መልቐስ ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ

መልቐስ
ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት
ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ

ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!!
ወየ!!!ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!!!ወየ!!! ኣነ!!!
መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ
ኣብ ዳምባ እንዳ ስላሴ ዝተወልደ
ዓጣን ደብሪ ብንእሱ ዘንጎድጎደ
ኣብ ባይቶ ንመናግርቱ ዘስገደ
ግዜዶ! ኣርከቦ ንሰማዩ ኸደ
እዋን ሓሰም! ኮይኑ ዝገደደ
ካብ ደቆም ኣርከበዶ! ዋላ ሓደ
ወዲ መን ተሪፉ!! ዘይተሰደ ።

ወዲ ዘመንፈስ ቅዱስ ወዲ ኣባ ኣማሓ
ከይዶምዶ! ኣለዳ ከይወጻ! እተን ኣሓ
ሓላው ሃይማነት! ነበሩ ጽሩይ ኣርሓ
ሕጂዶ ከይርከብ ዘብን ሰፋሕፈሓ
ንኹሉ ዘርክብሉ፡ እንተሎ ዘበን ቀባሕባሓ
ኣለዉ እኮ ብዙሓት፡ ዘየርከቡ ኣብ ንስሓ።

መልኣከ ገነት ተወልደ ፈታው ህዝቡ
ዓመታት ሓለፈ ሃወርያነት ብህቡቡ
ዳዊት ተኾልኩሎም እምነቱ ክዕቅቡ
ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ኩሉ ሰቡ
ወሓለ! ብዓል ኣላዝቦ! ጽሩይ ልቡ
ከምዚናትኩም!!! ኣለዉዶ! ዝርከቡ።

ኣቦይ ቀሺ ብንእሶም ልቢ ተዓዲሉ
ንኸስተብህል ኣእምሮኦም በሲሉ
ንዝተዛብዔ ዘረባ መኤረሚ ይረኽበሉ
ዝሓመመ ዘረባ ፈውሲ ይረኽበሉ
መማኽርቲ ጳጳሳት ኩሉ ዘርክበሉ
እንክምድሩ! ባይቶውን፡ ጽን ይብሉሉ
ገዲፍኩምልናዶ!!ንኽእለትኩም! ዝሕሉ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
መምህረይ ከይዶም ገዲፎሞ ዓዲ
እንታይ ክብሉ እዮም እቶም መሳድዲ
እንዳ ስላሴ! ዋሽንግቶን እምነት ዓንዲ
ነበርኩም ኣቦ! ናይ እምነት ጽኑዕ ዕርዲ
ብፍቕሪ ትመርሑ! ኣይነበርኩምን ብግዲ።

ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሞ ቕነ
ሊቀ ኻህናት ተወልደ ሃዋርያ! ዘበነ
ድምጺ ያረድ ኣብ ልቦም ዝቕንቐነ
ጥዑም ዝማረኦም ደብሪ ምስ ተዓጠነ
ማሕበር ሃዋርያ ኣበርቲዖም! ይቓዙነ
ካህን ናይ ተዋህዶ!! ካብ ቀደም ዝሓንሓነ።

እዞም ምህረይ ንኹሉ ዘርኽብሉ
ካብ ጣልያን ጀሚሮም፡ ክሳብ ግዜ ዝሓስመሉ
ድልየቶም ኣይነበረን፡ ሕሱም ዘበን ክርእዩሉ
ሕሰም እዋን!! ዝዓበየን!ዝነኣሰን! ዝተሻቀለሉ
ብዙሕ ቤተ ሰብ ነይሩ ኣብ ቀብሮም ክህሉ
ሕማቕ! ዘበን ስርዓት ሃገርና ጎዲሉ
በሉ! ንኽርስቶስ ንገሩልና ኩሉ ብጥቕልሉ
ሕሰም ሃገርና! ከይ ኣጉደልኩም ብኹሉ
ብኣምላኽ እዩ!!፡ ፍታሕ ዝወርደሉ።

እዞም መምህር እዞም ወለድቲ ሓቦኛ
ኣቦ ጽገ፡ ገብረ መድህን፡ ተኸስተ ሓርበኛ
ኣኮኣ! ንእዝግሃርያ እታ ጂግና
ኣዲኡ ንኣማኑኤ እያሱ ድምጺ ኣሰና
ኣኮኡ ንሉኡል ኣውሊዔየ!! ባንደራና
ኩሉ ቤተ ስብኩም ብዙሕዩ ሓርበኛ
ሃገር ኣይረኸበትን ጥዑይ ዳኛ
ንገሩልና ነቦይ እዝጊ ፈጣሪና።

መልኣከ ገነት ተወልደ ነቒሎም
ናይ መርየት ዕደሜኦም ጸጊቦም
ኣንታ እዞም ምህረይ ተዓዲሎም
ፍሽኽ እናበሉ መስቀል ኣብታ ኢዶም
ዝፈትዉዋ ዳዊቶም ተኾልኩሎም
መላእኽቲ ወሰድዎም ህሩግ ኢሎም
ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ በዓሎም
ኣንታ ንሶምስ!! ብዙሕ እዮም ረቢሖም
መላእኽቲ ወሰድዎም ተኾልኪሎም።

ንቤተ ሰብ ዘለኒ መልእኽቲ
ኣብ ላዕሊ ኮኑ፡ኣብቲ ታሕቲ
ኣብ ሩሕቕ፡ ኣብ ቀረባ መላዝብቲ
ኣየድልን ሓዘን ወጺእካ ኣብ ቅርዓቲ
ከምዚ ናቶም ዕደመ ይሃብ ንተረፍቲ
የውርደልና ሰላም ፍቕርን ንተረፍቲ
መንግስተ ሰማያት ንኣቦና መዋቲ
ጽንዓት ይሃብ ንቤተ ሰብ ንተርፍቲ
ምርቓኦም!! ይግበረልና ለምለም ሰቲ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና
9 መስከረም 2015

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.