ሻቕላታት ኢሳይያስ ከደ ሞተ ሓመመ….?

ሻቕላታት ኢሳይያስ ከደ ሞተ ሓመመ….?

እቲ ዕቡድ ካሊጉላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ፡ ዓራት ሒዙ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ውጹዓት ዝሕከምሉ ክፍሊ ኣብ ኣፍ ሞት ተገምጊሙ ይሕለው ኣሎ፡ ካብ ዝበሃልን ካብ ዝስማዕን ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ወረታት ኣብ ገሊኡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ምቅንባር ናይ ስእሊ ውን ስለ ዘሰንዮ፡ ንኽትኣምኖ ንድን ድንዕ ትብል፡፡ ብዓቢኡ ውን ዳርጋ ኩሉ ደላይ ፍትሕን መራሕትን ኣባላትን ውድባትን ኢሳይያስ ሓሚሙ ኢድ ከይሓወሱ ጋሕ ክብለሎም ስለ ዝምህለሉን ዝጽልዩን ነቲ ናብ ሓቂ ዝተጸጋገዐ ዝተሰነዐ ወረታት፡ ሓቂ ክኾነሎም ኢዮም ዝምነዩን ዝደልዩን፡፡ ኣብዛ ኢሳይያስ ሓሚሙ ይሙት፡ ወይ ሞይቱ ትብል ድሌት ብዙሓት ከም ሚኪኤል ውልቃዊ እምነተይ ኢዩ ኣይቅበላን ኢየ፡፡ ኢሳይያስ ሓደው ብህይወቱ ክተሓዝ ኣብ ፍርዲ ህዝቢ ክቐርብ፡ ኣይኮነን ክቕንጸል ክቕተል ኢዩ ዘለዎ፡፡ ኢሳይያስ ኣብዛ መዋእልና እንተላይ ተጋዲልናን ተሰዊእናን ፍትሒ ዝሰኣናላ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ መምሃሪ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡

የግዳስ ንሓይሊ ኣምላኽ ዝዓግቶ ስለ ዘየለ ቅድሚ ንሕና ምግባርና እግዚኣቢሄር ምስ መርከብ ምሉእ ሓጥያቱ እንተ ኣኪብዎ ንሕምቀትና ተቐቢልና ስቕ ጥዑም ንጎስማ፡፡ ግደ ሓቂ ግን ምስ እግዚኣቢሄር ድኣ ቆጸራ የለን እምበር ከይ ቀደመና ክንቅድሞ ኢዩ ዘለና፡፡ ኢሳይያስ ሓሚሙ እንተድኣ ሞይቱ፡ እግዚኣቢሄር ሓጥያተኛ ፍጡሩ እንተ ኣኪብዎ እንተ ቐዲሙና ግን፡ ኣብ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ከቢድ ክሳራ ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እቶም ንቃለስ ኣለና ንብል ክንገብር እንተዘይ ኪኢልና ህዝቢ ካብ ዝጸንት ሕሰምናን ወጽዓናን ካብ ዝብእስን ካብ ዝነውሕን ሕራይ እግዚኣቢሄር ሓጥያተኛ ፍጥሩ ይኣክብ፡፡ ግን ግን ድሕሪ መላእ ሓርነት ከም ስታሊን መቓብሩ ፍሒርና ወይ ናብ ባሕሩ ወይ ናብ ሓዊ ክንውርውሮ እንተዘይ ኪኢልና ወዲ ኣፎም ጅግና ተባሂሉ ከምቶም ዝቐደሙ ብኽብሪ ክቕበር ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ፡፡ ኣብ ገድልን ድሕሪ ገድልን ቀተልቲ ዝነበሩ ጀጋኑ ብዝብል ቅጽል ስም ይጽውዑ ምህላዎም ንፍለጥ፡፡

ብዝኾነ እቲ ንልዕሊ ሓደ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኢሳይያስ ከደ ብጽኑዕ ሓመመ ሞተ ዝብል ሻቕላታት ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ብዝዞረቐ ሓበሬታ ኢሳይያስ ሞይቱ ናብ ዝብል ተቐይሩ ይርከብ ኣሎ፡፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ዘይኮነ ውን እቲ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ረኺብናዮ ዝብሉ ውን ኣይተሳእኑን፡፡ በቲ ይኹን በቲ ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ ሞተት ኢዩ ኢቲ ወረ፡፡ ከም ትቦ ናይ ማይ ብታሕቲ ታሕቲ ኢሳይያስ ጋሕ ኢሉ ሞይቱ ኢያ ትባሃል ዘላ እታ ወረ፡፡ ግን እዛ ከም ትቦ ናይ ማይ ብታሕቲ ታሕቲ ትዘሩቕ ዘላ ወረ ሓቕነታ ክሳብ ክንደይ ኢዩ….? ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዚ ዝኣመሰለ ወረ ድሕሪ ምዝርግሑ ብመገዲ ዓሊ ዓብዱ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ነበር፡ ኢሳይያስ ኣብ ብርኩ የስተንፍስ ኣሎ ድሕሪ ዝብል መልሲ፡ ኢሳይያስ ውን ኣለኹ ንምባል ኣብ ቲቪ ኤረ ናይ ዕቡዳት ክዛረብ ሰሚዕናዮ ርኢናዮ፡፡ እዚ ተመክሮዚ ግርም ገይሩ ክምህረና ምተገበኦ፡፡ ስለምንታ’ዩ ሎሚ ዳግማይ 03 ወረታት ዝውሕዝ ዘሎ…?

ሓደ መጀመርያ ክንግንዘቦ ዘለና ማዕረ ማዕረ ኢቲ ኣብ ከተማ ኒዮርክ ኣመሪካ ክግበር ኣብ ድሮ ዳስ ቀብሪ ህግደፍ እቲ ወረ ገርጊሩ ክወጽእ ምድላዩ ከም ሰባት ስሚዒታውያን ኮይና ዝነፈሰ ንፋስ ለኻኺሙና ከይከይድ ዓቢ ጥንቃቐ ምግባር የድልየና፡፡ እቲ ቀዳማይ ታርጌት ናይቶም በተንቲ ናይዚ ወረ ኣቓልቦ ደለይቲ ፍትሒ ብስምዒት ከም ዝሽርሸር ምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድልየና፡፡ ንዶሚኒስትረሽን ኒውዮርክ ኣመሪካ ኣንፈቱ ንምስሓት ሓለይቲ ዝመስሉ ግን ድማ ሓንፈሽቲ ብኻልእ መንገዲ ውን ዝከኣሎም ፈቲኖም ኣብ ድሮ እዚ ዓቢ ውራይ ሓፋሽ ነቒሑሎም ኢዩ፡፡

እዚ ክብል እንኸለኹ ግን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ዘይንብር ኩነታት ተርእዮታት ተራእዩ ከም ዘሎን፡ ተደጋገምቲ ጽዕቕ ዝበለ ኣኼባታት ክግበር ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ዝከታተልዎ ዘለዉ ይዕዘቡ ከም ዘለዉን ጭቡጥ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ ሓበሬታ እቶም ብደቒቕ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዘለዉ ሃገራውያን ተቓለስቲ ክሳብ እዛ መጠረሽታ ደቒቕ ኢሳይያስ ሞይቱ ንዝብል ሓበሬታ ከረጋግጽዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ፡፡ ካብ ሞት ዝተፈለየ ካልእ ሓበሬታ ኢዩ እቲ ከረጋግጽዎ ዝኸኣሉ፡፡ ኣብ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ምስጡርን ዕቡስን ናይ ውልቀሰባት ሰልፊ ወይ ጉጅለ ብኣግኡ ሓበሬታ ክትረክብ ዘሎ ተኽእሎ ውን ከቢድ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕጂ ብዘይተጨበጠ ሓበሬታ ኣንፈት ሰለማዊ ሰልፊ ከተማ ኒውዮርክ ኣመሪካ ከይስሕት ከቢድ ጥንቓቐ ከድልየና ኢዩ፡፡ እንተ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ዘይንቡር ተርእዮ ድማ ድሕሪዚ ዓቢ ውራይ ብሰፊሑ ብዝርዝር ምስ ዝተማለአ ሓበሬትኡ ናብ ኣንበብቲ ከቕርቦ ክፍትን ኢየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.