ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን
ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን
መእተዊ:
ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ቃልሲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ናብ ናይ መላእ ህዝቢ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ኣብ ክንዲ ዝትርጎም።
PDF: ምሉእ ትሕስቶ…
ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን
መእተዊ:
ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ቃልሲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ናብ ናይ መላእ ህዝቢ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ኣብ ክንዲ ዝትርጎም።
PDF: ምሉእ ትሕስቶ…
ምግጥጣም ሎንዶንን ዱባሩባን ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ?
ካብ ባለነኪ
11 ክፋል
ፕረዚዳንት ኢሳያስ ንሓለፍቲ (ሚኒስተራት) ብክልተ ገጽ ክህረሙ እዩ ዝገብሮም፡፡ ሓደው ትም እንተበሉ “መዓስ ኣብ ስራሕ ኣለው? ዘይ “ሰብኣይ!” በይኑ’ዩ ዝዓሞ ዘሎ” እንዳተብሃሉ ክሕመዩ፡፡ ብካልእ ገጽ ድማ ከም ኣባይ ብዕራይ ጭርኦም ጠዊዩ ጠዋውዩ ናብ ቅድሚ ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ቀሪቦም ንዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ስራሕውቲ ሓዋዊሶም ከቕርቡን፡ ንዘጓንፍዎም በዳህቲ ሕቶታት ህዝቢ ከከምገጹ ምስ ስክፍታታቶም ክምልሱን ይገብሮም፡፡ እዚ ጉዳም ኣበረኛ ፕረዚዳንት ግን ኣኼባኦምን ናይ ሚዲያ መደረኦምን ድሕሪ ምውድኦም ነቲ ክህውትትዎ ዝቐነዩ ሓሳባቶም ብሙልኡ “… ሓሶት እዩ፡፡ ምግናን እዩ፡፡ ንባዕልና ክነዕሹ የብልናን፡፡ ለውጢ የብልናን፡፡…” ብዝብላ ኣፍረስቲ ቃላት ኣቆናጺቡ ጨርቂ የትርፎም፡፡
ንሎሚ ግን ብሓው ቴድሮስ ተኽለ “ዳሕራዮም ገደደ” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 02/02/2014 ኣኼባ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ኣብ ሎንዶን ተኻፊሉ ንዘጓነፎ ተረኽቦ ኣመልኪቱ ብ06 ለካቲት 2014 ኣብ መርበብ ኣሰና ዝዘርገሖ ሓበሬታ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታን ንባዕለይ ዘጓነፈኒ ሓበሬታን ኣዛሚደ ሓደ ነገር ክብለኩም፡፡ ካብ ዓንቀጽ ሓው ቴድሮስ ተኽለ ዝወሰድክዋሕጥበ ጹሑፍ ‘“በሉ ኣይትሓዙለይ ዓንተቦ ኣኼባና ተወዲኡ’ዩ ክብል ነይሩኒ ተጋግየ’የ፡፡ ሕጂ ተኾነ ኣኼባና ኣብዚኣ ወዲእና ኢና” ብምባል ነቲ ኣኼበኛ ከይሓተትን ዝስምዖ ከይተዛረበን ኣኼባ ብዘይ መደምደምታ በቲኖም’ ንትብል ምስክርነቱ ምስ ተራዳእኹ ንድሕሪት ተመሊሰ ሓደ ነገር ዘኪረ፡፡
‘ወይ ጉድ!! ምግጥጣም ሎንዶንን ዱባሩባን ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ? እዛ ንሻሂ ኢልካ ኣኼባ ምብታንስ እንታይ’ዩ ኣበራ? ልክዕ ኢሳያስ ዝገበራ ደጊሞምዋ!’ ዝብሉ ሕቶታት ቅጅል በሉኒ፡፡ ‘’…ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ?’’ ብዝብል ርእሲ ድማ ንምግጥጣም ክገልጽ ወሰንኩ፡፡ ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ ግን ሰብ ዘዝመስሎ ባዕሉ ይመልሶ፡፡ ኣኼባ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ኣብ ሆቴል ሂልተን፡ “ስሉሳዊ ኣኼባ” ኢሳያስ ከኣ ኣብ ዱባሩባ እዩ ተፈጺሙ፡፡ ክልቲአን ናይ ግዜን ቦታን ኣፈላላይ እንተዘይኮይኑ ኣፈጻጽመአንን ምኽንያተንን ዳርጋ ተመሳሳሊ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ንሓበሬታ ሓው ቴድሮስ ተኽለ ዘየንበብኩም መጀመሪያ ክተንብብዋ እላቦ፡፡ እንተ እታ ኣነ ዝፈልጣ ሓበሬታ ግን የስዕበልኩም ኣለኹ’ሞ ልዋም ንባብ፡፡
*******************
ካብ ዕለት 26/02/2008 ክሳብ 15/03/2008 ኣብ ኣዳራሽ ባለነኪ ካብ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ንላዕሊ ኣኼባ ተኻይዱ ነበረ፡፡ ትሕዝቶኡ ንውሽጣዊ ኩነታት ሰራዊት ብደቂቕ ምግምጋም’ዩ፡፡ ህድማን ኩብለላን ጠንቁ ሳዕቤኑን መግቲእኡን ዘተኮረ ድማ ነበረ፡፡ ነዚ ኣኼባ ዝመርሖ ጀነራል ስብሓት ኔሩ፡፡ ኣብ መዓልቲ ን10 ሰዓት ብምዝታይ ዝተኻየደ ኣዝዩ ጽዑቕ ኣኼባ’ዩ ዝነበረ፡፡ ሕድሕድ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ብዛዕባ ክ/ሰራዊቱ ጠቕላላ ኩነታት ሰራዊቱ፡ ዓቕሚ ሰብን ብቕዓትን፡ ሞራል ሰራዊት፡ …ወዘተ ኣመልኪቱ ብጽሑፍ ኣዳልዩ ናብ መድረኽ ወጺኡ መብርሂ (መግለጺ) (ሓውሲ Presentation) የቕርብ፡፡ ኩሉ ተኣካቢ ሕቶታት ሪእይቶታትን ክትዓትን የቕርብ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጻዕቂ ኣኼባን ገምጋምን ብዛዕባ ሰራዊት መወዳእትኡ ናበይ ኮን የምርሕ ዝብል ስክፍታታት ኣሕዲሩ ኔሩ ኢዩ፡፡
ኣብ መጠቓለሊ’ዚ ኣኼባ እቲ ኣብቲ እዋን ን2 መዓልቲ ኣብ ጋሽ ባርካ ዑደት ክገብር ዝጸንሐ ፕረዚዳንት ተሳቲፉ መደረ ኣስምዐ፡፡ እንተኾነ መደረኡ ነቲ ብዘይ ዝኾነ ጭቕጭቕ ሰኺኑ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ሓለፍቲ ሰራዊት ኣብ ደቒቓ ፍርሒን ቁጠዐን ኣዝነበሉ፡፡ ን5 ኣዘዝቲ ስርሒት ዝነበሩ ማእከል ጌሩ “ሃገር እናንቆልቆለት ንስኹም ውልቃዊ ሂወትኩም ተማሓይሹን ተጣጥሑን ኣለኹም፡፡ ኣብ ክንዲ ክሳብ ታሕቲ ወሪድኩም ንሰራዊትኩም ትመርሑን ትከታተሉን ኣብ ውልቃዊ ዋኒንኩም ስለትውዕሉ ሰራዊት ተስፋ ቆሪጹ ይሃድም፡ ይኹብልል፡ ሞራሉ ይወድቕ ኣሎ፡፡” ብምባል ኣብ ቅድሚ እቶም ኮሎኔላት (አዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት) ደርጓሓሎም፡፡
ፍሊጶስ ብብደዐ ፕረዚዳንት ነዲሩ “ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገም ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ፡፡ ፍሉይ ሓላይ ብዛዕባ’ዛ ሃገር ንስኻ በይንኻ ከምዝኾንካ መሲልካ ኣይትቕረብ፡፡ ካባና ንላዕሊ ነዛ ሃገር ሕልፊ ዘበርከትካላን ዝሓለካላን ኣይክህሉን፡፡ መልሓስካ ኣደብ እንተገብርካሉ ጽቡቕ’ዩ::” ብምባል መለሰሉ፡፡
ነቲ ታሕተዋይ ዝሓቁፍን ነቲ ላዕለዋይ ዝንጽልን ውዲት ፕረዚዳንት ከይተዓወተ ተረፈ፡፡ ካብቶም ነቲ ዘረባ ዝሰምዑ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ገሊኦም “ድሕሪ ሕጂ ዋጋ ዘይብሉ ግሱስ ፕረዚዳንት” ብምባል ንዕቀቶም ክገልጹ ከለው፡ ገሊኦም “ንዓና ንምትላል ኣብ ቅድሜና ይደፋፈሩ እምበር ነንባዕሎም ኣይክጨኻኸኑን” እንክብሉ፡ ገሊኣ’ውን “ሰብኣይ ንብልሽው ተግባራት ኣዘዝቲ ስርሒት ፈሊጥዎ ኣሎ፡ ብሓዱሽ ኣመራርሓ ክትከኦም እዩ፡፡ በዚ ኣቢሉ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ እዩ፡፡” ዝብሉ ትንታነታት ተሰሚዖም ነበሩ፡፡
*******************
ድሕሪ’ዚ ፕረዚዳንት ብ18/03/2008 ህጹጽ “ስሉሳዊ ኣኼባ” (ካብነ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስርሒትን) ኣብ ዱባሩባ ጸወዐ፡፡ ሽፋን እዚ ኣኼባ ገምጋም ንሕርሻዊ እትዋት 2007 ይብል እኳ እንተነበረ ቀንዲ ኣጀንድኡ ግን ኣብ ኣዳራሽ ባለነኪ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተልዓለ ጭቕጭቕ ናብ ኣማሓደርት ሚኒስተራትን ካብነን ኣቕሪብካ ብድምጽን በዝሕን ዓብሊልካ ንምውጻእ ዘንቀደ ከምዝነበረ ይግመት፡፡
ይኹን’ምበር ፕረዚዳንት ከም ዝገመቶ ውጥኑ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ሓያል ብደሆ ኣጓኒፍዎ ንኣኼባ ብዘይ ስሩዕ ብምስምስ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ በተነ፡፡
ፕረዚዳንት ንምብትታን ሰራዊት፡ ጠንቁን ሳዕቤናቱን ከምቲ ኣብ ኣዳራሽ ባለነኪ ክገልጾ ዝፈተነ ደጊሙ ኣብቲ ዝጸውዖ “ስሉሳዊ ኣኼባ” ምስ ኣቕረቦ፡ ቀዲሙን ኣትሪሩን ዝተቓወሞ ናይቲ እዋን ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ሚኒስተር ወልደንኪኤል ገብረማርያም ነበረ፡፡ ስውእ ወለንኪኤል ገረማርያም “ስማዕ ኢሳያስ! ሃገር ሕጂ ኣይኮነትን ኣንቆልቂላ፡ ንስኻ ንባዕልኻ ብዙሕ ጌጋታት ከምዘለካ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ትም ኢልካ ንሰብ ምዝላፍ ቁኑዕ ኣይኮነን፡፡ ከም ድልየትካ ንሰብ ክትዝልፍን ክተጉባዕብዕን ኣይከኣልን፡፡ ሕልፊ ኩላትና ንሃገርን ህዝብን ይሓሊ እየ እንተበልካ ሓሶት እዩ፡፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝነጸልካና ንስኻ ኢኻ፡፡ ጠንቂ’ዚ ኩሉ ጸገማትን ቀዲምካ ብሓላፍነት ትሕተተሉን ድማ ንስኻ ኢኻ፡፡” ፕረዚዳንት ኣስዒቡ “መን ኢዩ ዝሕተት ክንረኣአ ኢና፡፡ እዚ ኩሉ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ድማ ናይ ጃጀውቲ ምዃኑ ኢየ ዝፈልጥ፡፡” ክብል መለሰሉ፡፡
ኣስዒቡ ጀነራል ሰብሓት “ብወገነይ ምስ’ዚ ወለንኪኤል ክብሎ ዝጸንሐ’የ ዝሰማማዕ፡፡ ብታህዲድን ምጉብዕባዕን ዝምራሕን ዝደሃልን ኣይክህሉን፡፡ ካብ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ምስ ልዕሊ ሓያላንን ኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ርክባትና በታቲኹ በይንና ዘትረፈ መን ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ኩናትን ሳዕቤናቱን ቀዳማይ ተሓታቲኡ ንስኻ’ምበር ኣነ ወይ እቲ ካልእ ኣይኮነን፡፡ ክሳብ ምጅማር ኩናት ዘይፈልጥ ምስ ኮነ ከም ሃገሩ ዝፈልጥ መራሒ ኩናት ኣሎ፡፡”
ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ሙስጦፋ ኑርሑስየን ሓውሲ መሸማገሊ ሓሳብ ኣበጊሱ ነቲ ምንህሃር ከተሃዳድእ ጻዕርታት ኣካይዱ እኳ ተነበረ ስማዒ ኣይረኸበን፡፡ ፍሊጶስ ብግዲኡ “ሕጂ’ውን ወልደንኪኤልን ወዲ ኢፍሬምን ዝበልዎ’የ ዝድግፍ፡፡ ሕልፍና ነዛ ሃገር ትዓሞ ዕማም የብልካን፡፡ ከካብ ግንባሩ እንሰደልካ ጸብጻባት ብእልፊ ዘይጠቅሙ ቆልዑ ክተመርምሮ ትውዕል ኣለኻ ካብዚ ንላዕሊ ገበን ከኣ የለን፡፡ ተሓታቲ ንስኻ ምበር ካልእ ኣይኮነን፡፡ ክትፈልጥ ዝሕተት እንተሎ ከኣ ቅድሜኻ ኣይክኾውንን፡፡” ምስ በለ ቁጠዐኡ ሰማይ ዝዓረገ ፕረዚዳንት ብናይ ሻሂ ዕረፍቲ ኣኼባ በቲኑ ከይተመልሰ ነስመርኡ ሃቲፉ፡፡ ኣብቲ ዝተልዓለ ረስናዊ ስሚዒታት ሪእይቶታቱ ክህብን ነታ ዕድል ክጥቀመላን ዝበሃገ ሰብ፡ ሃህ በል ሃላይ ኮይኑ ተረፈ፡፡ ልዕሊ ትጽቢቱ ኩነታት ዝተለዋወጦ ፕረዚዳንት ድሕሪ’ዚ’ከ እንታይ ክደግም ኢሉ ተሰናቢዱን ባህሪሩን ኣኼባ ከይዓጸወ ብዝወጾ ተሰዊሩ ተረፈ።
ድፍረት ብዝተመልኦ ተቓዉሞታት ተቖጢዑን ካብኡ ንላዕሊ ካልእ ከየስዕበሉ ፈሪሁን ብሰበብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ (Tea break) ንኣኼበኛታት ከይተሰናበተ ዝተሸርበ ፕረዚዳንት ተኣከብቲ ተጸቢዮም ቀቢጾም ተበታቲኑ፡፡
*******************
እቲ ኣብ ሓሳባት ተቓዉሞ ባዶ ተጻዋርነት ዘለዎ ፕረዚዳንት ድሕሪ’ዚ ድፍረት ዝተምልኦ ተቓዉሞን ተሰናቢዱ ኣኼባ ኣቋሪጹ ምህዳሙን፡ “ስሉሳዊ ኣኼባ” እናተረፈ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ምምሕዳር ዝነበሮም ኢድ እናሓጸረ ከይዱ፡፡ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ “ስርሒት” ዝብል ቅርጺ ፈሪሱ “ግንባራት” ቆይሙ፡፡ ኣብ ሓለፍቲ ግንባራት ምቅያያራት ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ ዓመት (2008) ኢሳያስ ንዓሰብ ከይዱ ካብ ድሌት ኣዘዝቲ ግንባር ዓሰብ ወጻኢ ብትእዛዙ ምስ ሃገረ ጁቡቲ ብምስምስ ዶብ ውግእ ምእዛዙ ብውሽጢ ውሽጢ ዝዝርጋሕ ወረታት ሓለፍቲ ኢሳያስ ይሰምዖን ይከታተሎን ስለዝነበረ የቕስኖ ከምዘይነበረ ናይ ውሽጡ ፈለጥቲ ይገልጹ፡፡
ኢሳያስ ዳግመ ስርርዕን ውዳበን፡ ምደባን ምዝውዋርን፡ ኣኼባ፡ ገምጋም፡ ቃለመሕተት፡ ውግእ፡ ባይቶ ምሕደራ፡ ካቢነ፡ ስሉሳዊ ወይ ክልተኣዊ፡…ወዘተ..ወዘተ ዝበሃሉ ተግባራት ንምፍጻም እንተንቂሉ ንሃገር ንህዝቢ ይጠቕሙ ዶ ኣይጠቕሙን መምዘኒኡ ኣይኮኑን፡፡ እቲ ቀንዲ መምዘኒ ረቋሒ ንኢሳያስ ይጠቕሙ ዶ ይጎድኡ እዩ፡፡ ክሳብ ዝጠቐሙዎ የቕጽሎም፡ ንባዕሉ ጎዳእቲ መሲሎም ክሳብ ዝተረኣዩዎ ድማ ሓነው የብሎም፡፡ ኣብ ኣፈራርስኦም እውን እንተኾነ ንገሊኦም ምስምሳት የዳልወሎም፡ ንገሊኦም ግን ምኽኒታት ከዳልወሎም ናይ ግድን ኣይኮነን፡፡
እቲ ሕማሙ እናጸንሐ ዝደግሶ ፕረዚዳንት ሎሚ’ውን ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ዝሰማዕናዮ ነንገዛእርእሱ ዝራጸም ሓሳባት ቃለ መሕተቲ ንኩሉ ሓዲግና ነቶም ሚኒስተራት ተስፋይ ቺና፡ ኣምና ኑርሑሴን፡ ፎዝያን፡ ኣብ ህዝቢ ዓጀው ክብልዎ ንዝወርሑ ኣብ ውሽጢ 2ተ ሰዓት ብልል ኣቢልሎም ወጺኡ፡፡ ስለ ምንታይ ንዝብል ግን ዋናታቱ ይጨነቕሉ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ግን እቲ ትሕዝቶ ክልቲኡ ሓደ ዓይነት ሓሶት ስለዝኾነ ነቲ ሓደ ዝሕጎሰሉ ነቲ ካልእ ዝጉህየሉ ጉዳይ የብሉን፡፡ ዕላማ ኢሳያስ ግና ርዱእ እዩ፡፡ እቲ ዓቢ ዓሳ ነቲ ንእሽቶ ዓሳ ዝውሕጠሉ ምኽንያት ዓቢ ዓሳ ምእንተ ክነብርን ኣዝዩ ክግብልን ንናይ’ቲ ንእሽቶ ዓሳ ሂወት ክውሕጥ ስለዘለዎ ዝገብሮ ኢዩ፡፡
ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ
ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
ኣብ መባእታዊ ሰሙን ወርሒ የካቲት 2014 ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽሪ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ስርሒት ፈንቅል ጸንቢሉ። ስርሓት ፈንቅል ህዝቢ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከርፋሕ መበባብሮ ኣብ ዘሕልፈሉ ዘሎ ህሞት፡ ብማእለያ ዘይብሉ ወጻኢታት ምብዓሉ ተሓቢሩ። ኣብዚ ጽንብል’ዚ ብሕታዊ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ምርኢት ታንክታት፡ ከቢድ ኣጽዋር፡ ደርፍታትን ለይታዊ ትልሂትን ካብ ምምሕልላፍ ዘሊሉ፡ ጀነራላትን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሕሉፍ ታሪኽ ካብ ምድግጋም ሓሊፎም፡ ስርዓቶም ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ብጭቡጥ ግዝኣተ ሕጊ፡ ልዕላዊ ስልጣን ህዝቢ፡ ቅኑዕ ፖሎቲካዊ ስርዓት፡ ሰናይ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ብልጽግና፡ ዓይነታዊ ልምዓት፡ ዝድህሰስ ማሕበራዊ ለውጥን ኣገልግሎትን ምርግጋጹ ከቕርቡ ፍጹም ብቅዓትን ድፍረትን ከም ዝሰኣኑ ተገሊጹ።
ኣብ መዛዘሚ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ብ09 የካቲት 2014 ገባቲ ኢሳይያስ ንሃገራውን ከባብያውን ኩነታት ኣመልኪቱ ቃለ-ምሕትት ኣካይዱ። ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ግስጋሰን ብልጽግናን ከም ዘረጋገጸት ክገልጽ ምጽንሑ ረሲዑ፡ ኣብቲ ሃገር ተጋሂዱ ዘሎ ቅልውላውን ሕጽረታትን ክኣምን ተገዲዱ፡ ከምቲ ልሙድ ኣመሉ ብተግባር ዘይጭበጥ መብጽዓታት ምድግጋሙን ምድርዳሩን ተገሊጹ። ስርዓት ህግደፍ ብድሕሪ ዕስራን ሰለስተን ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ሕጽረት ማይ፡ ሕጽረት ገዛውቲ፡ ክፈትሕ ዘይምኽኣሉ፡ ሰፊሕ ትሕተ ቅርጺ ክዝርግሕ ዘይምብቕዑ፡ መሬት ብዘይኣገባብ ክሽየጥን ክልወጥን ምጽንሑ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ዘነይት ለውጢ ዘይምርግጋጹ፡ ኤለክትሪክ ብሰንኪ ዘይምህላዉ ፋብሪካ ሰሜንቶን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላት ልምዓትን ደው ዝበለሉ ኩነታት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምህናጽን ምፍቓድ ሰልፍታትን ብዝምልከት፡ ኣብዚ ሃገር’ዚ ካብ ፖሎቲካ ህ/ግንባር ወጻኢ የለን፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ዝብል ምስ ዝህሉ፡ ምህውታት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ክኸይድ ይህልዎ፡ ሰናይ ምሕደራ ንምርግጋጽ ህግደፍ ምሕያል ኣገዳስን እንኮ መፍትሕን ጥራይ ምዃኑ ተንቲኑ።
ንዋሕዚ ሰደት መንእሰያት ኤርትራ ዝምልከት፡ ትማሊ ንእግረ መንገዱ ምስ ማሕበረ ኮም ህግደፍ ኣብ ኬንያ ዝገበሮ ርኽብ፡ መንእሰያት ተሰዲዶም 50,000 ዶላር ሒዞም ምስ ዝመጹ ተቓውሞ የብልናን ምባሉ ዘንጊዑ፡ ብነጻ ንዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ካሕሳ ከይኸፍሉ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰረቕቲ ኢዮም ክብል ገሊጹ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቕ ዝናፈስ ዘሎ ሓበሬታት ክሳብ ክንደይ ሓቅታት ኣለዎ ንዝብል፡ እዚ ዘይሕሰብ ህውተታ’ዩ፡ ስርዓት ወያኔ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይተወገደ ማንም ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ ከምኡ ክሓስብ የብሉን ኢሉ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ዝምድና ኤርትራን ኣሜርካን ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ብኣምባሳደር ኩሄን ዝግበር ጻዕርታት ምህላዉ ንዝግለጽ፡ እዚ ምስ ንፋስ ዝጎዪ ሃውተታ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2014 ህዝቢ ዞባታት ዓንሰባ፡ ማእከልን ደቡብን ካብቲ ንዓመታት ብትዕግስቲ ክጻወርዎ ዝጸንሑ ከርፋሕ ሂወትን ሕሱም መነባብሮን ተበጊሶም፡ ነቲ ንይምሰል ዝተቐመጠ ሚኒስትሪ ማይን መሬትን ከባብን ኣቶ ተስፋይ ገ/ስላሴ፡ ከቢድ ሕቶታትን መረረኦምን ኣቕሪቦም።
ኣብ ጉዳይ መሬት ዝምልከት፡-
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ንትካላት መንግስቲ ተባሂሉ ንነዊሕ ዓመታት ዝሕዛእ ልሙዕ ዝኾነ መሬት ተሰሪሑ ንህዝቢ ኣገልግሎት ንምንታይ ዘይህብ? ተሰሪሑ ኣገልግሎት ክሳብ ዘይሃበ ድማ ከይሕረስ ተኣጊዱ ንምንታይ ዝባድም?
መንግስቲ ዘመናዊ ዝኾነ ገዛውቲ ክስርሕ ኣይረአን’ዩ፡ ኣብ ዓድታት ንነዊሕ ዓመታት ባህላዊ ገዛውቲ ከይስራሕ ንምንታይ ተኣጊዱ? ብስንኪ’ዚ ብርክት ዝበሉ መንእስያት ተመርዕዮም ኣብ ከቢድ ሽግራት ክወደቑ ንምንታይ ይግበር?
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድታት እቲ ድኻ ዝኾነ ኣካል ሕ/ሰብ ንትእዛዝ መንግስቲ ኣኽቢሩ ገዛ ምስራሕ ክቁጠብ ከሎ፡ ገንዘብ ዘለዎም ንኣመሓደርቲ ከባቢ ግቦን ብላዕን እናሃቡ ገዛውቲ ክስርሑ ከለዉ ንምንታይ ተሓታትነት ዘይህሉ?
ንዝተፈላለየ ትካላት ተባሂሉ ዝወሃብ መሬት ግለ-ሰባት ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ ብምሽራኽ ብጉቦን ብብላዕን መንበሪ ገዛውቲ ክሰርሑ ከለዉ ንምንታይ ምቁጽጻር ዘይግበር።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዊንትኦም ክገብሩ፡ ብብልሽውና ክስዕርሩ፡ ኣብ ሕ/ሰብ ሌላን ጉሌላን እናካየዱ ከለዉ መንግስቲ እንታይ ይገብር ኣሎ?
ኣብ ጉዳይ ማይ ዝምልከት፡-
መንግስቲ ሕጽረታት ማይ ንምውጋድ ንምንታይ’ዩ ጻዕርታት ዘይገብር?
ህዝቢ ኣብ ገጠራት ዒላታት ፍሒሩ ዘለዎ ሕጽረት ማይ ከይውግድ ዝእገድን ኣብ ከቢድ ሽግር ክወድቕን ዝኸውን ንምንታይ?
ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ብስንኪ ሕጽረት ማይን ልሕሉሕ ምቁጽጻርን ጽሬቱ ዘይሓለወ በዓል ክልተ ሊትሮ ዕሹግ ተባሂሉ ካብ ቡንባታት ዝምላእ ማይ ክሳብ ካብ 60-80 ናቕፋ ክገዝእ ከሎ መንግስቲ እንታይ’ዩ ግዲኡ?
ሆስፒታላትን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዝርከብ ትካላት ጥዕናን ብሕጽረት ማይ ካብ መጠን ንላዕሊ ብጨና ዘይቕረብ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ይኹን ጥዕና ናበይትን በጻሕትን ንዘውርድ ዘሎ ኩነታት መፍትሒኡ እንታይ’ዩ?
ኣቶ ተስፋይ ገ/ስላሴ ነቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባታት ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ ሕቶታትን መረርታትን ክሒዱ እወ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ዝወሰደ ዓምጺ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ካብ ብልሽውና፡ ሌላን ጉሌላን ሓራ ዝኾነ ንህዝቢ ኣውንታዊ ልምዓት ከም ዘበርከተ ብፍጹም ከረጋግጽ ኣይኸኣለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕታዊ ቲቪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋ ሚካኤል ተኸስተ መሰላት ህዝቡ ብሓፈሻ መሰል ናይቶም ተረኸብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ኣብ ገዛእ ዓዶም ክሕለወሎም ክማጎት ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዝተፈልጠ ክንሱ፡ ቀንዲ ምንጪ ዋሕዚ ስደት ንሱን ስርዓቱን ምዃኖም ብምዝንጋዕ፡ መንእሰያት ብጎረባብትን ሃገራት ምዕራብን ተታሊሎም ይስደዱ ከም ዘለዉ፡ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ብምርዳእ፡ መሰሎም ክሕለውሎም ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ እስራኤል ዝነብሩ መንእሰያት ብሕታዊ ቲቪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንኣቶ ተስፋ-ሚካኤል ተኸስተ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዜና ላግጺ ምዃኑ፡ ጠንቂ ናይ ስደት ባዕሉ ኣምባሳደርን ስርዓትን ክሳብ ዝኾኑ፡ ንመሰልና ክጣበቑ ትጽቢት ኣይንገብርን ብድሕሪ ምባሎም፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብመንእሰይ ምሽሓጥን ምቁማርን ይኣኽል ይብሉ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ኣውራጃ ሳሕል ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ዝተካየደ ናዕቢ ብሞት ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ተዛዚሙ። ብድሕሪኡ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንህዝቢ ዝተገበረ ኣኼባታት፡ መንግስትና ድኹም’ዩ፡ ኣውራጃ ሳሕል ሓብሓቢትን መዕቆቢትን ብረታዊ ቃልሲ ክንሳ ክሳብ ሕጂ እንታይ ዓይነት ልምዓት ተገይሩላ? ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ከም ጊላ ተስርሑና እንታይ ፍሪኡ? ዝብል ሕቶታት ምስ ኣስዓበ ወከልቲ ህግደፍ በዚ ሰንቢዶም ተመሊሶም። ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዝተካየደ ካልኣይ ኣኼባ ድሌት ህዝቢ እንታይ’ዩ? ጥርዓንኩም ንመን’ዩ? ብዝብል ዝቐረበ ኮይኑ፡ መልሲ ህዝቢ ኣፍዓበት በረኸት፡ መሓመድ ሓምድ ማሕሙድ፡ ኣደም ዓብደላ ዝተባህሉ ኣካላት ጸጥታ ጠንቂ ግርጭት ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ስለዝኾኑ ብቀዳምነት ክለዓሉ ብዝብል ብዝቐረበ ሓያል ጠለብ ህዝቢ ኣፍዓበት፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከልዕሎም ተገዲዱ።
ብ18 ታሕሳስ 2013 ኣብ እንባትካላን ኣስመራን ኣብ ትሕቲ ዳግመ ውደባን ስርርዕን ዝብል ኣርእስቲ ንላዕለዎትን ታሕተዎትን ኣዘዝቲ ስራዊትን ስለያን፡ ብገባቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተካየደ ሰሚናራት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን፡ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ዘስዓቦ ዘይምርግጋእን ጸጥታዊ ሽግራትን ምምይያጡ፡ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ድማ ኣድላይነት ዳግመ ውደባን ስርርዕን ዝምልከት ምዝታዩ ተሓቢሩ።
ብ15 ጥሪ 2014 ብሓፊር ዝተባህለ ፍሉይ ከባቢ ንሱዳን ንዝኣተዉ ዝነበሩ መንእሰያት ሰለስተ ሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምሓዞም ተኩሲ እናከፍቱ፡ ናብ መሬት ሱዳን ስለ ዝሰገሩ ብወተሃደራት ሱዳን ተታሒዞም። ወከልቲ ህግደፍ ንወተሃደራት ሱዳን፡ እቶም ዝሃደሙ መንእሰያትን ሰለስተ ኣባላት ጸጥታን ከተረኽቡና ዝብል ሕቶታት ኣቕሪቦም። ወተሃደራት ሱዳን ነቶም መንእሰያት ከም ሰደተኛታት ዝተቐበልናዮም፡ እቶም እናተኾሱ ዶብ ሱዳን ዝኣተዉ ወተሃደራት ከኣ ብሕጊ ዘሕትቶም’ዩ ዝብል መልሲ ብድሕሪ ምሃብ፡ ወከልቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ልሙድ ፈኸራን ምጉብዕባዕን ኣካይዶም።
እቲ ብተኽለ ማንጆስ እናተወደበ ክዓጥቕ ዝግደድ ዘሎ ልዕሊ 60 ዕድሚኡ መሊሻታት ብተደጋጋሚ ሕቶታት የልዕል ምህላዉ ተረጋጊጹ፡ ንሕና ኣረጋውቲ ከለና፡ ኣብ መሊሻ ተዓስኪርና ኣጽዋር ክንስከም፡ ደቅና ድማ ንዓመታት ኣብ ሰራዊት ከገልግሉ ስድራ ኣላዪ ዘይብሉ መነባብሮ ከሕልፍ ንምንታይ ይኸውን? ኣሎ? ኣቦታት ተሰኪመሞ ዘለዉ ኣጽዋር ክውሰደሎም ብዝቐረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ሕቶታት ንምዕጋስ ካብ ገሊኦም ይሰሓብ ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ሕቶታት ግን በዚ ክዕገስ ብዘይምኽኣሉ፡ ተኽለ ማንጆስ ኣብ ገለ ኣኼባታት ንህዝቢ ከባጩ ተሰሚዑ።
ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከቡ ነበርቲ ዓድታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባልቃይን ተሰነይን ኣለቡን ዝነብሩ ዜጋታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን መረጋገጽን ብኣሃዱታት ጸጥታ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ኣብ ባልቃይ ከባቢ ሃይኮታ ስግረ-ዶብ ትሰርሑ ኔርኩም ብዝብል፡-
እድሪስ ሳልሕ ኣብሩር ወናኒ ካሮ
ሓምድ ኣደሮብ ነጋዳይ ጠለ-በጊዕ
ሳልሕ ዝተባህለ ካብ መሊሻ ዓዲ ብመሓውራት ጸጥታ ከም ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ተገሊጹ።
ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ከተማ ከሰላ፡ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ገንዘብ ምክያድ፡ ንመእሰያት ስግረ-ዶብ ምስግጋር፡ ጋዝ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ብኮትሮባንድ ምምሕልላፍ፡ ምንዝርናን ቁማርን ቀንዲ መለለዪ ግዕዘይ ስርሓቱ ኣብ ኣዳራሹ ኮይኑ ምህላዉ፡ ብሰንኪ’ዚ ብ21 ጥሪ 2014 ኣብ መንጎ ክልተ መንእሰያት ዝተላዕለ ግርጭት ኣምባጋሮ ምክታሉ ተሓቢሩ።
ብቀረባ ኩነታት ኤርትራ ዝዕዘቡ ነንተንቲ ፖሎቲካ፡ ህዝቢ ብግዕዘይ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንከርፋሕ ሂወት፡ ከቢድ ፖሎቲካዊ ዓፈና፡ ቁጠባዊ ዓዘቕቲ፡ ኣልቦ ፍትሒ፡ ሕሱም ማሕበራዊ መነባብሮ፡ ስደት፡ ብልሽው ኣሰራርሓ፡ ተጋሊጹ ከሎ፡ ኢሳይያስን መጫፍርቱን ኤርትራ ማዕረ በዓል ሰንጋፑር ከም ዝሰርዕዋ ክገልጹ ምስማዕ ኣብ ባይታ ክጭበጥ ዘይኽእል ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ይትንትኑ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓለም’ውን መወዳድርቲ ዘይብላ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና፡ ርጉእ ፖሎቲካዊ ግስጋሰን ብልጽግናን ዘውሓሰት፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባሌታት፡ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ኣገልግሎትን ዘረጋገጸት፡ ካብ ብልሽውና፡ ሌላን ጉሌላን ሓራ ዝኾነት ገነት ሃገር ብምባል ምግላጽ ካብ ዘይሓላፍነታዊ ዓጀውጀውን ዕብዳንን ምዃኑ ሓሊፉ ፍጹም ትርጉም ከም ዘይብሉ የረጋግጹ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
12 የካቲት 2014
ካልኣይ ክፋል
ህግደፍን ውድባትን ኣብ ሓደ ሓዲድ
እዚ ጽሑፍʼዚ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ምስ ህልው ኩነታት ጉጅለ ህግደፍን ኣካይዳ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞን ብምንጽጻር ብርግጽ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንቃለስን ንሰርሕን ኣለናዶ ንዝብል ክምለስ ዝግበኦ እዋናዊ ሕቶ ዝድህስስ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘቕርቦም ሓሳባት ንዑኡ ብዘንጸባርቕ ዝቀያየር ምዃኑ ቀዲመ ከዘኻኽር ይደሊ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቲ ኣብዚ ዘቕርቦ ሓሳባት ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፎም ዘለዉ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ብማዕረ ዝነቅፍ እኳ እንተዘይኮነ፡ ጌጋታት እናተፈጸሙ ደምበ ተቓውሞ ክስጉም ኣይኮነን ምንቕ ንኽብል እውን ከልኪልዎን ዓጊትዎን ዘሎ ሓላኺ ፍጹም ዘየቀራርብን ዘየረዳድእን በታኒ ሓሳብ ገለ ውድባት፡ ናብ ህዝቢ ብዓውታ ብዘይ ምቅልሖም ካብቲ ጌጋ ነጻ ኢዮም ክትብል ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ ዝብሉ፡ ቁስሊ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ንነዊሕ እዋናት ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ኢዩ፡፡ እዚ ቁስሊ እዚ ክሓዊ እንተኾይኑ ሓደው ክጉዳእ ወይ ድማ እቲ ጋንግሪን ዝገበረ ኣካል ተቖሪጹ ክእለ ኣለዎ፡፡
ሎሚ ኢሳይያስ ዝመርሖን ዝዝውሮን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ኩነታት ኢዩ ዘሎ፡፡ ልዕሊ እዚ በሲሉ ፈጋዕጋዕ ዝበለ እዋን ንደምበ ተቓውሞ ዝበለጸን ዝሓሸን ግዜ ድማ የለን፡፡ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ግዜን ኩነታትን መዝሚዞምን መዚኖምን ካልእ እንተ ተረፈ ናብ ረብሐኦም ክቕይርዎን ክገብርዎን ብሓባር ክሰርሑን ክቀራረቡን ይግበኦም ነይሩ፡፡ የግዳስ ኣብ ሕድሕድ ምክሳስን ከም ኣነባብራ ዓሳ ንሕድሕዶም ኣብ ምብልላዕን እምበር ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ይገብርን ይሰርሕን ኣሎ ፋዕራ ውን ዘለዎም ኣይመስሉኻን፡፡ ትጋገዩ ኣለኹም እዝን እዝንዩ ክግበርን ክስራሕን ዘለዎ ኢልካ እንተ ነቒፍካዮም ድማ፡ ልክዕ ከምታ ጉጅለ ህግደፍ ወያነ ኢዩ ኢሎም ዘጸልሙኻ፡ ካብ ህግደፍ ብዘይፍለ ልኡኽ ናይ ህግደፍ ኢዩ ዝብል ቅጽል ስም የልጉቡልካ፡፡ ሃናጺ ሓሳብን ርእይቶን ዘቕርብ፡ ንጌጋታት ብትሪ ዝቃወምን ዓገብ ዝብልን ምስ መራሕቲ ውድባት ተሳንዩ ክኸይድ ዘይሕሰብ ኢዩ፡፡ ኣብ ገለ ገለ ግዜ እዞም ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ካብ መላኺ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈልዮም እንታይ ኢዩ……? ኢልካ ንኽትሓትት ዝድርኸካ ኢዩ፡፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓንቲ ሓዲድ ይጓዓዙ ከይህልዉ ትጠራጠር፡፡
ዘለናዮ ግዜ ሰዓታት ህግደፍ ዝእለየሉ በጺሑ ጥራይ ዘይኮነ ሓሊፉ እውን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብ ድኻማትናን ፍልልያትናን ኢዮም ተዐቒቦም ዝነብሩ ዘለዉ፡፡ ስለ ዝኾነ መራቲ ውድባት ደምበ ተቓውሞ ግዜ ቀዲምዎም ይሕምበብ ምህላዉ ተገንዚቦም ካብቲ ከቢድ ድቃሶም ማይ ዝሑል ተሓጺቦም ክበራበሩ ኣለዎም፡፡ ኣብዚ መጠረሽታ ሰዓታት ማለት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጀመርያ ዕለታት ወርሒ ለካቲት 2014 ብመትከል ብዕላማ ዘይኮነ ህሉው ኩነታት ኣገዲድዎም ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ኣፈናዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ጭቡጥ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ ክሰዓብን ክድፋኣሉን ዝግበኦ ተበግሶ ምዃኑ እናኣመንኩን እናደገፍክዎን ግን፡ ሕጂ እውን ብሓደ ኣቦ መንበር ናይ ሓንቲ ውድብ ተዘሪቡ ካብ ዝተባህለ ነጺህካ ብመትከልን ዕላማን ተኣማሚንካ ኣብ ምስራሕ ስግኣትን ትዕዝብትን ከም ዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ንስራሕ ዘይኮነ ንስለ ጥዑም ስም ከም ምሕዝነት ኪዳን ባይቶ ከይከውን ትሰግእ፡፡ መራሕቲ ውድባት ናብዚ ሕጂ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ዝብል እዋናዊ ሕቶ ክበጽሑ ከቢድ መሰናኽልን ከም ዝሓለፉ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ግዳ ሕጂ እውን ብዙሓት መራሕቲ ውድባት ደምበ ተቓውሞ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ መን አዩ….? ባህርያቱን ኣነዳድቑኡን ከመይ ዝበለ ኢዩ……? ምልኪ ስልጣኑ ንኽዕቅብ እንታይ ሜላን ሽርሕታትን ይገብር ….? ንዝብሉ ቀዲሞም ክፈልጥዎም ዝግብኦም ነገራት ብትኽክል ዝፈልጡን ዝተገንዘቡን ኣይመስለንን፡፡ ወይ ድማ ከምቲ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ዝበሃል ረብሓናን ስልጣናን ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅበሎ ፈላላይ ርካሽ ሓሳቦም ተሓቢኦም ውድብ ዘይኮነ መንበሪ ድኳን ከፊቶም ኣብ ሓሸውየ ክቕጽሉ ዝደልዩ ኢዮም፡፡ ከምዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ምኽንያት ካብ ባዶ ነቒለ ዘይኮንኩ ብተደጋጋሚ ዘልዕልዎ ሕቶ ኣብ ባይታ ዘየለ ንምስሊ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ካልእ ኣንፈት ቀይሮም ኣብ ክንዲ ንለውጢ ብሓባር ምብጋስ ግዜኦም ኣብ ሸንኮለል የሕልፍዎ ስለ ዘለዉ ኢየ፡፡
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንጹሃት ኤርትራውያን እናቐተለን እናኣሰረን እናረገጸን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተሸቕሪሩ ኣብ ፍርሒ ተዋሒጡ ክነብርን ተማእዛዚ ናይ ምልኪ ስልጣኑ ክኸውን ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመታት ብዝተራቐቐ ስልቲ ዝሰረሓሉ ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ብግስ ክብል ንዕኡ ከም ነብይ እናርኣና ከናብሮን ከስርሖን ዝኽእል እከይ ነገራት ገና ካብ በረኻታት ሳሕል ነዲፉን ሰሪሑን ኢዩ፡፡ ንኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ኣቃቲልዎም ኢዩ፡፡ እቲ ፍጹም ክርሳዕ ዘይክእልን ዘይሃሰሰን ናይ ቅትለት በሰላታት ገድሊ ኤርትራ መን ንመን ብመን ተፈጺሙ ንሱ ዝግለጸሉ መዓልቲ ንግዜ ገዲፍና፡ ኣብዚ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ምልኪ፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን እንታይ ዓይነት መገዲ ኢዮም ተኸቲሎም ግን ካብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተኸወለ ኣይኮነን፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ኣብዚ ዳሕረዋይ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ሚሊየነም ዝኸዶ መገዲ ኣሽንኳይ ብዕድመ ዝበሰለ ማዓንጣ ዘየቆጸሩ ኤርትራውያን ህጻናት እውን ተገንዚቦሞስ ኣደዳ ስደትን ጭውያን ኮይኖም ኢዮም፡፡ ዘሕዝነካ ግን መራሕቲ ገለ ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ነዚ ጉዳይ ዘይፈልጥዎን ዘይሓስብሉን ምዃኖም ኢዮም፡፡
ከም ትዕዝብተይን ገምጋመይን ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣርባዕተ ንሕድሕዶም ዝተሓላለዉን ዝፈራርሑን ተማእዛዝነቶም ብቐጥታ ንሓለቖኦም ኢሳይያስ ዝኾኑ መሓውራት ዝተኸፋፈሉ ኢዮም፡፡ እቲ ቀዳማይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኩነታት ጉጅለ ህግደፍ ዝተቛታጸረ እሙን ክፍሊ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ብስም ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ስለላን ሽርሕን ምእሳርን ምቕታልን ዝተዋፈረ ዓብይ ትካል ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ እቲ ሳልሳይ ንወተሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን ዝጸቖጻጸረ ዓንዲ ሕቆ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ እቲ ራብዓይ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ኣዝዩ ምስጡር እንተላይ ንጀነረላትን ሚኒስተራትን ዘጻሕጽሖምን ዘባህርሮምን ቀታሊ ጉጅለ ትንፋስ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ ብዜካ እዞም ኣርባዕተ ጉጅለታት ኣብዚ መጠረሽታ ሰዓታት ኢሳይያስ መድሕን ነብሲ ክኾኖ ዝኽእል ግዳማዊ ሓይሊ ደምሒት እውን ሰሪሑ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡
ኢሳይያስ ዝመርሖ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ውዳበን ቅርጽን ካብ ሃለዎ፡ እዚ ቀታሊ ጉጅለ ነየናይ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኢዩ ዝውክል…….? እዚ ስርዓት እዚ ብሄር ሃይኖት ወገን ዝበሃሉ ባህርያት ዝተዓጥቀ ድዩ….? እዚ ሕቶ ንስለ ሕቶ ኣይኮንኩን ኣልዒለዮ ዘለኹ፡፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ክፍወስ ዘይተኻእለ ክሮኒክ ሕማም ስለ ዝኾነ ኢየ፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ፍትሒ ይንገስ ኢሉ ዝቃወሞ ዘሎ ኤርትራዊ ንገለ ምስ ሃይማኖት ንገለ ምስ ወገን እና ጠቀነ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጥርጣር ከእትዎ ናይ ሓይለብኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ዘሕዝነካ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ቅትለትን ማእሰርትን ግልያነትን መሪርዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ፋሕ ብትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ካብ ዝብሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ከይተፈለጦም ምስ ህግደፍ ኣብ ዳሕረዋይ ባጎኒ ተወጢሖም ኣብ ተመሳሳሊ ሓዲድ ይጓዓዙ ምህላዎም ኢዩ፡፡
ይ………ቕ………ጽ………ል……
እዚ ጽሑፍ ውልቃዊ ትዕዝብትን ርእይቶን ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ!
ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
ካብ ኣባል 72 ነበር ባጽዕ
“ዋናታቱ ዒራዒሮ ሸሚምካስ ሸነን”
“ፈንቅል!” ዋናታትካ ኣብ ከርስኻ ኣብ ከርሲ ምድረ-ሰምሃር ከምዘለውስ ትፈልጥ ዶ?
ቅድሚ 24 ዓመት ከምዚ ቅንያት ስርሒት ፈንቅል ተኻይዱ ህልውና ስርዓት ደርጊ ኣብ ኤርትራ ከምዘብቀዐ ተጋሂዱ፡፡ ልቢ’ቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብኹሉንትንኡ ዝተጋደለ ተጋዳላይን ህዝብን ኤርትራ ዘረስረሰ መስተንክራዊ ስርሒት ተፈጺሙ፡፡ ንወለዶታት ዝወራረስ ታሪኽ ተሰኒዱ ሓሊፉ፡፡
ሜ/ጀነራል ገብረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ሚስጢር ዓወት ስርሒት ፈንቅል እንታይ’ዩ? ተባሂሉ ኣብ ጽባሕ’ቲ ዓወት ምስ ተሓተተ “…ጽፉፍ ስለያዊ መጽናዕቲ ኣሃዱታት ስለያና…” ብምባል ካብቶም ሚስጢር ዓወት ፈንቅል ሓደን ቀንድን ከምዝነበረ ምስክርነቱ ሂቡ፡፡ ናይ ብሓቂ ድማ ውህሉል ስለያዊ መጽናዕቲ ናይ ሰምሃር ጥራይ ዘይኮነ ውህሉል ስለያዊ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ መላእ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት (ሁ.አ.ሰ.) ውጽኢት ኣሃዱ ስለያ 72 ብወዲ ሰለሞን ዝምራሕ ዝነበረ ምዃኑ ምስክርነት ዝሓትት ኣይኮነን፡፡
እንተኾነ ክሳብ’ዛ ሎሚ ዕለት ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን ንስለያዊ መጽናዕቲ ፈንቅል ንሱን ኣባላቱን ኣበርክቶኦም እንታይ ከምዝነበረ ካብ ቃሎም ኣይሰማዕናን፡፡ ልዕሊ ወዲ ሰለሞን ግን መን ክገልጾ ይግባእ? ስለ ምንታይ’ከ ወዲ ሰሎሞን ዘይገለጾ? ሕቶ ብዙሕ ተጋዳላይ ምዃኑ ርዱእ’ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ዘውጣጥስ ኣይክዋጥን ከውጣጢ ኢዩ ነገሩ፡፡
ወዲ ሰሎሞን ግን ከም መዛንኡን ትሕቲኡን ብዛዕባ ፈንቅል ዘይተዛረበ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ህግደፍ ወዲ ሰለሞን ዝተዛረቦ ከቃልሖ ትብዓት ስለዘይብሉ ጥራሕ እዩ፡፡
ኣብ ጽባሕ ዓወት ስርሒት ፈንቅል በቶም ክሳብ ሎሚ ንጅግንነቶም ተዘንቲይሎም ዘይፈልጥ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ሰራሒ ታሪኽ ኣጋር ሰራዊትን ኣሃዱታት ከቢድ ብረት 74፡ ሃንደሳን ሓይሊ ባሕሪን ካብ እግሩ ከይተረፉ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም፡ ደረቕን ተንቀሳቐስን ካሜራታቶምን ንዕኡ ዝኸውን መቀያየሪ መሳርሒታቶምን ብምሽካም ሰኣልትን ተዋጋእትን (ተውለ) ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሃልሃልታ ኩናት እንዳሓንበሱ ህያው ዝኾነ ንቀጻሊ ወለዶታት ጅግንነት ኣያታቶምን ወለዶምን ዘውርስ ታሪኽ ዝሰነዱ ከም በዓል የውሃንስ ጆሽዋ ዝኣመሰሉ ምዑታት ጋዜጠኛታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ዝኾነ መራሒ ንወዲ ሰለሞን ቃለ መጠይቕ ከምዝገበርሉ ይፈልጡ እዮም፡፡
መሬት ምስ ወግሐ ጽባሕ ንጉሆ ከኣ እቶም ብሂወት ዝተረፉ ክገልጽዎ እዮም፡፡ ኣይኮነን ከኣ ኣብቲ Research & Document Center (RDC) ተሰኒዱ ክርከብ’ዩ፡፡
ኣብ ታሪኽ ጅግንነት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንሓላፊ ስለያ 72 ነበር ኣህሲስዎ እዩ፡፡ ኣበርክቶ ወዲ ሰለሞን ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ግን ካብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ተጋዳላይ ዘይሕከኽ እዩ፡፡ ፕረዚዳንት ንመጋበርያታቱ “ወዲ ሰለሞን ካብ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣርሕቕዎ” ኢሉ ከምዝኣገዶን በቲ ከም ሰቡ ንስግረ ዶብ ዝወጸ ዓሊ ዓብዱ ኣቢሉ ካብ ኣርካይቭ ሚኒስትሪ ዜና ከምዘሕከኾን ይፍለጥ፡፡
ብህዝብን ተጋደልትን ዝተሰርሐ ጅግንነት ገድሊ ኤርትራ በቲ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ከም መሕብኢ በዓቲ ዝጥቀመሉ ዘሎ “ኣድሃ” ፕረዚዳንት ንወዲ ሰሎሞን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ንምስዋር ናብ መራኸቢ ብዙሃን ከይቐርብ ምግባር ጥራይ ግን ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ’ዚ ውሳነ’ዚ ኣብታ ንመበል 24 ዓመት ናጽነታ ተኽብር ዘላ ዞባ ሰ.ቀ.ባሕሪ (ሰምሃር) ብዘይ ዝኾነ ብይን ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ን12 ዓመት ምስ ብጾቱ ሓይርዎ ይርከብ፡፡
ስለዚ ሰምሃር!! ክልተ ተጻረርቲ ሚስጢራት ኣብ ከርሳ ዝሰተረት ኣውራጃ እያ፡፡ ብሓደ ወገን ምእንተኣ ዝተኸፍለ መስዋእትን ሳላኹም ሳላ’ዞም ደቀይ ብምባል እንዳስተንተነትን እንዳተሓበነትን ትዝክሮ ቅያ ጀጋኑ ደቃ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ቅያ ታሪኽ ዝቐየሱን ዘጽንዑን ሰኒዶም ናብ ወለዶታት ዘመሓለለፉን ጀጋንኣ ን12 ዓመት ኣብ ከርሲ ዒራዒሮ ሰቲራ እንዳተቐንዘወት “እህ!” እንዳበለት ትሓልፎ ኣላ፡፡
ካብ ኩሉ ንሰምሃር ዘጉሃየ ዋናታቱ ኣብ ዒራዒሮ ሸሚምካስ ኣብ ውዕሎ (ጓይላ) ብዘይነበሩ ኣብ ፈቖዶ ጽምብላት ሸነን ዝብሉ ንጓሂኣ ሰማይ ኣዕሪግዎ ይርከብ፡፡ ሓቂ እዩ ብምድግጋሙ ኣመና ፊግዕ ይብለካ፡ ምኽንያቱ ትማልስ ሕራይ ቅያ ተሰሪሑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ 24 ዓመቱ’ከ እንታይ ቅያ ተፈጺሙ? ዝብል ሕቶታት ዘልዕል እንተኾነ፡ ከም በዓል ውጩ፡ ቻይና፡ ወዲ ኢፍሬም፡ ነቐዘ፡ ኣዛዚ ብርጌድ ነበር ወዲ ዳኒኤል፡ ተወልደ ቀለታ፡ ኣውሊያይ፡ ካሪካሪ…ዝኣመሰሉ ኣብቲ ውዕሎ ዝወዓሉ ምስክርነቶም እንተቕረቡስ የጥዕመሎም፡፡
እቲ ንሰብ ገሪምዎ ዘሎ ግና ናይ ወ/ሮ ጽጌሬዳን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ዓመት ዓመት ተዋሳእቲ ጽምብል በዓል ፈንቅልን ኣሳሰይቲ መድረኽን ዝኾንሉ ምኽንያት እዩ፡፡ ኣበይ ዝነበሩ’ዮም፡፡ ኣበይ ዝነበሩ: ክሻ፡ ወዲ ክሻ ማንኪ ወዲ ማንኪ???
ሰምሃር ሃየ ሓደራ!! ንኹሉ ከከም ገጹ ጽቡቕን ሕማቕን ታሪኽ ኣብ ከርስኺ ሰኒድኪ ንወለዶ ኣሰጋግርዮ፡፡ ብሓደ ወገን ነቶም ጨው ሳሊና ዝበልዖምን ንናይ መወዳእታ ምሕራርኪ ኩቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉን ደቅኺ፡ ምእንታኺ ምዃኑ ኣሚንኪ ይንዋሕ ይሕጸር ብተፈጥራዊ ጸጋታትኪ ክትክሕስዮም ቃል እተውሎም፡፡ እንተ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነቲ ኣዕቒብክዮ ዘለኺ ኣዕጽምቲ ደቅኺ ኣብ ልዕሊ ምጥላሙ ዓመት ዓመት መሸቀጢ በላዕቲ ሕድሪ ምዃኑ ኣስተብህልሉ፡፡ ብዛዕባ መሕለፊ ግዜ ካልኣይ ቤቱ ጌሩኪ ንዘሎ ድማ ልቢ ይሃብኪ ካብ ምባል እንታይ ክብለኪ፡፡
ቃል እቶም ምእንቲ ኣንጻር ደመኛታትኪ ንናጽነት ተዋጊኦም ክቡር ሂወቶም ዝወፈዩ ይዓብር ኣሎ ብምባልን ልዕልና ሕግን ስልጣን ናብ ሓደስቲ ወለዶ ዘሰጋግር ምህናጽ ቅዋማዊ ስርዓትን ስለዝጠለቡ ጥራይ፡ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣብ ከርስኺ ዝተሓየሩን፡ ነቶም ብሂወት ዘለው ክሳብ መዓልቶም ሓደራ ዓቅብዮም ብምባል እላበወኪ!!፡፡
ካብ ኣባል 72 ነበር ባጽዕ
07.02.2014