኦም ኢያ፤ ተጸዊጉ እንተጠሚትዎም ድማ ንዓመት ሙሉእ ብሕማም ጭንቀት ዝድነሱ ሰባት ኢዮም። እዚ እቲ ኣብ ዘመነ ህግደፍ መጨሎት ዘይተረኽቦ ሕማም ብዙሓት ኤርትራውያን ኢዩ።
ኦ ጀነራላት ህግደፍ! ካብ ሕማም ትምምም፤ ካብ ጽላሎት ኢሳይያስ መዓስ ኢኹም ትብየኑ? ካብ ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ኣብ ደበንገረ ተስፋ ምንባርን መዓስ ኢኹም ትገላገሉ? መንካዕ፡ ሰለሞን ወልደማርያ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ የሚን ወ.ዘ.ተ… ክቕንጸሉ እንከለዉ ትም ዝበሉ፡ ብ2001 ምጾታት ኣርኪባቶም። ንሶም ንዘስካሕክሕ ሞት ክናና ክፍረዱ እንከለዉ ከኣ ንስኻትኩም ንስለ ስልጣንኩም ክትብሉ ትም መሪጽኩም። ሎሚ እዞም ብሕማምን ብሓደጋ መኪናን ሞይቶም ዝበሃሉ ዘለዉ ክድፈኑ እንከለዉ ከኣ ካልኦት ትም ኢልኩም ኣለኹም። እታ ኣብ ቀይሕ ሓመድ ጸጸራት ዝደኮነት መቓብር ሓርበኛታት ማዕበል ንብዓት ሓርገጽ ዝወሓዛ ቦታ ኢያ። ወዳጄ! ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክጽብቕ! ኣቤት ዕንባባታትን ምንባብ ታሪኽ ሂወትን!!
ጽባሕ ቢጊሓት እታ ጎዞሞ ናብ ክሳውዶም ምስ ቀንዐት ድማ ትም ክኸውን ኢዩ። እቲ ምንታይ ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምኡ ስለዝኾነት! ኢሳይያስ ብሂወት ክሳብ ዘሎ፣ ንገለ ብሕማም፡ ንገለ ብሓደጋ መኪና… ንገለ ብምውዳቕ ንገለ እውን ካልእ ምህዞ እናኣለመ ስርሑ ክቕጽል ኢዩ።
እወ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፣ ካብ ኣስካላ ሸተት ኢሉ ወዲቑ! ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ብሃንደበታዊ ሕማም ስትሮክ ተሰዊኡ፡ መሓመድ ስዒድ ባረህ ብሃንደበታዊ ሕማም ! መሓመድ ሓጎስ ብጽድፊ ዓርበ-ረቡዕ! ኢሳይያስ ጸጋይ፡ ዓብደራሕማን ጃስር ካልኦትን እውን ከምኡ ብሃንደበት ተሰዊኦም ዝብል ጽውጽዋይ ሰሚዕና።
ብድሕሪ ወልደንኪኤል ገብረማርያምን እዞም ግዚኦም ዝበሰለ ናይ ሎሚ ቅነ ሰብ ጽሕፍቶን እታ ሰባብ ገመድ መመሊሳ ክትቅጽል ኢያ። በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ፡ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ ከም ዝተባህለ ምስላ ብሄረ ትግረ፣ ኢሳይያስ ሕያይ እስክ ገብኣ፤ ካብታ ኤርትራን ኤርትራውያንን ናይ ምጽናት ሕብእቲ ተግባሩ ፍንትት ክብል ማለት ሕልሚ ኢዩ! እሞ እንታይ ደኣ ምግባር? ትም ኢልካ ከም ገንሸል ዓርቢ ስቕለት ንፋሲካ ክትሕረድ ምጽባይ ዶ ወይስ ነቲ ብደም ዝተጠመቐ ገበነኛ ከም በጊዕ ዒድ ኣዳሕያ ምግባሩ?
ብድሕሪ 23 ዓመታት ኤርትራ ብኩሉ እንትንኣ ከመይ ትመስል ኣላ? ሎሚ ብድሕሪ ክልተ ደርዘን ዓመታት፣ ብቁጠባ ይኹም ብማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብዲፕሎማሲ ይኹን ብፖለቲካዊ መልክዕ ንፈውሲ ማሕላ እዚኣ ኣላ ጽብቕቲ ኣብ ዘይበሃለሉ ደረጃ ዝወረደት ሃገር ደኣ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኣ ኢሉ ዝሓትት በዓል መዚ ዶ ተሳእነ? ስረ ጅግና ወዲ ዓሊ ዘልዕል፡ ኣብ ኣሰሩ ዝረግጽ፡ ካብ ኩሉ ግዜ ወኻርያ እንኮ መዓልቲ ኣንበሳ ኮይኑ ዝውፈ ዜጋ ዶ ሕርሚ ኮነ? ኣነ ዓሰብ ከይደ ኢደይ ይቕጥቀጥ፡ ንሳ ስና ትውቀጥ ከም ዝበሃል፤ ደጊም ኤርትራ ዘዝወለደቶም ኣእጋሮም ነናብ ዝመርሖም እናሃደሙን ኮላሊቶም እናተሸጠን ኣብ ዘለወሉ ገናድ ግዜ፤ ዳሳት ህግደፍ ከበሮን ደበላን ኢዩ መለለይኡ።
ኮሎኔል፡ ጀነራል፡ ሜጀር፡ ካፕተን ዝተበሃልካ ደኣ ንምንታይ ድዩ? ጀነራል ደኣ ኣባጊዕ ወዲ ለገስ ሓሓሪድካ ሸያ ንምብላዕ፡ ብላክ ለበል ዊስኪ ንምስታይን ኣዋልድ ንምዕማጽን ጥራይ ድዩ ሽመቱ! እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገርን እቲ ጻማ ዝግበኦ ህዝባን ከ ኣይንታዩን ድዮም? ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወግሐ ጸብሐ ግንባር ናደው፡ ግንባር ውቃው፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ግንባር ጊንዳዕ፤ ዓጀብ ቅያ! … መን ኢዩ ክሰምዖ? እቲ ኩሉ ፕሮፓጋንዳ ኤሪ-ቲቪ ናብ ኣየር ዝብተን ደበና እምበር ተቐቢሉ ናተይ ኢዩ ኢሉ ዝርዕሞን ዝወርሶን ወለዶ የለን። ስለዚ ትኽስ ያ ድሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ ከም ዝበሃል፣ እቲ ዓንገረር ኢሳይያስ ስርሑ ንምስላጥ ዝጥቀመሉ መዳህለሊ ጥራይ ኢዩ። ኣይፋልኩምን! ኩሉ ሞ ይጽናሕ! ሎሚ ስለ ክሳድኩምን ስለ ዕድል ደቅኹምን እትሓስብሉ ሰዓት ኢዩ። ደቅኹም ከምቶም ኣቦን ኣደን ስኢኖም ከም ዕባያት ኦርፋን ዝዘኽተሙ ደቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ክትፈርድዎም እንተኾንኩም ድማ፡ እታ ምርጫ ኣብ ኢድኩም ኣሎ።
ኢሳይያስ ኤርትራዊ ፈታዊ ዝበሃል የብሉን። ብዘይካ እቶም ብማግኔት ስሒቡ ናብ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘደየቦም ናይ ደም ኣሕዋቱ የማነታትን ክሻን፡ ካልእ ግዚያዊ እምበር ነባሪ ፈታዊ የብሉን። ዋእ! ትማሊ ፈተውተይ ኢዮም ነይሮም፡ ብሓደ ጸጸር ውሒጥና ተመሓሒልና ኢና፤ ስለዚ ተነቒፍኩም ስራሕኩም ስርሑ ዝብል ሕልና እንተዝነብሮ፤ ነቶም ናብ ስልጣን ዘደየብዎ ጉጅለ 15፡ ነቶም በትረ ስልጣኑ ንምድልዳል ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ሙስጣፋ ኑር ሑሴንን ዓብደላ ጃብርን እውን ኣይነሓፎምን። ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ኮ ሓንቲ ጉዳይ ጥራይ ኢያ ዘላ። ንሳ ከኣ ሕልና ኢያ፡ ኣብ ደም ኢሳይያስ ሕልና ቦታ የብላን። ኣብ ቅድሚ ስልጣኑ ዋዛ የለን፣ ከም ኮፕራ ኣቐዲምካ ምጥቃዕ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተሞከረሉ ስልቲ ኢዩ።
እታ ኣብ ዘመን ጥልያን ዝተሃንጸትን ብመልክዓን ቅርጽታታን ካልኣይቲ ሮማ /ሰኬንዶ ሮማ/ ትበሃል ዝነበረት ከተማ ኣስመራ ኸ ሎሚ ከመይ ኮይና ትረኣየኩም ኣላ? እወ ሎሚ መን ትሓይሽ ካብ ኣስመራን ሃይኮታን? እወ ሕጂ ኣብ ዘመነ ገበል መን ትጽብቕ ካብ ኣስመራን ቶኾምብያን? ኣብዚ ኣይሂ ጸበባ ዝዘንበሉ ዘሎ ህሞት ኢሳይያስ ካብ ኣስመራን ጢዖን፡ ወይ ካብ ቲራቮሎን ዞባ ዓውዳ ባረንቱን ኣበየነይተን ምንባር ይምረጽ?
ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበርኩምን ዘለኹምን መኮንናት ኢሳይያስ! እታ ከም መቕተሊ ኣናጹ በብመዓልቱ ንሰባት እትቕርም ዘላ መጻወድያ፡ ክሳብ ናብ ክሳድኩም እትመጽእ ትም ኢልኩም ክትጽበዩዋ ኣየምሕረልኩምን ኢዩ። ኢሳይያስ ንብጾቱ ዝጠለመን ዘጽነተን ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ስለዚ ከምቲ“ጤልማይ መልሀዩ ረቢ ሸባዩ ዝበሃል፡ ረቢ ክሳብ ዝሰሃሎ ትም ኢልኩም ምጽባይ እንተመሪጽኩም፣ ኣዲዮ!! ኣምላኽ ክሳብ ዝጸባጸቦ ደኣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መሳጊዱን ኣብያተ-ክርስትያኑን ኮይኑ፤ ከምኡ እውን ዕሸላት ኣብ ማህጸናት ኣዴታቶም ኮይኖም እንድዮም ዝጽልዩ ዘለዉ! ኣይፋልኩምን ገለ መራግእቲ ደኣ ኣንጥቡ!
ከምቲ ገረብ ብሓኽላ ዝበሃል፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅዳሕ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራን ተግባራት ሃይለ ስላሴን ኢዩ ኣንቢቡን መሪጹን። ንዕላምኡ ብተግባርን በብግዚኡ ብቃለ-መሕትትን ነጊሩኩም ኢዩ። እነሆ ድማ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን እናኣቕተለ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ደረጃ ብደረጃ ናብዚ ሎሚ ዘለናዮ ህሞት ምስ በጽሐ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ እምነት ኣጸቢቑ ስለዝተጸንቀቐ፡ ንደምህት ኣብ ገዛእ መሬትና ገበርትን ሓደግትን ገይሩ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ሓዘንን ቀብሪን ውጩ ንኩሉ ከባቢታት ኣስመራ ዝቆጻጸርዎ ዝነበሩ ኣባላት ደምህት ምንባሮም ኣረጋጊጽና። ንሱ ብሞርስ ኮድ ዘይኮነስ ብጋህዲ ደጋጊሙ መንገዱ ይነግረና ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ ክልተ መድረኻት፡ ማለት ብቕድሚ መጋረጃን ብድሕሪ መጋረጃን ዝዋሳእ ጥበበኛ ደራሲ ኢዩ። እቲ ተዋስኦ ቅድሚ መድረኽ ንርእዮን ንዕዘቦን ኣለና። ካልእ ገና ብመዓልቱ ዝፍለጥ ድራማ እውን ክስዕብ ኢዩ። ኤርትራውያን ንምጽናትን በብቁሩብ ኤርትራ ንምልሓቕን ኣብ ከባቢናን ርሑቕን ዝዋስኡ በዓል መን ኢዮም ብመዓልቱ ክግለጽ ስለዝኾነ ብህድኣት ንጸበዮ።
ጀነራላት ህግደፍ፡ እናነገረኩም ዘይትሰምዑ፡ እናረኣኹሞ ዝዓወርኩም ሓወልቲታት ፎርዖን ኢኹም። ንሱ ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15 ኣብ ዓመተ 2002 ኣብ ባር ሻምሮክ ብኣረቂ ሜሎቲ ምስ ሸገገ፡ < ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን፡ እቶም ንኸውን ኢና ኢሎም ዝንየቱ ዝነበሩ ከኣ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና> ኢሉ ናይ ልቡ ነጊሩኩም ኢዩ። ዘይነገረ እንተዝኸውንሲ ምናልባት! ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ? እሞ ኣዚሩልኩም ዘሎ ፈውሲ ደኣ ኣየናይ ደብተራ ጎጃም ይፍትሓዮ? እቲ ሕጃብ ከ ኣየኖት መሻይኽ ክፈትሕዎ ኢኹም ትጽበዩ ዘለኹም?
እዚ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘዘኽተመ፡ ንሃገርና ኤርትራ ከኣ ናብ ዑናታት ባቢሎን ቀይሩዋ ዘሎ ኢሳይያስ ኣብ መንገዱ ኢዩ ዘሎ። ኤርትራውያን ናይ ምዕጻድ ስራሓት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ክንደይ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምዝካር የድሊ ኣሎ። ብልክዕ ንምፍላጡ ድማ ዛዕጎልን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
ኢሳይያስ ናብታ በዓል ኣብራሃም ተወልደ ዝመስረቱዋ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ /ደሓር ህዝባዊ ሓይልታት/ ካብ ዝጽንበር ክሳብ ለይቲ ሎሚ 44 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ተፈጥሮ ንግሆ ጸሓይ ኣብሪቓ ንምሸቱ ትዓርብ፡ ዕሉም እውን ንዓላ ካብ ዝተጸንበረላ ዕለት ቅንጸላ ኣየቋረጸን። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምንቅስቓስ 73/76 ኢልና ንዛረብ ንኸውን፡ እንተኾነ እታ ሰባብ ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ናብቲ ዝመደበቶ ሸቶ ንምዕላብ ስራሓ ኣይሓደገትን። ደቀባት ኤርትራውያን ናይ ምጽናት መደብ ወትሩ ኣብ ከብዲ ኢሳይያስ ዝተጠንሰን ጸጸኒሑ ከም ማንታ ርእሲ ዝሕረስን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ሰባት ናይ ምቕንጻል ጥበብ በብዓመቱን ሞዴላን ይፈላለ እኳ እንተኾነ፡ ዕላምኡ ግን ሓደ ኢዩ።
ስለዚ ብድሕሪ ቀብሪ እዞም ገዳይም ተጋደልቲ ተራ መን ተረፈ ኢልኩም መመሊስኩም ካብ ምሕማም፡ ግንባር ጎልያድ ንምጭዳድ ሕጂ እምነ ዳዊት ኣራርዩ።
ባህጊ ኤርትራውያን ክኸውን ኢዩ!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!
Wednesday 12 March was Simret Wolbgeber and the children sent out from Ulsteinvik to France. Where was the government did not live in the family was so great. Thus, the 9 overnight at the airport in a whole week .
In summer came Simret Wolbgeber Ulstein together with their children . The minimum BORNET was born in Sunnmøre. The woman is so-called Dublin because she was first registered fingerprint in France before coming to Norway. Wednesday last week was the family names from Ulstein and the following day on a plane to France. But there was no ready to welcome families with small children . For eight days they have to sleep on the chairs at the airport Charles de Gaulle.
Four months old baby
– To sit as many days at an airport with eight children , is inhuman . It is outrageous , however , says Ranveig Kaldhol , deacon of Ulstein.
The youngest child is four months old days . During the second is 2.6 , 8,10,12 , 14 and 15 years. Her husband should be imprisoned in his home country, after the deacon has been informed .
Kaldhol trying now to help the family from Eritrea , which she has had much contact with the children’s choir and parish work in recent months.
Are too many
– They ask for help at the airport, but get told that Norway had not stated that there was so many , says Kaldhol.
She is critical that such is not cleared in advance and think it is wrong to send a åttebarnsmor out of the country if it is not laid a plan for every family should live . She understands that the law must be followed and that the woman is not entitled to stay in Norway.
– People who are sent out must have a worthy reception of the country they come to , and a roof over his head , says the deacon .
Getting food from the Red Cross
Kaldhol is in regular contact with the Red Cross , and know that they have given the family food. She also discussed with the family every day .
– They have not done anything wrong . They have tried to come away from a country in chaos , says deacon . .
The bishop responds
Also bishop of Møre , Ingeborg Midttømme , engages in the case. She think it’s strange that the Norwegian authorities do not ensure how a family with children they send out, the host received .
– It is unworthy to sit on an airport with an infant and seven other children day in and day out , says Midttømme .
She believes that Norway has a responsibility in this matter , as they will ensure the quality of the situation before they send the asylum seeker back to the first country . The bishop believes that there should be a difference between the return of a lonely person and a family of eight.
Sent back to Norway
Midttømme expect the Norwegian authorities make contact with France to find a solution .
– If they can not accommodate the family , women and children being sent back to Norway until things are clarified. There is nothing in the way that Norway can choose to process her application , even if it was first registered in France , says Midttømme.
She believes the government must take the Dublin II up to the new debate.
– France ’s responsibility
Police say Immigration Service confirms that they have deported and handed over to a family of nine persons to the French authorities and that the family was accepted by France .
– This means that the en France is in charge of the family after the chores French authorities are bound by the Dublin cooperation , says deputy director Geir Bang Danielsen .
He says that the Dublin II regulates, among other things, what countries within the Schengen agreement which is responsible for processing a person ’s application for asylum.
– The aim is to ensure that an asylum seeker get his application processed . At the same time ensure that no one travels from country to country and apply for asylum in several Schengen countries , he says.