ID: Commission of inquiry on Eritrea – 22nd Meeting 32nd Regular Session of Human Rights Council

መርማሪት ኮሚሽን መግሃስ ሰብኣብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ፡ ኣብ መበል 22 ኣኼባን መበል 32 ሱሩዕ ጉባኤ ሰባኣዊ መሰላት ዘቅረበቶ ጸብጻብን ገብረምላሽን ኣባላት እቲ ውድብን።

መርማሪት ኮሚሽን መጽናዕታ ብምግላጽ፡ ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ” ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት” ከምዝተፈጸመ ኡኹል መርትዖታት ከምዘሎ ኣቅሪባ። ዕላማኦም ድማ ነዚ ገበናት ዝፈጸሙ ወልቀ-ሰባት ናብ ኣህግራዊ ቤት-ፍርዲ ምቅራብ ምኻኑ ኣፍሊጦም። 20 ዝኾና ሃገራት ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘቕረበቶ መጽናዕቲ ከምዝኣምንዎን ከምዝቅበልዎን ኣፍሊጠን።

ጠቅላላ ከባቢ 24 ሃገራት ንውጺኢት መርማሪት ኮሚሽን ዘቕረበቶ ተርኽቦ ምላሽ ሂበን። ከባቢ 20 ሃገራት ፡ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽን ዕቱብ ምትሕብባር ክትገብር ትጽቢቶም እኮ እንተ ነበረ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ሱግምቲ ከምዘግሃየን ሓቢረን። ቅዋም ናይ 1997 ኣብ ገብሪ ከተውዕል ፡ ንፖሎቲካውያን ሃይማኖተውያን ኮነ ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ዝቀየደቶም ብሁጹጹ ክትፈትሕ፡ ምርጫ ክትግበር፡ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፡ ናጽነት ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን ከተውሕስ፡ ሃገራዊ ባይቶ ክምስረት፡ ሃገራዊ ኣገልጉሎት ገደቡ ክውሰን፡ ኢሰብኣዊ ገበናት ዝፈጸሙ ውልቀ-ሰባት ኣብ ፍርዲ ከተቅርብ፡ ፖሊቲካዊ ለውጥታት ክትገብር፡ ንዓለም ለኻውያን ውድባት ማዕጾኣ ከተርሑ፡ ከምኡ ውን ንጋዜጠኛታት ኣብቲ ሃገር ብነጻ ክንቀሳቐሱ ከተፍቅድ ትጽቢተን እኮ እንተ ነበረ ፡ በንጻሩ ብምኻኑ ኣዚዩ ኢዩ ኣተሓስሲብወን። በዚ መሰረት ድማ እዚ ዝተባህለ ብዘይ ምግብራ ኣድላይ ሱጉምቲ ክውሰደላ ተላብየን።

እተን ኣርባዕተ ሃገራት ኩባ፡ ቨንዝወላ፡ ቻይናን ሱዳንን ድማ ነቲ ናይ መርማሪት ኮሚሽን እኮ እንተ ዘይ ነጸገኦ እንተኾነ ግን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ ዝርርብ ዘተን ከምዘድሊ ኣገንዚበን።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተዛረባ ሃገራት፦ ወኪል ኤሮፓዊ ሕብረት ፡ ሲውዘርላንድ ፡ ኩባ ፡ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ኣውስትራልያ፡ ኖርወይ፡ ቻይና፡ በላሩስ፡ ፍራንስ፡ ጂቡቲ፡ ቨንዝወላ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ስፓኛ፡ ጋና፡ ቦትስዋና፡ ሶማልያ፡ ዩክረይን፡ ኒካራግዋ፡ ኬንያ፡ በልጂም፡ ሱዳን፡ ኢትዮጲያ፡ ኣየርላንድ።

ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም በዓል ሰላም ኪዳነ፡ ኤልሳ ቹሩም፡ ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ …. ወ.ዘ.ተ ምስክርነቶም ብምግላጽ ደገፎም ንመርማሪት ኮሚሽን ብምግላጽ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ናይ መርማሪት ኮሚሽን ተርኽቦ ብዕቱብ ክሕዞ ድማ ተላብዮም።

ኣብ መጨረሽታ መርማሪት ኮሚሽን በተን ኣባላት ሃገራት ዝቀረበላ ሕቶታት መልስን መብርህን ሂባ።

ኣብ ጀንቫ በጺሕኩምዶ?

ኣብ ጀንቫ በጺሕኩምዶ?

ዝዓበኩም ዝነኣስኩም በጺሕኩምዶ?
ኣዋልድ ሃገርይ በጺሕክንዶ?
ወዘራዝርን ዓድይ በጺሕክንዶ?
ጎበዝ ጎርዞ ጉላኸ ኣርኪብኩምዶ?
መናእሰይ ኤርትራ መርሽኩምዶ?
ደለይቲ ፍትሒ ብሓበራ በጺሕኩምዶ?
ንገሩሉ ንዓለም ንህዝብና ዝኸበዶ!!
ኣርዑት ማፍያ ህግደፍ ዝተጸምዶ!!!
ሓንቲ ከየትረፍኩም ዝተርኽበ ጋዶ!!
ተጠርነፉ ብሓባር ከም ማእዶ!!!
ፍትሒ ክወርደልና ህግደፍ ዝኣጎዶ።

ኣንታይ ንገርሉ በብሓደ ዝኸረረ
ንገርሉ ነቲ ኣብ ጉድጋድ ዝተኣስረ
ብርሃን ከይረኣየ ዓይኑ ዝዓወረ
ኣስደሚምዎ ኣእምሮ ዘዔወረ
ወሳዲኡ ዘይፍሉጥ ዝተሰወረ
ኣሎ እናበካዮ ከይተመልሰ ዝሓደረ
ዝገደፎም ህጻውንቲ ደቁ እናዘከረ
ዘስደም ክንደይ ኣሎ ዘይተነግረ።

ንገሩሎም በደል መማህራን ሃገርና
ስለ ዝበሉ ኣይጠቅም ንደቅና
በብሓደ ተወስዱ ብዓፈና
ኣይተርኽበን ወረ ኣሎ ገና
ኣይተነግረን ሃለዋቶም ንህዝብና
ተገምጢሉ ህግደፍ ይሓተና።

ንገሩሎም በደል ኣካለ ስንኩላን
ምእንቲ ሃገሮም ብምስካል ኮነ ሓጥኣን
ጠያይት ኣርገፍሎም ከም ዕጣን
ቶኮስሎም ጀነራልን ኮነ ግብጣን
ንሕስያ ዘይብሎም ፍጥረት ሰይጣን።

ንገሩሎም ነቶም ጀጋኑ ዓዶም ዘድሓኑ
ዶብ ሃገር ንኸይድፈር ዝሓለኑ
ሰላም ምስተረኽበ ኣብ ዓሰብ ዝተረሸኑ።

ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣስመራ
ከም ኣባጊዕ ተኾንኮቡ ብሓበራ
ኣብ ዊዓ ተኣጎዱ ብኹምራ
ገልን ብዋዒ ደንዚዛ ሓሪራ
ገልን ኣብ ዊዓ ተቐቢራ
ንገሩልም ከይኣጉደልኩም ሓደራ።

ናይ ዓዲ ኣቢቶ ክንዝኽሮ
መንእሰይ ክቕጥቐጥ ከም ከበሮ
ብጠያይት ዓረር ኣፍልቡ ክመትሮ
ወዲ መን ምዃኑ መንሞ! ይንገሮ
ኣሎ ብዙሕ ንዓለም ዘይተነግሮ
ጎዳጉዲ ዝሰተሮ መንይፍሓሮ
ህግደፍ ስራሑ ናይ ምንሽሮ።
ናይ ዶባት ሃገርና ከይርሳዕ
ኣራእስ መናእሰይ ብጥይት ክብሳዕ
እስከ ንገሩሎም ጉዳቶም ይቀላዕ
ኣብ ሃገሩ ከይነብር በባትር ይቅጻዕ
ደንጉኻ ተባሂሉ ፈቐዱኡ ይጽጋዕ።

እስከ ንገሩሎም ግዳያት ምድረበዳ
ዓቢ ምስ ንእሽቶ ብሓባር ክስደዳ
ፎቖዶ ሳሓራ ብሑጻ ክነዳ
ኣበይ ኣሎሞ! ኤርትራዊ ዘይከዳ
ሕላገትና ኮይኑ ናይ ኣሞራ ኣደዳ።

ከይትርስዕዎ ግዳይት ናይ ሲናይ
ተኽለ ማንጆስ እዩ ቀያሲ ናይ ሲናይ
ምስ ረሻይዳን፡ በደዊን ዶላር ተመቃላይ
ሽያጥ ናይ ኮላሊት ሚልዮን ተቀባላይ
ሓደ ከይትገድፉ ብደም ተሓታታይ።

ኣንታ ንገሩለን ኣደታት ኤርትራ
ኣብ ከብዲ ከለዉ ከይተበኮራ
ብኹርማጃት ህግደፍ ከብደን ዝሓረራ
ፎቆዶ ማእሰርቲ ንቡር ዘይተቐብራ
ንሳተን ደቀንን ብሓባር ተቐብራ።

ኣንታ እዞም ናራ ወዮም! ዞም ኩናማ
ብሓብር ተኣስሩ ኩላቶም ብኣልማማ
መላስ ኣውያት የለን ኣዛኖም ጸመማ
ብህግደፍ ተደፍኑ መርዚ ኣቐዲማ።

ገዳያት ናይ ቀላይ ፡ናይ ማእከላይ ባሕሪ
ጸግምና ተቐልዔ ንዓለም ነጋሪ
ወግሔ ጸብሔ ይሰጥም ናብ ባሕሪ
ክንደይ ክንብሎሞ! ዝወስዶ ባሕሪ
ዓለም ብዓለማ ተኸዲና ጸብሪ
ማፍያ ህግደፍ ኮርዩ! ወሰኸሉ ነድሪ
ኣይፈልጦም! ክብል ግብሩ ኣነዋሪ
ገንዘብ ክፈሉኒ እንተደለኹም ቀብሪ
ቃላት ኣምጸኣሎም ዝጠለሙ ሕድሪ።

ሙሁራት ሃገርና ተቖርጹ ብጎዞሞ
ናይዚኦም ጭካነስ ንዓለም ገረሞ
ኣበይ ዝተፈጥሩ ጭካነ ዝገዘሞ
ድምብርጽ ዘይብሎም ቃንዛ ንዘሕሞ
ኣቦኦም ዝቀትሉ ብፋስ ብጎዘሞ።

ኣንታ ንገሩሎ ንኹሎም በብሓደ
ሃጽ ዝበለ መንእሰይ ንስደት ዝኸደ
ኣፉ ዓቢሶሞ ከይዛረብ ዘስገድገደ
ትምህርቲ ተሳኢኑ ጽሑፍ ዝኣገደ
ተስፋ ምስቆረጸ ናብራ ምስ ከበድ
ሃጽ ኢሉ ኸደ! ባርነት ምስ ገደደ
ካብ ባርነት ኣብ ሃገር! ይሓይሽ ዝተሰደደ።

ኣብ ጀንቫ ዘለኹም ኩሉኹም
ንዓለም ንገሩሉ ደጊምኩም ደጋጊምኩም
ሃገርና ኣልሚስዋ! ህግደፍ ማፍያ ኢልኩም
ፍትሒ ኽወርደልና! ዓለም ርድኡና!!። በጃኻትኩም

ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ፍትሒ ይንገስ
መንእሰይ ኤርትራ ሽግካ ዕተራ።

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 22 ሰነ 2016