መልቀስ

መልቀስ
ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!

ጃኪ!! እልካ ዝጽዋዕ ኣብ ጅዳ
ያዓቆብ ዮሃንስ መንበሪኡ ጅዳ
ተቐባል ኣጋይሽ ንዑምራ፡ኮነ! ሕጃ
ኣዳራሹ ገዚፍ ብዓል ድርብ መጋርጃ
ብንእሱ ዝለበመ ኣብ ኩሉ ወረጃ
ዓንዲ ማእከል ኢኻ ብዓል ግምጃ።

ማይ ጻዕዳ ዓድኻ ኣብ ሰሞሞ
ተኸላ መራጉዝ ምስ እያሞ
ኣከለ ጉዛይ ትውለድ ምስ ሃዘሞ
ሓማሰን ትዉለድ እዞም ሰብ ህድሞ
ትግራይ እንተኸድካ ናብ ሰብ ዳሞ
ጎጃም ቤገምድር ምስ ለማልሞ
ወሎ ኮነ ሽዋ ከይዱ ዘይእግሞ
ብንእሱ ክንደይ ዘይዓመሞ
ኣንዊሑ ዝእምት ዘይጽግሞ።

ወድዘን ወዘራዝር ወድዞም ሓገግቲ
ወዲ ባሕሪ ነጋሽ ንጉሰ ንኹናት ዓጋቲ
ጉንደትን ፡ጙራዕን ክንብለን መስከርቲ
መተማ ዝኸይድ ምስ ሃጸይ ዘማቲ
ሃዘጋ ይመስክር ኣእዛናት ጨረምቲ
ብዓል ሰፊ ገደና ብዓል ርስቲ።

ዓርክርይዶ ክብለካ መዓብይተይ
መባእታ ትምህርቲ መፋልምተይ
ክንዘል ከለና ከምዛ ብተይ
ወዲ ሓወቦ ኢኻ መማጉተይ
ወዲ ዓደይ እባ መርየት መማቕልተይ
ክንድ ሰብ ምስኮና መሳድድተይ
ተሃዊኻ ዓርከይ መላዝብተይ።

ኣብ ሽዋ ተማሂርካ ዓንዲርካ
ክንደይ እወ ዘይሓምበስካ
ባኖ ትኽደን ቅድሚ መሳቱኻ
መኪና ዘዊርካ ብንኡስካ
ኣዲስ ኣበባ ኮይና ታሓመድካ
እዚ ኹሉ ክንደይ ተጸቢኻ
ባዕልኻ ከድካይ ታሰፈርካ።

ያዓቆብ ሓውይ ጥዑም ቃሉ
እስከ ኩሉኹም ዝዓርከይ ብኸይሉ
ክንደይ ከይርከ እቲ ቓሉ
ግዜ ኣይጥዑምን ንስኻ ዘይብሉ
ካብ ነቐለ ርዖኡ ጠቕሊሉ
ድሓን ኩን ንበሉ ብኽያት ተኸልከሉ
ኣምላኽ ይቀበሎ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ
ጽንዓት ይሃብ ንቤተሰብ ኩሉ
ያዓቆብ ሓወይን ዓርከይን ሰዓቱ እኺሉ
ኣብ መርየት ዝግበር ጎደሎ ነይብሉ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 19 ጥሪ 2016

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.