ፍረ ሰላም ኽንዲ ሽሕ

ፍረ ሰላም ኽንዲ ሽሕ

ሰነ-ጥበባዊ ፍረሰላም ዝገበሮ ቃለ መሕተት ተመሲጢ እየ ተኻታቲለዬ እቲ ታሪኽ እቲ መንእሰይ ገሊኡ ዘሕዝን ገሊኡ ዘደንዝዝ እዩ። ናይ ብሓቂ መንግስቲ ህግደፍ ሃገር ዘይኮነ ዝመርሕ ዘሎስ ገዛ ገዛ እዩ ዝጻወት ዘሎ ኢልኻ ኢካ ትድምድም። ናብቲ ቐንዲ ቑም-ነገረይ ክምለስ። ስነ ጥበባዊ ፍረ ሰላም ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንእሰይ ኽነሱ: ኣወዳድቃ ቃላቱን ትብዓቱን መወዳድርቲ የብሉን: ክሳብ ሎሚ ቡዙሓት ሰነ ጥበባውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስተላእኹ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖሞ እዬም፥ እንተኮነ ግን ብዘይኻ ሓደ ወዲ ትኻቦ ካልእ ብጩቅ ኢሉ ዝተዛረበ የለን። እቲ ብትብዓትን ዝነውሐን ቃለ መሕተት ብምግባር ነግ ፈረግ ከይበለ ነቲ ስርዓት ጉዱ ዘቃልዓ ንእሽቶ ኸነሱ ግን ከኣ ሓየት መንእሰይ ፍረ ሰላም እዩ። ከምቶም ምስ ወጹ ባባ ከይእሰር ማማ ከይትእሰር እንዳበሉ ምስምስ ዘቅርቡ ሉሙሳት መንእሰያት ኣይለመሰን። ተባዕ እንተዘይከውን እውን ብስርዓት ህግደፍ ኣይምተኣስረን ኣይምተጨፍጨፈን። ፍረ ሰላም ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝተበደለ ብሞያኡ ንከይዓቢ ዝተጸቅጠ ስነ ጥበባዊ እዪ። ስለዝኾነ ድማ ካብታ ዝፈትዋ ዝዓበየላ ዓዱ ብዘይ ድልየቱ ከም ኹሎም ብዱላት መንእሰያት ተዳፊኡ ከምዝተሰደደ ካብ ቃላቱ ሰሚዕናዬ ኣለና። ኩሉ እቲ ዘሕዝን ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ብዓይኑ ዝረኣዬ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኤርትራውያን መንእሰያት፤ ዓበይቲ፥ ኣንስቲ፥ ኣብታ ዝተወለዱላ ሃገሮም ብዘይ ፍርዲ ብደቆምን የሕዋቶምን ብዘሰቕቅ ግፍዒ ድኸቶም ይርእዩ ኣለው። ንፍዓት መራሕቲ ንሃገሮም ዘጸውዕ ጽቡቕ ነገር ክሰርሑ ለይትን ቐትርን ከይደቀሱ ይሓድሩ፥ መራሒ ህግደፍ ድማ ተማሃራይ፥ መምህር፥ ደክተር፥ ሓረስታይ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብኣልማማ ዝሰደዱላ ኻብ ዓለም ብስደት ንብምዕፋን ናጽነት ፕረስ ብእሱርቤት ንሻን ዝተሰለመት ሃገር ገይርዋ ኣሎ። ፍረ ሰላም ኩሉ ተንቲንዎ አሎ ደረፍቲ ወይ ሰነ ጥበበኛታት አብ ግፋ ዘዋፍር ስርዓት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። እቲ ሽግር ግን ኣብ ኢሰያስ ጥራሕ ኣይኾነን ኣብቶም ሰነ ጥበበኛታት እውን እዩ፥ ኣብ ደገ ምስመጹ ሕጉሳት ኽመስሉ ዓንዲሮም ይምለሱ ከምእውን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ደገፍቲ እቲ ስርዓትን እዩ ። ካብ ከባቢኦም ቁሩብ ክመሃሩ ዘይከኣሉ ኣብ ምዕቡል ዓለም እንዳተቐመጡ ነብሶም እንበር እእምሮኦም ገና ምስቲ ስርዓት ኣብ ሳሕል ዘለው፥ ኢሰያስ ፍሉይ ፍጥረት ኣብ ዕስራ ወርሑ ዝተወልደ ዝመስሎም ብነብሰ ምትሓት ዝሳቐዩ ብቓላት ዝጥበሩ ሒዙ እዩ ኣብ ርእሲ ውጹዕ ህዝቢ ሸሸ ዝብል ዘሎ።

ስነ-ጥበባዊ ፍረ-ሰላም እቲ ብዙሕ ከፍርየሉ ዝግብኦ ዕድሚኡ ኣብ እሱርቤትን ምፍርራህን ጸ ቕጥን እዩ የሕሊፍዎ ፍረ-ሰላም ከምቲ ዝጀመሮ ናጽነትን ምትብባዕን ረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውን ሕጂ ኣበይ ምበጽሐ ነይሩ ንምግማቱ ኣየጸግምን። መራሕቲ ህግደፍ ኹሎም ሓደ እዮም ዓገብ ኽብል ዝኽእል የለን። ”ካብ ሓርገጽ ሃዲምኻስ ናብ ኣሰለት እዩ” እውይ እልኻ ዝሰምዓኻ የለን። እታ ፍታሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ ከምቲ መንእሰይ ፈር-ሰላም ዝበሎ “ፈትሊ እዃ ኣንተተኣኺቡ ኣንበሳ ይኣስር” ኤርትራዊ እንተሰሚሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ኽመጽእ ከምዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን። እታ ለውጢ ብሓድነት እያ እትመጽእሞ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ፍልልይና ኣጺቢብናን ኣብ ሕጂ ኽንምልሶም ዘይንኽእል ሕቶታት ግዜና ከይጥፋእና ነዚ ብስርዓት ህግደፍን ኾራኹርን ዝጸንት ዘሎ ወለዶ ነድሕኖ።

ኣብ መወዳእታ ፍረ-ሰላምኽንዲ ሽሕ እንተበልኹካ ኣየጋነንኹን፥ ከማኻ ገይሩ ተስፋ ዘስነቐና ስነ-ጥበባዊ ከምዘየለን ዓቢ ተስፋ ዘንበርናልካ መንእሰይ ምኻንኻ ኽንገልጸልኻ ንፈቱ፡ ነቶም ቓለ-መሕተት ኽባሃሉ እንከለዉ ትንፋስ ዝሓጽሮም ኣብ ደገ ተሪፎም ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ካብዚ ካብ ኹሉኹም ዝነኣሰ ግን ከኣ ተባዕ መንእሰይ ተማሃሩ ጥራይ ኢና ንብሎም። ስቕታ ካብ ፍርሒ ሓሊፉ ጉርሒ፥ ፍልጠት ወይ ርዝነት ኽከውን ኣይኽእልን እዩ፥ ኣሰር ፍረ-ሰላም ሰዓቡ ፍረ-ሰላም ድማ ደንበ ተቓውሞ ከማኻ ዝበሉ ቡዙሓት ስነ-ጥበበኛታት ኣፍሪዩ እዩሞ ኣብ ጎኖም ኾይናኻ ቶም ኣብ እሱርቤተት ኤርትራ ዝጣበቀሎም ሲኢኖም ዝከፋአ ስቕያት ዘሕልፉ ዘለዉ የሕዋትና ኣውያቶም ከተስማዓሎም ይምሕጸነኻ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ሬድዮ ኣሰና ተቓላሳይ ኣማኒኤል ነዚ ተባዕ መንእሰይ ሰፊሕ ቓል መሕተት ኽትገብረሉ ለበዋይ የመሓላልፍ።

ይኹኖ(YOKI) ካብ ላስቬጋስ

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.