ምድላው ንኩናት ኤርትራ

ምድላው ንኩናት ኤርትራ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝራአ ዘሎ ውዕይ ኩነታት ንኩናት ምድላው እዩ፡፡ ካብ ወርሒ መስከረም 2014 ጀሚሩ ስርዓት ወያነ ክወረና ይዳሎ ስለዘሎ ንኩናት ንዳሎ ብዝብል ቴማ ናይ ክተት ነጋሪት ኣብ ምህራምን፡ ንህዝብን ሰራዊትን ኣብ ምክልባትን ምስንባድን ይርከብ፡፡

“ህዝባዊ ሰራዊት” ትሕቲ 50ን ልዕሊ 50ን ዕድመ ብዝብል ኣብ ክልተ ተኸፊሉ እቲ ልዕሊ 50 ዝዕድሚኡ ንነብሰወከፉ 270 ጥዩት ተዓዲሉ ኣብ ዓዱ ክጸንሕ፡ እቲ ትሕቲ 50 ዝዕድሚኡ ከኣ ካብ 18- 35 ዕድመ ንበይኑ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ካብ 36- 50 ዝዕድሚኡ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ህዝባዊ፡ መንግስታዊን ውልቃዊን ዕዮታቱ ዶው ኣቢሉ ኩሉ በቢኣንፉ ናብ ታዕሊማት ክኣቱ ተኣዚዙ ኣሎ፡፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐ ምስ ዕቑር ሰራዊት ክዕለም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐ ድማ ንበይኑ ኣብ ካልእ መዐለሚ ቦታታት ክዕለም ተዋዲዱ ናብ ዝተወሰነሉ ናይ ታዕሊም ቦታታት ክኣቱ ተገይሩ ኣሎ፡፡

53, 55, 57, 59, 61, 63, 65, 67 ዝመጸውዒዐን 8 ዕቑር ክፍላተ ሰራዊት ኩለን ናብ ኪሎማ፡ ዓጋመት፡ ሓሽፈራይ፡ ኮርመናዕ፡ ሓበናት፡ ገርገራ…ዝበሃሉ መዐለሚ ቦታታት ኣትየ ኣለዋ፡፡ እዘን ኣሃዱታት በቢዝተዓለማሉ ከባቢታት ኣቢለን ኣኣብ ዝዕለማሉ ቀረባ ርሕቐት ዝርከባ ምዱብ ክፍላተ ሰራዊት (ግንባራት) ናብ ድፋዕቲ ከምዝውዝዓ ብመደብ ተሓንጺጹ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኪሎማ ዝዕለማ 61 59 ዝበሃላ ኣሃዱታት ዕቑር ክፍላተ ሰራዊት ብኡ ኣቢለን ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ናብ ዝርከብ ምዱብ ሰራዊት ከምዝውዘዓ ተወሲኑ እዩ፡፡

ኣጋርን ሜካናይዝድን ኣሃዱታት በቢዘለውኦ ናይ እግሪ ጉዕዞ፡ ኣካላዊ ብቕዓት፡ ናይ ተኹሲ ልምምዳት ታዕሊም ክገብራ፡ ዕጥቀን ክፍትሻ፡ ዝጎደለን ዕጥቂ ከማልኣ ከምኡ’ውን ንኩሉ ኣባል ሰራዊት ብዝወርደሉ መምዘኒ ረቋሓታት ተመምዩ ኣብ ቅድሚት ኣብ ድሕሪት ኮይኑ ንውግእ ክዳሎ ከምዝግባእ ንሓለፍቲ ሰራዊት ተገሊጹሎም ኣሎ፡፡ ሕሙም፡ ስንኩል፡ ኣካላዊ ድኻም ዘለዎ፡ ተመላላሲ ዝብሃል ኣባል ሰራዊት ኩሉ ን“ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ሰሪዑ ንዝኾነ ይኹን እንተ ግቡእ ስነ-ኣእምራዊ ምድላው ክገብር ጎስጓስ ክካየደሉ ከምዝግባእ ስርኩላር ወሪዱ እዩ፡፡

ሓለፍቲ ሰራዊት ብወገኖም ሞራል ሰራዊት ክብ ንምባል፡ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ገጹ ከይሓስብ ንምግባር፡ ንዓመታት ዝቐረበ ናይ ዶሞዝ፡ ቀለብን መዓርግን ሕቶታቱ ክምለሰሉ ይሓቱ እኳ እንተሃለው: ብወገን ጉጅለ ኢሳያስ ግን ብምኽንያት ድሩት ዓቕሚ ነቲ ሕቶታት ክምለሽ ከምዘይከኣል ይገልጹ ከምዘለው ተፈሊጡ፡፡

ይኹን’ምበር ብኣንጻር እዚ ምድላው ንኩናት ጉጅለ ኢሳያስ ሓደሽቲ ምዕባለታት ድማ ይረኣዩ ኣለው፡፡ ሓምለ 18/2014 ዝተመረቑ ሳዋ ማትሪክ ዝወሰዱን ወታደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱን ኣስታት 22,000 ዝኾኑ መበል 27 ዙር ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ድሕሪ ምረቐኦም ነናብ ስድራቤቶም ክኸዱ ካብኡ መስከረም 5/2014 ንሳዋ ክምለሱ ተኣዚዞም እኳ እንተነበሩ ካብ 22,000 ዝተመለሱ ኣስታት 9,000 ጥራይ እንትኾኑ ንትእዛዝ መንግስቲ ነጺጎም ዘይተመልሱ ከኣ ኣስታት 13,000 ከምዝኾኑ ይፍልጥ፡፡ ካብዞም ዝተመልሱ 9,000 ናብ ኮለጅ ዝሓለፉ 3,000 እንትኾኑ ቶም 6,000 ግና ንናይ 18 ወርሒ ነጻ ኣገልግሎት ናብ ሰራዊት ከምዝውዝዑ ተገሊጹሎም ቀጥታ ተላኢኾም፡፡ እንተኾነ ግን ከካብ ዝተሳፈርወን መካይን ነነጢሮምን ነናብ ዝተመደብሉ ኣሃዱታት ድሕሪ ምብጸሖምን ዳርጋ ኩሎም ተበታቲኖም፡፡

ንኣብነት ናብ ዓሰብ ዝተላአኹ ዋላ ሓደ ዝበጽሐ ሰብ ከምዘየለ፡ ናብ ካልኦት ኣሃዱታት ዝተለኣኹ”ውን ብጀካ ሓደ ክልተ ዝበጸሐ ከምዘየለ፡፡ ከም መርኣያ ኣብ ማእከላይ ከባቢ ጾሮና ናብ ትርከብ ክ/ሰ 39 4ይ ብርጌድ ተላኣኹ 100 መናእሰያት ብጀካ 2 ኣዋልድን 6 ተባዕትዮን እቶም 92 ናብቲ ኣሃዱ ከይበጽሑ ከምዝተበታተኑ፡ ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ተመሳሳሊ ተረኽቦ ከምዘጋጠመ ከካብ ግንባሩ ዝተለኣኸ ጸብጻባት ይሕብር፡፡

ናብ ታዕሊም ክኣትው ዝተኣዘዙ ኣሃዱታት ዑቑር ሰራዊት፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደራጃ ዝተሰርዑ ትሕቲ 50 ዝዕድሚኦም “ህዝባዊ ሰራዊት” ናብ መዐለሚ ቦታታቶም ቅድሚ ምብጻሖምን ምስ በጽሑ ታዕሊም ከይጀመሩን ብምብትታኖም ዛጊት ታዕሊም ምጅማር ከምዘይተኸኣለ፡ ሓለፍቲ ንመደባት ታዕሊማት ጠጠው ኣቢሎም ንዝተበታተኑ ኣባላቶም ክኣርዩ ናብ ዓዲዓዲ ከምዝተዋፈሩ ተፈሊጡ፡፡ ካብ ገለ ጸብጻባት ዝተረኸበ ሓበሬታ ካብ ዕለት 25 መስከረም ክሳብ ጥቅምቲ 01 2014 ናብ ገርገራ ናብ ዝተብሃለ መዐለሚ ቦታ ካብ ዝኣተዉ ኣሃዱታት “ህዝባዊ ሰራዊትን” ዕቑር ክ/ሰ 53 ካብ ሓንቲ 149 በዝሒ ኣባል ዝነበራ ቦጦሎኒ ኣብ ክልተ መዓልቲ ዕለት 7ን 8ን ጥቅምቲ 2014 ጥራይ 33 ሰብ ጠፊኡዋ፡፡

ብወገን ህዝቢ እውን ደቅና ናብ ዘይረብሓና ናይ ጥፍኣት ኩናት ኣይጥጠቑን፡ ከም ትማል ኣይንታለልን ይኣክል፡ ብማበል ደቁ እንዳስነቐ ናብ ምጽነዖም ይልእኾም ምህላው ብወገን ምምሕዳራት ዝቐረብ ጸብጻብ እዩ፡፡

ተቓውሞ ህዝብን ዘደናገጾ ጉጅለ ኢሳያስ ካብኡ ንላዕሊ ካልእ ኩነታት ከይስዕቦ ብምስግኡ ዝሃደሙ ንምግፋፍ፡ ኣብ ሓለዋታት ንዝተፈጠረ ሃጓፋት ንምሽፋን ተባሂሉ ካብ ጋሽባርካ ዕጡቕ ጉጅለ ድምህት ናብ ቀጽሪ ኣስመራ (ኣስመራ ዙርያ) ኣግዒዙ ኣጸጊዕዎም’ሎ፡፡

ኤርትራ ብሓፈሻ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ከኣ ብፍላይ ብምድላዋት ኩናት፡ ብከቢድ ናይ ነዳዲ ሕጽረት፡ ብሕሱም ማሕበራዊ ሽግራት፡ ብከበባ ዕጡቋት ጉጅለ ዲምህት፡ ብተቓውሞ ኣንጻር ምድላው ኩናት ጉጅለ ኢሳያስ ወዘተ ምኽንያት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ትርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ድሕሪ ዝተጋብአ ኣኼባ ካብኔ ሚኒስተራት ብታሕቲ ታሕቲ ዝወረ ዘሎ ወረታት ፕረዚዳንት ተሓኪሙ ክሳብ ዝምለስ ዝርከቦ ሰብ ክግበረሉ ከምዝሓተተ፡ እንተኾነ ግና ንዘበላሸዎ ምሕደራን ንዝፈጠሮ እዋናዊ ቅልውላውን ኣይንርከብን፡ ጽባሕ ንጉሆ መን ክሕተተሉ ብዝብል ንሕቶኡ ከምዘይተቐበልዎ ዝርከቦ ከምዝሰኣነ ይዕለል’ሎ፡፡ እዚ ዕላል ልክዕ ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ንተስፋይ ገብረኪዳን ስልጣን ኣሰኪምዎ ዝሃደመ ክሃድም ዶ ሓሲቡ ይኾን? ዝብሉ ምጥርጣራት’ውን ኣስዒቡ ኣሎ፡፡

ከይተበገሱ ዝፈሸሉ መደባት ጉጅለ ኢሳያስ ማእለያ የብሎምን፡፡ ዓመታት ዘቑጸሩ ሓዲግና ናይ ቀረባ እኳ እንተጸብጺብና ጺሒፍካን ተዛሪብካን ኣይውድኡን፡፡ ንወፍሪ ዓሊሞም ብመራኽቦ ብዙሃን ህግደፍ ልዕሊ ዓቐኖም ዝተወዓወዐሎም ናይ ውፍሪ ዋዕላታት እንኮ ኣውፋሪ (Investor) ከየፍረዩ መኺኖም፡፡ በቢዓመቱ ትሕቲ ቅርጽን ልዕሊ ቅርጽን እንዳተብሃሉ ዝሕንጸጹ መደባት ክሳብ ሕጂ ናይ ሕልሚ እንጀራ ኮይኖም ተሪፎም፡፡ ፕሮጀክት ነጻ ዕዳጋ (Free Zone) ግመ ሓጋይ ኮይኑ፡፡ ጸገም ልቺ ብኸፊል ከምዝፍታሕ ዝተኣትወ ቃል ቅሂሙ፡፡ ካብን ናብን መጓዓዝያ ህዝቢ ሰኣን ነዳዲ በኺረን ህዝቢ ተጸጊሙ፡፡ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተዘርበሉ “ወፍሪ ዋርሳይ ይካአሎ” ውጽኢቱ ባዶ ኮይኑ፡፡ ኮታ ዘይተወጠኑን ዘይተመደረሎምን ወፍርታት ኣይነበሩን፡ ኣብ ባይታ ዳህሲስካ ዝርከብ ብዓይኒ ዝረአ ለውጢ ግና የልቦን፡፡

ዕሉላት ካድራት ህግደፍ “ደቅኹም ዝሓባእኹም፡ ሰብኡትን ዝሓባእኽን፡ ኩፐንኩም ክትምንጠሉ ኢኹም፡ ካብ ኣልግሎት ክትፋሓቑ ኢኹም” ብምባል ከም ኣመሎም ከጉባዕብዑን ከፈራርሑን እኳ ይረኣዩ እንተሃለው ብወገን ህዝቢ ግና “ነቲ ከም ሓዊ ለይቲ ውልዕ ህልም ዝብል ኩፐንኩም ሒዝኩም ተመርቀፉ፡ ኩፐንኩም መባድልቲ ደቅና ኣይኮውንን፡፡ ካብኡ ሓሊፍኩም ትገብርዎ እንተለኩም ከኣ ኣብ እዋኑ የራኽበና” ብዝብል ሓያል ነድሪ ይቃወሞም ኣሎ፡፡

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።

ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ጻዕዳ እምባ

ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም

ክልተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ

ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ

ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን እዮም።

  1. ገዳም ጻዕዳ እምባ ንከተማ ከረን ሓሊፍካ ቍልቍል ጥንቁልሓስ ምስ ወዳእካ ኣብቲ  ሰንሰለታዊ ጎቦታት ደቡባዊ ምዕራብ ይርከብ
  2. ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ካብ ከተማ ኣስመራ ብወገን ደቡብ ብገምጋም ኣስታት 160 ኪ.ሜ ኣቢሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢን/ዞባ ሰንዓፈ፡ ካብ ሰርሓ ንወገን ምዕራብ ተደኲኑ ይርከብ።
  3. ደብረ ጥሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ንኡስ ኣውራጃ መንደፈራ ወረዳ ደቂ-ኣድግና ዝተደኰነ፣ ካብ ተራ-እምኒ ከባቢ 15 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ይርከብ።
  4. ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ ካብ ኣስመራ ብሸነክ ደቡብ ኣቢሉ ካብ መንደፈራ ንኩዶ ኣብዑር ምስ ተጓዓዝካ ናይ ቁሩብ ሰዓታት ናይ እግሪ መንገዲ ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ
  5. ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ንኡስ ኣውራጃ ዓዲ-ዃላ ቆሓይን እዩ። ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድማ ተደኲኑ።

ምስ ገዳማት ኤርትራ ንምልላይ ኣብዚ መላግቦ’ዚ ተውከስ…

 

እዋናዊ ዛዕባ – ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ!

እዋናዊ ዛዕባ

               ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ!

እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ ገይሩ ዝነቅፍን ዘወግዝን ኣይኮነን፡፡ ንኹልና ብሓባር እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡ ናበይ ገጽና ኢና ነምርሕ ዘለና ብዝተወሰነ መልክዑ ዘርኢ ጽሑፍ ኢዩ፡፡

ሎሚ ቕነ ብዙሓት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ዝርከቡ መቃልስተይ ኣዕሩኽተይ ገለ እውን ዘይፈልጦም ግን ከኣ ግዱሳት ውልቀሰባት ኣብ ፓልቶክ ክኣቱን ገለ ሓሳበይ ከፍስስን መልእክቲ ክሰዱለይ ቀንዮም፡፡ ብወገነይ ኣብ ፓልቶክ ኣትየ ሓሳበይ ከፍስስ ገለ መረዳእታ ካብ ለባማት ኣሕዋተይ ክቕበል ማዕሪኡ እውን ዝዓቕመይ ሓሳባት ወስ ከብል ኣይጸላእኩዎን፡፡ የግዳስ ካብ ብምዝራብ ብምጽሓፍ ብዝያዳ ሓሳበይ ክገልጽን ከረድእን ዝኽእል ኮይኑ ይስማዓኒʼሞ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሓሳበይ ኣብ ኣሰና ክዝርግሖ መሪጸ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝጽሕፎም ጽሑፋት ምስቲ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣርእስቲ ፍጹም  ዘይራኸቡ ርእይቶታትን ነቐፌታን ይመጻንን የንብብን እየ፡፡ ንዝተጻሕፈ ኩሉ ክትምልሰሉ እንተ ድኣ ኮይንካ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ዘሎ መንገዲ ብመልክዕ ሹኩሽካ ምእታው ማለት እዩ፡፡ እቲ ምንታይሲ ስለምንታይ ምስቲ ኣርእስቲ ፍጹም ዘይራኸብን ዘይሳነን ርእይቶን ነቐፌታን ተዋሂቡ ኣሎ ምስትውዓል ዘድልዮ ኢዩ፡፡ ዋላኳ ጀማርን ብዙሕ ዝጎድለንን ጸሓፋይ እንተኾንኩ፡ ነቲ ርኢኻ ዘይኮነካስ ዳህሲስካ እውን እትፈልጦ መፋቐርን መከባበርን መቀራረብን ዘይኮነ፡ መፈሓናጨርን መታኾብን መረሓሓቕን ዝኾነ ኩርኳሕ ኣነዋሪ ዘረባታትን መልስታትን  ስለምንታይ ተጻሒፉ እናፈለጥካዮ ተዓሚትካ ክትሓልፎም ኢኻ ትመርጽ፡፡ ዕላማ እቶም ሕማቕ ጸሓፍቲ ካብቲ ዝተበገስካሉ ቀንዲ ዕላማ ኣውጺኦም ናብ ጓል መገዲ ምእታው ስለ ዝኾነ ተልእኾኦም፡፡ ኣብዛ መጠረሽታ ኤርትራውያን ኣብ ገምገም ቀይሕ መስመር! ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍኩዎ ጽሑፍ፡ ዝረኣኹዎ ናይ ገለ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጽሑፍን ሓሳብን ምስቲ ኣርእስቲ ዘይተኣሳሰር ርእይቶን ምምልላስን ብተወሳኺ እውን ብግሊ ብዝመጻኒ መልእኽትን ነዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ማእከል ስሕበት ገይረ፡ ሓሳበይ ወስ ከብል ወሲነ፡፡

ቀዳማይ ስለምንታይ ኢዩ ኣብዚ ወሳኒ ናይ ዕርብርብ ግዜ ንቐንዲ ውራይካ ገዲፍካ ናብ ጓል መገዲ ተኣፈፍቲ ዛዕባታት ዝእተው ዘሎ…? እቲ ቀዲምና ክንምልሶ ዝግባኣና ዓብን እዋናውን ሕቶ ንሱ ኢዩ፡፡ ንፍቶ ንጽላእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምናን ጉዕዞናን እቲ ብኽፍኣተ መጋብር ዝተኻሕነ ቀታልን በታታንን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣሎ፡፡ ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቒ ከምዘይኮነ ክንፈልጥን ክንግንዘብን ይግባእ፡፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምትና ስለምንታይ ኢዮም ቀንዲ ውራይና ኣወንዚፎም ናብ ጓል መንገድን ንሕድሕድና ዘባልዑን ዘናቑቱን ተኣፈፍቲ ዛዕባታት ዝለዓሉ ብዕምቀት ክንርእዮምን ክንምርምሮምን ይግባእ፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ኩሉ ጉዕዞና ስራሕና ነዚ ምግናዝን ምቕባርን ጥራይ ዝተረፎ ዝሞተ ስርዓት ትንፋስ ሰዅዖም ከጽንሕዎ ዝተላእኩ ሃሱሳት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ምሳና ተላሒጎም ኣለዉ፡፡ ቀንዲ ተልእኾኦም ድማ ኩርካሕ ሓሳባት እናምጽኡ ስምረትን ሓድነትን ብፍጹም ንኸይህሉ ምግባር ኢዩ፡፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ከምቲ ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዝበሃል ገለ ግሩሃትን ስሚዒታውያንን ንባዕሎም ግዳይ ኮይነም ነቲ ዝተኣጉደ ሓዊ ዘሳውሩን ዘንበድብዱን ብርግጽ ኣለዉ፡፡ ካብ ክፍኣት ተበጊሶም ወይ እውን ካልእ ዝተሓብአ ኣጀንዳ ስለ ዘለዎም ዘይኮነስ፡ ብዝነፈሰ ንፋስ ስለ ዝጽለውን ካብ ምስትውዓልን ምምርማርን ስምዒት ስለ ዝደፍኦምን ዝቕድሞምን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ብመልሓስና ንዛረቦ ቃላት ጽባሕ ንግሆ ዝቐትልን ንኹልና ብኣልማማ ዘጥፍእ መርዚ ክቕየርን ከም ዝኽእል ፈልጥና ምጥንቃቕ የድሊ፡፡

ካብ ነዊሕ ዓመታት ሰሚርናን ሓቢርናን ንኸይንቃለስ፡ ጠበናጁና ንሓደ ዕላማ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ከይነቕንዕን ኣዝዮም ከበድቲ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ተኣሊሞምን ተሰጊሮምን ኢዮም፡፡ እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ፈኸም እናበለ ሎሚ ከም ተኣፋፊ ዛዕባ ዝለዓል ዘሎ ኣኸር ጣልጋ ናይቲ ዝተኣልመ ሽርሕታት መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ምህዞ ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ሕብሩ ጥራይ ኢዩ ቀይሩ ብግሁድ ኣውራጃʼዶ ካልእዶ ዝበሃል ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ከም ናይ መጠረሽታ መታዀሲ ዕርዲ ህግደፍ ተሓሲቡ ክስራሓሉ ተሓሲቡ ዘሎ ምፍልላይ ብምስትውዓልን ልቦናን ክንሰግሮን ክንስዕሮን ይግባእ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዘተንባህኩዎ እዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ሓደገኛ ጉዳይ ብኸመይ ፈኸም እንዳበለ ኣብዚ ናይ ሕጂ ደረጃ በጺሑ ብዕምቀት ምርኣዩ የድሊ፡፡ ገለ ብስሚዒት ዝጋልብ ካብ ዓቕለ ጽበት ተበጊሱ መፍትሒ ኮይኑ ዝስምዖ ኣይሰኣንን ይኸውን፡፡ እቲ ሳዕቤን ግን ብኣንጻሩ ኢዩ፡፡ ሽግርና ዝፈትሕ ዘይኮነ መሊሱ ዘናውሕን ዝጠናንግን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ  ኣሽንኳይ ተፈላሊናን ፋሕፋሕ ኢልናን ተኣኪብና ሰሚርናን እኳ ንጋዶ ኢዩ፡፡ ቃልስና ምስቲ ዝሞተ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ ምስቲ ኣስርጽዎ ዘሎ ግናይ ኣተሓሳስባ እውን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ቃልስና ኣብ ፈጽሚ ንኽበጽሕ፡ ናብታ ንፈትዋን ንብህጋን ዓድና ንኽንኣቱ፡ ኪንዮ ሓድነትን ስምረትን ካልእ ዝኾነ መገዲ የለን፡፡ ረብሓናን ዓወትናን ኣብ ስምረትናን ሓድነትናን ምዃኑ ብደሚቕ ነስምረሉ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመለኻኽታና ሰፊሕን ኣድማሳውን ይኹን፡፡ ደቂ ሰባት ብኽእለቶም፡ ፍልጠቶም፡ ገንዘባዊ ሃብቶም፡ ዝነኦም……… ወዘተ ዘይኮነ ብኣመለኻኽተኦም ኢዮም ዝምዘኑን ዝዕየሩን፡፡ ንነገራት ብኸመይ መልክዕ ይርእይዎም፡፡ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ነገር ብዝተፈላለየ መዳዩ ገላቢጥና ሰፊሕ ብዝኾነ ኣመለኻኽታን ልቦናን ንርኣዮም፡፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ንጽባሕ ንርኣያን ንሕሰባን፡፡ ሎሚ ንዘርኦን ንትልሞን ጽባሕ ከመይ ዝኣመሰለ ፍረ ኢዩ ክህበና ሕጂ ክንርእዮን ክንምልሶን ኣለና፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ስራሕ ፖለቲክስ ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ፡፡ ሎሚ ክርዳድ ዘሪእና ጽባሕ ክርዳድ ከይንዓጽድ ምስትውዓል የድሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ስምረትን ሓድነትን ንእሽቶ ንፋስ ዘእቱ ፈቓቕ ክንፈጥር የብልናን፡፡ ታሪኽ እቲ መስገደል ገድልናን ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፍናዮ ናይ ቅትለትን ስቅያትን ህይወት ኩሉ ሓደ ብሓደ ብደቂቕ እንተድኣ መርሚርናዮ፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብዛ ፈቓቕ እዚኣ ኣድብዮም ኢዮም ብልህታትን ሞዴላትን ጀጋኑ ኣብ ገግዚኡ ኣጥፊኦሞም፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጺና ዘይኮነ ካብ ሳንዱቕ ወጺእና ንሕሰብ፡፡ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጺና እንተድኣ ክንርኢ ፈቲና እቲ ንሕና ንርእዮን ንሓስቦን ጥራይ ኢዩ ቅኑዕ ኮይኑ ክስመዓና፡፡ ስለ ዝኾነ ካልኦት ንዝርእይዎን ዝሓስብዎን ክንርእን ክንፈልጥን ኣድማሳውያን ንኹን፡፡

ካልኣይ ኣብዚ ጉዳይʼዚ ኣዕሚቕና ክንርእዮን ክምርምሮን ዝግበኣና፡ ኩሉ ንዝርእዮን ንዝፈልጦን ፍሩይን ድሙቕን ሓቂ፡ ብስምዒትን ጽልእን ቅርሕንትን ተደፋፊእና ዘይምስሉ ከይንህቦ ምጥንቃቕ የድልየና፡፡ እዚ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ናይ ዝኾነ ኣይኮነን፡፡ ዋንነቱ ናይቶም ብደም ንጹሃት ዝሕተቱ ሒደት ገበነኛታት ኢዩ፡፡ እዚ ዓማጽን ቀታልን ስርዓት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ኢዩ ዘጽንትን ዝጭፍጭፍን ዘሎ፡፡ እዚ ሕድርን መብጽዓን ጀጋኑ ዝረገጸ ጽዩፍ ስርዓት፡ ንሓደ ክንቅል ነቲ ሓደ ክተክል ሰሪሑን ሓሲቡን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝተራኣዩ መለኽቲ ስርዓታት ብባህሪኡ ውን ፍጹም ዝተፈለየ ጉጅለ፡ ታሪኽናን ባህልናን በሪዙ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓንሳብን ንሓዋርን ካብ ካርታ ዓለም ክኣልየና ይሰርሕ ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ነዊሕ ዓመታት ዋላ እዞም ሕጂ ሽምጥና ገቲርና ንቃወሞ ዘለና ሰሪሕናሉን ኣጣቒዕናሉን እኮ ኢና፡፡ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ኣብቲ ንጥፍኣትና ዝኣጎድዎ ባርዕ ግንባርና ክንህብ፡ ክንስዋእ እኮ ከቲትናን ጎይናን ኢና፡፡ ከም መለኮት ስለ ዝኣመናዮ፡ ዝተሓብአ ጥጅኦም ስለ ዘይፈለጥናዮ ተደናጊርና፡፡ ብሰላም ብምርድዳእ ክፍታሕ ኣብ ዝኽል ጉዳይ ከቢድ ዋጋ ከፊልና ጥራይ ዘይኮነ መጻኢና ጽልግልግ ከም ዝብል እውን ኮይኑ፡፡ ስለ ዝኾነ ስለምንታይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምቲ ሕጂ ንሕና ንቃለሶን ንቃወሞን ዘይቃለሱ ኢልካ ብኣልማማ ምውጋዝ ከቢድ ኢዩ፡፡ እቲ ስርዓትን እቶም ከም ዝዓወረ ገመል ብሕሻል ተወጢጦም ዝጓዓዙ ዘለዉን እውን ክንፈላልዮም ኣለና፡፡

ሎሚ ውን ብዙሓት ዝተደናገሩ ንሕና ንሱ መንግስትና ዝብሉ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ከም ዘለዉ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ናትና ዘይኮነ ናቶም እውን ኣይኮነን፡፡ ቀዲምና እዚ እኩይ ስርዓት ናትና ኮይኑ ዝስማዓና ዝነበርና እኮ ኩልና ኢና፡፡ ብዙሓት ካብቶም መጋበርያ እቲ ስርዓት ኮይኖም ኣብ መጠረሽታ ወርሓት 2001 ኣብ ልዒሉ ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከደዓትን ጠላማትን ሸየጥቲ ዓድን ዝበሉ፡ ሎሚ ኣብ ሸላታት ማሕዩር ካርሸሊ ምህላዎም ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ሎሚ ካብቲ ዝሓለፈ ዕሽነትናን ግርህነትናን ክንምሃርዩ ዝግባእ፡፡ ኩሉ እቲ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ንምጥፋእናን ምጽናትናን ዝተጠቐሙሉን ዝጥቀምሉን ዘለዉ ሜላ ወገን ሃይማኖት ኣውራጃ ኢዩ፡፡ መንዩ ንኤርትራ ዋና መንዩ ኸ ጓና……? ኣይንዓሹ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ደበና ጥፍኣት ናይ ጓናን ዋናን ዘይኮነ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንኽንህሉ ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ሓድነትና ንሓልዎ፡፡ ኣይኮነን ፈቲናዮ ኣሚናሉ ደሊናዮ ዘይኮ ብሰንኪ ህልኽናን ዘይምስምማዕናን ዘይንደልዮ እውን ክመጻና ኢዩ፡፡

ሳልሳይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘረባ ዒፍ ኢልዎ ኢዩ፡፡ ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ብስራሕ ዘርእዮ ኢዩ ዝደልን ዘማዕዱን ዘሎ፡፡ መንʼዩ እቲ ብተግባርን ብስራሕን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ዘናግፎ ….? መንʼዩ  ዝኣልዮ…? እቲ ንመስዋእቲ ዝተቐረበ ብመጋርያ ሓዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐጥታ ዝልብለብ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ፡፡ እቲ ካልእ መመላእታን መወሰኽታን ኢዩ፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ እቶም ካብ ውሽጢ ዓዲ ወጻኢ ኮይና ንቃለስ ዘለና ዝኾነ ግደን ኣበርክቶን የብልናን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡ ቃልሲ እናተመላላእካ ምዃኑ ዘንጊዐዮ እውን ኣይኮንኩን፡፡ ናትና ካብ ቃልሲ ምብኳርን ዘይምስምማዕን ተኣፈፍቲ ኣሰከፍቲ ዛዕባታት ምልዓልን ብርግጽ ሃስያ ኣለዎ፡፡ ኮይኑ ግን እቲ ወሳኒ ናይ መቐይሮ ሓይሊ ኣብ መጠረሽታ እቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ ክውፊ ምስ ሞት ፊት ንፊት ዝጋፈጥ ኢዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ርሑቕ ዲያስፖራ ኮይኑ ተቓሊሱ ንዓመጽትን መለኽትን ስርዓታት ዝኣለየ ህዝቢ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ኣይተራኣየን፡፡ ፍጻመ 21 ጥሪ መስዋእቲ ጅግና ወዲ ዓልን ምእሳር ካልኦት ተበዓትን ጭቡጥ ኣብነት ከኾነና ይግባእ፡፡ እቲ ንስርዓት ህግደፍ ልዕሊ ዝኾነ ዘስግኦ ሓይሊ እውን እቲ ውሽጡ ሕሩር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቶም ኣርሒቕና ገይሽና ዘለና ንነብስና ከም ወሰንቲ ናይቲ መቐይሮ ሓይሊ ኣይንርኣያ፡፡ ኣብ ርሑቕ ስደት ሰፊርና ነቲ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት መስዋእቲ ዝኸፍል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተቐሪቡ ዘሎ ህዝቢ፡ ሞራልን ተስፋን ክንህቦን ኣጆኻ ክንብሎን እምበር፡ ዘይፈልጦን ዘይነበሮን መርዚ ነስኒስና ተስፍኡ ከነጸልምቶ ዓገብ!! ንሎሚ ወደሓንኩም!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251-921924501

Sheila B. Keetharuth, Third Committee, 32nd meeting – 69th General Assembly

28 Oct 2014 – Statement by Ms. Sheila B. Keetharuth, Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea, at the 32nd meeting of the Third Committee.

Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea

ክልተ ፍጻሜታት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ

ኣብ ክልተ ወታደራዊ መዓስከራት ኢትዮጵያ መተከልን ብላቴን ዝተወልዱ ሓደ ዓይነት ባህርይ ዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረ ቅዱሳን፥ ኣብ ኤርትራ ድማ ማሕበረ ማርያም፥ ብዝብል ዝፍለጡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝመሸጉ ቁርዲድ ቤተ ክርስቲያን እዮም።

ሓደ ንጹር መግለጺ ኣለዎም፥ ሓንቲ ቋንቋ ንኽልቲኦም ሓንቲ ትገብሮም ኣላቶም። ናቶም ሓሳብ ዘይቅበል ኣብ ትሕቲኦም ዘይምብርከኽ ኩል ሓንቲ መጸውዒት የጠምቕዎ “መናፍቕ፥ ተሓድሶ”። መለለይኦም ኣከዳድና ነጸላ ኣሰጋግዳ፥ ምኽኒት ብገዳማት፥ ንሽማግለታት ጳጳሳት ምሓዝ፥ ቀንዲ ስርሖም እዩ። ከምቲ ኣብ ራእ ዮሓ.ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” 12:10  ዝብሎ ኩሉ ጊዜ ኣብ ክስን ጸለመን ዝተጸምዶ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን ድሒሩ ዝተረድኦም ጳጳሳት ኢትዮጵያ ሕጂ ዝፈረሰ ምስ ፈረሰ፥ ብሚልዮናት ህዝቢ ናብ ካልእ እምነታት ምስ ገዓዘ፥ ናይ ዓቕሊ ጽበት መግለጺ ዘውጽእዎ ንምስትውዓል ኣብዚ መላግቦ እስከ ንስማዕ https://www.youtube.com/watch?v=u67ZFOJuJKw

እስከ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ሓዲግና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ማሕበር ማርያም ተባሂሉ ዝፍለጥ ገርህታት መንእሰያት ዝኣከበ፥ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ልሒኹ ዝኣተወ፥ ኣብ tewahdo.org “የማሕበረ ቅዱሳን ፖለቲካዊ እና ሃይማኖታዊ ጣልቃ ገብነት በኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክፍል 1-3 ብኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ኣተኣታትውኡ ኣብ ሃገርና ተመልከቱ።

ኣብ ኤርትራ ሱር እዚ ማሕበር ካብ ዝኣቱ ክንደይ ብርሰትን ዕንወትን በጺሑ ኣሎ።

ፓትርያርክና፥ ምሁራት ካህናትና ኣብ ምእሳር፥ ክሲን ጸለመን ኣብ ምንዛሕ፥ ክንደይ ዕንወት ተፈጺሙ ኣሎ። ንኣቦታት ጳጳሳት ኣብ ምግጋይ፥ ክንደይ ክፉእ ተሰሪሑ ኣሎ።

ኣብነት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 2005 ዑደት ዝገበሩ ኣባ ሉቃስ ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቀጽርታት ቤተ ክርስቲያን ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ሰሊኹ ዝኣተወ ማሕበር ብሓዊ ምስ ተቓጸለ፥ ነዞም ኣቦ ሰይጣንውን ዘይበሎ ቃል ድፍረት “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዴታት ሓዊ ዘቃጸላኦ መጽሓፍ ቅዱስ፥ መጽሓፍ ርኩስ እዩ።>” ኢሎም ክዛረቡ ዘገደዶም እዚ እኩይ ማሕበር እዩ።   ክሳብ ሕጂ እዚ ማሕበር ካብ ዝባኖም ምውራድ ኣብይዎም፥ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መካነ ክስን ጸለመን ጸርፍን፥ ናይ ፖለቲከኛታት መራገጫ ገይርዋ ዘሎ፥ ክንደይ ንጹሃት ካህናትን ዲያቆናትን እዮም ብሰንኪ እዚ ከሳሲ ማሕበር ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም፥ ኣብ ጽኑዕ እምነቶም ከለዉ ተወጊዞም፥ ሕልፍ ሓሊፎም ኣብ መንጎ ጳጳሳትና ውግዘት ክሓድር ዝገበሩ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅልውላው ዘላ።

ክንደይ ተስፋ ዝግበሮምን እንጽበዮምን መንእሰያት ካህናትን ዲያቆናትን እዮም ካብ ቤተ ክርስቲያን ክሲ እናኣቕረቡ፥ ኣጥፊኦሞም ዘለዉ? ንክንደይ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም መናፍቕ፥ ተሓድሶ ኢሎም ኣጸሊሞም ስሞም ዘኽፍኡ?

ዋላውን ንናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ከይተረፈ መናፍቓን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን እዚ ድሕሪ ካብ ስራሕ ምእላይ ኣቶ ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ንቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ንምብሓታ፥ ነቶም ብስምዒቶም ብተደጋጋሚ ዘታለልዎምን ዘታልልዎም ዘለዉ ኣቡነ ሉቃስ መሳርሒ ገይሮም፥ ተገን ፖለቲካውያን ሓይሊ ተጸጊዖም፥ ብኸውሊ ነጸላ ምጉልባብ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ፥ ክሳብ ክንደይ እዩ፥ ሰብ ኣቃሊብሎም ዘሎ?

ከም ተዋጋኢት ላም ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ፉፍ እናበሉ ክንደይ መንእሰይ እዩ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቃ ገይሮም ዘለዉ? እሞ ሕዝቢ ነቒሕሎምዶ? ዓቢይ ምልክት ሕቶ እዩ።

ኣብ ጎረቤትና ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ናባና ኣይሰገረን ኢልና ክንዕሾ ዝግብኣና ጊዜ ኣይኮነን። ካብቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ዘይውሕድ ይፍጸመና ኣሎ። እዚ ተመን ክሳብ ዝግብል ተዓጊስካ ገበል ምስ ኮነ ክትቀትል ምፍታን ንባዕልኻ ንሓደጋ ምግላጽ እዩ። ስለዚ ሕጅውን መምሃርን ኣይግበርካ መምሃርን ኣይኽላእካ ተባሂሉ እዩ ነቒሕና ንፍለጦም።

እግዚኣብሔር ጸጋን ሰላምን የብዝሕ።

ዘንስር ዮሓንስ