ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
30 ሚያዝያ 2015
1ይ ክፋል

ብድሕሪ ስርሒት ተርግእ ቢሻ፡ መመርገጺኻ ኣፍልጥ ኢዩ ኮይኑ ቀንዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜ ምምጽኡ’ውን ሻነ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ኣህጉራዊ እገዳ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለና ካብ ዝብሉ ኤርትራውያን ብዙሕ ፈያር ርእይቶታት ሰሚዕና ኢና። “… ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ክግበር የብሉን! ብእገዳ ህዝብና ክህሰ’ዩ” ኢሎም ተማጒቶም ኢዮም። ነቲ መራሒ ህግደፍ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ፣ “…ኣብዚ ሃገር እኽሊ ምሻጥ ክልኩል ኢዩ። ብሑቕ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ የብሉን።” ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኣወጆ ግሁድ እገዳ ረሲዖሞ ያኢ።

ያኣኽዋንና! እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኣይጸላእናዮን። ምኽንያቱ ነዊሕ ጉዕዞ ከይከድና እንከለና፡ ብኣግኡ ነናትና ኣረኣእያታት ምንጻሩ ግሩም ስለዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ዝረኸቦ ሓደ ረብሓ ኣሎ።፡ እቲ ሃራሚ፡ ኣሳሪን ረሻኒን ተዛራባይ ትግርኛ ብምዃኑ ጥራይ። እቲ ፍልልይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግንቢ ኣስመራ፣ ናብ ሰፈር ኣዛብእ ዒራዒሮ ምቕያሩ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ መግዛእቲ ጨካን ኢሳይያስ ካብ ዘበነ ሃይለ ስላሴን ግዝኣት ደርግን ብምንታይ ኢዩ ዝፍለ? እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ሓደገኛ፡ ነዛ ሃገር ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ዝኸተታ ስርዓት፡ ኣብ ዘሕምሞ መትኒ እንተተሃርመ ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ሕግብግብ ኢሎም።

ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለና ኣረኣእያ’ውን ካብዚ ንኣሽቱ ተርእዮ ኢዩ ዝብገስ። ብድሕሪ ፍጻሜ ተርግእ ቢሻ፡ ቅልጽም ህግደፍ እናተዘብጠን ጎማ ኢሳይያስ መስማር ከም ዝኣተዎ እናነፈሰን፡ “ምትእትታው ኢድ ወያነ” ብዝብል ምኽንያት ናይ ደገፍቲን ተቓወምቲን ሓባራዊ ቁዘማ ክንሰምዕ ቀኒና ኢና።

ሰባት ነናቶም ኣረኣእያ ክህልዎም ሰናይ ኢዩ። ክንድዝኾነ ከኣ፡ እዚ ናተይ ናጻ ርእይቶ ምዃኑ ከብርህ እደሊ። እቶም ቢሻ ትካል ህግደፍ ክህረም የብሉን ዝብሉ ዝነበሩ ድማ፡ ሕጂ ንኢሳይያስ ናብ እንዳ ጎሚስታ ወሲዶም የንፍሕዎ።

ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ቀጥታዊ ይኹን ብኢድ ኣዙር ወራር ናይ ዝኾነት ሃገር ኩኑን ኢዩ። ብዛዕባ ጉዳይናን ህሉው ዛዕባናን ክንዛረብ እንተኾይንና ግን፡ ንኢሳይያስ ዘህጥርን ዘጉስዕን ዘሎ ወርቂ ቢሻ ኢዩ። ስለዚ ንሱን ስርዓቱን ንሓዋሩ ክብንቆሱ፡ እቲ ዘጉስዖም ዘሎ ትካላት እውን ብዘይ ንሕስያ ክዓኑ ይግባእ። ኢሳይያስ ብድጋፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ክሳብ ሎሚ ጸኒሑ። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣቐዲሙ ኣኻዕቢትዎ ብዝነበረ ሕቡእ ዶላራት፡ ብ2% ካብ ዜጋታት ዝኣከቦ ገንዘብን ኣብ መወዳእታ ድማ ወርቂ ስለዝረኸበን ጥራይ ኢዩ ብሂወቱን ኣብ ስልጣንን ዘሎ።

ወርቂ እንተዘይረክብ፡ ወይ እቲ እንዳ ወርቂ ዝኾነ እንተሊ /ጉድጓድ/ ብኣግኡ እንተዝህረም፣ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ኣምበይምኾነን። ስርዓት ህግደፍ ስለዝሃጠረ፡ መንእሰያትና ግዳይ ሲናይን ባሕሪን ምዃኖም ጥራይ ከይኣክል፡ ሎሚ ድማ ግዳይ ግብረ ሽበራውያን ኣይሲስ /ISIS/ ኮይኖም ክሳውዶም ተሓሪዶም ኣለዉ። ጅምላዊ ሞትን መቕዘፍትን 300-400 ኤርትራውያን’ውን ከም ልሙድ ፍጻሜ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ 1973 ዓ.ም. ተኣልዩ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብቲ ተጋደልቲ ዝገበርዎ ናይ 1993 ኣድማ ተቐፊዱ እንተዝነብር፣ ወይ ኣብ 2001 እቲ ዝጀመረ ህዝባዊ ነውጺ ገሊፍዎ እንተዝኸውን፣ ወይ’ውን ኣብ 2013 ብስርሒት ፎርቶ መኸተ ጅግና ወዲ ዓሊ እንተዝኽምበል ነይሩ፤ ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ’ኮን ምሃሎና? ኢልና ንሕሰብ። ኢሳይያስ ክእለ እንተተደልዩ፡ እቲ ኣብ ሰራውር ደሙ ዝተተኽለ ኢንፍዩዥን ክብተኽ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ንሱ ከኣ ኢንፍዩዥን ወርቂ ቢሻ ኢዩ።

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ ከም ዝበሃል፡ ትማሊ ቢሻ ተሃሪሙ ኢልካ ምቑዛም’ምበኣር ጣቋ ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ትካላት ኢሳይያስ ክህረም የብሉን ምባል፡ ብካልእ ኣዘራርባ፣ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ይጽናሕ ከም ማለት እየ ዝቖጽሮ። ዝገርመኒ ኣረኣእያታት እውን ኣሎ፣ “…ኢሳይያስ ሎሚ እንተተኣልዩ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ከም ሶማል ክትበታተን ኢያ። ስለዚ ከም ሃገር ጠሚሩዋ ዘሎ ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ ክጸንሕ ይሓይሽ” ዝብሉ ወግዓውያን ተቓወምቲ ምህላዎም ኢዩ። ነቲ ‘ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና’ ዝበልዎ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣዘኻኺሩኒ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ሕቡእ ጉስጢ፡ ዘዘለካ ቁስሊ ምጉዳእ ወይ ምጉጥጣይ ይበሃል። ሰባብ ስርዓት ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረን ዘሎን ግሁድ ምዕግርጋርን ጉስጢን ከም ቅዱስ ተግባራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ምሃባ ግን ዘይቅዱስ ተግባር ኢዩ ምባል፣ ፍትሓዊ መርገጺ ኣይኮነን። ፍትሒ መታን ክንረክብሲ፡ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ፍትሓውያን ምዃን፣ ወይ ፍትሓዊ መርገጺ ምውሳድ የድልየና ኣሎ። ኢሳይያስ ንከይህረም ዘሎካ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣወንዚፍካ፡ “ምትእትታው ወያነ” ብዝብል ምስምስ፡ ልዕሊ ሃገራውያን ሃገራዊ ክትከውን ምድላይ ግን ኣይግድን።

ብቅንያቱ፡ ኣሸበሸብ ቢሻ ተደብዲባ ኢሎም ‘ኣይትሓዙና’ ክብሉ ዝተሰምዑ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ዜጋታት ምርኣይ፣ ንመደንጾ ኢዩ ኮይኑኒ። ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ ዝተባህለ ከኣ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ምስ ተረኽበ ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ሞት ከቢድ ክነሱ፡ ልዕሊ ሕልፈት ስለዘይቆጽሮ ኢዩ ‘ናይ ሕልፈት ይበኸ’ ዝብል መረዳእታ ዝመርጽ።

ሎሚ ኤርትራ እዛ ምድረ ሰማእታት ኣቐዲማ ሞይታስ ምግናዝ ኢዩ ተሪፉዋ ዘሎ። ብዛዕባ ሞታ ምጸንሐ’ሞ ብዛዕባ ሕልፈታ ክብከ ምተገብአ። ‘ንስኽን ዝሞትክን ዓሚ ሰነ፡ ኣነ ዝሰማዕኩ ሎሚ ቅነ’ ከም ዝበሎ ጥፉእ መላቐሲ፡ ኤርትራ ምስ ኢሳይያስ ምስ ተላፈነት ሞይታ ክነሳ፡ ዘይፈለጡ ነይሮምሲ፡ ብድሕሪ ስርሒት ቢሻ ኣልቂሶምላ።

ብልክዕ ንኤርትራ ክብከያ እንተኾይኑ፡ ኢሳይያስ ኣብ ብ1998 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ባድመ ብደም መንእሰያት ጸወታ ክጅምር እንከሎ ኢዩ። ብሰበብ ዝወልዖ ኲናት ባድመ እውን፡ ኤርትራ ልዕሊ 44 ሽሕ መንእሰያት ከሲራ ኢያ። ኢሳይያስ፡ ንደም ኤርትራውያን ከም ደመ-ከልቢ ስለዝቆጾሮ፡ ኣብ ኲናት 1998-2000 ዓ.ም. “…ኣስታት 19 ሽሕ ተሰዊኦምና” ክብል ኣላጊጹ ኢዩ። ንኤርትራ ሽዑ’ውን ክብከየላ ነይሩዎ። ሽዑ ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ኣንስቲ ስዉኣትን ደቀንን ብዛዕባ ውርሻ ዝርኢ ምልክታ ንከይወጽእ ብወግዒ ደው ኢሉ ነይሩ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ መመዓልቲ ክወጽእ ዝጀመረ ምልክታታት፡ ንብዝሒ ስዉኣት ባድመ ከየቃልዕ ስለዝተባህለ። ንህዝቢ ኤርትራ ሽዑ’ውን “…ወድነይ!” ብምባል ክብከየሉ ምተገብአ።

ኢሳይያስ፡ መዓስ ኢዩ ውጹእ ውልቀ-ምልካዊ ምዃን ኣግሂዱዎ፡ ብትኽክል ዕለትን ወርሒን’ኳ እንተዘይተገልጸ፣ ካብ ሜዳ ገቢሉ ንናጽነት ከም ዝኣተወ ግን ምንም ጥርጥር የለን። ነዛ ሓላል መሬት፡ ሽዑ’ውን ክብከየላ ምተገብአ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.