መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብህጹጽ ክፈትሖም መንግስቲ ኣሜርካ ይጠልብ

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብህጹጽ ክፈትሖም መንግስቲ ኣሜርካ ይጠልብ

መንግስቲ ኣሜርካ ብሰሉስ 20 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ:

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሖም ጸዊዑ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ፥ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዓመጽ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ናይ ገዛ ሕዩር ካብ ዝገብሮም ድሮ 8 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ከምዝገበሩ ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ዓመጽ ብጽኑዕ ከምዝኹንኖ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ ይርከብ። ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብሕማም ሽኮርያ ከምዝሳቐዩን ኩነታት ጥዕንኦም እናበኣሰ ይኸይድ ስለዘሎ ከምሻቐሎን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይሕብር።

ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረታዊ ህያብ ደቂ-ሰባት እዃ እንተኾነ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም መሰላት እዚኣቶምን ካብ ዝስእኖም ግና ልዕሊ 20 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ይብል እቲ መግለጺ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ ኣብዚ ተወከስ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከቕርብ እኳ እንተጸንሐ: ክሳብ ሕጂ ክሰምዕ ዝኽእል ኣካል ግና ኣይተረኽበን። 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.