ተጋ/ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን እቶም ኣሜሪካዉያንን ብCADILLAC- ካዲላክ መኪና ካብ ቃኘዉ ናብ ማይ-ሓባርን ዓላን . . .

ተጋ/ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን እቶም ኣሜሪካዉያንን ብCADILLAC- ካዲላክ መኪና ካብ ቃኘዉ ናብ ማይ-ሓባርን ዓላን . . .

’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’’”””””””””””’+”””””””””””””””””””””””””””””””””””””””””

[ምንጪ-ጽሑፍ] ብተስፋንኪኤል ጆርጆ(ወዲ-ጆርጆ) ኣብ 1974 ዓ/ም(ግእዝ) ወይድማ 1982 EC ዝተጸሓፈ ጽሑፍ ኾይኑ…

[ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተርጒመን፡ ተነባቢ ንምግባሩ ድማ ቃላትን ቅድን ኣጸሓሕፋ ብምምራጽ፡ ዘቕርበልኩም ዘለኹ -ኣማን ብርሃነ- እየ።

ዎ ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ ይኹነልኩም]

——————————————————————————————————————————

Read More →

Facebook page vows to lift the lid on Eritrea’s secret reign of terror

An anonymous whistleblower claims to have new proof of human rights abuses, galvanising opposition online

In a bid to upend years of secrecy in the country dubbed “Africa’s North Korea”, a new Facebook page is publishing documents claiming to show how the Eritrean government abuses its citizens.

In just two months, SACTISM – Classified Documents of the Dwindling PFDJ has garnered more than 16,000 followers on the social media site by alleging to have new information about human rights violations committed at the hands of president Isaias Afewerki’s ruling party, the People’s Front for Democracy and Justice.

The name “sactism” comes from a colloquial Arabic word that roughly translates as “nothing”, and was coined by the anonymous whistleblower behind the page, who goes by the name Samuel.

Samuel claims he is an Eritrean underground blogger who once held a “key post” in the government but who later fled the country. He says he is now sorting through the documents he collected while working in the capital, and says he is determined to expose the regime.

Over the last decade, the Eritrean government has been branded one of world’s worst human rights abusers, with Amnesty International estimating the country is holding at least 10,000 political prisoners in more than 360 secret prisons.

As a result, thousands of young men and women are fleeing the country. In 2014, 50,000 Eritreans sought asylum in Europe, with the UN estimating that around 5,000 nationals continue to escape each month.

With such a severe crackdown on civil liberties, and with little information able to enter to leave the country, Sactism has garnered a significant amount of attention from the Eritrean diaspora, despite the fact that the documents are impossible to verify.

’If we don’t give them a voice, no one will’: Eritrea’s forgotten journalists, still jailed after 14 years
Read more

‘Shaking the status quo’
In early February, posts appeared on Sactism claiming to show new information about the political prisoners and journalists who have been incarcerated for more than 14 years in Eritrea’s secret prisons.

Samuel also published accompanying notes he claims originate from 2001, which offer information about the security agents who arrested the journalists and their subsequent treatment in the notoriously secretive prison in Eiraeiro.

“The page is shaking the status quo,” says Daniel Mekonnen, a prominent Eritrean human rights lawyer living in Geneva. “Although it is difficult to ascertain the truthfulness of every information published on the page, some [readers] have already given their own independent opinion confirming the veracity – in whole or in part – of some of the information revealed,” he says.

The allegations have also been read out on popular Eritrean radio stations abroad, such as Radio Assenna, and have been extensively republished on diaspora websites.

Blocks

President of PEN Eritrea in exile, Ghirmai Negash, describes Sactism “as a new genre in Eritrean writing, the importance of which lies in its subversive power in the context of a nation under tyranny.”

But a few prominent figures have criticised the way in which Samuel is releasing the information. Awet Weldemichael, professor of African history at Queen’s University, says he is concerned about the ethics of the way in which the information is being released.

“I am not sure if it helps to family and friends of the disappeared to learn it through Facebook,” he says, adding that he also worries about the authenticity of the documents.

Facebook initially blocked the page, originally published exclusively in Tigrinya, after a petition emerged claiming that Sactism was “inciting hatred”. Samuel then began publishing certain posts in English, and provided a short blurb to clarify his intentions to readers.

Though he’s been approached by various outlets, he says he has chosen to stick to publishing on social media to allow him to “operate at an individual level” and to be “part of the democratisation of information sharing”, he has written.

“The regime was surviving mainly through the dread of information sharing,” he explained in a post in February. As a result, he has made it his mission to fight “misinformation and secrecy”, promising that “all the information shared on the page is most accurate.”

Click Here… The Guardian

 

ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶን ከባቢኣን፡

ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶን ከባቢኣን፡

ATT_1461157425393_april03

ብመኽንያት ብሰንበት ዕለት 3 ምያዝያ ዝተፈጸመ ባርባርዊ ቅዝፈት መንእሰያትን ከምኡውን ሕጻናት ቆሉዕን ኣደታትን ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንቀዳም ዕለት 24.04.2016 ካብ ሰዓት 6:00 pm ኣብ ክሪስቲ ፒት ፓርክ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ክንገበር ምኻኑ ንሕብር።


Christie Pit Park 

750 Bloor street west

Sunday April 24
6:00 PM

ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ
Eritrean Justice Seekers Toronto

Everyday Eritrea: Resilience in the face of repression From macchiato in Asmara to Ottoman ruins in Massawa, a glimpse into the essence of Eritrea.

Eritrea has received much attention in the midst of the refugee crisis, with traumatised citizens undertaking dangerous journeys to escape what has been described as a torturous life at the hands of a cruel regime. Human rights organisations have documented human rights abuses, arbitrary arrests and torture, as a result of which nearly 5 percent of the population has fled and 4,000 Eritreans continue to flee their country each month.

But not everyone is willing or able to seek an alternative to their homeland, and those who remain focus on the positives.

Eritrea is a curious mix – from its capital Asmara, where the smell of real macchiato pervades Harnet Avenue, to its incredible port city of Massawa by the Red Sea, one of the oldest in Africa.

The Italian colonial influences are visible throughout Asmara, in its architecture and the local culture, with its cafeterias and pizzerias. The landscape ranges from lush, cool highlands to hot and humid lowlands along the Red Sea coast.

But, it is the Eritrean people who make a lasting impression. Despite their colonial past and the harsh political climate, Eritreans remain a most hospitable and resilient people.

After a 30-year armed struggle, Eritrea gained independence from Ethiopian rule in 1991, and in May 1993, when Eritreans overwhelmingly voted for statehood in a referendum supervised by the United Nations, that independence was recognised internationally.

Isaias Afewerki has been the country’s only president since independence. His government has postponed any future elections, indefinitely.

Not much information slips out of Eritrea, as the government often jails independent journalists, and expelled its last international correspondent in 2007. These images from 2013 show a rare glimpse into the everyday lives of Eritreans.

 

More to Aljazeera

 

 

ገድልን ሽፍትነትን በየንን ብኸመይን ይራኸብ…?

ገድልን ሽፍትነትን በየንን ብኸመይን ይራኸብ…?

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት ኣይነበረን፡፡ ንናጽነት ዝተገብረ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዩ፡፡ እዚ ንናጽነት ዝተገብረ ፍትሓዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ጀመርቱን ቀለስቱን ኮይኖም ፊተ-መሪሕ ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እቲ ቃልሲ ግን ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ቃልሲ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ኣብቲ ንሳላሳ ዓመታት ዝተገብረ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ዓሰርተታት ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊልናሉ፡ ሰንኪልናሉ፡ ከርቲትናሉ፡ ኩሉ እንትናና ወፊናሉ ኢና ክብል፡ ኣብ ገጻት ፈይስ ቡክ ንእሽቶ ሓንጢጠ ነይረ፡፡ ካብቶም ኣብ መኣዲ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሓደ ኣለና ንብል ድማ፡ ክልተ ኣንጻር ርእይቶታት ክጸሓፍ ተዓዚበ፡፡ ሕጂ ውን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ንኾርዓሉ ብደም ዝተነድቀ ታሪኽና ኢዩ፡፡ ገድልን ሽፍትነትን ብፍጹም ዘራኽብ የብሉን፡፡

እዚ እምነት እዚ ልባዊ እምነተይ ምዃኑ ከስምረሉ ይደሊ፡፡ ነዚ ሓቂ ጎስዩ እንተስ ሰኣን እኹል ኣፍልጦ ስሚዒት ደፊእዎ፡ ሓደው ነዚ ገጽ ክመልስ ክትኮስ ዝተቓረበ ተዓብዒቡ ዘሎ ቁጠዐ ህዝቢ፡ ንማዕበላዊ ተቓውምኡ ፍጹም ንምሕማሱን ምርማሱን ሽርሐ ጉርሒ ቆጺሩ፡ ቶኽላ ክንሱ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ተልእኹኡ ዝፍጽም ዘሎ ምስሉይ፡ ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ንዘለዎ ታርኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክድምስስ ህርድግ ይብል ስለ ዘሎ፡ ሰሚዕካዮ ጥራይ ምሕላፍ ከቢድ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ብዝሰፈሐ ክውስኸሉ፡፡

ኣቐዲመ ግን ነቶም 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል እታ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ካብ ግዱድ ዕስክርና ጨካን መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከምልጡ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብተመልከተለይ ተቐቲሎም ህይወቶም ዝሓለፉ መንእሰያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንእስነቶምን ወጽዖኦምን ይርኣየሎም፡፡ በዚ እኩይ ተግባር ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝሰንበረ ርዱእ ኮይኑ፡ ብፍሉይ ንቤተሰብ ግዳያት ግን ጽንዓት ይሃብኩም፡፡ ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባራት ተቓጽዩ ዘይኮነ ርእዮ ብርእዮ፡ ሓንሳብ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝፍጽም እሞ ድማ ኣብ ጸሓይ ቀትሪ፡ ከም ተራ ከታሪ ሽፍታ ክበሃል እንከሎ ኢዩ ከኣ መዓንጣ ከብድኻ ቅርጽ ዘብለካ፡፡ ሽፍታ ካብ እኩብ ሰብ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ኢዩ ዝብርግግ፡፡ ሽፍታ ኮነ ኢሉ ብተመልከተለይ ሰባት ኣይቀትልን ኢዩ፡፡ ሽፍታ ንመላእ ህዝቢ ብፍርሒ ከም ዘንቀጥቅጥን ከም ዝብህርርን ኣይገብርን ኢዩ፡፡ ሽፍታ ደም ክጽየቕን ኣብ ደም ክኣቱን ኣይደልን ኢዩ፡፡ እዚ ኣረሜናዊ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ግን ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሙ ኢዩ፡፡

ናብ መበገሲ ሓሳበይ ክምለስ፡፡ ኣእዛና ሳላ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ፓል ቶክ ብዙሕ ክትደግሞ ዘሕፍር ግዕዘይ ምዕዘይ ሰሚዑ ኢዩ፡፡ ኣይሰማዕኩምን ዝብል እንተሎ ክምጉት ይኽእል ኢዩ፡፡ ዝኣኽለካ ተዛሪብካ ማዕበል ህዝቢ ፎእ ምስ በለካ ነቲ ክዑብ እምነትካ ክትኮሓሕል ጋራጅ ኣእቲኻ ከተመዓራርዮ ዝከኣል ኣይመስለንን፡፡ ብእዝነይ ካብ ዝሰማዕኩዎ ገድሊ ኤርትራ ናይ ሸፋቱ ምትእኽኻብ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ ውድብ ኢዩ፡፡ ስዉእ ኣበየናይ ኩርባን እምባን ሓደራ ክብለኒ ሰሚዐዮ፡፡ ሰብ ንነብሱዩ ዝስዋእ ንዓይ ኣይኮነን፡፡ ምዉታት ኢዮም ብዛዕባ ምውታት ዝሓስቡ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ’ዩ ዘይበለ ደላይ ፍትሒ ኣይኮነን፡፡ ኣረ ብዛዕባ ናጽነትን ረፈረንድምን ውን ሕጋዊ ኣይኮነን ኣለዎ፡፡ ስም ሓደ ካብቶም ነዚ ክዑብ ሓሳባት ዝተፍኡ ሽፍታ’ወ! ዝብል ውን ኢዩ፡፡ እቲ ገፈጥ መፈጥ ኣባሃህላ ብዙሕ ኢዩ፡፡

እታ ዝገረመትኒ ገለ ካብቶም በሃልቲ ደሓን ኣፍለጦ ኣለና ዝብሉ ኢዮም፡፡ ብርግጽ ዘይነዓቕ ኣፍልጦ ውን ኣለዎም፡፡ ስለምንታይ ግን ንገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብተራ ከታርን ዘራፍን ሽፍታ ክግለጽ ደልዮሞ…? ስለምንታይ ንምስሉን ተግባራቱን ዝውክል ረዚን ፖለቲካዊ ቃል ዘየጠመቕዎ…? ስለ ዝጠፈኦም ወይ ውን ተሃዊኾም ዶ ይኾኑ..? ብናተይ ኣመለኻኽታ ኣይመስለንን፡፡ እታ ሱር ዘለዋ ቀንዲ ተኣፋፊት ቃል ከኣ ንሳ ኢያ፡፡ ብቓላት ሃንደስታ መዘዝ ዘለዋ መርዛም ቡቕሊ ኢያ፡፡

ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ መቐጸልታ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ብሃውሪ ወይ ብስሚዒት ዝተወልደ ቃልሲ ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ናብቲ መስዋእትን ስንክልናን ዝሓትት ገድሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝወሓዘን ዝዓሰለን፡፡ ኮይኑ ግን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንናጽነት ዝቃለሱ ሃገራውያን ውድባት እምበር ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኣይነበሩን፡፡ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ክኾኑ ውን ባህሪ ኣወላልደኦም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ግን ኣብ ገድሊ ኤርትራ ዲሞክራስያውያን ባእታታት ኣይነበሩን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡ ኣዝዮም ብዙሓት ንስለ ዲሞክራስያዊ ኣከያይዳ ንምትእትታው ሓቒቖምን ተቐንጺሎምን ኢዮም፡፡

ስለ ዝኾነ ብኽልቲኦም ንዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመርሑ ዝነበሩ ውድባት ክትገልጾ ዝኸብድ ናይ ቅትለት ገበናት ተፈጺሙ ኢዩ፡፡ ብዝገደደ ውን መሬት ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ኢዩ ብዝብል ኢፍትሓዊ ስነ ሓሳብ ኣብ ከቢድ ውግእ ኲናት ሕድሕድ ተኣትዩስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ዝእለዩ ውን ኮይኑ፡፡ ክጠፍእ ዘይግበኦ ህይወት ብሰንኪ ዲሞክራስያዊ ባህሪ ዘይምንባሩ ብሉጻት ኣሓትን ኣሕዋትን ከሲርና ኢና፡፡ እዚ እቲ ናይ መሪር ዝመረረ ዓንዴል ታሪኽና ኢዩ፡፡ ነዚ ዝኽሕድ ኣይነበረን ዝብል እንትርፎ እቲ እናሰመዐ ዝደንቆረ ሓደኳ የልቦን፡፡

እቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ በቶም ኢዲሞክራስያውያን መራሕቱ እናተኣለየ ግን ሰብ ምስ ኩምራ ሓጻውንን ሺሾ ሰራዊት ስርዓት ደርግን ተዋጊኡን ስዒሩን ናጽነት ኤርትራ ክዉን ገይሩ ኢዩ፡፡ነቲ ብመስዋእቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብሓይሊ ብረት ዝተረጋገጸ ናጽነት ንምውሓሱ ኣብ ቅድሚ ተዓዛብነት ማሕበረሰብ ዓለም ብዘየዳግም ህዝቢ ናጽነት ኣድሚጹ ኢዩ፡፡ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ምዃና መዛዘሚ ናይቲ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ መሪር ቃልሱ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ነዚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝኸፈለሉ ዝተገፋዓሉ ዝተሞቓሓሉ ገድሉ ሽፍትነት’ዩ ነይሩ ክበሃል እንታይ ስለ ዝተደልየ ድኣሉ…?

እታ መርዛም ሱር ዘለዋ ሓሳብ እምበኣር ኣብዚኣ ኢያ ዘላ፡፡ እዛ መዘዝ ዘለዋ መርዛም ቡቕሊ ትፈርዮ ፍረ ድማ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ንለባም ኣምተሉ ኢዩ፡፡ ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት እንተድኣ ነይሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ እንተድኣ ኮይኑ፡ ናጽነት ኤርትራ ውን በዚ ሽፍታ ዝበሃል ዘሎ ውድብ ተቐሊሱ ስለ ዝመጸ ሕጋውነት የብሉን ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ፡፡ ብዙሕ መርትዖታት ካብቶም በሃልቱ ከምጽእ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ቃል ብቓል ዝተዛረብዎ ዝጸሓፍዎ ኩሉ ስኑድ ኢዩ፡፡ ክሳብ ንስዉእ ሽፍታ ኢዩ ዝብል ቃሎም!
እዚ ጉዳይ ቅድሚ ናብ ቅርዓት ምውጽኡ ነዊሕ ግዜ ገይሩ ኣሎ፡ ሓደ ካብዞም በሃልቲ ብተደጋጋሚ ብመገዲ ናይ መሰንጀር ብሕታዊ መልእኽቲ ይሰደለይን ንዘራረብን ነይርና፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ድማ ብተደጋጋሚ የልዕለለይ ነበረ፡፡ ሽፍታኮ ተራ ነገር ኢዩ፡፡ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ዘይብሉ ዝተወደበ ቅርጺ ዘይብሉ፡ ብህዝቢ ዝተፈንፈነ፡ ዘይረሃጸሉ ሃብቲ ውልቀ ሰባት ዝዘርፍ ብዓንደርእሱ ድማ ኣብ ደም ክኣትውን ደም ክጽየቕን ዘይደሊ ብረት ዝዓጠቐ ተራ ሰራቒ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ግን ምስቶም ሞባእ ናጽነት ዝኾኑ ሰማእትን ስንኩላንን ሓዊስካ ኣስታት 200 ሽሕ ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበሮ ውድብ ኢዩ፡፡ ርብዒ ሚልዮን ዝገማገም ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበሮ፡ ንጹር ፖለታካዊ መርሓ ዝነበሮ፤ ንሳላሳ ዓመታት ደማዊ ውግኣት ዝሓለፈ፡ ኣብ ደጀናቱ ካልኦት ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ዘይነበሮም ክሳብ ንኣሽቱ ፋብሪካታት ዝውንን ዝነበረ፡ ኣብ በረኻ እንከሎ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ፡ ወናኒ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ብኮራትን ክፍላተ ሰራዊትን ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበሮ ዓቢ ውድብ ከመይ ቢልካ ኢኻ ሽፍታ ነይሩ ትብለኒ ክብል ይምስለሉ ነይረ፡፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ይከራኸረኒ ነይሩ፡፡ ዘቕርቦም መርትዖታት ግን ዘእምኑ ኣይነበሩን፡፡

ኣብ መጠረሽታ ሓደ መዓልቲ ስማዕ ንህዝባዊ ግንባር ኮነ ነዚ ሕጂ ፍጹም መላኺ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ዝደለኻዮ ንዐኦም ክገልጽ ብዝኽእል ቃል ክትጽወዖምን ክትገልጾምን ትኽእል ኢኻ፡፡ ሓንቲ ዘረጋግጸልካ ግን ሸፋቱ ኣይኮኑን፡፡ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ህግደፍ ሸፋቱ እንተድኣ ኮይኖም ማሕበረሰብ ዓለም ብምልኡ ሽፍታ ኢዩ፡፡ ኣብ መንበር ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ዝኾነ ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኢሂን ሚሂን ዝበሃሃል፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ኣብየ ሃገሩ ወከልቲ ዘለዎ ሽፍታ እንተድኣ ኮይኑ፡ ዓለም ብሙላኣ ሽፍታ ኢያ ክብል ድርቕ ኢለ ይምጉቶ፡፡

ኣስዒበ ነዚ ሕድሪ ስዉኣት ዝረገጸ፡ መብጽዓ ኩልና ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ እንተደሊኻ ባርባርያን፡ ፋሺሽታውያን፡ ዲክታቶራውያን፡ ቶታሊተርያን ማለት ንተግባራቶምን ምስሎምን ክገልጽ ብዝኽእል ፖለቲካዊ መጸውዒ ጸውዓዮም ኣጠምቆም፡፡ ሽፍታ ግን ዝወረደ ተራ ነገር ኢዩ፡፡ ዓለምና ብዙሓት ቀተልቲ ከም ኢሳይያስ ዝጭክኑን ግፍዕታት ዝገበሩን ንኸም ሂትለርን ፓልፖትን ኣጎስቶ ፒኖቸን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ኣአንጊዳ ኢያ፡፡ ግን ሸፋቱ ኣይኮኑን ንዐኦም ዝውክል ኣስማት ኣለዎም፡፡

ካብዚ ብዘይፍለ እዞም ሎሚ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ሰብ ከም ጤለ በጊዕ ዝሓርዱ ዘለዉ ዲዒሽ፡ ኣልቃዒዳ፡ ቦኮሓራም፡ ኣልሸባብ ዓለም ሸፋቱ ዘይኮነ ግብረ ሽበራውያን ፈጠርቲ ራዕዲ ኢላ ኢያ ትጽውዖም ዘላ፡፡ እቲ ምንታይ ዋላ ውን ጉጉይ ይኹን ከረጋግጽዎ ዝደልይዎ ዕላማ ኣለዎም፡፡ ዝተወደበ ሓይልን ኣብ ኣእምሮ ካልኦት ዝጸፈይዎ መርዝን ስለ ዘለዎም፡፡ ብመንጽር እዚ ተጋዲሉ ንዓርሞሸሽ ሓይሊ ስርዓት ደርግ ስዒሩ ካብ በረኻ ኣትዩ፡ ናጽነቱ ብሓይሉ ኣረጋጊጹ ክንሱ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣብ 1952 ዓ/ም ዝጠለመቶን ጸማም እዝኒ ዝሃበቶን ዓለም ትስመዓዮ፡ ብምባል ኣብ ገድሊ ዝኣመሞ እማመ ረፈረንድም ቃሉ ኣጽኒዑ ዘተግበረስ ራእይ ዘይነበሮ ተራ ሽፍታ’ዩ ግደፈኒ በጃኻ ይብሎ፡፡

ዝመለሰለይ መልሲ ከየሰንበደኒ ኣይተረፈን፡፡ ረጊአ ንኽሓስብን ኣብ መንጎ እቶም ንቃለስ ኣለና ንብል ገለ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ንምሕንፋሽን ንምብታንን ዝተላእኩ ክርዳድ ምህላዎምን ግን ክግንዘብ ኪኢለ ኢየ፡፡ ናብቲ ዝመለሰለይ መልሱ ክመልሰኩም፡፡ ”እታ ጌጋ እኮ ኣብ ረፈረንደም ኢያ ተፈጺማ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ እወን ኣይፋልን ዝብላ ጥራይ ኢዩ ቀሪብሉ፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ጉዳይ ፈደረሽን ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዝብል ኣማራጺታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣይቀረበሉን፡፡ ስለዚ እቲ ዝተገብረ ረፈረንደም ሕጋዊ ኣይነበረን” ይብለኒ፡፡ ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ ኢዩ ነገሩ፡፡

ብሓቂ ከምኡ ዓይነት ስንባደ ኣደይ ዓሪፋ ሃንደበት ምስ ተረዳእኩ ጥራይ ኢየ ሰንቢደ፡፡ ዝገረመኒ ግን እቲ ከምኡ ዝብለኒ ዘሎ ሰብ ዝተማህረን ኣቡኡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ዝኾነ ተቓዋማይ ኢየ ዝብል ኢዩ፡፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈንው ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1952 ብፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ስርዓት ሃይለስላሰ በቲ ዓማጺ ብይን ክቑረን እንከሎ፡ ተገዲዱ እምበር መሪጽዎ ድዩ…? ካብ ምፍላም ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ምምሕዳር ጥልያንን ዝነበረት ኤርትራ ንኣስታት ሱሳ ዓመታት ዝተነጸረ ዶባት ዝነበራ ሃገር ኣይነበረትን ድያ…? ድሕሪ ስዕረት ገዛኢ ኤርትራ ዝነበረ ፋሽሽቲ ጥልያን ኣቦታትናን ኣበሓጎታትና ናጽነት ኢሎም ኣይተቓለሱን ድዮም..?

ሓይሊ ሓያላን ሓይሉና ዓለም ዘርያትና ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነን ዘይነበረን ዓማጺ ብይን ፈደረሽን ወሲናትልና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ግዜ’ቲ እንታዩ ድሌቱ ኣይተሓተተን፡፡ እዚ ዶ ኣይኮነን ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንጅምርን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ክንከፍልን ንሳላሳ ዓመታት ብገድልን መስገደልን ክንሓልፍን ክንሰግርን ዘገደደና፡፡ እታ ሕቶ ሓንቲ ኢያ ኤርትራውነትና ንምርግጋጽ! ስለ ዝኾነ ኢዮም ከኣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዲሞክራስያውያን ውድባት ዘይነበሩ፡፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኤርትራውነትና ንምርግጋጽ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ ኢዩ፡፡ ገድሊ ኤርትራ ንናጽነት እምበር ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዝተገብረ ቃልሲ ኣይነበረን፡፡ ኣይፋሉን ዝብል እንተሎ ብደሆ! ኮይኑ ግን እቶም ገድሊ ብንኡሱ ቶንኮላት ዝቛጸሩ ንጸጋም ገዲፍና ተጋዳላይ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ባህግን ራእይን ነይርዎ ኢዩ፡፡ ክሳብ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት እቲ ውድብ ጉዳይ ረፈረንደም፡ ሕብረሰልፋዊ መንግስትን ካልእን ተጠሊሙ እምበር ኣስፊርዎ ነይሩ ኢዩ፡፡

ስለምንታይ ሕጂ ካልእ ጓል መንገዲ ይለዓልን ይድለን ኣሎ….? ብወገነይ ነዚ መርዛም ብቑሊ ኣቃሊለ ኣይርእዮን ኢየ፡፡ ካበይ ተበጊሱ ንመን መጋበርያን ግዳይን ገይሩ ድማ ብጭብጢ ንርእዮ ኣለና፡፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ዛዕባ ሕጂ ውን ቁሩብ ከሰሓሕበና ምዃኑ ርዱእ ኢዩ፡፡ ድሮ ውን ኣንድነታውያን ዕሱባት ወያነን ካልእን ዝብል ዘሕፍር መልስታት ክጋዋሕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ናተይ ትዕዝብትን ርድኢትን ግን ብኣንጻር እዚ ዝበሃል ዘሎ ኢዩ፡፡ ምናልባት ገለ ኹቱር ጽልኢ ናይቲ ስርዓት ዘለዎም ውሽጣዊ ስሚዒታቶም ደፋፊእዎም ነቲ ሓሳብ ተመሊሱ ዘውርዶ ጉድኣት ከየስተባሃሉ ዘጋውሕዎ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ነዞም ብስሚዒት ዝነፍጹ ግሩሃት ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ከይጸድፉ ምሓዞምን ምምሃሮምን ምምካሮምን ከድሊ ኢዩ፡፡ እንተ እቶም ሽርሒ ህግደፍ ተኣንጒቶም ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክዘርጉ ተባራዒ ፈንጂ ኣብ ማእከል ደምበ ተቓውሞ ዝድርብዩ ዘለዉ ግን ተመዝሒቖም ክወጹን ክልለዩን ኣለዎም፡፡ ገድልን ሽፍትነትን ፍጹም ዘራኽብ ነገር ከም ዘይብሉ ድማ ደጊመ ከርጋግጸሎም እደሊ፡፡

ምግዳል ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ምሕላፍ ናይ ሕልና ጉዳይ ኢዩ፡፡ ዘይምግዳል ብኣንጻሩ ዘተሓታትት ገበን ኣይኮነን፡፡ ስዉእ ንነብሱ እምበር ንዓና በጃ ኮይኑ ኣይተሰወአን ዝብል ዘረባ ግን እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን ነውሪ ነገር ኢዩ፡፡ ሰብ ንውልቀ ነብሱ ኢሉ ብፍጹም ኣይስዋእን ኢዩ፡፡ ድሕሪ መስዋእቲ ድሕሪ ሞት ምንባር ምቁራጽ ኢዩ፡፡ ምንባር ንኸተቋርጽ ብዘይ ዕላማ ክትስዋእ ድማ ብፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ስዉኣት ኤርትራ ምንባር ናይ ሓፋሽ ንኽቕጽል ኢዮም ተሰዊኦም፡፡ ንሕና ንኽጥዕመና እንተ ዝስውኡ እዚ ገጢሙና ዘሎ ሽግር ኣይምገጠመናን፡፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ሃገር ምሃለወትና ዝብል ስሚዒታት ገለ ግሩሃት ዝትንክፍ ረቂቕ ሽርሒ በቶም በሃልቱ ካብ ዝተቓለሐ ኢዩ፡፡ ብሰሪ ሕምቀትካን ኣብ ሕዛእቲ እንታይ ገደሰኒ ምሕባእካን ፍትሒ ስለ ዝሓረመካ ስለ ዘይጠዓመካ ተረካብ ይዓድዮ ንስውእ ክትከስስ፡፡

ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ ኩሉ መላኺ ዓማጺ ክሳብ በትረ-ስልጣኑ ዝጭብጥ ክሳብ ሓይሉ ዘረጋግጽ ኣካል እቲ ህዝብን ቃንዝኡን ኮይኑ ኢዩ ዝቐርብን ዝሰብኽን፡፡ ብጩብጥ ውን ኩሎም መለኽቲ ብማዕበላዊ ደገፍ ህዝብን ዘሰክር ጣቒዕትን ተሰንዮም ኢዮም መንበረ ምልኪ ዝቆጻጸሩ፡፡ ናትና ነገር ውን ከምኡ ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ሰለስተ ሚሊዮን ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ኢዩ ይብል ከም ዝነበረ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፡፡ እዚ ናይ ሎሚ ኢሳይያስ ኣብ 1986 ዓ/ም ኣንጻር ሰለስተ ሓለፋታት ኢሉ ንተጋዳላይ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርካ ነዞም መራሕትኻ ብሕጊ እንተዘይ ሒዝካዮም እንተዘይ ኣቃሊዕካዮም ኣብ ናጽነት ኣብ ፓላሶ ኮይኖም ክሸኑልካ ኢዮም ይብል ከም ዝነበረ ዝርሶዖ ዝህሉ ኣይመስለንን፡፡ ማዕሪኡ ምሉእ ደገፍ ናይ ህዝቢ ከምዚ ሎሚ ኮር ተገልበጥ ከይኮነ ነይርዎ ኢዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ኢሳይያስ ንእምነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዙዩ መብጽዓ ገድልና ጠሊሙ መላኺ ዝኻነ፡፡ መንበረ ምልኪ ንምፍራስን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ድማ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይምልከቶ፡፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ተጋዳላይ ንበይኑ ብፍጹም ተሓታቲ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ተጋዳላይ ውን ንባዕሉ ግዳይ ኢዩ፡፡ ኣብ ናይ በለጽ ሕዛእቲ ተሸጊጥካ ነብስኻ ኣብ ከውሊ ዲያስፖራ ኣማዕቂብካ ተጋዳላይ ካልኣይ ግዜ ክስዋኣልካ ምሕላም ግን ሓጥያት ኢዩ፡፡

ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ብዘይ ቀልዓለም ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ብረት ዓጢቑ ጥራይ ውን ኣይኮነን ናጽነትና ጋህዲ ዝኾነ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ እንትንኡ በብታ ዝኽእላ ዓቕሙ ኣብቲ ፍትሓዊ ንናጽነት ዝተገብረ ገድሊ ኢዱ ሓዊሱ ኢዩ፡፡ ኣበየ ዓዱ ሚሊሻን ብደሆ ሽማግለን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ከበድቲ ሚስጢራት ካብ ከብዲ ጸላኢ ዘውጽኡ፡ ንወሰንቲ ኣካላት ናይ ደርጊ መሓውር ዘልምሱ፡ ኣብ ግዜ ውግኣት ስንቅን ኣጽዋርን ዘቀባብሉ፡ ማዕሪኡ ውጉኣት ናብ ሕክምና ዘመላልሱ፡ ስሚንቶን ሽንትቤትን ፋሕፊሓን ዓንድሕቆ ሰውራ ኤርትራ ገጥ ዘበላ ከም ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ድማ ሒደት ኣብነታት ኢዩ፡፡ ሕጂ ውን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ልክዕ ከምቲ ንናጽነት ዝተገብረ ተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከድሊ ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ተሳትፎ ሓፋሽ ዘይብሉ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ኢየ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዱ ዝሓወሰሉ ህዝባዊ ገድሊ ኢዩ ዝብል ዘለኹ፡፡ ነዚ ታሪኽ እዚ ክትድምስ ድማ ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ እቶም በሃልቲ ውን እዚ ሓቂዚ ይጠፍኦም ኢለ ኣይሓስብን ኢየ፡፡ ንግዚኡ ብረብሓ ተዓሲብካ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ንኸተናውሕ መርዚ ዘፍሪ ቡቕሊ ዘሪእካ ክትሓልፍ ግን ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ብቐንዱ እዚ ተልእኾ እዚ ካብ ውሽጢ እቲ ኣብ ዕርብርብ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ዝተበገሰን ዝተላእከን ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦን ክግንዘቦን ኣለዎ፡፡ ዕላምኡ ደምበ ተቓውሞ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎ፡፡ ክትኮስ ዝቐረበ ማዕበል ሓፋሽ ብፍርሒ ተሓሚሱ ክብርዕን፡፡ ህዝቢ ምስ ደምበ ተቓውሞ ጠሪሹ ክባተኽ፡፡ ኤርትራዊ ርእሱ ኣድኒኑ ንምልኪ ህግደፍ ኣሜን ኢሉ ክቕበል፡፡ ኣስተውዕል ኣንታ ንስሚዒታትካ መዝሚዞም ኣብ መጻወድያኦም ብምእታው መጋበርያ ተልእኾ ሽርሖም ዝገብርኻ ዘለዉ ግሩህ መንእሰይ!! እዞም ሰባት ልብስኻ ዝለበሱ ሃሱሳት በዓል ደምካ ስርዓት ህግደፍ ኢዮም፡፡ እዞም ሰባት ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣድነትን ዘሕመሞም ኣይኮኑን፡፡

ከም መዛዘሚ ሓሳበይ ገድሊ ኤርትራ ሽፍትነት እንተድኣ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ንናጽነት ዝተገብሩ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ሽፍተነት ኢዮም ነይሮም፡፡ ካልኣይ ኣብዚ ደጊመ ዘነጽሮ ስርዓት ህግደፍ ሽፍታ እንተድኣ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ውን ሽፍታ ኢዩ፡፡ ምስ ሽፍታ ዕላቓታት ዝገብር ንሽፍታ ሚሊዮናት ኣቕራሽ ዝሕግዝ ንባዕሉ ውን ሽፍታ ኢዩ፡፡ እቶም ነዚ ጽያፍ ሓሳብ ዝተፍኡ ዕላመኦም ሓደን ክልተን ዘይብሉ ንጹር ኢዩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ናጽነት ኤርትራ ሕጋዊ ኣይኮነን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከምቲ ክቱር ንዕቀት መራሒ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንምንዓቑን ድኹም ኢኻ ብተራ ሽፍታ ኢኻ ትደዓኽ ዘለኻ ንምባልዩ፡፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻር እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ኢዩ፡፡ እዚ ሕሉፍ ቶታሊተርያን ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ውን ዝረበሸን ዝሓመሰን ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ፡፡ ርሑቕ ከይከድና ጎረባብቲ ሃገራት የመን ሱደን ጁቡቲ ሶማል ኢትዮጵያ ምስክር ናይዚ ሓቂ ኢየን፡፡

ኣብ መጠረሽታ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰል ኩሉ ህዝቢ ዝመንዘዐ ቶታሊተርያን ስርዓት ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት እዚ መብጽዓ ገድልና ዝጠለመን ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኸሰን ከሓዲ ኢዩ፡፡ ነዚ ስርዓት እዚ ሽፍታ ዝብል ቃል ኣይገጥሞን ኣይምጥኖን ውን ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት እዚ ብምሉእ ነብሱ ኣብ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ተዘፊቑ ዘሎ ደመኛን ጸላእን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡

ሚኪኤል እምባየ
[email protected]

12