ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..?

ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..?

ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም እንተዘይህቡ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ ሕመረት መትከሎም እንተዘይ ገብሩ፡ 24 ግንቦት ክሳድና ኣቕኒዕና ብዓውታ ናጽነት ኣይመድመጽናን፡፡እንተኾነ ጀጋኑና ንስለ መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ክቡር ህይወቶም ኣይወፈዩን፡፡ እቲ ብልቢ ኣሚኖምሉ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውእሉ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እውን ከምኡ ዝብል ፕሮግራምን ቻርተራትን ዝሓቖፈ ኣይነበረን፡፡ እቲ ብደም ጀጋኑ ዝተጻሕፈ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ቅድም ናጽነት ምርግጋጽ ቀጺሉ ሓንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ነጻ ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ዝብልዝነበረ፡፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል፡፡ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ጌጋ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብዚ’ዩ ዝጅምር፡፡ ጀጋኑ ስውኣትና ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውኡሉ መትከልን ዕላማን ብውሑዳት ተበለጽቲ ተጠሊሙ ሕድሮም ስለ ዝተረግጸ፡፡

እቲ ብቓጻ በትረስልጣን ሕሉፍ ምልክነት ዝጨበጠ ናይ ውሕዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ነቲ ብደም ዝተጻሕፈ መትከላት ጀጋኑ ረጊጹ፡ ሕድሪ ስዋኣትና ምሉእ ብምሉእ ጠሊሙ፡ ሓድጊ ጀጋኑና ኣብ ምጽናትን ኣብ ምቕታልን ኣብ ምእሳርን ኣብ ምጭፍጫፍን ኢዩ ኣትዩ፡፡ እንቋዕ ድኣ ህያብ ጀጋኑ ስውኣትና ዝኾነት ናጽነት ረኸብና እምበር፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገደደን ብዝኸፈአን ተረጊጹ ስለ ዝተቐትለ ዝፈትዋን ዝናፍቓን ዓዱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመረሖ ክበታተን ኢዩ ተራእዩ፡፡ እቲ ዝኸፈኣ ድማ ህግደፍ ታሪኽ ጀጋኑ ስዋኣትና ላዝኡ ኣጥፊኡ ከም ዝጅላሕን ከም ዝብረዝን ገይሩ ኢዩ፡፡ ንኽብሪ ጀጋኑና ዘንተ እለት እንዝክረሉ ቀዋሚ ዓቢ ሓወልቲ እውን ክሳብ እዛ መጠረሽታ ሰዓታት ክትከለሎም ኣይርኣናን፡፡ ጎደናታት ኣስመራ ብዘይርዳኣካን ዘይተሓዝን ስጊንጢር ኣስማት ክቐየር እንከሎ መዘከርታ ስሙያት ጀጋኑ ስውኣትና እውን ንፈውሲ ማሕላ ክርቋሕ ኣይሰማዕናን ኣይረኣናን፡፡ ሓወልቲ ፑሽኪን ግን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተተኺሉ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ብስም ጀጋኑ ዝምሕልን ዝጥሕል ዝሽቅጥን ናይ ውሑዳን ተበለጽቲ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ፡፡

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ከምቲ ቀዲመ ዝበልክዎ፡ ናይታ ፍርአ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ዝረኸበናያ ናጽነት፡ ብደምን ኣዕጽምትን ዝዓበየትን ዝፈረየትን ተኽሊ ብቑሊ ኢያ፡፡ እዛ ብደምን ኣዕጽምትን ዝጨብጨበት ተኽሊ እያ ድማ እታ እንሕበነላን እንኾርዓላን ናጽነት፡፡ የግድስ እቲ ንመትከላትን መብጽዓን ስውኣትና ምሉእ ብምሉእ ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዛ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተተኽለት ተኽሊ ፍርቂ ኣካላ ኣቐምሲሉ ወጅሃታ ከም ዝሃስስን ከም ዝድውንን ገይርዎ ኢዩ፡፡ ትርጉም ናጽነት ክሳብ ድንግርግር ኢሉ ዝጠፍኣና ከሳድና ከም ነድንንን ኣብ ዘበናዊ ባርነት ከም ንቑረንን ገይሩና ኢዩ፡፡ ስድራቤታት ጀጋኑ ስዋኣት ውሽጡ ሕሩር ኮይኖም ብጓሂ እህህህ ከምዝብሉ፡ ደቂ ስውኣት ከምዝቃዝኑን ከም ዝከላበቱን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ስዋኣት ከም ዝርገጹን ከም ዝበታተኑን ገይሩ ኢዩ፡፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘስደመመ ኤርትራውያን መናእሰያት ካብ ባርነታዊ ሙቑሕ ህግደፍ ንኸምልጡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ክጥሕሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ውሽጣዊ ኣካሎቶም ተዘሪፉ ብዘይ ንቡር ቀብሪ ክድርበዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰኒዶነኦ ኣለዋ፡፡ ብዙሓት ካብዞም ግዳያት ድማ ኣሕዋት ስውኣትን ደቂ ስውኣትን ንሃገር ብጻዕዳ ገዲፎም ብጸሊም ኢዶም ዝሰርሑን ዘበርከቱን ኢዮም፡፡ነዚ ክትርእዮ ዘይኮነ ክትሰምዖ እውን ዘደንጹ እከያት ብቓልዕ ዝፈጸመን ገና ውን ዝቕጽሎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ህልዋት እናቐተለ ብኸመይ ኢዩ ስዋኣትና ዘኽብር…..?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 20 ሰነ 2015 መዓልቲ ስውኣት ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ህልዋት እናቐተልካ ስውኣትከተኽብር ኣይከኣልን’ዩ፡፡ ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ናይቲ ካብ መናበይ ዘኽታማት ኦርፋን ኣብዘይ ዕድሚኡ ናብ መሰልጠኒ ማእከል ህግደፍ ኪሎማ ተወሲዱ ኣብ ተሃድሶ በይሉል ተኣሲሩ ክልተ ኣእዳዉ ዝለመሰ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ናጽነት ዝኸፈለ መቓልሕ ዝስሙ ግዳይ ከም ኣብነት ኣቕሪበ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ፡፡ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ጭካነ ተግባራት ግን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡፡ ንሎሚ ድማ ነዚ ህልዋት እናቐተለ ስውኣት የኽብርየ ዝብል ምስሉይ ስርዓት ተግባራቱ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ከይረኣየ ሰሚዑ ዝደናገር ኣብ ድያስፖራ ዝነብር ወገን ንኽፈልጦ ሓደ ክልተ ግዳያት ከም ኣብነት ክጠቅስ እየ፡፡

ዮናስ ወዲ ግሪሊስ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ንስለ ሃገር ዝኸፈለ ኣሕዋት ጀጋኑ ኢዩ፡፡ ዮናስ ኣባል ሓምሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ፡፡ ካብቶም ንስለ ናጽነት ንበረኻታት ሳሕል ዝወፈሩ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ሓደ ጥራይ ኢዩ ካብ ብሱል ጥረ ተሪፉ ናጽነት ክርኢ ዝበቐዐ፡፡ እቶም ሰለስተ ንስለ ናጽነት በጃ ኾይኖም ተሰዊኦም ኢዮም፡፡ እቲ ናብ ናጽነት ዝኣተወ ሓደ ሓዉ ድማ ኣብቲ ድሒሩ ብሰበብ ባድመ ዝተባርዐ ኣህላቒ ኲናት ኣብ ውግእ ዓዲ ሃኪን ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ተሰዊኡ ኢዩ፡፡እታ ሽዱሽተ ዝወለደት ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ንዮናስን ሓንቲ ንእሽቶ ሓፍቱን ሒዛ ኢያ ተሪፋ፡፡ ዮናስ መስዋእቲ እቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ተጋዳላይ ሓዉ ብወረ ወረ ምስ ሰመዐ፡ ናብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ብኢደ ዋኒኑ ብምኻድ ከምዚ ክብል ተዛረቦ፡፡ ”ሰለስተ ኣሕዋተይ ንናጽነት ተሰዊኦም ኢዮም፡፡ ሕጂ ድማ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ዝነበረ ሓወይ ኣብ ውግእ ዓዲ ሃኪን ከም ዝተሰወአ ብወረ ከዕልሉ ሰሚዔ ኣለኹ፡፡ ኣብ ገዛ ኣነን ምንኣሰይ ሓፍተይን ጥራይ ኢና ተሪፍና፡፡ ሓፍተይ ውን ኣብ ኣገልግሎት ኢያ ዘላ፡፡ እንተተኻኢሉ ነደይ ከሐግዝ ሓድጊ ክኸውን ክምለስ ፍቐደለይ፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ኣነ ኣብ ሓይልታት ኣብ መሳርዕ እየ ዘለኹ፡፡ ውግእ ድማ ሰባት’ዩ ዝበልዕ፡፡ ንሂወተይ ዝሓዝኩላ ውሕስነት የብለይን፡፡ ገዛ ጻንታ ካብ ትኸውን ኣብ ክፍልታት ኮይነ ግቡኣይ ከበርክት ፍቐደለይ” በሎ፡፡

እቲ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ምሕጽንታን ልመናን ዮናስ ወዲ ግርሊስ ዋላኳ ቅጭጭ ኣይበሎን፡፡ ”ኣርባዕተ ኣሕዋትካ ዝተሰውእሉ ሃገር ንመን ገዲፍካያ ክትከይድ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ሕነኻ ክትፈዲ ዝግባኣካ ንስኻ ኢኻ፡፡ ኣግሂድካ ፈሪሐ ንድሕሪት ምለሱኒ ትብል እንተኼንካ ክንመልስካ፡፡ በቶም ብጅግንነት ዝተሰውኡ ኣሕዋትካ ክትሕባእን ከተመኽንን ግን ኣይቅበለካን እየ፡፡ ንሶም እጃሞም ኢዮም ጌሮም፡፡ ንስኻ ድማ እጃምካ ትገብር፡፡” በሎ፡፡ እቲ ዘሕዝን እቲ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣሽንኳይ ደቁን የሕዋቱን ወዲ ሓዉ ንዝብጽሖ እውን ብጉልባብ ሕርሻ ክፍለ ሰራዊት ካብቲ ዘንድድ ሓዊ ድፋዕ ኣርሒቑ ንድሕሪት ዝመለሰ ኢዩ፡፡ ወዲ ግሪሊስ ካብ ዝፈረሆ ኣይወጸን ኣብቲ መሪርን ኣስካሕካሕን ኲናት ግንቦት 2000 ዓ/ም ኣብ እንዳሃዋርያት ከባቢ ጸሮና ተሃሪሙ ተወግአ፡፡

ካብ ምስዋእ ግን ንስክላ ደሓነ፡፡ ኣብ 2005 ዓ/ም ድማ ከም ኩሉ ዓዱ ገዲፉ ብጅምላ ዝስደድ ዘሎኤርትራዊ መንእሰይ ብመገዲ ስግረ ዶብ ንሱዳን ኣተወ፡፡ ኣብ ሱዳን ክልተ ዓመት ሰሪሑ ገለ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ንማእከላይ ባሕሪ ቆሪጹ ናብ ኤውሮጳ ክኣቱ ተበገሰ፡፡ ንምድረ በዳ ሰሃራ ተሳጊሩ ልብያ ትራብሎስ ኣተወ፡፡ዕድሉ ግን ኣይጸበቐን፡፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን መናእሰያት ጥሒሉ ህይወቱ ሓለፈ፡፡ ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ፡፡ ገዛ ሐድጊ ዘይብላ ጻንታ ኮይና፡፡

እቲ ዘሕዝን ኣብ 2007 ዓ/ም እተን ወላድ መኻን ዝኾና ኣደ ጀጋኑ ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ደሃይ እቲ ከም ዕንቂ ባሕሪ ዝተሸርበን፡ ግን ድማ ዘይቀበጸኦ እንኮ ውሉደን ብተስፋ እናተጸበያ፡ ካብ መንበሪ ገዛኣን ብዝተኣዘዙ ወተሃደራት ተወስዳ፡፡ ወድኽን ስግረ ዶብ ስለ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ትኸፍላ ተባህላ፡፡ ኣደ ጀጋኑ ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ናይ መጠረሽታ በጺሕወን ነቲ ፎርም ስግረ ዶብ ቀሪቡ ከፈርመን ዝዛረበን ዝነበረ ምምሕዳር ”ስማዕ እዚ ወደይ ኣነ ኣደ ኣርባዕተ ስውኣት እየ፡፡ መንግስቲ ናይቶም ስውኣት ደቀይ ዓዓሰርተ ሽሕ ደበስ ኢሉ ዝሃበኒ፡፡ ሕጂ ድማ ሓደ ዝተረፈ ወድኺ ስግረ ዶብ ስለ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ተዓደይ ትብለኒ ኣለኻ፡፡ ንሃገር ዝተሰወኣ ዓሰርተ ሽሕ ስግረዶብ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ቅኑዕ ፍርዲ ኣይኮነን፡፡ ብመስዋእቲ ደቅና ከምዘይ ተሓበና ኣጕሂኹምና፡፡ ኣነ ሎሚ ኣይከፍል ጽባሕ ኣይከፍል፡፡ እንተደለኹም ናይቶም ኣርባዕተ ዝተሰውኡ ደቀይ እተን ወርሓዊ ዝወስደን ሓሓሙሽተ ሚእቲ ናቕፋ ውሰድወን፡፡ ሃየንታ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ከምዚ ከማይ ወላድ ጻንታ ዝኾነ ኤርትራዊ ማህጸን ግን ክረግመኩም ኢዩ፡፡ ግፍዒ ህዝቢ ኣይክሰደኩምን ኢዩ፡፡” ክብላ ኣምሪረን ተዛረበኦ፡፡

እቲ ከፈርመን ተቐሪቡ ዝነበረ ምምሕዳር ሓጥያቱ ብግህዶ ስለ ዝነገረኦ ነቲ ግበር ኣይትግበር ካብ ላዕሊ ዝተኣዘዞ ትእዛዝ ዘይምትግባሩ እናፈረሀ፡ ”ድሓን ማማ ብጌጋ ኢኽን ተጸዊዕክን፡፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክንዘራረበሉ ኢና፡፡” ክብል ኣፋነወን፡፡ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ግን ኣደ ጀጋኑ ኣደ የናስ ወዲ ግርሊስ ናይቲ ጥዑም ብስራት ክሰምዐ ብተስፋ ዝጽበየኦ ዝነበራ ውሉደን መሪር ሞት መርድእ ተረድኣ፡፡ ከም ኣደ ጀጋኑ ኣደ የናስ ወዲ ግርሊስ ብዙሓት ስድራቤት ስውኣት ብስርዓት ህግደፍ እቕረ ዘይበሃሎ በደላት በጺሕዎም ኢዩ፡፡ ኣደ ክልተ ስውኣት ክልተ ደቀን ስግረ ዶብ ዝኸዱ ሚእቲ ሽሕ ተዓደያ ተባሂለን ዘቕበጻ ሓንቲ ኣደ ኣብ ቦርቦሬላ ሰለስተ ወርሒ ተኣሲረን ዝነበራ ውን ኣለዋ፡፡

ሓደ ወደን ስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ኣብ መሳርዕ ምስ ሰራዊት ሽዱሽተ ወርሒ ዝተኣስራ ኣደይ ለተብርሃን ዝበሃላ ተቐማጢት ከተማ ዓሰብ እውን ነይረን ኢየን፡፡ እዚ’ዩ እቲ ንህልዋት እናቐተለ ስድራቤት ጀጋኑ እናከላበተ ስውኣት የኽብር እየ ዝብል ስርዓት ህግደፍ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ክልተ ካብ ሚእቲ ክራይ ናይ ኤርትራዊ ዜግነትና እናኽፈለ ሕድሪ ሰማእታትና ፍጹም ዝኸሓደን ዝጠለመን ስርዓት ህግደፍ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ምስ ህልዋት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሬሳ ወገናትና ውን ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ፍንፉን ስርዓት፡፡ ብኸመይ ኢዩ ስርዓት ህግደፍ ህልዋት እናቐተለ ስውኣትና ዘኽብር……..?

እዚ ጽሑፍ እዚ ቀዲመ ካብ ዘቕረክዎም ጽሑፋት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ነቲ ዓስቢ መስዋእቱን ምግዳሉን ዝተጠልመ ህዝቢ ኤርትራ

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.