ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!! 25 ዓመት ባርነት ኤርትራ!!!

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
25 ዓመት ባርነት ኤርትራ!!!!!!!!!

ኣንታ!! እዚ ቓንዛ ክሳብ ምዕስ ኢና
ባርነት ከብቅዕ ንበል ይኣኽለና
ለባማት ካብ ተርኽቡ ዝነግሩ ሽግርና
ደልይቲ ፍትሒ ጠርንፉ ምኸሩና።

ዓለም ለኻዊ ተበግሶ ካብ ጀመሩ
ንኽድንፍዕ ህዝባዊ ቓልሲ ኣትርሩ
ኢደይ ኢድካ ንበል ኩላትኩም ሕበሩ
ዝሓይሽ ዝበልካሞ እናዘርኩም ንገሩ።

ዘተ እዩ ፈውሲ ዝኸውን ንሃገርና
እስከ ካብዚ መርድእ ዓዲ ኣድሑንና
ጠፊኡ መንእሰይ መልቀስ ናይ ሃገርና።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ኤርትራ ዓደይ ዘይውዳእ ልቕሶ
መዓስ እዩ ዝዛዘም ናይ ገዛና ልቕሶ
ናብራ ዓድና ኮይኑ ደጋጊምካ ልቕሶ
ጎዶቦታት! ዓድና ቤት ከፈተ ልቕሶ
እንዳታት ዓድና ዘረባኡ ልቕሶ
ወረዳታት ሃገርና ዕላላቶም ልቕሶ
ኣዉራጃታት ዓድና ወግሔ ጸብሔ ልቕሶ
ዝቐደመ ኸሎስ ኣብ ርእሲኡ ይድገሶ
ኣንትዞም ስድራና ስኢኖም ደባሶ
መንእሰይ ሃገረይ ግርማና ምለሶ
ንብዓት ወላዲትካ! ከድካንዶ! ሓብሶ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ኣበይ ከደ ጅግነንት ናይ ኤርትራ
ታሪኾም ዝርስዑ ኣለዉ ሰብ ጃህራ
ሓሶት ዝናብራኦም ጥራሕ ጉራ
ኣሕዋቶም እናተዓመጻ ኣብ ሳሃራ
ገለን ይሽየጡ ብዶላር ብባጠራ
ገና ናይ ኣሕዋትና ዘይተገብረ ቀብራ
ሃገር ጠሊማቶም ኣብ መኽዘን ክሓደራ
ጅግና ወዲ ዓደይ ታዕጠቕ ሽራራ
ንዓባ ህዝብኻ ኣውጻኣዮ ካብ መከራ።

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
ቆላዑ ናይ ሳዋ መዓንጣ ዘይቆጸሩ
ናፍቖት ወላዲቶም ስለ ዝዘከሩ
ኣስመራ ምስ በጽሑ ጸገሞም ክነግሩ
ንዓሰብ ዘይኮነስ ናብ ዓርብ ክሰግሩ
ምስጢር ንኸይንገር ኣብ ኣስመራ ሓረሩ
ኣብ ቅድሚ ወለዶም ከብዶም ተመቲሩ
ኣለልዩ ጸላኢኹም ሓቢርኩም ዘርዝሩ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
መንእሰይ ሃገረይ ዘይረኸበ ቀብሪ
ዘበን ጠሊምዎ እናኾነቶ ጓህሪ
ዓለም ጸቢባቶ ደቒቓቶ ከም ኣድሪ
ሳሃራ ወዲኡስ ይድርገም ናብ ባሕሪ
ኣብ ውሽጢ ይጸንሖ! ዓሳ ነባሪ
ሽግርን ናይ ሃገራና ይውሰኾ ስድሪ
ንዝነበረ ሓዘን ይድመሮ ቁሪ
ኣደ መናእሰይ ከምይ ኢልኪ ትሓድሪ????።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ባንደራ ሃገርና መንዩ? ዝሰቐላ
ትርኤ ኣብ ላዕሊ ተንጠልጢላ
ዘይትርከብ ደይብካ ኣብ ዋላ
መጻወቲት ኮይና ንኹቱ፡ ንሽላ
እናሃሰሰ ከደት ሕብራ ተበሊላ
ስኢና ጥዕና ሓደረት ኣብ ገበላ
ሃገር ብሃገራ ምሕረት የውርደላ
ዘይትሕብሕብ ህዝባ ኮይና ተዳሂላ።

ብዙሓት ኣለዉ ዝነብሩ ኣብ ሓሶት
ናብራኦም ካብኮነ ንፋስ ወይ ጽላሎት
ውቕረት ዝዕላሎም ምስ ፍኹሰት
ክብሪ እንተዝመረጹ ምሕሸ ካብ ዉርደት
ሕልና እንተዝገብሩ መምጻኣሎም ቅሳነት።

ዘበነ ጸላም ህግደፍ ንኽድምሰስ
ንብዓት ናይ ወለዲ እንክ ሕበስ
ኣውያትን ብኽያትን እንክዕበስ
ምስ ለባምት ንምከር ህዝብና ኽድበስ
ይኣኽለና ዘሕለፍናዮ ሃበስ ቀደስ
ዓመጽትን ክባረሩ ሕጊ ንኽነግስ
ግዜ ከየጥፋእና ኣይንበል ደበስበስ
ኣብ እስራኤል ዘልኻ ኣንጊህካ ተበገስ
ህጻናት እንክዘሉ ሓርነት ክምለስ።

ዉድቀት ንፋሽሽቲ ማፍይ ህግደፍ
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 14 ግንቦት 2016

ፈስቲቫል ብሌን ኣብ ከተማ ሎዛን ስዊስ ብዕለት 07.05.2016 ብዓቢ ድምቐት ተባዒሉ

ብሓሮ ብሌና ረድዮ ሎዛን ስዊስትል ዕለት 07.05.2016

ብሄር ሰርገልድ እስቲዂ\ፈስቲቫል ብሌን ኣብ ከተማ ሎዛን ስዊስ ብዕለት 07.05.2016

PDF: ሎዛን ፈስቲቫል 2016

 

መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ

ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶ፡
ብምክንያት ሃገራዊ ብዓል ናጽነት ኤረትራ ሃገራዊ ዘተ ከምኡውን በቶም ወናማት ሙዚቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ ተዳልይልኩም ኣሎ።
ሃገራዊ ቆጸራ ዝብል ተማ እንታይ ንግበር እስከ ንዛተ: 25 ዓምት ናጽነት ካብ ኮነ ስደት : እስርባት: ቅትለት: ባርነት: ውርደት: ጥምየት: ጥፍኣት :ሞት እስከ በሉ ንዛተ ህዝብን ክረክብ ሓርነት። ፍሉይን ፡ ተጽዕኖ ዘይብሉ ቅሉዕን ነጻን ዝኾነ ህዝባዊ ዘተ ንዕድም ኣለና። ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ፡ ኣሰቃቒ ኩነታት ዘሕመመና ብዙሓት ከምዘለና ንፈልጥ፡ እንተኾነ ግን ካብ በብዘለናዮ ፋሕ ኢልና ንቃለስ ፡ ምስ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ብሓባር ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ሃገርና ክንዛራረብን ፡ሽግርና ክንፈትሕን ፡ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።
ክንተኣማመን ንዛተ!

eritrean-independence-day-celebration-25

ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ
Eritrean Justice Seekers Toronto

New Eritrean music 2016 ይጽናሓልና ኣይንበል፡

New Eritrean music 2016
ይጽናሓልና ኣይንበል፡ ብ ዳዊት ኣብርሃን ጽገረዳ ክፍለማሪያምን

 

ህቡብ ድምጻዊ ኪሮስ ኣስፋሃ ኣብ እስራኤል ዕዉት ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣካይዱ።

ህቡብ ድምጻዊ ኪሮስ ኣስፋሃ ኣብ እስራኤል ዕዉት ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣካይዱ።