ን’’መቓብር ሓርበኛታት” ተዳለዉ! መልእኽቲ ንሰብ ተርታ
ን’’መቓብር ሓርበኛታት” ተዳለዉ!
መልእኽቲ ንሰብ ተርታ
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 16 ጥሪ 2015
ከምቲ መዘንኡ ምስ ሞተ፡ ‘ሆእ! ሞት ገርገረት’ ዝበሎ ሞት ዘይስቆሮ ዝነበረ ሰብኣይ፣ ሕጂ’ምበኣር ኢያ ሞት መዛኑ ዝገርገረት። ኣንቱም ብደውኩም ዝጃጆኹም ሰራዊት ጎልያድ፡ ደጊም ሞት ንማዕጾ ገዛኹም ትኹሕኩሕ ኣላ’ሞ ተዳለዉላ። ኢሳይያስ ኣብ ዛዕጎሉ ባህ ንዘይበሎ መኮነን ገና ክቐዝፍ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ዕዮ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ኢዩ። ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ከኣ፡ ቅድም ደረጃ ብደረጃ ንኤርትራውያን ከዳኽምን ከጥፍእን ስለዝነበሮ፡ እነሆ ብጋህዲ ይትግብሮ ኣሎ።
እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝእለም ርክያሞ ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ንያትን ኒሕን፡ ህዝባዊ ክብርታት፡ ወግዒታት እንዳባን ወርቃዊ ታሪኽን ንምቕባር ኢዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክትግብሮም ንዝመደቦም ጉዳያት፡ ንኤርትራውያን ከም ገረብ ብሓኽላ ብዘይ ዕንቅፋት ይጽልጽሎም ኣሎ።
ኢሉ ኢሉ ድማ፡ መሬት ኤርትራ በቶም ብልቡ ኣጸቢቑ
ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ
ደምህት ኣውሪስዎ ይርከብ። ንሳቶም ፈተሽቲ፡ ንሳቶም ኣሰርቲ …
መርመርቲን ቀተልቲን።
እዚ ከኣ ገበነኛ ውልቀ-መላኺ ኣዕዋፍ ጩቕ-ጩቕ ከይበላ ዝጀመሮ ዓሌት ናይ ምጽናት ወፍሪ ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ማእከል ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሽካዕለለን ሃገር ዝበታተነን ሓደገኛ ተኹላ ኢዩ። ኣንቱም ሰባት! ‘ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ’ ከም ዝበሃል፡ ሰኣን ብትኽ! ሰኣን ንጣብ ሓሞትን እንኮ ዓረርን ህዝቢ ይጸንት ኣሎ’ሞ ሕጂ’ኸ ተራ መን ተረፈ! በሉ።
እዚ መርዛም ሰብ’ዚ ልኡኽ ባዕዳውያን እንተዘይነብር፡ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ብኹሉ መለክዒታታ ከምዚ ኣምበይምኾነትን። ንኤርትራ ብድሕሪ 24 ዓመታት እስከ ረኣዩዋ! ኤርትራ ትማሊን ሎሚን ንምግላጽ፡ ኣብ ሓጺር ግዜን ኣብ ጭራም ወረቐትን ዝጸሓፍ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣገባብ ቅንጸላ ሰባት ካብ ተመኩሮ ሂትለር ኣጸቢቑ ተማሂሩ ኢዩ።
ንሰባት ብገበን ኣመኽኒኻ ምእሳርን ምጽጻይን፡ ንገለ ድማ ኣጸሊምካን ኣነዊርካን በብቑሩብ ከም ዝጠፍኡ ምግባር፤ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሓሉ ዝነበረን ገና’ውን ደቀባት ዘጽንተሉ ዘሎን ስዉርን ረቂቕን ኣቀታትላ ኢዩ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ህዝቢ ዘየስተብሃለሉ “ብሃንደበታዊ ሕማም” ዝሓለፉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ተጋደልቲ ነበር ማእለውያ የብሎምን።
ብጉዳይ “ሃንደበታዊ ሕማም” ሰባት ኣብ ሞት ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኢዮም ሰጋእ ክብሉ ዝጀመሩ። ዓሊ ሰይድ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ደገ በጺሑ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኤርትራ ንዝነበራ ኣህጉራዊ ጸቕጢን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎታትን ይነግሮ ከም ዝነበረ ይዕለል ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ
ኢሳይያስ ስኽራንን ዕንደራን’ምበር ብዛዕባ ሕሰም ሃገርን ህዝቢን ክሰምዕ ይደሊ ስለዘይነበረ፡ ንዓሊ ሰይድ ቅድም ኢዱ ክሳብ ዝስበር ሃሪሙዎ ነበረ። ድሒሩ’ውን ሰላም ምእንቲ ክረክብ፡ ብመርዚ ንከጥፍኦ ኢዩ ወሲኑ። ዓሊ ሰይድ ሽዑ መዓልቲ ምስ ተጋደልቲ ሓለዋ ሰውራ ነበር ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ /ፍልፍል/ ኣብ ዝተገብረ በዓል ኢዩ ውዒሉ።
ኣጋ ምሸት ከም ልሙድ ኣስመራ ምስ ኣተወ ከኣ ኣብ ኤክስፖ ኣማሰየ። ንገዝኡ ፍርቂ ለይቲ ብምሉእ ጥዕንኡ ኢዩ ኣትዩ። ወጋሕታ ሰዓት 3፡30 ግን ብብርቱዕ ከም ዝሓመመን፡ ንበዓልቲ ቤቱ ጸባ ኣፍልሕለይ ከም ዝበላን ይፍለጥ። ብድሕሪ ሰዓት 4፡00 መመሊሱ እናገደዶ ምስ ከደ ከኣ፡ በዓልቲ ቤቱ ናብ ሆስፒታል ብህጹጽ ወሰደቶ። ኣብቲ ሆስፒታል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ካብ መደቀሲኡ ተጸዊዑ መጺኡ ይበሃል። ንሱ ጥራይ ኢዩ ከኣ ዝተቐበሎ፡ ንሳ ወይ ካልኦት ሰባት ንክኣትዉ ኣይተፈቕደሎምን። ንግሆ ድማ “ብሃንደበታዊ ሕማም” /ስትሮክ/ ከም ዝዓረፈ ብዜና ተነግረ።
ጉዳይ “ሃንደበታዊ ሕማም”፡ ኢሳይያስ ብኣዝዩ ረቂቕ ኣገባብ ዝጥቀመሉ፡ ሓደገኛ መርዚ ኢዩ። ቅድሚ ዓሊ ሰይድ ናብ በዓል ኮሎ. ሓድጉ ሃብረገርግሽ፡ /ኮምሬድ/ መሓመድ ስዒድ ባረህ ወ.ዘ.ተ. ዝተሰርሓሉን፡ ገና’ውን ዝቕጽል ዘሎን ኤርትራውያን ደቀባት ናይ ምጽጻይ ወፍሪ ኢዩ። እዚ ካሪክለም’ዚ ካብ 1970 ብቅንጸላ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዓላ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ 1973-1976 ከኣ ብኣልማማ ተራእየ። ብድሕሪ ናጽነት ካብ 1993 ኣድማ ተጋደልቲ፡ ዝቐጸለ ሕቶ ስንኩላን ተወሰኾ። እቶም ንመንገዱ፡ ንጉዕዞ ‘ትግራይ ትግርኚ’ ዘስግእዎ ዝነበሩ ገዳይም መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ ኣብ ባድመ መጋርያ ኲናት ኣጒዱ፡ ‘ተንበርከኽቲ’ ብዝብል ጸለመ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ንዘለኣለም ኣሕቀቖም። ኢሳይያስ ብናጽነት ኤርትራ ተጣዒሱ ኢዩ። ደም ስዉኣት ኣብ ቅድሚኡ ከኣ፡ ደመ-ከልቢ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣላሽ ኣቢሉን ኣንበርኪኹን፡ ንኤርትራን ባሕራን ናብ ትግራይ ንምርካባ ኢዩ ዝሰርሕ ዝነበረን ዘሎን። እዚ ከይደቀስና ዝሓለምናዮ ጉዳይ ስለዝነበረ፡ መዓልታዊ ቅንጸላን ህላዌ ሰራዊት ደምህትን ይመስክር።
‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ፡ ንጭሕምኻ ማይ ልኸ!’ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ሪጋ ሞት ተሰሪዖም ዘለዉ ሰብ ተርታ። ሎሚ’ውን ኢንፍዩዥን ረኺቡ ዕድመ እንተለቀበ፡ ነቶም ክጻብኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ዝግምቶም በብሓደ ክቕርሞም ተዳልዩ ይርከብ። ኣብቲ ናይ ሻራይ-ሻራኻ ውጩን ፊሊጶስን ናይ ቲፎዞ ዓመታት፡ ጸግዒ ውጩ ዝነበርኩም ጀነራላት፡ ኮሎኔላት፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ሰብ ሃብቲ ወይልኹም! ሞት ኣብ ቅድሜኹም ኮይና ትድብል ኣላ፡ ሎሚ ስለ ሂወትኩምን ዕድል ደቅኹምን ኣገዳሲ ስጉምቲ እንተዘይወሲድኩም፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ከምዞም ደድሕሪ ውጩ ዝስዕቡ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ወዲ ሊቀ ብተርታ ክትስዕቡ ኢኹም። ኢሳይያስ ንኤርትራውያን ብገንዘብን ሽመትን ምትላል ውዒሉ ዝሓደረሉ ሰባብ ጥበብ ስለዝኾነ፡ እከይ ተግባራቱ ኣይዓርፍን ኢዩ።
ኣብ ዝኾነ ኣገዳሲ መድረኽ ምስ ዝሰርሑሉ ሰባት ግዚያዊ ኪዳን ኢዩ ዝገብር። ንኣብነት ኣብቲ ተዋጢሩሉ ዝነበረ ናይ 1973 ምንቅስቓስ፡ ነቶም ቀንዲ ዝደልዮም ሰባት ንምእሳር፡ ምስ ሰለሞን ወልደማርያም ዘይቅዱስ ኪዳን ገበረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ነቶም ሕቶ ዲሞክራሲ ዘበገሱ ደቂ ህዝቢ ብዘይካ ሰለሞን ወ/ማርያም ዝኣስረሉ ሰብ ኣይነበረን። ኮነ ድማ፡ ሰለሞን ወ/ማርያም ንሙሴ ተስፋሚካኤልን ንመብራህቱ ወልዱን ብዕለት 01 ለካቲት 1974 ዓ.ም. ሰዓት 5፡30 ድ.ቀ. ኣዳህሊሉ ኣሰሮም።
‘ወይልኻ ጣላ ብዕራይ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ’ ከም ዝበሃል፡ ኣንቱም ኣብ ቅድሚ መልኣከ- ሞት ተኾዲምኩም ዘለኹም መኮንናት ህግደፍ! ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ሎሚ’ውን ነቲ ዘስግእዎ ሰባት ክኣስረሉ ዝኽእል ንሜ/ጀ ፊሊጶስ ወደዮሃንስ በትረ-ስልጣን ሂቡ፡ ከም ሃዳናይ ከልቢ ቾብላ! ኢሉዎ ኣሎ። ፊሊጶስ ኣብ መንጎኡን ሜ/ጀ ውጩን ንዝነበረ ጸሊም ጽልኢ ተጠቒሙ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ውድድር ጸግዒ ውጩ ዝነበሩ መኮንናት ብኣልማማ ይኣስሮምን የደስክሎምን ኣሎ። ኢሳይያስ ከኣ ተተቐቢሉ ብመርዚ ይቐትሎም።
ኪዳን ኢሳይያስን ፊሊጶስን ድማ ግዝያዊ’ምበር ነባሪ ኣይኮነን። ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ንሰባት ከም ስሪንጋ ሓንሳብ ተጠቒምካ ምድርባይ ኢዩ። ኢሳይያስ ትንፋስ እንተረኹቡ፡ ንፊሊጶስ’ውን ብ “ብሃንደበታዊ ሕማም”፡ ብሓደጋ መኪና ወይ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር፡ ከምቶም
ዝጠፍኡ ዘለዉ መጋድልቱ ከጥፍኦ ኢዩ። ኢድ ሸናሒት፡ ጸናሒት ስለዝኾነ፣ ንግዜ ዝግደፍ ጉዳይ ኢዩ። እምበኣርከስ ሞት ንወዲ ሰብ ንቡር ኢዩ። ኣማውታ’ውን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ካብ መዓልቲ ናጽነት 1991 ክሳብ ሎሚ ዝዓረፉ ተጋደልቲ፡ መቓብሮም ይቑጸሮም።
ኣብቲ መቓብር ሓርበኛታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ጥበራ ጉድጓድ ዝተቐብረ ገዲም ተጋዳላይ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ካብቶም ኣብዘን ክልተ ዓመታት ጥራይ (2013 ክሳብ 2014) ብ”ሃንደበታዊ ሕማም” ዝተቐብሩ ገዳይም ሓለፍቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፤
- ኣስመራ 3 ጥሪ 2013 ተጋ. ሑሴን ዑመር ሻህርያ
- ኣስመራ 2 ለካቲት 2013 ኮ/ል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር
- ኣስመራ 8 ግንቦት 2013 ተጋ. መሓመድ እድሪስ ጥሉል
- ኣስመራ 1 ሰነ 2013 ተጋ. ኮ/ል ስዩም ሃብተማርያም /ላጅኢን/
- ኣስመራ 18 ሰነ 2013 ተጋ. መሓመድ ዑመር ሱባ
- ኣስመራ 15 ሓምለ 2013 ተጋ. ኮ/ል መሓመድ ስዒድ ሳልሕ
- ኣስመራ 04 ነሓሰ 2013 ሚኒስተር ወልደሚካኤል ገብረማርያም
- ኣስመራ 22 ጥቅምቲ 2013 ኮ/ል ኣሕመድ ዑስማን መሓመድ
- ኣስመራ 11 ታሕሳስ 2013 ተጋ. ምሕረትኣብ ተስፋጊዮርጊስ
- ኣስመራ 17 ጥሪ 2014 ኮ/ል ኣማንዝጊ ጋርዛ
- ባጽዕ 07 ለካቲት 2014 ኮ/ል ኢብራሂም ኣሕመድ ዓሊ
- ኣስመራ 24 ለካቲት ኮ/ል ዘርእዝጊ መንግስቱ
- ኣስመራ 06 መጋቢት 2014 ሜ/ጀ ገረዝግሄር ዓንደማርያም ውጩ
- ኣስመራ 21 መጋቢት ብ/ጀ መብራህቱ ተኽለኣብ /ቫይናክ/
- ኣስመራ 21 መጋቢት ብ/ጀ ኣማኑኤል ሃይለ /ሃንጀማ/
- ኣስመራ 21 መጋቢት ገዲም ተጋ. ደሱ ተስፋጽዮን
- ኣስመራ 17 ግንቦት 2014 ገዲም ተጋ. የማነ ተወልደ /ወዲ ማማ/
- ኣስመራ 28 ግንቦት 2014 ገዲም ተጋ. ኣማኑኤል ገብረስላሴ
- ኣስመራ 21 ሰነ ኮ/ል ኪዳነ ምዒተልካ
- ኣስመራ 29 ሰነ 2014 ኣቶ ነጋሽ በረኸትኣብ
- ከረን 01 ሓምለ 2014 ኮሎ. ትንሳኤው ሃይለ
- ኣስመራ 04 ሓምለ 2014 ኮሎ. በረኸት ተስፋጽዮን /ወሎ/
- ኣስመራ 07 ሓምለ 2014 ተጋ. ግርማይ ተስፋጽዮን /ብሬን/
- ኣስመራ 18 ሕዳር 2014 ተጋ. ጸጋይ ካሕሳይ
- ኣስመራ 07 ጥሪ 2015 ለ/ኮ ገረዝግሄር ኣስመላሽ
- ኣስመራ 15 ጥሪ 2015 ብ/ጀ ገብረሂወት ዘሚካኤል /ወዲ ሊቀ/
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ለይቲ ኤርትራ ክወግሕ’ዩ!!