“ክሻ በል ክትድረር!”

“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 10 መስከረም 2015
ሓሙሻይ ክፋል

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና

ግርምቢጥ፡ ናባና ኢዩ’ኮ ተራእዩ ዘሎ። ‘ክሻ በል ክትድረር’ ፈጺሙ ዘይወሓጠለይ ቴማ ኢዩ። ዝተጋደለ ዝጉህየሉ፡ ዘውደልደለ ዝነግሰሉ ግዜ ኢዩ ኮይኑ። ናይ ጽሑፍቶ ጉዳይ’ዩ፡ ሙሉእ ንእስነተይ ናጽነት ሃገረይ ኣብ ምምጻእ ኣሕሊፈዮ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ በዞም ኣድብዮም ዝነበሩ ተዃሉ ቁማር ተበሊዑ ኣሎ። ኮር ተገልበጥ! ብድሕሪ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝኸፈልናሉ ጉዕዞ 30 ዓመታት፡ ሕድሪ ሰማእታት ተጠሊሙ። ሕድሮም ንምትግባርን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካልን፣ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ጉዕዞ ረመጨት ገድሊ፡ መብጽዓይ ንምትግባር ቀለመይ ክሳብ ዘቋርጽ፡ ረሃጸይን ደመይን… አረ ሂወተይ’ውን ክውፊ ቅሩብ እየ።

ደረቐኛ ውሕጅ፡ ኣብ ክንዲ ዘንቆልቁልሲ የንቃዕርር! እቶም ኤርትራ ወርቂን ብሩርን ከፊላ ዘምሃረቶም ሊቃውንቲ፡ ገለ ደስኪሎም፡ ገለ ተኣሲሮም፣ ገለ ከኣ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም። ዓጀብ፡ እቲ ኣብ ሰንዓፈን ደቀምሓረን ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ዝተማህረ ክሻ ድማ፡ ተረካብ ካዝና ገንዘብን ወርቂን ኤርትራውያን ኮይኑ ያኢ! እቲ ዘገርም፡ ኣብ ደገ ዘሎ ምስሊ’ዞም ነገደ-ኢሳይያስ ካልእ ኢዩ። ሊቃውንቲ፡ ዝለዓሉ ምሁራት፡ ኣዝዮም ፈላጣት፡ ፍሉይ ተውህቦ ዝተዓደሉ መስተውዓልቲ ሰባት ኢዮም ዝመስሉ። ደገኦም ንምጽብባቕ፡ ብሰባት ንዝህልዎም ኣመለኻኽታ ግዙፍ ንክኸውን ከኣ፡ ፖለቲካዊ ኮስሞቲክን ኣዝማልቶን ክለኽዩ ዝውዕሉ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

“ዋው! ክሻ’ኮ ንበይኑ’ዩ፡ ፍሉይ ናይ ማተማቲክስ ተውህቦ ኣለዎ። የማነ ገብረኣብ’ኮ ረቂቕ፡ ኣርሒቑ ዘስተውዕል፡ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎ ፍጡር ኢዩ። ትምህርቲ ናይ የማነ ቻርሊ’ሞ ፍሉይ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እኮ’ዩ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘሎ” ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ብዙሓት መናፍቓንን ደናቑርን ኣለዉ። ውሽጦም ንዝፈልጥ ግን፡ ዝነፈሱ ካላማደርያታት ኢዮም። መን ይኣምን፡ ክሻ ዓስራይ ክፍሊ ጥራይ ዝተማህረ ሰብ ኢዩ እንተተባህለ። ብዛዕባ ትምህርቲ ክሻ፡ ዶክተር ኣማረ ተኽለ ይተሓተት።

“ጻመውከ ለከንቱ ኤሳው!” በለ መጽሓፍ ቅዱስ። እቲ ገባር ድማዕ ተፈዳይ ሕሰም ህዝበይ፡ ብሰንኪ ክሻን ሓለቕኡን ከምዚ ክፍደ ድማ ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ። ምምሕዳር ኤርትራ ከም እምኒ ሩባ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን መሸከሉ ዘይፍለጥ ዕንኪላሎ ምምሕዳር ኢዩ። ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ፡ ባይቶ ዝተሓረማ፡ ናጻ ፕረስ ዝተነፍጋ ብውልቀ መላኺ፡ ፍሉይ ኣቀማቕማ ሂትለር ብዘዘውትር ዘሎ ጋኔን ቀትሪ እትውነን ዘላ ሃገር ኢያ። ብሰንኪ ቃሕታዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ከኣ፡ ዘመነ ኣካሒዳ፡ ናብ ዘመነ ክሻ በጺሕና። ቀዳሞት ወለዲ ዘስካሕክሑሉ ዝነበሩ፡ ዘመነ ኣካሒዳ ዝበሃል ግዜ ነይሩ ኢዩ። እቶም ናይ ሽዑ ኣቦታት፡ ነቲ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ዝነበረ ምረት ንምግላጽ፣ “ሓምለ ብሓምሊ፡ ነሓሰ ብቆጽሊ… መስከረም ተጸቢኻስ ጥቅምቲ ናብ እኽሊ” ዝብል ናይ ተስፋ ብሂል ነበሮም።

ሽዑ መን ዝተባህለ ንጉስ ነጊሱ ከም ዝነበረ ሕጂ ኣይዝክርን። ናይ ሎሚ ዘመን ኣካሒዳ፣ ዘመን ሓጎስ ክሻ ግን፡ ሓምሊን ቆጽሊን ዘይብሉ፡ መመሊሱ ዝሕንድግ ገያጽ ግዜ ኢዩ። መንእሰያት ከም ዘመነ ግልያነት ዝሽየጡሉን ኮላሊቶም ዝጥብሑሉን፡ ጅምላ ደቂ ኤርትራ ኣብ ባሕርታት ቀለብ ዓሳታት ኮይኖሙሉ ዘለዉ፡ ግዜ ጥልመትን ውራ-ውራን ኢዩ። ዘመነ ክሻ ዘመነ ኮንትራባንድ፡ ዘመነ ቅትለትን ህልቂትን ኢዩ።

እዚ ገናድ ግዜ እዚ፡ ብሰባት ዝተፈጥረ ወጅሃት’ምበር፣ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ግዛዕ ኣይኮነን። ግን ስለምንታይ ተደልየ? እዞም ሎሚ ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን ህግደፍ ወሰንቲ ዘለዉ ሰባት’ከ መበቆሎም ካበይ ኢዩ? ንምንታይ ደኣ ናብ ክፍኣት ግብሪ ተጸሚዶም ክነብሩ መሪጾም? “እ…እ…እ!” በለት ጤል ዓዲ ዃላ። እዚ ብዳግማይ ኣካሒዳ ዝልለ ዘመነ ክሻ፡ ‘ክሻ በል ክትድረር!’ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ‘ተውሳኽ ሞት ኣቡኦም፡ ያሒት ሞባኦም’ ከም ዝበሃል፤ ብዙሓት ሰበስልጣን ህግደፍን ጀነራላቶምን ሓለፋ ህዝቦም ንምርካብ ኣብ ቅድሚ ሓጎስ ክሻ ተንበርኪኾም፣ ይሰግዱን ሞባእ ውስልትና ይልግሱን ኣለዉ። ኣባ ጉምባሕ ደኣ ዘይግራቱ ይኾልል’ምበር፡ ሰብ’ዶ ኣብ ዘይመሬቱ ይኾልልን ይነግስን ኢዩ? ቀደም ግዜ፡ “ዝባን ንጉስ፡ ዝባን ጃንሆይ እግረ-እግረይ ከይትገድፍ” ይበሃል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዘመነ ክሻ ከኣ፡ ናብ ክሻ ዝተጸገዐን ናብኡ ዝሰገደን ይድረርን ይረትዕን ኣሎ።

ሓጎስ ክሻ፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዱ ኣብ ሰንዓፈ ምስ ኣሙኡ ዝዓበየ፣ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ፣ ኣብ ኣሜሪካ (ኤናሰኤ) ሓፋሽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝፍለጡ ዓበይቲ ናይ ገበን ምስጢራት ኣለዉ። ክሻ ከኣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝነበረ እሙን ልኡኽ ኢሳይያስ ኢዩ። ኣያ ዘለዎ ኣራፊዱ ይመውት! ኣያ ስለዝረኸበ፡ ኢሉ ኢሉ ከኣ ኣንበሳ ኤርትራውያን ናብ ምዃን ደረጃ በቒዑ ኣሎ።

ያ ኣኽዋንና! ዋዛ ዝመስል ተረካብ ዘረባ ኣሎ። ክልተ ሰባት ርእስኻ የላን እንተደኣ ኢሎሙኻ፡ ሃሰስ በላ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ከኣ ኣብዛ ምድረ ሰማእታት ሃገርና ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ሃብቲ ሃገርን ህዝቢን ወሳኒ ተራ ዘለዎ ክሻ ኢዩ። ክሻ በቲ ዝሓበለ ቢኒኮሎ ኤርትራውያን ክጥመት እንከሎ፡ ድኻ ማርያም ተሓጻብ ማጨሎት! ተራ ተሓዝ ገንዘብ መንግስቲ ህግደፍ ኢዩ ዝመስል። ልዕሊ ሚኒስተር፡ ልዕሊ ኣማሓዳሪ ዞባ፡ ልዕሊ ጀነራል ምዃኑስ ኩላቶም ሰብ መዚ ህግደፍ ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ። መንግስቲ ህግደፍ ንምሕላው ፍሉያት ኣኽላባት ንምስልጣን፡ ክሻ ዶላራት ዝዕድል እንኮ ምሩጽ ወዲ ውሻጠ ኢዩ።

ኤርትራውያን ሰበስልጣን ህግደፍ፡ መራግእቶም ብኣቼቶ ዝዘረጉ ህዝቢ ኢዮም። ኣብ ዘመነ ክሻ ሓሞት ምጅላሕሲ መወዳእታ የብሉን! ጓል በረኻ ደኣ ዘይሓረሰቶን ዘይጻህየየቶን እኽሊ ትበልዕ’ምበር፡ ሰብ’ዶ ካልኦት ዝደኸሙሉ፡ ዝተሰውኡሉን ዝሰንከሉሉን ጸጋ እናበሓተ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ይበሃል ኢዩ። ንመስተንክር ክኸውን ከኣ፡ ‘ንዓመታ ዝጽለል ሎሚ እምኒ ይድርቢ’ ከም ዝበሃል፤ ሜዞ-ማቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዒላ ዓዲ ሃሎ ጥላም ሳእኒ ወድዩ ኣባጊዕ ክሕሉ ኣብ ዝውዕለሉ ዘሎ ግዜ፣ ክሻን የማነታትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ መእሰሪ ከም ዘይብሉ ማእዶ ንምብትታን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስጢራዊ ኣኼባታት ክገብሩ ወሪሖም ኢዮም። በርበረ ባዕልኻ ገዚእካዮስ ይልብልበካ! ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ፣ እዞም ሰባት ባዕልና ኣምጺእናዮም። ክሳብ ዝዕንትሩን ቅልጽም ዝገብሩን ድማ ከም ዝኑብ ጥሪት ትም ኢልና ርኢናዮም።

ኢሳይያስ፡ ብዘይካ’ዞም ሰባት እዚኣቶም ዝእመን ሰብ ከም ዘይብሉ ይነግረና ኣሎ። እስከ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኻ ብዘየገድስ ስለምንታይ ኢዩ ኢሳይያስ ንኣማኢት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ናብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ኣሲሩን ቀንጺሉን ነዞም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ፍሉይ መለለዪ ሕላገት ዘይነበሮም፣ ጥይት ኳሕ ዘየበሉ፡ ልጓም ቦምባ ዘይፈትሑ፣ ንሓጎስ ክሻ፡ ንየማነ ማንኪ፡ ንየማነ ቻርሊ ናብ ፍጹም ናይ ገንዘብን ፖለቲካዊ ስልጣንን ብሕትውና ኣሰጋጊርዎም ኢልካ ሕሰብ። እወ ‘ንህልኽኩም ሽሮ’ ዝብል ህልኸኛ ውድድር ገዲፍካስ ሕሰብ ደኣ! ‘ዝብኢ እንታይ ይመስል? እግሩ ይሕንክስ፣ ኣፉ ይነክስ’ ከም ዝበሃል፡ ክሻን መዛንኡ የማነታትን ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል ይሕንክሱ፤ ዕላማ ኢሳይያስ ንምትግባር ከኣ ይናኸሱ።

ታሪኽ ንምዝካር፡ ስዉእ ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ እምቢ ንትእዛዝ ክሻ ዝበለ እንኮ ኤርትራዊ ጅግና ኢዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን ጅግና ሜ/ጀ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ምስ ክሻ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳያት ተሰማሚዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብቲ ብወርሒ ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ብዛዕባ ኢሳይያስ ናብ ኣዛዚ ምብራቓዊ ግንባር ዝነበረ ሜ/ጀ ሃይለ ሳሙኤል /ቻይና/ ንምዝላቕ ካብ ዓሰብ ዝምልከት ሕቶ፣ ኣብቲ ወሳኒ እዋን፡ ብዛዕባ ምጥፋእ መብራህቲ ወደብ ዓሰብ፡ ምጉራት ኣጽዋር ምብራቓዊ ግንባር ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ፡ ብዛዕባ ምስጓጉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ካብ ኤርትራ፡ ረድኤት ዘይምቕባልን ካልኦት ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያትን፡ ናብ ኢሳይያስን ክሻን ከም ማይ ኣይሂ ዘኒቦም ነበሩ።

ጅግና ሜ/ጀ ብርሃነ፤ “… ኣብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓጎስ ገብረሂወት እንታዋይ ኢዩ? ገንዘብን ንብረትን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብደቀባት ዝተሓዝ፣ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ኣእትዩዎ ኣሎ። ኣብዚ ወራር’ዚ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝወፈይኦ ኣዋርቕ /ስልማት/ ከይተረፈ ተረኪቡዎ ኣሎ። ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ፡ ክንድዚ ዝኣክል ፍሉይ ሓለፋ ተዋሂቡዎ ከም ዘሎ ከኣ፡ ብንጹር ንህዝቢ ክበርሃሉ ኣለዎ” ኢሉ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ፣ ሽዑ ሰሚዕና ነበርና።

ሓጎስ ክሻ ክሳብ ብድሕሪ ምምስራት ህግደፍ፡ ከም ጎናይ ምራኽ ብኢሳይያስ ኣብ ሕዛእቲ ተፈንዩ ዝሰብሕ፡ ምስ ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲን ሚኒስተራትን’ውን ጽቡቕ ዝምድና ኣይነበሮን። እታ ምስ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ (ኤናሰኤ) ዝነበረቶም ጽንዕቲ ፈትሊ፡ ብድሕሪ ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ናቕፋ ኢያ ናብ ሓጺናዊት ገመድ ዝተቐየረት። ክሻ ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ሓፋሽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሰብ ኢዩ።

ኣበርክቶኡ ኣብ ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነት ክብርታት ከም ዘለዎ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ልዕሊ’ቶም ንእስነቶም ረሲዖም ርጅላን ቃርዒዶን ተመጊቦም፡ “ቅረበለይ ተመን!” ኣብ ሓደ በዓቲ ምስ ተመን ደቂሶም መንነቶም ዘመስከሩ፣ ሓለፋ’ቶም ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከፊሎም ንናጽነት ጋህዲ ዝገበሩ ጀጋኑ ኤርትራ፤ ልዕሊ’ቶም ምሁራት ኤርትራውያን ወርቃዊ መፍትሕ ክወሃቦ ግን፡ ዓገብ ኢዩ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል …

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.