ጋዜጣዊ መግለጺ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

ጋዜጣዊ መግለጺ

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡ መበል ዓሰርተው-ሓደ ስሩዕ ጉባኤኡ፡ ካብ 12-14 መስከረም 2014፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን፡ ኣቓኒዑ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ጽላል ሾሞንተ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዙ ዘይዉግን፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንምኽባርን፡ እጃሙ ንኸወፊ፡ ኣብ 2002 ዝቖመ ፡ ናጻ መርበብ ከኣ ኢዩ።

መርበብ፡ ኣብዚ ጉባኤኡ፡ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ገምጊሙ፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ ድሕሪ ምምዛን፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ኣገባብ ስርሓቱ ንምክያድ ወሲኑ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝምድናታቱ፡ ምስ ካልኦት መሓዙት ሲቪካዊ ማሕበራትን ሃገራውያን ዉድባትን፡ ሰፊሕን ክፉትን ዝኾነ ሓባራዊ ስርሓት ንምስላጥ፡ ኣሚሙ። ካብ ተልእኾኡ ብምብጋስ፡ መርበብ፡ ኣብ ንሃገራዊ ረብሓ ዘገልግል ዲሞክራሲያዊ ቓልሲ፡ ብዕቱብነት ንኽዓይይ ብምትላም፡ መደባት ስራሕ ዓመተ-2015 ሓንጺጹ።

መርበብ፡ ንመሰል ብሄራት ብማዕረ ይጥምት፡። ኣብ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኣምንን የኽብርን። ቕዋማዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ፡ ኣበርክቶ ንምግባር ድልዉነቱ፡ ደጊሙ የረጋግጽ። ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዉድባት፡ ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ ዝኽሰተሉ ፡ ነቶም ፍልልያት ንምጽባብ ኣብ ምትሕግጋዝ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናብ ዕርቒ ንምብጻሕ ፡ ናይ ምቕልጣፍ (catalyst) ሓላፍነት ንኽስከም ይጽዕት። ብጊሓቱ፡ መርበብና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ፡ ዕላማ ኾነ ጥሙሕ ኣይነበሮን፡ ሕጂ እውን የብሉን።

እቲ መርበብ፡ ተራ በርጌሳዊ ማሕበር ንምጽዋት ኢሉ ብምሕላን፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡ መንበር ሒዙ ዘሰላሰሎ ንጥፈታት፡ ህርፋን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዝነበሮን፡ ንዕኡ ንምርካብ ከኣ ፡ ኣብ ዉድድር ከም ዝኣተወ ገይሩ ዝወሰደ፡ ግጉይ ርድኢት ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ምንባሩ ተገንዚቡ። በዚ ድማ፡ መርበብ ንሕሉፍ ተሞክሮኡ ኣብ ባይቶ፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ይጥምቶ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክጥቀስ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ መትከልን እምንቶን መርበብ፡ መርበብ ኣብ ጸወታ ሰልፋዊ ፖለቲካ (game of party-politics) ኣይኮነን ዝርከብ። የግዳስ፡ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ፖለቲካ (national politics)፡ እሞ ድማ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ህላውነታ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ዝተወደበ ኣሃዱ ይኹን ዘይተወደበ ዉልቐ-ሰብ፡ ከም ዜጋን ከም ሰብ-እጃም (Stakeholders)ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዓቕሙ ክሳተፍን ከበርክትን ይግባእ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ምኽኑይነት ንምብራህ፡ መርበብና ኣብቲ ዋዕላ ንኽዋሳእ ዝቐሰቦ፡ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ የንቆልቁል ብምንባሩን ብምጽንሑን፡ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ከኣ፡ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕጊን፡ ብዘላቶም ዓቕሚ ብሓባር ኮይኖም ክዋስኡ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ኢዩ ኢልና ስለ ዝኣመንናን ሕጂ’ውን ስለ እንኣምንን ኢዩ። ምስዚ ብዝዛመድ፡ ብዝከኣል መጠን ንኩላቶም ኣብ ግዳም ዘለዉ ዲሞክራሲያዊ ሃገራውያን ሓይልታት ብዘሳትፍ መልክዑ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽኻየድ ካብ ከባቢ 2004 ኣትሒዝና፡ ክንደፍኣሉን ክንቓለሰሉን ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ። ነዚ ድማ፡ ከም ኣገባብ መጨበጢ ፖለቲካዊ ስልጣን ጌርና ጠሚትናዮ ኣይንፈልጥን። ኣይኮነን’ውን። ኣብ 2010 ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክንሳተፍ ዝወሰንናሉ፡ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኽን ሃዉህውን ዝጠለቦ ፡ ብምንባሩ እዉን ኢዩ።

እምበኣርከስ፡ መርበብ ሕጂውን ካብቲ ቓልሲ ከይተጎናደበ፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብቐጥታዊ ሱታፌ፡ ንኸበርክቶ ኣሚትዎ ዝነበረ ዕማም ንኸሰላስል፡ እቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ስለ ዘይሓገዞ፡ ኣገባብ ኣቐላልስኡ ኣብ ምምዕርራይ ይርከብ።

ክንዲ ዝኾነ፡ መርበብና ፡ ነቲ ክብ ክብል ዝተነጸረ ዕላምኡ ንምጭባጥ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ክንዲ ከምቲ ዝሓለፈ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ኣብ ካልእ ነታ ሃገር ክጸልዉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ትካላትን መድረኻትን፡ ወንበር ሒዙ ብቐጥታ ዝነጥፍ፡ ኣብኡ ቐዋሚ ቦታ ተዓዛቢ (Observer status) ረኺቡ ፡ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ከሰጋግርን ከወጥሕን ዝኽእል መናብርን ቦታታትን ከይሓዘ ፡ ናይ ዓራቒ፡ ኣቐራራብን ሃናጽን መዝነት ንምስካም ኢዩ ወሲኑ።

ንምጥቕላል፡ መርበብና፡ ነዚ ተሃዋስን ዘተሓሳስብን ኩነታት ህዝብና ፡ ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋምን ምምይያጥን ፡ ምስ ኩላተን ሃገራዊያን ዲሞክራሲያዊያን ሓይልታት፡ ኢድን ጓንትን ብምዃን ፡ ብሓባር ጸሚድና ክንገጥሞ ፡ መጸዋዕታና ነመሓላልፍ።

ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡-

ኤርትራውያን ንፍትሕን ንዲሞክራሲን – በነሉክስ
ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ንሰብኣዊ መሰላት – ጀርመን
ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም – ጀርመን
ኤርትራዊያን ንሰላምን ዲሞክራስን – ስዊዘርላንድ
ምንቕስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን – ኖርወይ
መቓልሕ ኤርትራ – ጀርመን
ህዝባዊ ምንቕስቃስ ንዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ – ሽወደን
ማሕበር ስኒት ሰላም – ጀርመን

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!!

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ
15 መስከረም 2014
ፍራንክፈርት – ጀርመን

ቃል መቓልሕ ፎርቶ መጽሔት ብዓርቢ ሓርነት

ቃል መቓልሕ ፎርቶ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተሓቲማ እትዝርጋሕ መጽሔት ብዓርቢ ሓርነት እትዳሎ መጽሔት መቓልሕ ፎርቶ መስከረም 2014/9/19

PDF: 6ይቲ ሕታም ምሉእ ትሕስቶ…

 

 

ዕራርቦ ጸሓይ!

ዕራርቦ ጸሓይ!

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ሎሚ 18 መስከረም ኣብ ኤርትራ ጸሓይ ኣዱንያ ዝዓረበትሉ መዓልቲ ኢዩ። ሎሚ ንጉጅለ 15ን ምኩራት ጋዜጣኛታትናን ብምዝካር ብዓቢ ሓዘን እንዝክራ መዓልቲ ኢያ። ሎሚ ዕድል ኤርትራ ናብ ኢድ ሓደ ሰብ ዝኣተወትሉ መዓልቲ ኢያ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ መኣዲ ሰላም ዝተደፍኣላ፡ ዲሞክራሲ ዝተዓምጸጸትላ፡ እቲ ንብረት ህዝቢ ዝኾነ ቅዋም ናብ ከብሒ ኢሳይያስ ዝኣተወትላ መዓልቲ ኢያ።

18 መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዓቢ ሓዘን ክዝክራ ዝግበኣ መዓልቲ ኢያ። ሓደ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ካብ 2001 ክሳብ ሎሚ 2014፡ ን13 ዓመታት ኣብ ጉድጓድ፡ እሞ ከኣ ብማሕዩር ተቐፊዱ ከመይ ኢሉ ይነብር? እሞ ከኣ ኣብ ገድሊ ዝደኸመን ጨው ዝፈረየን፡ ጥዕና ዝወሓዶን ብዕድመ ዝደፍአን!

እስከ ነቲ ሕሰምን ምረት ዒራዒሮን ብሕልና ነስተማቕሮ! ኣንታ ህዝቢ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ’ሞ ርኣዮ! ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ኣርካናት ሃገር ኣጥፊእካ’ዶ ደቂስካ ይሕደር’ዩ? ንሳቶም ኢሳይያስ ከም ዝኣስሮም እናፈለጡ ኢዮም ደው ኢሎም ተጸብዮሞ፡ እቲ ምንታይ ናባና፡ ናብዞም ህዝቢ ኤርትራ እንበሃል ምሉእ ዘይጉዱል እምነት ስለዝነበሮም። ኢዩ። ሓደ ካብዞም ’ገበርቲ ድማዕ ተፈደይቲ ሕሰም፡’ ኣብ ዱሮ ምእሳሮም ንበዓልቲ ቤቱ፣ ”ምእሳርና ዘይተርፍ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን ጸበባና ካብ ኣዋርሕ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ንዓና ኣሲሩ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ኣየደቅሶን ኢዩ፡ ኣጆኺ ኣመት ደቅኺ ግበሪ! ናይዛ ነጻ ቀረጽ መኪና ዕዳ እንተሓተቱኺ፡ ኣይትሸገሪ ወላ ይውሰዱዋ ሃብዮም! ኣይትሕመቒ ክንራኸብ ኢና!” ኢሉዋ ነበረ።

ከም ዝበሎ ብድሕሪ ምእሳሩ፡ ናይ መኪና ዕዳ ንክትከፍል ሓተቱዋ። ከምቲ ዝተባህለቶ ከኣ “ውሰዱዋ” በለቶም። እንተኾነ ኣብቲ ዝነበረቶ ሚኒስትሪ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ነቲ ጉዳያ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዋጺኦም ዕዳ መኪና ከፈሉላ። እሞ ከምቲ ዝበሎ’ዶ ቀጺሉ? ስለምንታይ ዝበለ ጀነራል፡ ሚኒስተር፡ ሰራዊት ወይ ህዝቢ’ኸ ኣሎ ድዩ?

ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብዞም ኣርካናት ገድሊ ሓደ ሰብ ንደገ ወጺኡ እንተዝነብርሲ እንታይ’ኮን ምገበረ? እስከ ሓደ ሰብ ጴጥሮስ ሰለሞን ወይ ዑቕበ ኣብራሃ፡ ኣስቴር ፍስሓጽዮን ወይ ሚርያም ሓጎስ፡ ሓመድ ሕምድ ወይ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ጀርማኖ ናቲ ወይ እድሪስ ኣባ ዓራ! ንደገ ወጺኦም ነይሮም እንተዝኾኑ? ሃይለ ወልደንስአ /ድሩዕ/ በቲ ኣብ ደገ ዝነበሮ ተሪፉ ነይሩ እንተዝኸውን? እስከ ማሕሙድ ሸሪፎ’ኸ ከም ገለ ክብል ንደገ እንተዝተርፍ? ወይ’ውን በራኺ ከምቲ ኣብ ደገ ዝነበሮ ”ትረፍ! ሰብኣይ ክኣስረኩም ይቀራረብ ኣሎ” ምስ ተባህለ፡ ኣብ ኤውሮጳ ተሪፉ ነይሩ እንተዝኸውን … እንታይ’ኮን ምገበሩ?

ብትኽክል ኣብ ደገ ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ህዝቢ ወዲቦን ኣዕጢቖምን ምተዓወቱ። ሕነ ብጾቶም ንክፈድዩ፡ ክሳብ ዋጋ ሂወቶም ብመስዋእቲ ምኸፈሉ። እቲ ምስኦም ዝፈረመ ገዲም ብጻዮም ደኣ እንታይ ረኸቦ? እንታይ ደኣ እቲ ንለውጢ ዝፈረመ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ህዝቢ ኣብ ምውዳብን ምዕጣቕን፡ መንእሰያት ኣብ ምብርባርን ሕነ ብጾቱ ኣብ ምፍዳይን ገለ ቅንጣብ ለውጢ ዘይገበረ? በቲ ሽዑ ኣብ ሰራዊትን ህዝቢን ዝነበሮ ተሰማዕነት፡ ሕነ ንክፈዲ ተበጊሱ እንተዝነብርሲ ሎሚ ኣብ ከመይ ምሃሎና? ብርግጽ፡ ብድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ኣስመራ፤ ”መስፍን ሓጎስ ኣብ ከሰላ ሰራዊት ይእክብ ኣሎ። ብወገን እግርማይካ መጥቃዕቲ ክገብር ኢዩ። ሃገር ሕሰማ ከብቅዕ’ዩ!” ይበሃል ከም ዝነበረ እዝክር።

ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ነዚ ወረ’ዚ ሰሚዖሞ ስለዝነበሩ ድማ፡ ምስኡ ንምጽንባር ድሉዋት ከም ዝነበሩ ኣጸቢቐ ዘረጋገጽኩዎ ጉዳይ ነበረ። ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ባር እንዳ ነብያት መብራህቱ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላል ነዕልል ነበርና። ስለዚ እቲ ካብ ቁራዕ ዒራ-ዒሮ ዝወጸ መስፍን ሕነ ብጾቱ ንክፈዲ ተበጊሱ እንተዝነብር፡ እቶም ኣብ ስንጭሮ ዒራዒሮ ዝሓቐቑ ኤርትራውያን’ውን ሎሚ ምስ ህዝቦም ምሃለዉ! መስፍን ምስ ደለይቲ ቅዋም ብደም ፈሪሙ እንተነይሩስ፡ ስለምንታይ ብግብሪ ዘይተበገሰ? ከምቲ ንራእሲ ወልደንኪኤል ወዲ እምበይተይ ኢለኒ፡ “ህዝቢ’ዶ ኢሉካ ኣይምክትን? ቀሺ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን፡ ክትዕወት ክትወድቕ ዘይትፍትን …” ዝበሎ፡ ንመስፍን’ከ፡ ህዝቢ’ዶ ኣብዩዎ?
መንእሰይ’ዶ ሓንኲልዎ? ኣቕሽሽትን መሻይኽን’ዶ ኮነንዎ? ባጀት’ዶ ውሒድዎ?

እህምምም! ”ጥራይ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ኣጥፍኣልና’ምበር፡ ዘድልየካ ገንዘብ ሕተት። ንመበገሲኻ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክውፊየልካ ድሉው’የ” ዝበሎ ሰብ’ኮ ኣብ ኣሜሪካ ብሂወቱ ኣሎ’ዩ! እዛ ጉዳይ፡ ስሳስ ኣላታ! ስለዚ ’ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብልዓዮ’ ከም ዝበሃል፡ ህዝበይ፡ መጓዕዝትኻንዘይመጓዕዝትኻን እንተዘይፈሊጥካ፡ ኣዲዮ!!

ሕነ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምፍዳይ፡ ካብ ዳግማይ ላምፐዱሳ ንምድሓን ሎሚ ሰሚርካ ተበገስ! ”ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እዚ እንታይ ማለት’ዩ? ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ! ገለ ዘይተኸፍለ ናይ ሓጥያት ዕዳ ደኣ ኣሎና ኮይኑ’ምበር፡ ዕየት ዘጥፍአ ጓሳ’ውን ደቂሱ ኣይሓድርን ኢዩ፡ ናይታ ዝጠፍአት ንብረቱ፡ ብሂወታ ወይ ብሞታ ኣሰር ከይረኸበ’ዶ ይድቅስ’ዩ?

ዋእ ዋእ ዋእ! ኣይ ግድን ንሕና ኤርትራውያን! ክሕደት፡ ኣርቲፊሻልነት፡ ምፍልላይ፡ ጥልመት፡ ብገንዘብ ምስዳዕን ጉዳይ ሃገር ምርሳዕን ጉዝጓዝና ጌርናዮ። ሓቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ንሓድሕዶም ክጫነዉሉ ዝግባእ ግዜ ኢዩ’ሞ፡ ህዝበይ ስለ ሃገርን ክብሪን ሎሚ ከም ሓደ ሰብ ሰሚርካ፡ ተጫኖ!

ደጊም ዝተረፈ የለን! ሃገር ናብ ፍጹም ጥፍኣት ገጻ ኢያ ትኸይድ ዘላ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንግዳያት ዒራ-ዒሮ!

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….? ሓምሻይ ክፋል

                      ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….?

ሓምሻይ ክፋል

ሓምሻይ ክፋል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ፡ ድሮ 18 መስከረም የዳልዎን ይዝርግሖን ብምህላወይ፡ ነቲ ዕለት ዝያዳ ከድህበሉ ክግደድ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራን ልሳን እቲ ድምጹ ዝተዓፈነ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ውፉያትን ተባዓትን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ልባዊ ክብርን ዝኽር ብስም ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ይብጸሓዮም፡፡ ኣይረሳዕናዕኩምን ኣብ ከብሕታት ልብና ጽኑዕ መሰረት ኣምቢርኩምን ተኺልኩምን ኢኹም፡፡ እቲ ዝወላዕኩሞ ሽግ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሎሚ  ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከቢድ ባርዕ ፈጢሩ ነቲ ቀታልን መላኽን ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ከንድዶን ክህሙኾን ተቓሪቡ ኣሎ፡፡  ደጊመ ክብርን ዝኽርን ንኹሎም እቶም ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ደው ብምባል ክሳዶም ንሴፍ ዝሃቡ ውፉያት ተቓለስቲ!!

በዚ ኣጋጣሚ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባና ምእታወይ፡ ንኹሎም እቶም ኣብቲ ኣልዒለዮ ዘለኹ እዋናውን ኣዝዩ ተኣፋፍን ጉዳይ፡ ምኽርን ርእይቶን ነቐፌታን ዝሃቡኒ ግዱሳት ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ይብጸሓዮም፡፡ ብፍሉይ ስለ እቲ ሃናጺ ምኽራን ርእይቶኣን ንኣልማዝ ጓል ኣስመራ ኣመስጊነ ንኣመስጋኒ ሂበያ ኣለኹ፡፡ ንኹሉ እቲ ዝመጻኒ ምኽርን ርእይቶን ነቐፌታን ክምልሶም ዝሕተቶም ሕቶታትን ከምልሶም እንተ ዝኽእል ክንደይ ኮን ደስ ምበለኒ፡፡ የግዳስ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ንኹሉ ከከምቲ ዝደልዮ ክትምልሰሉን ክትኮነሉን ዋላ እውን እንተደለኹ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ካብቲ ዘልዓልኩዎ ቀንድን እዋናውን ጉዳይና እውን ከውጽኣናን ኣብ ሓሸውየ ከእትወናን ኢዩ፡፡ ከም ውልቀ ጀማርን ብዙሕ ዝጎድለንን ጸሓፋይ፡ እቲ ክምልሶ ዝኽእል እቲ ዝፈልጦን እቲ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ዝኣመንኩሉን ዝቃለሰሉ ዘለኹ መትከላዊ እምነተይን ጥራይ ኢዩ፡፡

ማዕሪኡ ድማ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ወይ ዝተበታተነት ኤርትራ ክትህሉ ኢዩ ዝደሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኢዱ ዘይኮነ እግሩ እውን የተኣታቱው ኣሎ፡፡ ኢሳይየስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ወያነ ኢሂወደግን ብማዕረ ኣብ ምድኻም ኤርትራ ተጸሚዶም ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ካልእ ካልእ…… ኣብቲ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ ሓሸውየ ዘእትዉ ዘለዉ ወረታት፡ ካብቲ ቀንዲ ሓዲድ ቃልሲ ኣውጺኦም ሞትን ስቓይን ስደትን ኤርትራውያን ንኽቕጽል ካባ ተቓወምቲ ለቢሶም ጫሌዳ መንገዲ ንዝፈጥሩ ዘለዉ ኣካላት ጭብጥታት ብምስናይ ክድህሶም ክፍትን እየ፡፡ ብዓቢኡ እውን ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ  ኣብ ረግረግ ዓዘቕቲ ተሸኺሉ  ኣይክሰርሕ ኣይ ከስርሕ፡ ኣይክመርሕ ኣይክምራሕ ንቓልሲ ንሓርነት ጅሆ ሒዝዎ ኣሎ ጭቡጥ ሓቂ ሒዘ ተኣማንን ሚዛናውን ብዝኾነ መልክዑ ክትንትኖ እየ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ድማ  ነቲ ሓላኽን በታንን ተለኻኺምና ንጥፋእ ዝሕላገቱ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ኢሳይያሲዝምን ንዕኡ ጉልባብ ገይሮም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ኣካላትን ህዝቢ ክፈልጦም፡ ብፍሉይ እውን እቲ ንቓልሲ ተበጊሱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣይፋልኩምን ቅድም ቀዳድም ገዛና ነጽሪ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዓራትና ዘሎ ጨካን ገበል ንቕተል ኢሉ ፊት ንፊት ንኽገጥሞም ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን ጉዳይና ባዕልና እባ ወዘተ ወዘተ…. ካብ ናይ ቃልሲ መኣዲ ንኸይቦክር ኣመት ንምሃብ ኢየ፡፡ ደጊመ ስለ እቲ ሃናጺ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም የመስግን፡፡

ሎሚ 18 መስከረም 2014 ኢዩ፡፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ፍጹም ዘይራኸቡ ዝኽርታትን ፍጻመታትን ዝሓዘት ወርሒ መስከረም፡፡ ሓደ መስከረም መስዋእቲ ክንከፍልን ናጽነትና ብሓሊ ብረት ከነራጋግጾን ጠበንጃ ዘልዓልናሉ እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ወርሒ ኢዩ፡፡ ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን 18 መስከረም ብተመሳሳሊ ከምቲ ንናጽነት መስዋእቲ ክንከፍል ዝተቐረብና፡ ንሓርነትናን ዲሞክራስያዊ ፍትሕን እውን መስዋእቲ ከም ንሕተት ጀጋኑና ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ብምባል ኣብ ሓቂ ደው ኢሎም ክሳዶም ንበሊሕ ሴፍ ብትብዓት ዝሃብሉ ዕለት ኢዩ እውን፡፡ ስለ ዝኸነ ወርሒ መስከረም ንናጽነትን ሓርነትን ከቢድ  መስዋእቲ ክንከፍል ምዃና ብደም ጀጋኑ ኤርትራውያን መብጽዓ ዝኣተናሉ ዕለት ኢያ፡፡ ብኣንጻሩ 18 መስከረም 2001 ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ታሪኹ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ምዕፋንን ምሕቃቕን ታሪኽ ጸሊም መዝገብን ደምን ምዃኑ ብግህዶ ዝረኣናሉን ዝፈለጥናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ 18 መስከረም ኣብ ኤርትራ ጠበንጃን ሓይልን ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ፡ ድምጺ ህዝቢ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ከም ዝተሎግመ ዝረኣናሉን ዘረጋገጽናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ ወርሒ መስከረም ክልተ ዝተፈራረቐ ዝኽሪ ሓበንን ኩርዓትን ዝኽሪ ጭካነን ሓዘንን ኢያ ንዓና ንኤርትራውያን፡፡

ሓምሻይ ክፋል ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንመን ድኣ….? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ 18 መስከረም ክዝርግሖ እንከለኹ ብቐጥታ ምስቲ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ ስለ ዝተኣሳሰር እውን ኢዩ፡፡ እቶም ኣብ 18 መስከረም ብእዉጅ ሕልፈቶም ማሕዩርን ምዕፋንን ዝኾኑ ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ  ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝቐረበሎም ናይ ጠቐነ ክሲ እዚ ሕጂ ዜማ ጥራይ ተቐይርዎ ብተደጋጋሚ ክጋዋሕ ንሰምዖ ዘለና ግጥሚ ኢዩ፡፡ በቲ ኢልካ በቲ ኢሳይያሲዝም ኣዕናውን ኣባህራርን ኣጠራጣርን ስነ-ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሕበሩ ድኣ ቀያይሩ እምበር ተፈጥሮ ባህርያቱ ካብ ምፍላም ህዝባዊ ሓይልታት መጀመርያ ሰብዓታት ጀሚርካ ክሳብ እዛ መጠረሽታ ዕለት ሓደ ኢዩ፡፡ ንሓቀኛታትን በላሕትን ምሁራትን ተኣመንትን ተቓለስቲ ብትሕቲ ሃገራውነት ምውንጃልን ምቕታልን፡፡ ጸለምቲ መዝገባት ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ መንካዕ የሚን ጀሳውስ ሓምሻይ መስርዕ ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ምስ እትምርምሮ ሓደ ተሓላቒ ኤርትራን ኤርትራውነትን እቲ ካልእ ሸያጥን በታታንን ኤርትራን ኤርትራውነትን ኢዩ፡፡ ብሓቂ ግን ክብረቲ ህይወቱ ሞባእ ንስለ ናጽነት ክኸፍል ንግድልን መስገደልን ዝወፈረ ተጋዳላይ ንኤርትራ ካብ መንጋጋ ጨካናት ገዛእቲ ሓራ ክገብር እምበር ንኤርትራ ክሸይጥን ክልውጥን ዝፍትን ዘይኮነ ዝሓስብ እውን ኣይነበረን፡፡

ሎሚ እቲ ኣብ ሽንጭሮታት ሕሽክብን ዓምበርበብን ውፉያትን ንጹሃትን ተጋደልቲ ንምሕቃቕ ንምቕንጻል ኢሳይያስ ዘተኣታተዎ ኢሳይያሲዝም ንሕድሕድካ ናይ ምብላዕን ዘይምትእምማንን ግናይ ስነ -ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዜማታቱ  ክቐያይር ኢና ንሰምዖ ዘለና፡፡ እቲ ግጥሚ ግን መለሳ ዘይብሉ ንሱ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጡ እንተ ኣቲና ሓው ምስ ሓው ዘቓተለ ጸሊም መዝገብ ስለ ዝኾነ ንታሪኽ ክንገድፎ፡፡ ናብቲ ዓይንና እናረኣየ እዝንና እናሰመዐ ብጸሓይ ቀትሪ ዝተፈጸመ ዝኽሪ ጸሊም መዝገብ 18 መስከረም 2001 እንክንምለስ ግን ኣንቱም ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ምሁራትን ንቑሓትን ክሳብ ክንደይ ዲኹም ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ገርዚምኩምን ብፍርሂ ተወሪርኩምን ዘብልዩ፡፡ እዞም ንገድልን መስገደልን ተሳጊሮም፡ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብውሕሉል ጥበብ መሪሖም ተዋጊኦም ዘዋግኡ፡ ብዜካ ኤርትራ ንኤርትራውያን ካልእ መዝሙር ዘይበሮም ሓርበኛታት፡ ናይ ተሳዓርነት መንፈስ ኣርእዮም፡፡ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ደፋፊኦም፡፡ ካብ ወያነ ሚሊዮናት ኣቕራሽ ተቐቢሎም ሃገር ክሸጥዋ ሓሲቦም፡፡ ምስ ሲአይኤን መንግስቲ ኣመሪካን ተመሻጢሮም ገለ ካብቲ ቅድሚ ምዕፋን ብልሂ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝተነዝሓ ኢሳይያሲዝም ኣባህራሪ መርዝታት ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ንምጥቃንን ምዕፋንን እዞም ሓርበኛታት ኢሳይያስ ገረብ ብሓኽላ ሜላ እውን ተጠቂሙ ኢዩ፡፡ ብቐረባ ብስጋ ዝራኸቡ ኣሕዋት ዝጸምበረ ዘይሓዊ በሰላ፡፡

ሎሚ ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ምዕፋን ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራን ተባዓትን ውፉያትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ቁኑዕ ኣሎ ብምባል ነቶም ሓርበኛታት ክሳብ ኣብ ቁሉዕ ሚድያ ወጺኦም  ብሃገራዊ ክሕደትን ክድዓትን ስሞም ዘጸለሙ ንባዕሎም ኣብ ሸላታት ካርሸሊ ኢሳይያስ ሓይርዎም ኣሎ፡፡ ኢሳይያሲዝም ግናይ ስነ ሓሳብ ግዝያውያን ተሓባበርትን ደቂ ዕቁብን እምበር ናይ መትከል ተቓለስቲ ኣብ ዙርይኡ ክህልዉ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን ኢዩ፡፡ ነቶም ንጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከሓድትን ተሰዓርትን ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዝተዛረቡ ተመሊሶም እንታይ ተባሂሎም ከም ዝተኸሰሱ ናይ ቀረባ ግዜ ዜናታት ኢዩ፡፡ ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ጀሚርካ ክሳብ እዚ መጠረሽታ ዕለታት ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ሓደ ካብቲ ካልእ እንታዩ ፍልልዮም…?

ፍልልዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብሓደስቲ ዜማታት ሪሚክስ ስለ ዝግበሩ ጥራይ ኢዩ፡፡ ትሕዝቶ ግጥሞም ግን ሓደ ኢዮም፡፡ እቲ ዝቐትል ዝኣስር ዘይጋገ ብጹእ ወኪል ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ እቲ ዝቃወም ዓገብ ዝብል ድማ ከዳዕ፡ ከሓዲ፡ ጃሱስ፡ ሓምሻይ መስርዕ፡ ልኡኽ ወያነ፡ መጋበርያ ኣመሪካ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ………? ሕጂ እውን እቲ ግጥሚ ዜማ ተቐይርዎ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምጥርጣር ምእንቲ ክኣቱ፡ ነቶም ህግደፍ ብትሕዞን ብዳርባን ከረኻኽበሎም ዘይተኻእሉ ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ጉዳይና ባዕልና…… ወዘተ ወዘተ ትሕዝትኡ ኣሪጉ ተመንዩ ዝተጓሕፈ ግጥሚ ብሓዲሽ ዘሜ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ኩሎም እቶም ብስውርን ብርእዮን ኢሳይያስ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ በዛ ዜማታት ትቐያይር ዘላ ሰራም ግጥሚ ኢዮም ጠፊኦም፡፡ ሎሚ እዛ ሰራም ግጥሚ ሸውዓተ መዐሙቕ ክንደብያን አሰራታ ከነጥፍኦን ኣለና፡፡ ብኸመይ ፊት ንፊት ድሎ ብድሎ ብምግጣም፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ዝኾነ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ንኤርትራ ክሸጣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እንትርፎ ኢሳይያስ!!!

ይ        ቕ        ጽ         ል

ኣይረሳዕናኩምን ወትሩ ኣብ ዝኽርታትና ኣለኹም!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251 921924501

ዕድመ ንሳልሳይ ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባ ኢንድያናፖሊስ

ዕድመ ንሳልሳይ ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባ ኢንድያናፖሊስ

PDF: ምሉእ ትሕስቶ …Public Meeting Announcement_9-27-14