Demo Against Festival Erireans Dictatorship Supporters in Stockholm 08/02/2014
Demo Against Festival Erireans Dictatorship Supporters in Stockholm 08/02/2014
Demo Against Festival Erireans Dictatorship Supporters in Stockholm 08/02/2014
ካልኣይ ክፋል
ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..?
ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ገለ ምስቲ ኣነ ዝጽሕፎ ዘለኹ ሓሳብ ዘይሳነ ሕቖን ከብድን ኮይኑ እየ ረኺበዮ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ጽሑፈይ ምስ ሰሚት ቦለኛ ብምትእስሳር ናብ ካልእ ጫሌዳ መገዲ ከተትሕዝዎ ዝፈተንኩም፡ ኣይፋልኩምን እዚ ጽሑፍ ምስ ሰሚት ቦለኛ ዝኾነ ዘራኽብ የብሉን፡፡ ንሰሚት ቦለኛ ዝነቅፍን ነቲ ኣብ ቦለኛ ዝግበር ምትእኽኻብ ዝኹንን ኣይኮነን፡፡ መሪሕ ጭርሖ ሰሚት ቦለኛ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዘይኮነ Eritrean solution for Eritrean problems ኢዩ ዝብል፡፡ ስለ ዝኾነ ጽሑፈይ ንንጽል ነገራት ዝዓለመ ዘይኮነ ኣዝዩ ዓቢ ጥቕላል ኢዩ፡፡ ክጽሕፎ ዝደረኸኒ እውን ውህሉል ትዕዝብተይን ብኣካል ዘጋጥሙኒ ነገራትን ደኣ እምበር፡ ሰሚት ቦለኛ ኣይኮነን፡፡ ንኣንፈይ ግን ዝተወሰነ ርእይቶ ኣነ ውን ወስ ከብል፡፡ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ጻጸ ምስ ሓርማዝ ዝዓይነቱ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፡፡ ቃልስና ምስቲ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ሳሪሃ ማሪሃ ዝጠጀአ ኣዝዩ ግናን ሓደገኛን ቀታሊ ሰርዓት ምዃኑ ምፍላጥን ምእማንን የድሊ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ዓቢ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ እውን ጎረባብቲ ሃገራት የድልየና፡፡ እዚ ቀታሊ ስርዓት ብጠበንጃ እምበር ብጸሎትን ምህለላን ኣይእለይን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ እንትናዊ ደገፍ ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት የድልየና፡፡ ዝግበር ሽርክና፡ ዝግበር ትዕበ ትንኣስ ደገፍን ሓገዝን ግን፡ ናይ ለማናይን ተኻብን ናይ ለኣኽን ተላኣኻይን ዘይኮነ፡ ኣብ ቅኑዕ መሰረት ዝተሰረተ፡ ንብረብሓ ኩለን ጎረባብቲ ህዝብታት ናብ ስኒትን ፍቕርን ዘምጽእ፡ ሓባራዊ ዕቤትን ሰላምን ዘረጋግጽ ራእይን ዝሓዘ፡ ግሉጽነት ዘለዎ ሽርክናን ምትሕግጋዝን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ምስ ኣኽብሮት፡፡ ናብቲ ዘበገስኩዎ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንወድያመን ድኣ ንቐጽል፡፡
ኣነስ እንታይ ምበልኩ ናብ ጎድኒ ምትኳስ ኣይምኣኸለናንʼዶ…? ንሕድሕድና ምትኹዃብ ኣይምኣኸለናንʼዶ….? ናብ ቅድሚት ናብቲ ልቸንስኡ ዘውጸአ ህግደፍ ገጽና እንተንትኩስʼዶ ኣይምሓሸን…..? ሃብቶም ተኽለ ዝተባህለ ካብ ነበብቲ ጽሑፈይ ዝሰደደለይ ርእይቶ ኢያ፡፡ ካብቲ ዝመጻኒ ብዙሕ ርእይቶታት ከምዚአ ገይራ ኣብ ልበይ ዝኣተወት ሓሳብ የላን፡፡ ብሓቂ ብዘይ ቀልዓለም እዚ ሃብቶም ዝብሎ ዘሎ ኢዩ ክኸውን ዝግበኦ፡፡ ሓደ ዕላማን ንሓደ ጸላእን ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ኣቲና ንሕድሕድና ክንበላላዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ጽሑፍ ንደምበ ተቓውሞ ክነቅፍ ወይ እውን ጉድለታቶም ከቃልዕ ዘይኮነኩ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ውን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካባ ተቓወምቲ ወድዮም ሰሊኾምና ምህላዎም ንምግንዛብ ኢየ፡፡ ከምቲ ሃብቶም ዝበሎ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ሃገር ምብዳምን ኤርትራውያን ከጽንትን ነበረያ ነበረ ክገብርን ብኣዋጅ ልቸንሳ ዘውጸአን ብዘውጸኦ ወግዓዊ ናይ ምቕታልን ምጽናትን ተግባራቱ ብጸሓይ ቀትሩ እናኣተግበረ፡ ስለምንታይ ንዕዑ ጎሲና ንሕድሕድና ኣብ ምውንጃል ንኣቱ ዘለና፡፡ ስለምንታይ ንተቓለስትን ምንቅስቓስ ቃልስን ምቕታልን ምቕንጻልን ምብትታንን….?
ንእመን ኣይንእመን ብዘየገድስ ነቲ ሓቀኛ ቃልሲ ዝዕንቅፉ ሃሱሳት ተቃወምቲ ዝመስሉ በታተንቲ ሶሊኾምና ኣለዉ፡፡ ብዙሕ ነገራት ይፍተን ጽቡቕ ኣንፈትን መንገድን ይሕዝ፡ ከይጸነሐ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ኣካይዳታት ይስዕብ፡፡ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ናይ ዘተ መኣድታት ኣትየን ተሳቲፈን፡፡ ንህግደፍ ከመይ ገይርና ንስዕሮን ነጥፍኦን ተባሂሉ ክዝረብ ዳርጋ ኣይሰማዕኩን፡፡ ብዓቢኡ እቲ ኣስታት 600 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኣዋሳ ወሲኽካ፡ ዝበዝሑ ዝተሳተፍኩዎም ኣኼባታት ንስርዓት ህግደፍ ከምዚ ቀስ ኢልካ ዝስራሕ ዕዮ ገዛ ኣወንዚፎም፡ ኣብ ካልእ ናይ ሓሸውየ ዛዕባታት ሸንኮለል ክብሉ እየ ተዓዚበ፡፡ ስለምንታይ….? እቲ ሕቶ ናይ ኩልና እቲ መልሲ ውን ናይ ኩልና ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ዕዮና ዘይንሰርሕ….? እቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ፕሮግራም ዘይንሕንጽጽ…? ሕጂ እውን ንፍቶ ንጽላእ ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ሕቶ ንምዕንቃፍ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ልቸንሳ ዘውጸአ ህግደፍ ዜማ ቀይሮም ዝደርፉ ሃሱሳት እቲ ስርዓት ኣብ መንጎና ተሰግሲጎም ኣለዉ፡፡ እታ ብቐዳምነት ዘምጽእዋ ቅድመ ኩነት ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ወያነ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ኣሻማውን ኣብ ምጥርጣር ዘእቱ ሓሳባትን ኢዩ፡፡
ሎሚ እዚ ኢሳይያስ ዝደረሶ ትያትሮታት ክቀላላዕ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ጠበናጁና ናብ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ክቐንዕ እንተድኣ ኮይኑ ንሓቂ ብትብዓት ክንስየፈላ ኣለና፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ድማ እዚ ደም አሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ዘፍሰሰ ኣራዊታዊ ስርዓት ብሓይሊ ብጠበንጃ እምበር፡ ብሰለማዊ መንገዲ ክእለ ከምዘይክእል ምእማን የድሊ፡፡ ሓይሊ ጠበንጃ ክብል እንከለኹ፡ ኣብ መንጎ ኣሐዋት ኤርትራውያን ኲናት ሕድሕድ ይገበር ማለት ኣይኮነን፡፡ በሰላ ኲናት ሕድሕድ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ክሳብ ከንደይ ከቢድ ምዃኑ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልጦን የሕምመንን ኢዩ፡፡ ከምኡ ዓይነት ትራጀዲ ኣብ ህይወተይ ዳግማይ ክርኢ ኣይደልን፡፡ ሓደ ክንፈልጦን ከነረጋግጾን ዘለና ሓቂ ግን፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ሰራዊትን ህዝብን ብመንጽሩ፡ እቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጠበንጃ ኣልዒሉ ዘሎ ተቓላሳይን ድሌቶም ሓደ ኢዩ፡፡ ክልቲኦም ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝደልዩን ዝብህጉን ኣካላት ኢዮም፡፡ እቶም ንሓርነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም ደም ዘፍስሱ ዘለዉ ገበነኛታት ግን፡ እንትርፎ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡ ከምዘይክእሉ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ዓሚ ታንኪ ኣምሪሑ ፎርቶ ዝደየበ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ህዝባዊ ሕቶ ድኣ ሓቲቱ እምበር፡ ኲናት ሕድሕድ ኣይኣወጀን፡፡ ኣፈሙዝ ታንኩ ናብ ህዝቢ ኣየቕነዐን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ምስክርነት የለን፡፡ እቶም ንጠበንጃ ከም መመሳመሲ ኲናት ሕድሕድ ስክፍታታት ዝፈጥሩ ካብ ፍጻመ 21 ጥሪ ይመሃሩ፡፡
ከምዚ ዝኣመሰለ ንምጾታት ስርዓት ህግደፍ ዘቀላጥፍ ዛዕባ እንክለዓል ደም ብዝሒ ዝለዓለም ኣካላት ድማ ኢዮም፡ ሓለይቲ ህዝብን ተቓለስትን ተመሲሎም ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ሓዊሶም፡ ንስለ መሰል፡ ንስለ ሓርነትን ፍትሕን ዝተበገሰ ህዝባዊ ቃልስና ካብ ሓደ ገጽ ናብቲ ካልእ ገጽ ከም ዝዛዝው ዝገብርዎ ዘለዉ፡፡ ጎነጽ ዝበሃል ቃል ክለዓል የብሉን፡፡ እዚ ህዝቢ ንሕድሕዱ ደም ክፋሰስን ክፋለስን የብሉን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ዝግበር ቃልሲ ቅቡል ኣይኮነን ክድዓትዩ፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ሓዋሩ ጸላኢትና ኢያ፡፡ ወያነ ትማሊ ኣሕዋትና ዝቐተለን ህዝቢ ዘባረረን ኢዩ፡፡ ወያነ ኣይእመንንዩ፡፡ ወያነ ምስ ተቓወምቲ ተሰማሚዑ ንወደብ ዓሰብ ገሚዑ ክወስድን ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳን ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ ኣብ ጉዳይና ኢዶም ኣይኮነን እግሮም የእትዮምሉ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኢያ፡፡ ኣንቱም ሰባት ኣየናይ ጠበንጃ ዘልዓለ ምንቅስቓስ ኢዩ ኲናት ሕድሕድ ዝኣወጀ…? ኣየናይ ጻድቕ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ቃልሲ ምክያድን ጠበንጃ ምልዓልን ውጉዝ ከም ከመ ኣርዮስ ኢሉ ዝወገዘ….? መን ኣየናይ ውድብ ኢዩ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኣይኮነትን ወይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ኣለዋ ዝበለ…? እዚ ተኣፋፊ ዛዕባ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ብዕሙቀት ክኣትዎ ክፍትን እየ፡፡ ንሕጂ ግን ናብታ ኤርትራ ንኤርትራውያን ትብል ገለ ሃሱሳት ድንግርግር ከእትዉልና ክበታትኑና ዘምጽእዋ ሓሳብ ክምለስ፡፡
ብቓልስና፡ ብመስዋእትና፡ ብድምጽና ዝመለስናዮን ዘረጋገጽናዮን ሓቂ፡ ስለምንታይ ኮር ተገልበጥ ኮይኑ ኣብ ምጥርጣርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ንኽኣትው ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝስራሕ ዘሎ….? ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ምዃና ዘይኣምንን ዝጠራጠርን መንዩ…? እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ዘብልዩ ነገራቱ፡፡ ኢሳይያስ ነቲ ገና ካብ ምብጋሱ ክርዳድ ንኽንፈሪ ዝተለሞ ትልሚ ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሕ ናይ ሓይለ ኣቡኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስ ነቲ ቃልሲ ንፍትሕን ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘለዓዓለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓቢሩን ሰሚሩን ብማዕበል ከይትንስእን ክርዳድ ትልምታት ኢሳይያስ ብርዒን ከይገብሮን ብኹሉ መዳያት ክዕንቕፎ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዓይኒ መርፍእ ከም ዝከታተልዎን ንምዕንቃፉ፡ ንምብታኑ፡ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ክስእንን ክበላላዕን ኣዝዩ ገዚፍ ገንዘባዊ ባጀትን ሰብኣዊ ዓቕምን ኣዋፊሩ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ሓደ ካብኡ ኣብ ሕድሕድና ምፍልላይን ምጥርጣርን ከምዝኣቱ ምግባር ኢዩ፡፡
ኢሳይያስ ነቲ ከም ዘይገደሰሉን ዘይስከፈሉን ኮይኑ ክረኣይ ዝደሊ ደምበ ተቓውሞ፡ ምብትታን ጥራይ ዘይኮነ ከም ሑጻ ባሕሪ ክበዝሕን ከም ነደቕቲ መንደቕ ባቤል ንሕድሕዱ ብዘየረዳድእ ቋንቋ ክተሃናኾትን ይሰርሕን ይገብርን ኣሎ፡፡ ነዚ ፈሊጥናን ኣለሊናን ነቶም ክርዳድ ክንፈሪ ዝሰርሑ ዘለዉ ሃሱሳት ኣይፋልኩምን፡ ትያትሮታት ኢሳይያስ ተገጢሙ ኢዩ እንተዘይ ኢልናዮም፡ እናሰሓቕና ውሕጅ ህግደፍ ንዕርብርብና ከዕርበና ኢዩ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶና ብቓልስናን መስዋእትናን ነጻ ድምጽናን ተመሊሱ ኢዩ፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራያን መዓልቦ ተገይሩሉ ዝተዓጽወ መዝገብ ኢዩ፡፡ እቲ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ምዃና፡ ኤርትራ ነጻን ሉላዊትን ሃገር ምዃና ብቐዳምነት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበ ድማ፡ እቲ ብሃሱሳት ህግደፍ ኣይእመንዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ወያነ ኢሂወደግ ምዃኑ ታሪኽ ሰኒድዎ ዘሎ ሓቂ ኢዩ፡፡ ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ምምርማር ከድልየና ኢዩ፡፡
ኣብ መጠረሽታ እንተዘይ ትንውንወኒ መን መጽደፈኒ ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣለና፡፡ ኢሳይያስ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢደ ወነኑ ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሑ ንዝጀመሮ ኲናት ሸፊና፡ ንህዝቢ ከምቲ ዝሓለፈ ወያነ ክወሩኻ እዮም፡፡ ኣይእመኑን ኢዮም፡፡ እናበልና ኣብ ድንግርግር ከም ዝኣቱ ክንገብሮ ኣይግባእን፡፡ ህዝቢ ነዚ ፋሹል ሓሳብ ስዒሩ ናብቲ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዶብ ተሳጊሩ ብጅምላ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱን ይስደድን ኣሎ፡፡ ኣብ ሰሙን ካብ 700 ክሳብ 1000 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሰነዳት UNHCR ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝተረፈ፡ ህዝቢ ዝፈለጦን ዝሰዓሮን ሕሱር ሓሶት ንየው ንበሎ፡፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡
ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
251-921924501
ን44 ዓመታት ዝነቀወ ዝብኢ ሃገርና!
ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ንኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 27 ሓምለ 2014
ቂም-ቂም! ሰዓት ትኣክል ኣላ። ግዜ ሻርነት ስለዘይብሉ ከኣ፡ ንኩሉ አእጃሙ ክዕድሎ ኢዩ። ‘ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየሕደረናን’ ከም ዝበሃል፡ እንጉይ…! ኢሳይያስ ፡ ካብ ዓላ 1970 ዓ.ም. ዝጀመረ’ምበር ሎሚ ኣብ ግዜ ዕርበቱ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይኮነን። እዚ ጽሉል’ዚ ኣብ ናይ ደም ቆር ዝሓምበሰ፡ ኩሉ ኣካላቱ ብደም ዝተጸየቐ ዕሉል ገበነኛ ኢዩ። ብኢዱን ብትእዛዙን፣ ከምኡ’ውን ብስዉር መጻወድያኡን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ድማ ቁጽሪ የብሎምን። ግን ንኩሉ ግዜ ኣለዎ።
ኢሳይያስ ማጨሎት ዘይተረኽቦ ጽሉል ክነሱ፡ ስዉር ተግባራቱ ግን ይርደኦ ኢዩ። ደም ሰብ ክቡር ስለዝኾነ፡ ኣይኮነን’ዶ ሂወት ብዙሓት ሰባት፣ ሂወት ሓደ ሰብ ኣጥፊእካ’ውን ቀሲንካ ምንባር ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ይኹን ብድሕሪ ናጽነት ብትእዛዝ ኢሳይያስ ሂወት ሰብ ዘሕለፉ ተጋደልቲ ነበር፡ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ስኽፍ እናበሉ’ዮም ዝነብሩ’ምበር እፎይታ የብሎምን።
ከምቲ ርሑስ ኣቦ ሃብቲ ይገድፍ፡ ተካል ኣቦ ከኣ ደም ይሓድግ ዝበሃል፣ ብድሕሪ ዕረፍቶም’ውን እቲ ደም ናብ ደቆም ንከይሓልፍ ክቱር ጭንቀት ንክህልዎም ባህርያዊ ኢዩ። ሰብ ዝገበሮ፡ ምድሪ ነገሮ’ዩ! ስለዚ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብካ ምንሳሕ ጥራይ ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣጸቢቑ ክሓስበሉን ክዳለወሉን ግዜ ይጠልብ ኣሎ። ደም ሓያል ስለዝኾነ ኢዩ’ምበኣር እዚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ፡ ወትሩ ካብ ኤርትራውያን ደቀባት እናፈርሐ ዝነብር ዝነበረን ዘሎን።
ተጋዳላይ ኣብራሃም ተወልደ ኣብ ዓላ ምስ ተሰውአ፡ ኣብቲ ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብራሃም ዝተገብረ ቦኽሪ ኣኼባ ዓላ፣ እቶም ውሑዳት መስረትቲ ሰልፊ ናጽነት፡ ንተጋዳላይ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ክመርሖም ኢዮም መሪጾሞ ይብሉ’ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ገዳይም።
“… ኣነ ኣብ ጀብሃ ንዝነበረኒ ሓላፍነት ጠንጢነ እየ መጺኤ ዘለኹ። ስለዚ ክሳብ ዓቢ ጉባኤ ንገብር፡ ወላ ንግዚኡ ሓላፊ ኮይነ ክሰርሕ እኽእል እየ” ኢሉ ብድሕሪ ምጉብዕባዕ፣ ባዕሉ ኢዩ ተመሪጹ ይውስኹ’ቶም ሰብ ቀደም።
ኣብቲ ፈላሚ ርክብ ተጋደልቲ፡ ኢሳይያስ ዝብኢ ምዃኑ እናነገረ፡ ዘለልዮ ብልሂ ሰብ ኣይተረኽበን። ሃብተስላሰ “…ሓላፍነት ንዓይ ግራዝማች ወይ ቀናዝማች ኣይኮነን። ካብ ብሓላፍነት ደረጃ ከኣ፡ ተራ ተጋዳላይ ኮይነ ክቃለስ እየ ዝመርጽ” ኢሉ ከም ዝመለሰ፣ ካብ ብሱል ጥረ፤ ገለ ውሑዳት ተረፍ ዘለዉ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኢሳይያስ ሽዑ ከምዛ ዋዛ፡ ሓላፊ ሰልፊ ናጽነት ኮነ። ሓደ ኣቦ ናብቲ ተጋደልቲ ዝነበሩሉ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ፡ “ብድሕሪ ኣብራሃም ደኣ ንመን ኢኹም ሓላፊ መሪጽኩም?” ኢሎም ሓተቱ።
ኢሳይያስ ንበይኑ ፍንትት ኢሉ ኣብ ትሕቲ ገረብ ስለዝነበረ፡ “ነቲ ኣብታ ትሕቲ ገረብ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ መሪጽናዮ ኣለና” ክብል ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ መለሰሎም። እቶም ኣቦ፣ ባልዋይ ምንባሩ ኣይዘንግዑን! “…ኦይ! ብቐዳማይ በዚኣ ክሓልፍ ከለኹ፡ ንበይኑ ኣብኣ ኮፍ ኢሉ ርእየዮ። ሎሚ’ውን ንበይኑ ኣብኣ ኮፍ ኢሉ ረኺበዮ፡ ያ- ያእ! ግዜ ደኣ ይቀየር’ምበር እዛ ንበይኑ ፍልይ-ፍልይሲ ኣይፈተኹዋን! ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየሕደረንን!” ኢሎም መንገዶም ቀጸሉ። እታ ዘረባ እቲኣ ተቐባሊ ልቢ ስለዘይረኸበት ድማ፡ እነና ዋና ከም ዘይብለን መጓሰ ንሞትን ስደትን ተቓሊዕና ንነብር ኣለና።
ኢሳይያስ ምስ ኣሰልጠንቱ እናተዘራረበ፣ ንሰባት ከም ወረቐት እናበወዘን ኢዩ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ከም ዝምረጽ ዝኸውን ዝነበረ። ስለዚ ኣብቲ ስሙ ንምልዓል ዝቃለሰሉ ዝነበረ ህሞት፡ ከም ታቦት ዓቢ ደብሪ ኮይኑ ንክረአ ኣኽኢሉዎ ኢዩ። እታ ኣብ ዓላ ከም ዋዛ፡ “ክሳብ ስፍሕ ዝበለ ጉባኤ ንገብር ወላ ኣነ ሓላፊ ኮይነ ክጸንሕ…” ዝበላ ሰባብ ተበግሶ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ደው ኣይበለትን። ንቀዳማይ ወገንን ካልኣይ ወገንን ህዝባዊ ሓይልታት፡ እንኮላይ ንጉጅለ ዖበል ከም ወናም ኣባጓይላ ኮይኑ ካብን ናብን ክጻፋዕ ጀመረ። ከደ!…ቀጸለ! ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር እውን ባዕሉ ብጥበብ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ተመሪጹ። ብድሕሪ 10 ዓመታት /1977-1987/ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ዝበስል ጉዳያቱ ምስ ኣብሰለ፣ ግዜ ናቱ ስለዝነበረ፤ ባዕሉ ዋና ጸሓፊ ኮነ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ! ናይ በረኻ ከይኣክል ከኣ ጸሓይ ምስ በረቐት’ውን እቲ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝበሃል መጋበርያ ስልጣኑ ኣኪቡ፡ ካብ 104 ሰባት 99 ድምጺ ከም ዝረኸበ ተነጊሩስ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ፡ ባዕሉ ተሾመ።
ማጨሎት ዘይተረኽቦን ቆጽሊ ዘይወደቖን ዝብኢ ንግሆ፡ ንግዜ ከም ቃሕትኡ ገይሩ ይኽሽክሾ ስለዝነበረ፤ ብኢዱ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል፡ ብኢዱ ኣቦ-መንበር ባይቶ፡ ባዕሉ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ ኮይኑ ተሸይሙ። ኢሳይያስ ብህዝቢ ዘይተመርጸ፡ ብዓመጽን ቅንጸላን ዝገዝእ ዘሎ ሕሳስ ልደ ሂትለር ኢዩ። ግሩሃት ኤርትራውያን ከኣ፡ ገርህነቶም ካብ 70ታት ክሳብ ግዜ ናጽነት፡ ክሳብ ሎሚ ን44 ዓመታት እውን ናብ ደልሃመት ሸሚማቶም። ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ፡ ብሰንኪ ዕሽነቶም፡ ንግዜ ኣይተጠቕሙሉን። ኣማስይኡ’ውን ናብ ዒራ-ዒሮ ተዳጒኖም ንሓዋሩ ፎእ ኣማውታ ክናና ንክሞቱ፡ ታሪኾም ንከይንገር፡ ስሞም ንከይጥቀስን ስድራ ቤቶም ንክዝኽትሙን ዘገርም ፍርዲ ተፈርዱ። ሰኣን ብትኽ! ሰኣን ማጨሎት ምድላይ፡ ሰኣን ንስቴርሶ ግዜ ምጥዋይ! እነሆ እቲ ኣንጉሁ ዝነቀወ ዝብኢ፡ ብድሕሪ 44 ዓመታት ንሃገር ብምልእታ ናብ ደልሃመት ሸሚሙዋ።
ኢሳይያስ ቅድሚ ንክሻ-ወዲ ክሻን ንማንከይን ምእካቡ፡ ንበይኑ ኮፍ ክብልን ንበይኑ ክኸይድን ኢዩ ዝመርጽ ዝነበረ። ኣብ ዓንበርቦብ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ’ውን ንበይኑ ወይ ምስ ሓደ ፊተውራሪ ምኻድ ኢዩ ዝመርጽ ዝነበረ። ከም ሓኽሊ ድሙ ንውልቁ ዝኸይድ’ኳ እንተነበረ፡ ኢሉ ኢሉስ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ንሱ ክነብረላ ብዝኽእል ቅርጺን መልክዕን ገይሩ ኢዩ ሃንዲሱዋ። እቲ ኣብ ሜዳ ዝተጠቕመሉ ቅዲ-ስትራተጂ ከኣ፣ ብድሕሪ ናጽነት’ውን ኤርትራ ብምልእታ ከም ሓንቲ ኣጉዶ፡ ንዕኡ ጥራይ ከም ትምችእ ገይሩ ኢዩ ሰሪሑዋ። እነሃ ድማ እዛ ፍትውቲ ሃገርና፡ ምድረ- ሰማእታት ዝኾነት ኤርትራ ሎሚ ብዘይካ ንኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን፤ ንካልኦት ደቀባት ከም ቃልሃ መጅሙዕ ብረት ኣነንጢራ ትድርብዮም ኣላ።
ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት /ደሓር ህዝባዊ ግንባር/ ብዘይካ ንዕኡ፡ ንካልኦት ብዝምችእ ኣወቓቕራ ኣይተወቕረትን። ንዝኾነ ጉዳዩ ከኣ፡ ብስዉርን ኣዝዩ ምስጢራዊ ብዝኾነ ኣገባብን ኢዩ ዝፍጽሞ ዝነበረ። እቲ ተካል ጥበብ፡ ውዒሉ ስለዝሓደረሉ፡ ናብዛ ሎሚ ብጽሉል ትምራሕ ዘላ ጓህማም ኤርትራ ንክንበጽሕ ተገዲድና ኢና። ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር መጋቢት 1987፡ ገለ ካብቲ ስሱዕ ባህርያቱ ዝመንጨወ በጨቕታ ናብ ጦብላሕታ ሰባት በጺሑ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ጉባኤ ንሱ ከም ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ንክምረጽ ብዙሕ ድርሰታት ደሪሱ ኢዩ። ኣብቲ ሕቡእ ጉባኤ ሰልፊ ድማ ዝለዓለ ድምጺ ከም ዝረኸበ ኣሰናዳእቲ ኮሚተ ጉባኤ ዝነበሩ /ሃይለ ወልደንስአ፣ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፣ ኣብራሃ ካሳ/ ንኣኼበኛታት ገለጹ። እቶም ሰብኣይ ኣብ ዓላ ‘ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየሕደረንን’ ዝበልዎ ከኣ፡ ተጋሂዱ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝኸሓነ ጽልኢ ንኤርትራውያንን ዝቐሃመ ጥንታዊ ሕልሚን ተሸሚሙ ዝነብር ጋኔን ቀትሪ ኢዩ። ሎሚ ግዜ ስለዝተቐየረ፡ ካብ ጉዕዞ ዘመናዊት ዓለም ሃውቲቱ ኢዩ። እዚ ብደዐኛ ሰኽራም’ዚ፡ ንመንኮርኮር ታሪኽ ክመልስ ዝህቅን፣ ንግዜ ከም ናቱ ንብረት ገይሩ ዝርኢ፤ ከንቱን ትዕቢተኛን ሰብ ኢዩ። እዚ ማጨሎት ክልተ ሸውዓተ ዘይተረኽበሉ ሰብ’ዚ ካብ ፍቕሪ ንጽልኢ ኢዩ ዝመርጽ። ከምቲ ሃመማ ኣብ ረሳሕ’ምበር ኣብ ጽሩይ ከባቢ ክነብር ዘይክእል፡ ኢሳይያስ እውን ኣብ ህውከትን ሕንፍሽፍሽን’ምበር ኣብ ሰላም ዝዓሰሎ ከባቢ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ሰላም ንኲናት ኢዩ ዝሃርፍ። ካብ ናብ ርግኣት ናብ ዕግርግር ኢዩ ዘማዕዱ። ካብ ርሂጽካ ምንባር ተቛሚርካን ዓሚጽካን ምንባር ኢዩ ዝብህግ። ኢሳይያስ ብምእሳር፣ ምቕጥቃጥ፣ ብምርሻንን ብስደት ሰባትን ዝሕጎስ ሰብ ኢዩ። ግን ‘ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን’ ከም ዝበሃል፡ ግዜ ብቕልጡፍ ይቕየር ኣሎ።
እዚ ን44 ዓመታት ዝነቀወ ዝብኢ ሃገርና፡ ከም ውሉፍ ኣወል ቡን፣ ብግናይ መርኣያ ሰባት፣ ብጥሜትን ልመናን፣ ብሞትን መቕዘፍቲን ኢዩ ዝድሰት። ህዝቢ ኤርትራ ብክፉእ ወጅሃት ወልፉ ዘውጽእ ሰብ ምዃኑ ካብ ዝፈልጥ ሓያለይ ዓመታት ሓሊፎም ኢዮም። ካብታ ዝወፈረላን ዝኣመነላን ማዕተቡ ፍንትት ክብል ማለት ከኣ ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እዚ ዛጊት ፈውሲ ዘይተረኽቦ ምላቑ ጸጸራት፣ ንገጹ ኣብ ሓባል መስትያት ስለዝርእያ፡ ዘይሩ-ዘይሩ ምስ ክዉንነት ንክጋጮ ንዕድሉ ባዕሉ’ዩ ወሲንዎ።
ኣብ መዓልቲ ሰባት እንተዘይጸፍዐ፣ እንተዘይኣሰረን እንተዘይረሸነን ሕማም መርዘን ፈጋዕ ዘብሎ ዝብኢ ንግሆ ኢሳይያስ፣ ባህታኡ ንምርዋይ ኣሎ ዝበሃል እከይ ተግባራት ካብ መጀመርታ 70ታት ክሳብ ዓመተ 2001ን ሎሚን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ፈጺሙዎም ኢዩ። እዚ ማጨሎት ዘይተረኽቦ ጽሉል’ዚ ብመደብ ዝተላእከ ሰብ እንተዘይከውን፤ ስለምንታይ ብዘለዎ ስልጣን ዘይዓገበ? ኤርትራ ዲያ ንኢሳቶ? ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ውሒዱዎ? ኤርትራ ዲያ ድኻ ኮይናቶ? ባህርያዊ ሃብቲ ዘይተዓደለት ዲያ ኮይናቶ ኤርትራ? ኣብ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ስለዘየላ ዲዩ ክንድዚ ጽላለ? ህዝቢ ኤርትራ ዲዩ ገንዘብ ምኽፋል ኣብዩዎ…ከም ተጋዳላይ ዲዩ ዘየኽበሮ?…ወዱን ጓሉን ንክህብ ኣብ ዝተሓተተሉ ሰዓት’ዶ ሓንጊዱ ይፈልጥ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ? እንታይ ደኣ’ሉ እቲ ጽላለ? ኢሳይያስ ንመስዋእቲ ደቂ ኤርትራ ዝኸሓደን ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ዝብኢ ንግሆ ኢዩ።
እምበኣርከስ ስለምንታያት ኢልና መልሲ ኣብ ዘይርከቦ ሕቶታት ዝተነቑተ ኢሳይያስ፣ ብዋጋ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንክጃመል ዝወሰዶ ምርጫ ምንባሩ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርበዓ በጣዕጣዕ ኢሉ በሪሁ ኣሎ። እቲ ሓደ ምኽንያት ገና ተሰዊሩና ዝጸንሐን ሎሚ በጨቕ ዝብል ዘሎን ሕልሚ ምጽናት ኤርትራዊ ዓሌት ኢዩ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይነበሮን።
ዝብኢ ንግሆ ንፍርቂ ዘመን ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ዝኸሽከሻ ግዜ፡ ደጊምሲ ሰቲዃቶ ኢያ። እታ ሕልማዊት ባላንቺና ከኣ ናብ ምትርባዕ ገጻ ትቀራረብ ኣላ። ኣብ ስግንጢር ሕልሙ ኣትዩ ዕንክሊል፣ ሓሸውየ፣ ጭር-ጭር ዓበደ ክጻወት ድሕሪ ምጽንሑ ድማ ሎሚ፤ ማጨሎት ከይተሓጽበ ብጽሉሉ ንክቃበጽ፡ ግዜ ንመልኣከ-ሞት ይጽበ ኣሎ።
እዚ ጽሕፍቶና ኮይኑ ኣደራዕ ወረደና። ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ኢልና ድማ ኣኮማሲዕናዮ። ግን ኣብ ታሪኽ ሰባትን ጉዕዞ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፣ ከም ኮኾብ ሰሜን ንመዋእሉ ዘይቅየር ወይ ቦታ ዘይልውጥ ተርእዮን ስርዓትን የለን። ባህግና ከም ዑፈ መስቀል ንሓንሳብ ጥራይ ተራእዩ ዝጠፍእ ኣይኮነን። እቲ እንምነዮ ሰናይ ጽሕፍቶና፣ ጽሕፍቶ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ቅሳነትን ሕውነትን ዘይከም ባህጊ ዝብኢ ንግሆ፣ ናይ ግድን ክመጽእ ኢዩ።
ቢጊሓቱ እንጉይ ዝበለ ኢሳይያስ ከም ተካል ዝብኢ፣ ካብ ምኽሪን ሓሳባትን ደቀባት ኤርትራ ሓኪሉ ዝመሃዞም ተንኮላት፣ ኣብ መወዳእታ መጥፍኢኡ ከም ዝኾኑ ምንም ጥርጥር የብሉን ኤርትራዊ። መለለይኡ ዕግርግርን ኲናትን ዝኾነ ገበነኛ ገበተ፣ ሎሚ ህርፋኑን ናይ ጥንቲ ሕልሙን ናብ ዕራርቦ ጸሓይ ገጾም ይኸዱ ኣለዉ። ሕጊ ተፈጥሮ ስለዝኾነ እታ ዝዓረበት ጸሓይ ግዜ ሓልያ እንደገና ትበርቕ ኢያ። ካብ ሕጊ ተፈጥሮን ሕብረተ-ሰብን ሃውቲቱ ንሕጊ ኣራዊት ዝኣምን፡ ናብ ዕንኪላሎን ናብ ክቢ መጋርያ ኲናትን ዝነብር ኢሳይያስ ግን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ዓረበ፣ ዳግም ኣይክምለሰናን ኢዩ። እቲ ዓቢ ጸገምና፣ ጽሉል ዝፈጠሮ ስንብራት ንምጥፋእ ዓመታት ክወስድ ምዃኑ ከይደቀስና ዝፈታሕናዮ ሕልሚ ኢዩ።
ምፍኽኻር ምስ ክዉንነት: ምስ መቓልሕካ ካብ ምዝርራብ ዝፍለ ኣይኮነን። ግብረ-መልሱ ብስኽራን፣ ከንቱ ጃህራን ዕውልናን ካብ ዝገልጽ ሓያለይ ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ስሱዕ መራሒ ህግደፍ፣ መመሊሱ ናብ ግብ ዝበለ ጸልማት’ምበር ናይ ብርሃን ግዜ ክረኣዮ ኣይኮነን። እዚ ዛጊት ማጨሎት ዘይተረኽቦ ጽሉል ሰዓት ጥፍኣቱ ትኣክል ኣላ’ሞ፣ ክቡራንን ክቡራትን እንዳባ ህድእ ኢልኩም ተጸበዩ!
ኳደረ ህግደፍ ሕጂ ቋሬጣ ቀባሮ ኣዝዝ። ከምቲ ኣቦ ኣንበሳ ክመውት ቅበር፣ ኣንበሳ ክመውት ግን ዓዲ ውዓል ዝበሃል፤ ናብ ሓመድ ድበ ጽሉል ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘብ-ዘብ ዝብልን ጸሊም መንጠሊና ትኽደን ወይዘሮን እንተለዉ ንምርኣይ ድማ፡ ክንጽበ ኢና’ሞ ደጊምሲ ምቕናይ ጥራይ!!
ንእሾኽ እሾኽ’ያ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር ኤርትራዊ። ግዜ ጥዑም’ዩ፡ ግዜ ሻርነት የብሉን! ግዜና ይመጽእ ኣሎ’ሞ ብተስፋ ተጸበ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?
ሓቂ ኣብዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ወሲደ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ነገር እንተሃልዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ሎሚ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮን ክኣትዎን ኣይደለኹን፡፡ እቲ ምንታይ ሓቂ ኣብ ዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመታት ዝተመስረሐ ትያትሮታት ኢሳይያስን ደቂ ዕቁቡን ኣፍና መሊእና እዚዩ እቲ ሓቂ ክንብል፡ ዘመነ ምስማዕን ምጽሓፍን ምዝራብን ዘመነ ሓቂ ዝግለጸሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን እቶም ፍረ ክርዳድ ኢሳያስን ዝኾኑ ሃሱሳቱን ግን ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮኑ ዘጽንቱ ዘለዉ፡ ታሪኽና እውን ንሶም ብዝደልይዎ ሰናኒዖሞ ኢዮም፡፡ ነዊሕ ዓመታት ብዝተሰናነዐ ሓሶት ታሪኻት ኣእዛኑ ጸሚሙ የዒንቱ ንዝዓወረ ህዝቢ ሎሚ ኣብዘይ ግዚኡ እቲ ሓቂ እዚዩ እንተበልካዮ፡ ግር ክብሎን ኣይ ኣይፋልኩምን ክብልን ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ኩልና ንደልዮን ንብህጎን ዘመነ ሐቂ፡ ዘመነ ፍትሒ፡ ዘመነ ሓሳብካ ብዘይፍርሂ ትገልጸሉ ርሑቕ ዘይኮነ ግዜ ንሽዑ ክገድፎ፡፡ ዝተወሰነ ንእሽቶ ሓሳበይ ግን፡ ነቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ዝብል ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ፡ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ድንግርግር ኣትዮም ድንግርግር ዘብሉ ዘለዉ ገለ ክብሎም፡፡
ብሓቂ ዲና ነዛ ብኣእላፍ ኩቡር መስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ናጽነታ ዘረጋገጸት ሉኡላዊት ሃገር፡ ገለ ኮትሮማንዲስታ ሰባት ከይሸጥዋን ንኢትዮጵያ ብፍላይ እውን፡ ነቲ ኣብ መልሓስ ብዙሓት ህግደፍ ዝወቀጦ ወያነ ኣሕሊፎም ከይህብዋን ንፈርሕን ንስከፍን ንጠራጠርን ዘለና…..? እዚ ኢሳይያስ ዝዘረኦ መርዚ ግን ከኣ ናይ ዓያሹ ትያትሮ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ክሳብ ክደይ ኣዓሺዉናን ኣገሪሁናን ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ በሪሁልና ክኸውን ተስፋ ይገብር፡፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ መሪሕ ጭረሖ ተሓንጊጦም፡ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ዝሰርሕ ዘሎ ዝደግሙ ግሩሃት ተቓለስቲ፡ ወይ እውን ኮነ ኢሎም ኣብ ሓሸውየ ክንነብር ዝደልዩ መሳርሒ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሃሱሳት፡ ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ በቃ ከምታ ዘለዋ እናሰሓቐ ውሕጅ ጥፍኣት ህግደፍ ክወስዶ ይሰርሑን ይገብሩን ኣለዉ፡፡ ሎሚ ኣብቲ ዝኸፈአ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝደረስዎ ትያትሮ ክንመራመረሉ ይግባእ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብመስዋእትናን ድምጽናን ኣብ ቅድሚ ተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት መኸተምታ ጌርናሉ ኢና፡፡ ኤርትራ ናይ ዋናታታ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡
ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳት ኮተሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ስለምንታይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብል ኣርእስቲ ሰይሞም ነቲ ኣዝዩ ረዚን ሓሳብ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ደጋጊምና ንመርምሮ፡፡ እቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ግንባሩ ዝሃበ፡ ዝተሰወኣ፡ዝሰንከለ፡ ዝኸርተተ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ኤርትራ ሞባእ ዝኸፈለ ወዲስዉእ፡ እቲ ወላድ መኻን ዝኾነ ስድራቤታት ኩሉ ኣበይ ኣሎ…..? እዚ ንብሎ ዘለና ሕጂ ካብታ ዝፈትዋ ዓዱ መሪርዎ፡ ጨኒቕዎ ብጅምላ ዝስደድ ዘሎ ህዝቢ ኢዮኮ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ኩሉ እንትንኡ ዝወፈየ፡፡ እዚ ኤርትራ ናይኤርትራውያን ክትከውን ዝተሰወአ ዝሰንከለ ዝተኻላበተ ህዝቢ ሎሚ ኤርትራ ናቱ ከይተኸውን ዝገበር ዘሎ ድኣ መንዩ..? እቲ ፍትሒ ተረጊጹ ሃገር ንወዲ ሃገር ብምባል ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎʼዶ፡ ወይስ እቲ ንጥፍኣትና ድግድጊት ዝተዓጥቀ ህግደፍ….?
ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንወድያመን ድኣ…..? ንሶማልያውያን፡ ንሱዳናውያን፡ ንኣሜሪካውያን ወይስ ከምቲ ህግደፍን ሃሱሳት ህግደፍን ዝብልዎ ንኢትዮጵያን ንወያነ….? እዚ ናይ ዓያሹ ትያትሮ ሎሚ ክንቕሓሉን ክንልብመሉን ይግባኣና፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና ኢያ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተቓሊሱ፡ ተሰዊኡ፡ ሰንኪሉን ንዓመታት ከርተት ኢሉን ኢዩ፡፡ ዓስቢ መስዋእቱን ምስንካሉን ከርተቱን ገድሉን ድማ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራያን ኮይና ኢያ፡፡ ሎሚ ነቲ ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ደጊምና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ኣምበይ ምተገበኣን፡፡ ግዳ ገሌና ብዘይፍላጥ ስሚዒትን ውሕጅ ሓሶት ህግደፍን ገፊዑና፡ ገለ ድማ ሕልፈትና ከምታ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝተለምዋ ክርዳድ ምእንቲ ክንፈሪ፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ኮር ተገምጠል ኮይኑ ንርእዮ ኣለና፡፡ ብሓቂ እቲ ምዃን ተሳኢኑ ዘሎ ግን፡ ኤርትራውያን ናይታ ዝተሰዋእናላ፡ ዝሰንከልናላ፡ ዝተሞቓሕናላ፡ ዝተጋደልናላን ዝኸርተትናላን ኤርትራ ክንከውን ኣይከኣልናን፡፡ ሕልፈት መዋእልና ትማልን ሎምን ሓደʼዩ ዘሎ፡፡ ትማሊ ተጓኒና ሎሚ እውን ብዝገደደ ተጓኒና፡፡
ኤርትራ ንኤርትራውያን! ኣብቲ ርሱን ፖለቲካዊ መድረኽ መፋርቕ ኣርበዓታት ብሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣቦታትናን ኣበሓጎታትናን ኣብ ግዚኡን ሰዓቱን ዝመጸን ዝተላዕለን ሕቶ መንነትናን ክብረትናን ኢዩ፡፡ ኣብቲ ተሃዋስን ተኣፋፍን ግዜ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓበጀረዋይ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝነበረ፡፡ እዋን መርገጺኻን ኤርትራውነትካን ኣነጽር ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ ኤርትራ ብሓደ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ትተሓወስ፡፡ በቲ ካልእ ወገን ኤርትራ ከም ስጋ ጉዚ ትጎዛዘ፡፡ ኤርትራ ከም ቆልዓ ሕድሪ ብሞግዚትነት ትጽናሕ…..ካልእ ካልእ ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ እቶም ኣብ ታሪኽና እንሕበነሎም ሓርበኛታት ኣቦታትና ኤርትራ ኣይትቑርመም ኣይሽርመም፡ ኣይትጉዘ ኣይትቆራረስን፡ ናይ ኤርትራውያን ኢያ ብምባል ጸኒዖም ተቓሊሶም፡፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ድምጺ ህዝቢ ዓፊኑ ግጉይ ውሳነ ሂቡና፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሓቀኛ ቃልስና ብሰለማውን ሕጋውን መገዲ ስለ ዝሰኣናዮ ጠበንጃ ኣልዒልና፡፡ ንሳላሳ ዓመታት ገድልን መስገደልን ሓሊፍና፡፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ከፊልና፡፡ ሰንኪልና ከርቲትና ተዎቒሕና ተሰዲድና እውን፡፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሕቶና መሊስናዮ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና፡፡ ነዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ዝተመለሰ ሕቶና ሎሚ መንዩ ዝጠራጠረሉ….? ኣይንዓሹ ኣይንገራህ ኣሕዋት ኢሳይያስ ዝደረሶ ገና ውስጠዘ ሚስጢራቱ ዘይተቐልዐ ውሕጅ እናሰሓቕና ኣሰርና ከየጥፍኣና፡፡
እስከ ሓንቲ ሕቶ ኣልዒለ እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ከሰጋግሮ፡፡ እዛ ብቓልሲ ህዝብን ብመስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ነጻን ሉኡላዊትን ዝኾነት ሃገር፡ ክሸጣን ብፍሉይ እውን ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህባን ከረክባን ዝቃለስ ተቓላሳይ ኣሎ ኢልና ንሓስብ ዶ….? ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብጭቡጥ ከምዚኦም ዓይነት ተቓለስቲ ኣለዉ….? ሃገር ክበሃል ከሎ መሬት ባሕሪ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ነዚ ገድልን መስገደልን ዝተሳገረ ንመሰልን ሪምን መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ህዝቢ ከምኣቕሓ መሸጣ ክትሸጦን ክትልውጦን ከ ይከኣልʼዶ ይኸውን…..? መልሲ ንነበብቲ፡፡
ካልአይ ክፋል ይቕጽል
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Tele 251-921924501