መልቀስ

መልቀስ
ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!
ወየ! ኣነ!!!!ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!!!!!!

ኣይግድን!!!ኣይግድን ዝዘበነ!!!
ኣይነበረን ወርሓቱ ሎሚቕነ
ናይ ምምስጋን ግዜ! ሓጎስ እዋነ
ጉድ እምበር!!ተረኺቡ ንዓለም ዘሕዘነ
ዘይተጸበናዮ!!ጥፍኣት ሓወይ ክስእነ።

ዝተመርጸት ሮቡዕ ነይራ ታማዓልቲ
ዓመት ተወዲኡ ንመጻኢ ፈለምቲ
ብሓጎስ ክትፋኖ ዝተገብረ ትጽቢቲ
ተቐሪቦም ንስሓቕ ምስ ትዕግስቲ
ዘራጊቶ ኸሎዶ!! ጽሩይ ማይ! ነየስቲ
በርቂ ኣንጞደጎደ ቡምባን ጠያይቲ
ኣድራጋ ተተኮሰ ሕሱብ ብዓመጽቲ
ሓወይ ቀዚፎሞ! ምስቶም፡ መሳርሕቲ
ኮይኑ ኢሳቕ ጂግና መቓዝፍቲ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!
ኢሳቕ ሓወይ ካብ ሓሙሽተ ገንበር
ዓደቦኻ ነይሩ ናይ ሕጊ ናይ መንበር
ኣብ እምባ ዝሰፍሩ ልዒሉ ዘይድፈር
ንጸላኢ መንደፍ ንፈታዊ ማእገር
መንበሪኦም ላዕሊ ዘይድየብ ዘይሕኮር
መራጉዝ እንዳቦኻ ናይ ዓደቦ ደብተር
ጎላግል ደቂ በኽሪ ብቐሊሉ ዘይስገር
ሰፊሕ ዝመርየቶም ብማሕረስ ዝኽበር
ብዙሕዩ ዝበቕሎ ጻዕዳ ጣፍ ምስ ዓተር
ለሰታት ዓድኻ ክንደይ ኢልካ ክድመር።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!!
ተማሃራይ ኮይኑ ሳንጣ ከንጥልጠላ
ቆልዓ ኩዶቡዑር ቆልዓ ዓድዃላ
ሳንጀርጆ መንደፈራ ወዲ ማይተኸላ
ትምህርቲ ወዲኡ! ዝጋደል ኣብ ቆላ
ንሞት ይኸዳሞ! ትሃድሞ ዘሊላ
እንታይ ረኸበካ ዓለምካ ዛህሊላ
ሓወይ ተዘንጊዕካ! ብሰብ ዝመስሉ ተኹላ።

ወየ!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ኢሳቕ ሓወይ ተማላእ መልእኽቲ
ንስዉት ሃገርና ንገረለይ በብሓንቲ
ህዝቢ ሓሲምዎ በዚሑ መቕዘፍቲ
ፍትሒ ተሳኢኑ በዚሖም ዓመጽቲ
ይሽየጡ ቆላዑ ከም ጠል ወይ ዕንጸይቲ
ጀነራልት ሃገር ኮይኖም ቀተልቲ
መናእሰይ ሃገርና ሃጽ በሉ ንስደቲ
ኣዋልድ፡ጎራዙት ናብራኤን ብሕቲ
ልቦና ተሳኢኑ ህዝቢ መላፍንቲ
ዓቕሊ ጸቢብዎ ወዲኡ ትዕግስቲ።

ወየ!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ጂግና ሓወይ ኣኺሉ እዋንካ
ንሕናስ ምደለና ብዙሕ ክንሕዘካ
ብድሕሪ ሕጂዶ!ከይርከብ ፍሽኽታኻ
ዝሓለፈ ጉዕዞኻ ከምይ ከይነገርካ
ሃንደበታዊ ካብ ኮነ ነዊሕ መገሻኻ
ገል ከይረሳዕኩ ሕጂ ክነግረካ
ከቶ ኣይተርፍን!! ክፍደ! ሕኔኻ
ጂግና ተጋዳላይ! ኣብ ስደት ተሪፍካ
ብኸተርቲ ስለ ዝተዘምተ ዓደቦኻ
ኪድ በል ሓወይ ኣምላኽ ይቀበልካ
ጽንዓት ይሃቦም ንኹሎም ስድራኻ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 7 ታህሳስ 2015