ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!! 25 ዓመት ባርነት ኤርትራ!!!

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
25 ዓመት ባርነት ኤርትራ!!!!!!!!!

ኣንታ!! እዚ ቓንዛ ክሳብ ምዕስ ኢና
ባርነት ከብቅዕ ንበል ይኣኽለና
ለባማት ካብ ተርኽቡ ዝነግሩ ሽግርና
ደልይቲ ፍትሒ ጠርንፉ ምኸሩና።

ዓለም ለኻዊ ተበግሶ ካብ ጀመሩ
ንኽድንፍዕ ህዝባዊ ቓልሲ ኣትርሩ
ኢደይ ኢድካ ንበል ኩላትኩም ሕበሩ
ዝሓይሽ ዝበልካሞ እናዘርኩም ንገሩ።

ዘተ እዩ ፈውሲ ዝኸውን ንሃገርና
እስከ ካብዚ መርድእ ዓዲ ኣድሑንና
ጠፊኡ መንእሰይ መልቀስ ናይ ሃገርና።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ኤርትራ ዓደይ ዘይውዳእ ልቕሶ
መዓስ እዩ ዝዛዘም ናይ ገዛና ልቕሶ
ናብራ ዓድና ኮይኑ ደጋጊምካ ልቕሶ
ጎዶቦታት! ዓድና ቤት ከፈተ ልቕሶ
እንዳታት ዓድና ዘረባኡ ልቕሶ
ወረዳታት ሃገርና ዕላላቶም ልቕሶ
ኣዉራጃታት ዓድና ወግሔ ጸብሔ ልቕሶ
ዝቐደመ ኸሎስ ኣብ ርእሲኡ ይድገሶ
ኣንትዞም ስድራና ስኢኖም ደባሶ
መንእሰይ ሃገረይ ግርማና ምለሶ
ንብዓት ወላዲትካ! ከድካንዶ! ሓብሶ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ኣበይ ከደ ጅግነንት ናይ ኤርትራ
ታሪኾም ዝርስዑ ኣለዉ ሰብ ጃህራ
ሓሶት ዝናብራኦም ጥራሕ ጉራ
ኣሕዋቶም እናተዓመጻ ኣብ ሳሃራ
ገለን ይሽየጡ ብዶላር ብባጠራ
ገና ናይ ኣሕዋትና ዘይተገብረ ቀብራ
ሃገር ጠሊማቶም ኣብ መኽዘን ክሓደራ
ጅግና ወዲ ዓደይ ታዕጠቕ ሽራራ
ንዓባ ህዝብኻ ኣውጻኣዮ ካብ መከራ።

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
ቆላዑ ናይ ሳዋ መዓንጣ ዘይቆጸሩ
ናፍቖት ወላዲቶም ስለ ዝዘከሩ
ኣስመራ ምስ በጽሑ ጸገሞም ክነግሩ
ንዓሰብ ዘይኮነስ ናብ ዓርብ ክሰግሩ
ምስጢር ንኸይንገር ኣብ ኣስመራ ሓረሩ
ኣብ ቅድሚ ወለዶም ከብዶም ተመቲሩ
ኣለልዩ ጸላኢኹም ሓቢርኩም ዘርዝሩ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
መንእሰይ ሃገረይ ዘይረኸበ ቀብሪ
ዘበን ጠሊምዎ እናኾነቶ ጓህሪ
ዓለም ጸቢባቶ ደቒቓቶ ከም ኣድሪ
ሳሃራ ወዲኡስ ይድርገም ናብ ባሕሪ
ኣብ ውሽጢ ይጸንሖ! ዓሳ ነባሪ
ሽግርን ናይ ሃገራና ይውሰኾ ስድሪ
ንዝነበረ ሓዘን ይድመሮ ቁሪ
ኣደ መናእሰይ ከምይ ኢልኪ ትሓድሪ????።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ባንደራ ሃገርና መንዩ? ዝሰቐላ
ትርኤ ኣብ ላዕሊ ተንጠልጢላ
ዘይትርከብ ደይብካ ኣብ ዋላ
መጻወቲት ኮይና ንኹቱ፡ ንሽላ
እናሃሰሰ ከደት ሕብራ ተበሊላ
ስኢና ጥዕና ሓደረት ኣብ ገበላ
ሃገር ብሃገራ ምሕረት የውርደላ
ዘይትሕብሕብ ህዝባ ኮይና ተዳሂላ።

ብዙሓት ኣለዉ ዝነብሩ ኣብ ሓሶት
ናብራኦም ካብኮነ ንፋስ ወይ ጽላሎት
ውቕረት ዝዕላሎም ምስ ፍኹሰት
ክብሪ እንተዝመረጹ ምሕሸ ካብ ዉርደት
ሕልና እንተዝገብሩ መምጻኣሎም ቅሳነት።

ዘበነ ጸላም ህግደፍ ንኽድምሰስ
ንብዓት ናይ ወለዲ እንክ ሕበስ
ኣውያትን ብኽያትን እንክዕበስ
ምስ ለባምት ንምከር ህዝብና ኽድበስ
ይኣኽለና ዘሕለፍናዮ ሃበስ ቀደስ
ዓመጽትን ክባረሩ ሕጊ ንኽነግስ
ግዜ ከየጥፋእና ኣይንበል ደበስበስ
ኣብ እስራኤል ዘልኻ ኣንጊህካ ተበገስ
ህጻናት እንክዘሉ ሓርነት ክምለስ።

ዉድቀት ንፋሽሽቲ ማፍይ ህግደፍ
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 14 ግንቦት 2016

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.