ሓድሕዳዊ ምፍልላይ ኣብ ደምበ ተዋህዶ ንረብሓ መን?

ሓድሕዳዊ ምፍልላይ ኣብ ደምበ ተዋህዶ ንረብሓ መን?

ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ተመሃሮ ኮለጃት ማይ ነፍሒ፥ ኣብ ፈታኒ ኩንታት ንርከብ ኣለና። ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ-ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናይ ምውንጅጃል ጊዜ ተሕልፈሉ ዘላ ዘመን እዩ፣ ካብቲ ኣብ 2000 ዓመት ዝተፈጥረ ምፍልላይን ምቅጻል ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ዕንወት ይበጽሓ ኣሎ፣ ሰዓብታን ተኸተልታን ዝያዳ ድማ መንእሰያት ንጠፍእ ዘይኮነስ ንጸንት ኣለና እዩ ዘብል፣ ገለ መንእሰያት ብናይ መናፍቓን መዝሙራትን ስብከታትን ይታለሉ፥ ፍርቆም በቲ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ተመቓቒሎም፥ ገለውን ምስ መናፍቓን ምጽምባር ማለት ዘመናውነትን (ምዕባለ) ዝመስሎም ስምዒታውያን፥ መዓልታዊ ራሕሪሖማ ክኸዱን ሃይማኖቶም ክልውጡን ንርእዮም ኣሎና።

ብደገ ንዝርኢ እዚ ንጠቕሶ ዘሎና ጥራይ ክመስሎም ይከኣል እዩ፣ እትው ኢሉ እቲ ውሽጢ ንዝርድኦ ግና እቲ ጠንቂ እዚ ዝተጠቕሰ ጥራይ ኣይኮነን። ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ: 12: 25. ንሓድሕዳ እተፈላለየት ቤት ኣይትነብርን እያ ዝበሎ፥ ኣብ ንሕድሕድና ዘሎ ምብላዕን ምውንጃልን ንህዝብና ከቢድ ፈተናን ብድሆን ኮይንዎ ኣሎ። ሎሚ እቲ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዘሎ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝኽተልን ዝስዕብን ኣካል፥ ኣንጻር እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ብኣቡነ ደስቆሮስ ዝምራሕ (ኣቡነ ዲይስቆሮስ እኳ ኣበይ ኣለዉ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ንበሎ) ዘመተ ምክያዱ ብሓቂ ነቲ ዘለዎም ስልጡንን ምሁርን ክኢላን ዓቕሞም ዘናእስ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ስለዚ ስኽን ኢሎም ክሓስቡሉ ይግባእ ንብል፣ ከመይሲ ንቤተ ክርስትያንና ሃሳዪ ስለ ዝኾነ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቤተ ክህነት ምርጫ የብሉን፣ ወይ በል ዝተባህሎ ክብል ኣለዎ፥ ወይድማ ክእሰርን ክስደድን ኣለዎ፣ እቲ ዝኸበደ ጸገም ግን ማእሰርትን ስደትን ኣይኮነን፥ ውሽጣዊ ሰብ ዘይፈልጦ መቕጻዕትን ማእሰርትን ስቓይንውን ኣሎ። ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ኣብ ኮለጃት ክምስረት እንከሎ፥ ንተዋህዶ ሃይማኖት ዓቢ ተስፋን ሓይልን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኮለጃት ብፍላይ ድማ ኮሎኔል እዝራ ወልደገብርኤል ኣብ ዝነበረሉ፥ ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ከም ድላይና ክንሰብኽ ክንዝምር፥ ክንእከብን ክንንቀሳቐስን ሰፊሕ ዕድል እዩ ነይሩና። ብብዝሒውን ካብ ኣምሓርኛ ዝተገልበጡ መዛሙራት ይዝመር ነይሩ፥ ገሊኡውን ከም ዘለዉ ብኣምሓርኛ፣ ድኻምነት ግን ነይርዎ። መዛሙራትና ዝያዳ ኦርቶዶክሳዊ ንምምሳል፥ ብዋጣን ክራርን ሻምብቆን ጥራይ ብምንባሩ ሓደ ዓይነት ቃና ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዝተቐድሐ ኣምሓርኛ ዝጥዕም ቃና መዛሙር ብምዃኑ፥ ምስቲ ናይ መናፍቓን መዛሙር ኣነጻጺርና፥ ናትና መዛሙር ብትሕዝቶ ይኹን ብቓና፥ ኣብ ልቢ መንእሰያት ዝሰርጽ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንተ ስብከት ግን ሳላ እንተርነታት፥ መጻሕፍቲ ፖፕ ሽኖዳ፥ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዘቕርቦ ትምህርትታትን ስብከታትን፥ ምስጢራት ቤተ ክርስትያንን ጽቡቕ ገይሩ ይቐርብ ስለ ዝነበረ፥ ጽቡቕ ተቐባልነት ነይርዎ ክበሃል ይከኣል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ድሕሪ ምእላይ በዓል ኮሎኔል እዝራ ጉባኤ ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ወዲቑ። እቲ ጸገም ኣሕጽር ኣቢልና ክንገልጾ እምበር ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፣

  1. ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፍልጠት ብቕዓት ዘለዎ ተሓታቲ የብላን፣ እቶም ብመንፈሳዊ ፍልጠቶም ብቕዓቶም ትሕትናኦም ኣዝዮም ፍሉጥ ዝኾኑ እንኮ ኣብ ኤርትራ ብስነ መለኮት ተሓታትን ምሁርን መርገታ ሰመረኣብ ቀሺ ወልደገብርኤል ካብ ቤተ ክርስቲያን ብምስጓጎም፥ ሓቲትካ ክትረኽቦ ትኽእል መልሲ የለን፣ እንተ ሓተትካውን ተመሊስካ ንርእስኻ ኣብ ሕቶ ምልክት ተእትዋ ናይ ምፍርራህ ሕይወት፥ ይወርደካ፥ እቲ ተሓድሶ፥ መናፍቕ ዝብል ናይ ጸለመ ኣስማት የንጸላልወካ።
  2. ብስም ኣጻራይት ሃይማኖት ዝቖሙ ኣዝዮም ስምዒታውያን መንእሰያት መብዛሕትኦም ካብ ኪዳነ ምሕረት ማይተመናይ ዝኾኑ 12 ሰባት ኣለዉ። እዚኦም ኣካል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበረ ቅዱሳን ዝበሃል ትካል እዮም። ገጹ ባህ ንዘይበሎም፥ ንዝጸልእዎ፥ ብናታቶም መዕቀኒ ዝመዝንዎ ኩሉ መናፍቕ፥ ተሓድሶ፥ ጸረ ሃገር ዝብል ኣስማት ብምልጣፍ፥ ናይ እምነትካ መሰል ገፊፉ ዝሰጉግ ትካል ኣሎ። እዚ ምትእኽኻብ፥ እዚ ኣነ እዚ ኢየ ዝኣምን ኢልካ ዘይኮነስ፥ እቲ ንሕና ንብለካ ኢኻ ኢሉ ባዕሉ ስም ዘሰክም ንደቂ ቤተክርስትያን በትሪ ሒዙ ዝሰጉግ ምሕረት ኣልቦ ጉጅለ እዩ። እዚ ብኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ብስምዒት እምበር ስኽን ኢልካ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘይብሎም፥ መንፈሳዊ ፍልጠት ይኹን ብቕዓት ዘይብሎም፣ ብዝፈጥርዎ ራዕድን ምፍርራህን ኩሉ ሰብ ስለ ዝተሸቑረረ፥ እምነቱ ዝገልጽውን ንሶም ብዝህብዎ መዕቀኒ ጥራሕ እዩ።
  3. ኣብ ኮለጃት ዘለዉ መማህራን መብዛሕትኦም ነቲ ናይ መናፍቓን ምንቅስቓስ ዝስዕቡን ዝኽተሉን ብምዃኖም፥ ሎሚ ኦርቶዶክሳዊ ምዃን ዘሕፍርን ዘሰክፍን፥ ከምኡ ድማ ናይ ስምዒታውያንን ደናቁርን መእከቢ ባህላዊ እምነት ገይሮም ብምግላጽ ነቲ ተማሃራይ የሸቑርርዎ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ነጥቡ (Grade) ክሳብ ምጉዳል ከም ዝደሃል ብምግባር፥ ኣይንፈልጦምን ኢና ተባሂሎም ብስም ጥርኑፋት ይእሰሩ፣ ዝከታተሎም ይኹን ዝሓልየሎም የለን። በዚ ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ዝጠፍኡ ኣለዉ። እቶም ኣብ ካልእ ሃይማኖታት ዘለዉ ግን ብፍላይ ናይ በዓል ጰንጤ፥ ከኒሻ፥ ወዘተ ዝኣመሰሉ እቶም ናይ ፕሮትስታን ምምሕዳር ቀልጢፎም ናትና ኢዮም ኢሎም ተጓይዮም ካብ ማእሰርቲ የውጽእዎም፣ ደቂ ካቶሊክ ዝለዓለ ክብረት ዘለዎም እዮም ኣይሕተቱን’ውን። ደቂ ኦርቶዶክስ ግን ኣብ ርእሲ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ጥራይ ዘሎካ ብምዃንካ፥ ኣብ ርእሲ ምእሳርካ መናፍቕ ተሓድሶ ዝብል ስም ይልጠፈካ እሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲን ጎዳጉድን ትበሊ።
  4. እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ኮለጃት ዝናፈስ ወረ፥ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ማለት ባህላዊ ሃይማኖት እምበር ብክርስቶስ ኢየሱስ ብድሕነቱ ዘይኣምን ገርካ ምውራይ፥ ኣብ ኮለጃት ዘለዉ ክኣ ምሁራት ስለ ዝኾኑ ኣብ ድሑር ሃይማኖት ምንባር ገይሮም ስለ ዝርእይዎ ካብ ባህላዊ ሃይማኖት ምእላይ፥ ካብ ኣምልኾና ጀሚርካ ዝግበር ጸርፍን ጸለመታትን እዚ ኢልካ ዝቑጸር ኣይኮነን። ካብቲ ዘገርም ግን እቶም መናፍቓን ባዕላቶም ነቶም ደቂ ኦርቶዶክስ፥ እዚኦም ተሃድሶ እዮም መናፍቓን እዮም ክእሰሩ ኣለዎም ኢሎም ምስቶም ናይ መንበረ ፓትርያርክ ሓለፍቲ ተመሳጢሮም የሳቕዩና፥ የሸግሩና፥ የእስሩና ምህላዎም እዩ።
  5. ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተ ክርስትያናት ዝወሃብ ስብከት ንሰብ ዘርዕድን ዘሰክፍን፥ ተጠንቀቑ መናፍቓን ኣትዮሙና ኣለዉ፥ ኣብዚውን ኣለዉ፥ ንማርያም ዝጸርፉ፥ ሓጢኣተኛ እያ ዝብሉ ኣለዉ፥ ወዘተ ዝብል ስብከታት ንኣረገውቲ ኣንስቲ ዘንብዑን ዘሰናብዱን፥ ሰብ ንሓድሕዱ ከም ዝፈራራህን ከም ዝጠራጠርን ዝገብሩ፥ ንኣዴታት ሳላኽን እያ ሃገርን ሃይማኖትን እናበሉ ዕልል ዘብሉን ጊዚኣውያን ሰብ ረብሓ ብምዃኖም እቲ ቁሩብ ርድኢት ዘሕደረን ዘመዛዝንን ሰብ፥ ካብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ትስልም ኣቢልካ ገዛኻ ምውዓል ይሓይሽ ዝብለሉ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።
  6. ሎሚ ኣብ ኤርትራ ቁሩብ ወንጌል ፍልጥ ኣቢሉ ኣብ ህዝቢ ዝተቐልቀለ ኩሉ ቀሺ ወይ ዲያቆን፥ ናይ ምንባሩን ዘይምንባሩን ሕቶ ብድሆታት እዩ ዝገጥሞ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ፥ መናፍቕ ተሓድሶ ትብል ስም ይጥቀን። ኣብ ገጠራት እንተ ኸድካ ከኣ ካብዚ ዝኸፍአ ስም ምጥፋእ ኣሎ፣ ቀሺ እገለ ቡዳ እዩ፥ ዲያቆን እገለ ቡዳ እዩ፥ መርገታ እገለ ቡዳ እዩ እናተባህለ ምስ ሰብ ምጽንባርን መውስቦ ዘኸልክልን ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።
  7.  እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ዘጉህን ጉዳይ ጥንቆላን ቡዳን ኩሉ ድማ ሕማም ተዋህዶ ተባሂሉ ምጥቃሱ እዩ። እቶም ዘለዉ ዝርካቦም ኣረገውቲ ጳጳሳትና እዚ ኩሉ ዝወርድ ዘሎ ጸገምን ግፍዕን ኣይርድኦምን እዩ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካሕሳይ ጸሓፊ ሲኖዶስ፥ ግርማይ ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ኮይኖም፥ ነቶም ኣቦታት ከም ድላዮም ይጠውይዎምን የታልልዎምን ኣለዉ።

ብሓፈሻ እዚ ቁሩብ ቁራቦ ካብቲ ዘጋጥመና ዘሎ ፈተናታት ንምግላጽ እምበር ኩነታትና መኣዝንካ ዘጥፍእ እዩ በጺሑ ዘሎ።

ስለዚ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ማእከል ምሁራትን ሊቃውንትን ክነሱ፥ ምስ እዞም ኣብ ኩሉ ዘየለዉ ረሲኣን ከም ህልዋት ገይሩ ክካታዕን ክጸሓሓፍን ምርኣይ ንሚዛኖም የጉድሎ እዩ። በጃኻትኩም እቲ ትምህርትኹምን ፍልጠትኩምን ከም ቀደምኩም ኣካፍሉና። ምስ መን ትዛረቡ ኣለኹም ኣይትፈልጡን ኣይንብልን፣ ወዲ ቤተ ክርስትያን ግን ይበርስ እዩ ዘሎ። ክሳድና ከም ነድንን እዮም ገይሮሙና። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን መናፍቕ እያ፣ ፖፕ ሽኖዳ መናፍቕ እዮም፥ ኣቡነ መቃርዮስ መናፍቕ እዮም፥ ኮታ ብጀካ ትምህርቲ ሰንበት ኪዳነ ምሕረት ማይ ተመናይ፥ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ መናፍቕ እዩ። ኩሉ ብሆሆን ስምዒትን ቤላቤለውን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሎሚ መናፍቓን ካልእ ስብከት ኣየድልዮምን እዩ፥ ረኣይዎም መራሕትኹም እኹል ኣብነት እዩ ንኣኣቶም። እዞም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሎኹም፣ ተጸባይኹም ብዙሕ እዩ’ሞ ካብዚ ትርኪምርኪ ጽሑፋትን ዘረባታትን ወጺእኩም ትምህርትኹም ኣካፍሉ። ምፍልላይ የብቅዕ ናይ ሰላም ኣዋጅ ይተኣወጅ። እዚ ናይ ሰላም ኣዋጅ ግን ብኣኻትኩም ጥራይ እዩ ክስማዕ ዝግባእ። ካብ በዓል ኣቡነ ሉቃስ፥ ሰላም ከምጽኡ ወይ ናብ ሰላም ክመርሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት የለን። ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለድዎም ኣቦኦም ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይተረፈ፥ ኣፎም መሊኦም መናፍቕ ክብልዎም እዝንና ይሰምዕ ኣሎ። እዚ ድማ ጸሊኦም ዘይኮነ እቶም ዝዝውርዎም ጸጋ እግዚኣብሔር ዝረሓቖም ስለ ዝኾኑ እዮም። ከም ሰብ ክፉእን ተንኮለኛን ኣይኮኑን መራሕቶም እዮም ዘጋግይዎም ዘለዉ፣ ሕጂ ዘምጽእዎ ለውጢ ክህሉ እዩ ኢልካ ምዝራብ ይኸብድ እዩ፣ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይንፈልጥን። ስለዚ በጃኻትኩም ስለ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኢልኩም፥ ንስኻትኩም ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ መግቡና፣ ናይ ራድዮን ተለቭዥንን መደባት ሕሰቡ ቴክኖሎጂ ንኣኻትኩም ኣብ ቀረባ እዩ’ ሞ ንክቡር ቃል ኣምላኽ ተጠቐሙሉ።

ተስፋና፥ ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ነታ ቤተ ክርስትያን ከተንስኣ እዩ።

ወደሓንኩም ኣብ ደሓን ትረፉ።
ካብ ኣርድእት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ
ኮለጃት ማይነፍሒ።

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.