ን44 ዓመታት ዝነቀወ ዝብኢ ሃገርና!

ን44 ዓመታት ዝነቀወ ዝብኢ ሃገርና!

ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ንኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 27 ሓምለ 2014

ቂም-ቂም! ሰዓት ትኣክል ኣላ። ግዜ ሻርነት ስለዘይብሉ ከኣ፡ ንኩሉ አእጃሙ ክዕድሎ ኢዩ። ‘ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየሕደረናን’ ከም ዝበሃል፡ እንጉይ…! ኢሳይያስ ፡ ካብ ዓላ 1970 ዓ.ም. ዝጀመረ’ምበር ሎሚ ኣብ ግዜ ዕርበቱ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይኮነን። እዚ ጽሉል’ዚ ኣብ ናይ ደም ቆር ዝሓምበሰ፡ ኩሉ ኣካላቱ ብደም ዝተጸየቐ ዕሉል ገበነኛ ኢዩ። ብኢዱን ብትእዛዙን፣ ከምኡ’ውን ብስዉር መጻወድያኡን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ድማ ቁጽሪ የብሎምን። ግን ንኩሉ ግዜ ኣለዎ።

ኢሳይያስ ማጨሎት ዘይተረኽቦ ጽሉል ክነሱ፡ ስዉር ተግባራቱ ግን ይርደኦ ኢዩ። ደም ሰብ ክቡር ስለዝኾነ፡ ኣይኮነን’ዶ ሂወት ብዙሓት ሰባት፣ ሂወት ሓደ ሰብ ኣጥፊእካ’ውን ቀሲንካ ምንባር ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ይኹን ብድሕሪ ናጽነት ብትእዛዝ ኢሳይያስ ሂወት ሰብ ዘሕለፉ ተጋደልቲ ነበር፡ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ስኽፍ እናበሉ’ዮም ዝነብሩ’ምበር እፎይታ የብሎምን።

ከምቲ ርሑስ ኣቦ ሃብቲ ይገድፍ፡ ተካል ኣቦ ከኣ ደም ይሓድግ ዝበሃል፣ ብድሕሪ ዕረፍቶም’ውን እቲ ደም ናብ ደቆም ንከይሓልፍ ክቱር ጭንቀት ንክህልዎም ባህርያዊ ኢዩ። ሰብ ዝገበሮ፡ ምድሪ ነገሮ’ዩ! ስለዚ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብካ ምንሳሕ ጥራይ ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣጸቢቑ ክሓስበሉን ክዳለወሉን ግዜ ይጠልብ ኣሎ። ደም ሓያል ስለዝኾነ ኢዩ’ምበኣር እዚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ፡ ወትሩ ካብ ኤርትራውያን ደቀባት እናፈርሐ ዝነብር ዝነበረን ዘሎን።

ተጋዳላይ ኣብራሃም ተወልደ ኣብ ዓላ ምስ ተሰውአ፡ ኣብቲ ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብራሃም ዝተገብረ ቦኽሪ ኣኼባ ዓላ፣ እቶም ውሑዳት መስረትቲ ሰልፊ ናጽነት፡ ንተጋዳላይ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ክመርሖም ኢዮም መሪጾሞ ይብሉ’ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ገዳይም።

“… ኣነ ኣብ ጀብሃ ንዝነበረኒ ሓላፍነት ጠንጢነ እየ መጺኤ ዘለኹ። ስለዚ ክሳብ ዓቢ ጉባኤ ንገብር፡ ወላ ንግዚኡ ሓላፊ ኮይነ ክሰርሕ እኽእል እየ” ኢሉ ብድሕሪ ምጉብዕባዕ፣ ባዕሉ ኢዩ ተመሪጹ ይውስኹ’ቶም ሰብ ቀደም።

ኣብቲ ፈላሚ ርክብ ተጋደልቲ፡ ኢሳይያስ ዝብኢ ምዃኑ እናነገረ፡ ዘለልዮ ብልሂ ሰብ ኣይተረኽበን። ሃብተስላሰ “…ሓላፍነት ንዓይ ግራዝማች ወይ ቀናዝማች ኣይኮነን። ካብ ብሓላፍነት ደረጃ ከኣ፡ ተራ ተጋዳላይ ኮይነ ክቃለስ እየ ዝመርጽ” ኢሉ ከም ዝመለሰ፣ ካብ ብሱል ጥረ፤ ገለ ውሑዳት ተረፍ ዘለዉ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኢሳይያስ ሽዑ ከምዛ ዋዛ፡ ሓላፊ ሰልፊ ናጽነት ኮነ። ሓደ ኣቦ ናብቲ ተጋደልቲ ዝነበሩሉ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ፡ “ብድሕሪ ኣብራሃም ደኣ ንመን ኢኹም ሓላፊ መሪጽኩም?” ኢሎም ሓተቱ።

ኢሳይያስ ንበይኑ ፍንትት ኢሉ ኣብ ትሕቲ ገረብ ስለዝነበረ፡ “ነቲ ኣብታ ትሕቲ ገረብ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ መሪጽናዮ ኣለና” ክብል ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ መለሰሎም። እቶም ኣቦ፣ ባልዋይ ምንባሩ ኣይዘንግዑን! “…ኦይ! ብቐዳማይ በዚኣ ክሓልፍ ከለኹ፡ ንበይኑ ኣብኣ ኮፍ ኢሉ ርእየዮ። ሎሚ’ውን ንበይኑ ኣብኣ ኮፍ ኢሉ ረኺበዮ፡ ያ- ያእ! ግዜ ደኣ ይቀየር’ምበር እዛ ንበይኑ ፍልይ-ፍልይሲ ኣይፈተኹዋን! ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየሕደረንን!” ኢሎም መንገዶም ቀጸሉ። እታ ዘረባ እቲኣ ተቐባሊ ልቢ ስለዘይረኸበት ድማ፡ እነና ዋና ከም ዘይብለን መጓሰ ንሞትን ስደትን ተቓሊዕና ንነብር ኣለና።

ኢሳይያስ ምስ ኣሰልጠንቱ እናተዘራረበ፣ ንሰባት ከም ወረቐት እናበወዘን ኢዩ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ከም ዝምረጽ ዝኸውን ዝነበረ። ስለዚ ኣብቲ ስሙ ንምልዓል ዝቃለሰሉ ዝነበረ ህሞት፡ ከም ታቦት ዓቢ ደብሪ ኮይኑ ንክረአ ኣኽኢሉዎ ኢዩ። እታ ኣብ ዓላ ከም ዋዛ፡ “ክሳብ ስፍሕ ዝበለ ጉባኤ ንገብር ወላ ኣነ ሓላፊ ኮይነ ክጸንሕ…” ዝበላ ሰባብ ተበግሶ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ደው ኣይበለትን። ንቀዳማይ ወገንን ካልኣይ ወገንን ህዝባዊ ሓይልታት፡ እንኮላይ ንጉጅለ ዖበል ከም ወናም ኣባጓይላ ኮይኑ ካብን ናብን ክጻፋዕ ጀመረ። ከደ!…ቀጸለ! ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር እውን ባዕሉ ብጥበብ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ተመሪጹ። ብድሕሪ 10 ዓመታት /1977-1987/ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ዝበስል ጉዳያቱ ምስ ኣብሰለ፣ ግዜ ናቱ ስለዝነበረ፤ ባዕሉ ዋና ጸሓፊ ኮነ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ! ናይ በረኻ ከይኣክል ከኣ ጸሓይ ምስ በረቐት’ውን እቲ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝበሃል መጋበርያ ስልጣኑ ኣኪቡ፡ ካብ 104 ሰባት 99 ድምጺ ከም ዝረኸበ ተነጊሩስ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ፡ ባዕሉ ተሾመ።

ማጨሎት ዘይተረኽቦን ቆጽሊ ዘይወደቖን ዝብኢ ንግሆ፡ ንግዜ ከም ቃሕትኡ ገይሩ ይኽሽክሾ ስለዝነበረ፤ ብኢዱ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል፡ ብኢዱ ኣቦ-መንበር ባይቶ፡ ባዕሉ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ ኮይኑ ተሸይሙ። ኢሳይያስ ብህዝቢ ዘይተመርጸ፡ ብዓመጽን ቅንጸላን ዝገዝእ ዘሎ ሕሳስ ልደ ሂትለር ኢዩ። ግሩሃት ኤርትራውያን ከኣ፡ ገርህነቶም ካብ 70ታት ክሳብ ግዜ ናጽነት፡ ክሳብ ሎሚ ን44 ዓመታት እውን ናብ ደልሃመት ሸሚማቶም። ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ፡ ብሰንኪ ዕሽነቶም፡ ንግዜ ኣይተጠቕሙሉን። ኣማስይኡ’ውን ናብ ዒራ-ዒሮ ተዳጒኖም ንሓዋሩ ፎእ ኣማውታ ክናና ንክሞቱ፡ ታሪኾም ንከይንገር፡ ስሞም ንከይጥቀስን ስድራ ቤቶም ንክዝኽትሙን ዘገርም ፍርዲ ተፈርዱ። ሰኣን ብትኽ! ሰኣን ማጨሎት ምድላይ፡ ሰኣን ንስቴርሶ ግዜ ምጥዋይ! እነሆ እቲ ኣንጉሁ ዝነቀወ ዝብኢ፡ ብድሕሪ 44 ዓመታት ንሃገር ብምልእታ ናብ ደልሃመት ሸሚሙዋ።

ኢሳይያስ ቅድሚ ንክሻ-ወዲ ክሻን ንማንከይን ምእካቡ፡ ንበይኑ ኮፍ ክብልን ንበይኑ ክኸይድን ኢዩ ዝመርጽ ዝነበረ። ኣብ ዓንበርቦብ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ’ውን ንበይኑ ወይ ምስ ሓደ ፊተውራሪ ምኻድ ኢዩ ዝመርጽ ዝነበረ። ከም ሓኽሊ ድሙ ንውልቁ ዝኸይድ’ኳ እንተነበረ፡ ኢሉ ኢሉስ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ንሱ ክነብረላ ብዝኽእል ቅርጺን መልክዕን ገይሩ ኢዩ ሃንዲሱዋ። እቲ ኣብ ሜዳ ዝተጠቕመሉ ቅዲ-ስትራተጂ ከኣ፣ ብድሕሪ ናጽነት’ውን ኤርትራ ብምልእታ ከም ሓንቲ ኣጉዶ፡ ንዕኡ ጥራይ ከም ትምችእ ገይሩ ኢዩ ሰሪሑዋ። እነሃ ድማ እዛ ፍትውቲ ሃገርና፡ ምድረ- ሰማእታት ዝኾነት ኤርትራ ሎሚ ብዘይካ ንኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን፤ ንካልኦት ደቀባት ከም ቃልሃ መጅሙዕ ብረት ኣነንጢራ ትድርብዮም ኣላ።

ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት /ደሓር ህዝባዊ ግንባር/ ብዘይካ ንዕኡ፡ ንካልኦት ብዝምችእ ኣወቓቕራ ኣይተወቕረትን። ንዝኾነ ጉዳዩ ከኣ፡ ብስዉርን ኣዝዩ ምስጢራዊ ብዝኾነ ኣገባብን ኢዩ ዝፍጽሞ ዝነበረ። እቲ ተካል ጥበብ፡ ውዒሉ ስለዝሓደረሉ፡ ናብዛ ሎሚ ብጽሉል ትምራሕ ዘላ ጓህማም ኤርትራ ንክንበጽሕ ተገዲድና ኢና። ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር መጋቢት 1987፡ ገለ ካብቲ ስሱዕ ባህርያቱ ዝመንጨወ በጨቕታ ናብ ጦብላሕታ ሰባት በጺሑ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ጉባኤ ንሱ ከም ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ንክምረጽ ብዙሕ ድርሰታት ደሪሱ ኢዩ። ኣብቲ ሕቡእ ጉባኤ ሰልፊ ድማ ዝለዓለ ድምጺ ከም ዝረኸበ ኣሰናዳእቲ ኮሚተ ጉባኤ ዝነበሩ /ሃይለ ወልደንስአ፣ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፣ ኣብራሃ ካሳ/ ንኣኼበኛታት ገለጹ። እቶም ሰብኣይ ኣብ ዓላ ‘ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየሕደረንን’ ዝበልዎ ከኣ፡ ተጋሂዱ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝኸሓነ ጽልኢ ንኤርትራውያንን ዝቐሃመ ጥንታዊ ሕልሚን ተሸሚሙ ዝነብር ጋኔን ቀትሪ ኢዩ። ሎሚ ግዜ ስለዝተቐየረ፡ ካብ ጉዕዞ ዘመናዊት ዓለም ሃውቲቱ ኢዩ። እዚ ብደዐኛ ሰኽራም’ዚ፡ ንመንኮርኮር ታሪኽ ክመልስ ዝህቅን፣ ንግዜ ከም ናቱ ንብረት ገይሩ ዝርኢ፤ ከንቱን ትዕቢተኛን ሰብ ኢዩ። እዚ ማጨሎት ክልተ ሸውዓተ ዘይተረኽበሉ ሰብ’ዚ ካብ ፍቕሪ ንጽልኢ ኢዩ ዝመርጽ። ከምቲ ሃመማ ኣብ ረሳሕ’ምበር ኣብ ጽሩይ ከባቢ ክነብር ዘይክእል፡ ኢሳይያስ እውን ኣብ ህውከትን ሕንፍሽፍሽን’ምበር ኣብ ሰላም ዝዓሰሎ ከባቢ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ሰላም ንኲናት ኢዩ ዝሃርፍ። ካብ ናብ ርግኣት ናብ ዕግርግር ኢዩ ዘማዕዱ። ካብ ርሂጽካ ምንባር ተቛሚርካን ዓሚጽካን ምንባር ኢዩ ዝብህግ። ኢሳይያስ ብምእሳር፣ ምቕጥቃጥ፣ ብምርሻንን ብስደት ሰባትን ዝሕጎስ ሰብ ኢዩ። ግን ‘ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን’ ከም ዝበሃል፡ ግዜ ብቕልጡፍ ይቕየር ኣሎ።

እዚ ን44 ዓመታት ዝነቀወ ዝብኢ ሃገርና፡ ከም ውሉፍ ኣወል ቡን፣ ብግናይ መርኣያ ሰባት፣ ብጥሜትን ልመናን፣ ብሞትን መቕዘፍቲን ኢዩ ዝድሰት። ህዝቢ ኤርትራ ብክፉእ ወጅሃት ወልፉ ዘውጽእ ሰብ ምዃኑ ካብ ዝፈልጥ ሓያለይ ዓመታት ሓሊፎም ኢዮም። ካብታ ዝወፈረላን ዝኣመነላን ማዕተቡ ፍንትት ክብል ማለት ከኣ ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እዚ ዛጊት ፈውሲ ዘይተረኽቦ ምላቑ ጸጸራት፣ ንገጹ ኣብ ሓባል መስትያት ስለዝርእያ፡ ዘይሩ-ዘይሩ ምስ ክዉንነት ንክጋጮ ንዕድሉ ባዕሉ’ዩ ወሲንዎ።

ኣብ መዓልቲ ሰባት እንተዘይጸፍዐ፣ እንተዘይኣሰረን እንተዘይረሸነን ሕማም መርዘን ፈጋዕ ዘብሎ ዝብኢ ንግሆ ኢሳይያስ፣ ባህታኡ ንምርዋይ ኣሎ ዝበሃል እከይ ተግባራት ካብ መጀመርታ 70ታት ክሳብ ዓመተ 2001ን ሎሚን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ፈጺሙዎም ኢዩ። እዚ ማጨሎት ዘይተረኽቦ ጽሉል’ዚ ብመደብ ዝተላእከ ሰብ እንተዘይከውን፤ ስለምንታይ ብዘለዎ ስልጣን ዘይዓገበ? ኤርትራ ዲያ ንኢሳቶ? ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ውሒዱዎ? ኤርትራ ዲያ ድኻ ኮይናቶ? ባህርያዊ ሃብቲ ዘይተዓደለት ዲያ ኮይናቶ ኤርትራ? ኣብ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ስለዘየላ ዲዩ ክንድዚ ጽላለ? ህዝቢ ኤርትራ ዲዩ ገንዘብ ምኽፋል ኣብዩዎ…ከም ተጋዳላይ ዲዩ ዘየኽበሮ?…ወዱን ጓሉን ንክህብ ኣብ ዝተሓተተሉ ሰዓት’ዶ ሓንጊዱ ይፈልጥ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ? እንታይ ደኣ’ሉ እቲ ጽላለ? ኢሳይያስ ንመስዋእቲ ደቂ ኤርትራ ዝኸሓደን ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ዝብኢ ንግሆ ኢዩ።

እምበኣርከስ ስለምንታያት ኢልና መልሲ ኣብ ዘይርከቦ ሕቶታት ዝተነቑተ ኢሳይያስ፣ ብዋጋ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንክጃመል ዝወሰዶ ምርጫ ምንባሩ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርበዓ በጣዕጣዕ ኢሉ በሪሁ ኣሎ። እቲ ሓደ ምኽንያት ገና ተሰዊሩና ዝጸንሐን ሎሚ በጨቕ ዝብል ዘሎን ሕልሚ ምጽናት ኤርትራዊ ዓሌት ኢዩ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይነበሮን።

ዝብኢ ንግሆ ንፍርቂ ዘመን ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ዝኸሽከሻ ግዜ፡ ደጊምሲ ሰቲዃቶ ኢያ። እታ ሕልማዊት ባላንቺና ከኣ ናብ ምትርባዕ ገጻ ትቀራረብ ኣላ። ኣብ ስግንጢር ሕልሙ ኣትዩ ዕንክሊል፣ ሓሸውየ፣ ጭር-ጭር ዓበደ ክጻወት ድሕሪ ምጽንሑ ድማ ሎሚ፤ ማጨሎት ከይተሓጽበ ብጽሉሉ ንክቃበጽ፡ ግዜ ንመልኣከ-ሞት ይጽበ ኣሎ።

እዚ ጽሕፍቶና ኮይኑ ኣደራዕ ወረደና። ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ኢልና ድማ ኣኮማሲዕናዮ። ግን ኣብ ታሪኽ ሰባትን ጉዕዞ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፣ ከም ኮኾብ ሰሜን ንመዋእሉ ዘይቅየር ወይ ቦታ ዘይልውጥ ተርእዮን ስርዓትን የለን። ባህግና ከም ዑፈ መስቀል ንሓንሳብ ጥራይ ተራእዩ ዝጠፍእ ኣይኮነን። እቲ እንምነዮ ሰናይ ጽሕፍቶና፣ ጽሕፍቶ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ቅሳነትን ሕውነትን ዘይከም ባህጊ ዝብኢ ንግሆ፣ ናይ ግድን ክመጽእ ኢዩ።

ቢጊሓቱ እንጉይ ዝበለ ኢሳይያስ ከም ተካል ዝብኢ፣ ካብ ምኽሪን ሓሳባትን ደቀባት ኤርትራ ሓኪሉ ዝመሃዞም ተንኮላት፣ ኣብ መወዳእታ መጥፍኢኡ ከም ዝኾኑ ምንም ጥርጥር የብሉን ኤርትራዊ። መለለይኡ ዕግርግርን ኲናትን ዝኾነ ገበነኛ ገበተ፣ ሎሚ ህርፋኑን ናይ ጥንቲ ሕልሙን ናብ ዕራርቦ ጸሓይ ገጾም ይኸዱ ኣለዉ። ሕጊ ተፈጥሮ ስለዝኾነ እታ ዝዓረበት ጸሓይ ግዜ ሓልያ እንደገና ትበርቕ ኢያ። ካብ ሕጊ ተፈጥሮን ሕብረተ-ሰብን ሃውቲቱ ንሕጊ ኣራዊት ዝኣምን፡ ናብ ዕንኪላሎን ናብ ክቢ መጋርያ ኲናትን ዝነብር ኢሳይያስ ግን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ዓረበ፣ ዳግም ኣይክምለሰናን ኢዩ። እቲ ዓቢ ጸገምና፣ ጽሉል ዝፈጠሮ ስንብራት ንምጥፋእ ዓመታት ክወስድ ምዃኑ ከይደቀስና ዝፈታሕናዮ ሕልሚ ኢዩ።

ምፍኽኻር ምስ ክዉንነት: ምስ መቓልሕካ ካብ ምዝርራብ ዝፍለ ኣይኮነን። ግብረ-መልሱ ብስኽራን፣ ከንቱ ጃህራን ዕውልናን ካብ ዝገልጽ ሓያለይ ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ስሱዕ መራሒ ህግደፍ፣ መመሊሱ ናብ ግብ ዝበለ ጸልማት’ምበር ናይ ብርሃን ግዜ ክረኣዮ ኣይኮነን። እዚ ዛጊት ማጨሎት ዘይተረኽቦ ጽሉል ሰዓት ጥፍኣቱ ትኣክል ኣላ’ሞ፣ ክቡራንን ክቡራትን እንዳባ ህድእ ኢልኩም ተጸበዩ!

ኳደረ ህግደፍ ሕጂ ቋሬጣ ቀባሮ ኣዝዝ። ከምቲ ኣቦ ኣንበሳ ክመውት ቅበር፣ ኣንበሳ ክመውት ግን ዓዲ ውዓል ዝበሃል፤ ናብ ሓመድ ድበ ጽሉል ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘብ-ዘብ ዝብልን ጸሊም መንጠሊና ትኽደን ወይዘሮን እንተለዉ ንምርኣይ ድማ፡ ክንጽበ ኢና’ሞ ደጊምሲ ምቕናይ ጥራይ!!

ንእሾኽ እሾኽ’ያ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር ኤርትራዊ። ግዜ ጥዑም’ዩ፡ ግዜ ሻርነት የብሉን! ግዜና ይመጽእ ኣሎ’ሞ ብተስፋ ተጸበ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.