ህዝባዊ ኣኼባ ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ ንዕለት 17, April 2016

ህዝባዊ ኣኼባ ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ ንዕለት 17, April 2016

meEremta

To solve the migrant crisis, we share Eritrea

A regime of terror. This is described by the UN Eritrea, whose commission of inquiry has openly denounced the practice of crimes against humanity. Often, we see them coming to our shores in boats of death without knowing where and what escaping thousands of people in Africa. Among these desperate people, human beings like us, the High Commission estimated that in 2015 only the Eritrean refugees have reached the figure of 400,000.

There is, unfortunately, little attention on this part of the world around the Horn of Africa where it is consumed, for years now, an unbearable chain of crimes against the state of law and the people. We want to shake the conscience and arouse the attention because this country we care and we want to fight for the restoration, meanwhile, certain minimum conditions of political freedom and civil life completely erased from the absolute and tyrannical power of President Isaias Afewerki. He repeated it recently Renzi. We repeat us again: Africa is our priority and Eritrea is fully part in this action that can and must relate to the European Union. We are raising the issue of a country that, to keep the investigations of the United Nations High Commissioner for Refugees estimates that over 400 thousand Eritreans, equal to 9% of the total population, have fled the country, and every month about five thousand people the abandon. A continuous flight, incessant, largely due to the persistence of serious violations of human rights.

In the European Union, last year, Eritrean asylum seekers have been granted refugee status in 69% of cases, while a further 27% received subsidiary protection. The European Parliament has approved in the last session in Strasbourg, a resolution that is a sort of compendium of the atrocities that are committed in Eritrea. Many, especially young people, cross the border and the regime takes revenge on their families back home by imposing on them a heavy fine, a real extortion. Imposition in violation of UN resolutions ”used to finance armed groups in neighboring countries, destabilizing the region” in doing so.

This is the framework within which takes place the lives of six million and a half inhabitants, the home of the co-signatory of this writing, Don Mussie Zerai, the cleric who since 1995 has lent the work of assistance to all our compatriots who have crossed the Mediterranean towards a European land of salvation and that for this reason it has been proposed for the Nobel.

When it comes to repressive regimes the list of misdeeds is always long and terrible. After the ”presidential” that led to power Isaias Afewerki has been fulfilled a suspension of democratic rights, no application of the Constitution of 1997, replacing the judiciary with Special Courts, starting a mass conscription and lasting for hundreds of thousands of soldiers. A conscription that has been perpetuated over the years and which also covers men of 50-60 years. This structure allows the regime of the president to use the armed forces as well as workers at no cost to public works or caste in power interest. Those who could and can still leave this hell, this prison-State so that the figures say that 7/8 of an Eritrean now lives abroad. He flees from Asmara and surroundings to escape the repression and the economic and social conditions absolutely catastrophic. Eritrea is now one of the world’s poorest countries with a per capita GDP of $ 800 per year, not even $ 70 per month. A good portion of the residents survive on remittances from expatriates, which was one of the most significant items of the national economy affected by the prolonged drought and in general by climate change that could result in a new exodus of refugees from what Human Rights Watch has called one of the most ferocious dictatorships in the world that can boast of, so to speak, well 361 between prisons and detention centers (in Italy, with 60 million inhabitants, there are 205 prisons). In our country landed last year more than 150,000 refugees. 26% of these, amounting to 40 000, are Eritreans, and young age. Escapes those who have more strength and will to fight in the hope of being successful.

The relationship between the EU and Eritrea, is based on a partnership agreement that lasts for years and even on assistance programs for some time but the opposition forces are demanding that Europe and even individual EU countries cease to cultivate the idea that the Afewerki regime can be held good with acts of blandishments in return for an easing of the climate of lawlessness. This is not the road that could lead to a return of civil and democratic normality. The European Parliament called for an end to all violent practices in the field of military service and access to the country of UN experts and the OAU to initiate an investigation of violation of human rights. It is the most important act that you have to play. That essential in carrying on to secure all fundamental rights as well as the same structure of the state affected in the operation and governance practices.

The Parliament, in fact, calls on the government of Asmara restoring a correct and transparent management of public finances, the launch of a true national budget and the autonomy of the central bank, free from military control and free from hazardous trades on terrorist financing in the area. The Habesha Agency also calls for the opening of a peace table between Eritrea and Ethiopia, the two neighboring countries that have been dragging since 1998 in an exhausting war fought on the field but equally deadly.

The end of the clash between Asmara and Addis Ababa could also wipe out the emergency climate and strong current repression in Eritrea justified by the winds of war. The Afewerki regime has, in fact, always motivated prolonged crackdown and the total militarization of the country with the condition continues hostility to Ethiopia. Regarding this aspect very sensitive, on behalf of the Socialists and Democrats Group, I will travel to Ethiopia to invite the Addis Ababa government to work towards a peaceful solution that would stabilize not only the two countries but the whole region Horn of Africa.

ምልውዋጥ ባህሪ ሰብ ኣብ ጉዕዞ ሂወት ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ – 1ይ – 2ይ – 3ይን – ናይ መወዳእታ ክፋልን

ምልውዋጥ ባህሪ ሰብ ኣብ ጉዕዞ ሂወት
ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ 

ህዝባዊ ኣኼባ ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ

ህዝባዊ ኣኼባ ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ

ATT_1458742111555_20160323_070317

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?

“ስነ -ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ጨው ከም ዘየብሉ መግቢ” መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዘበነ ፈደረሽን ኤርትራ፡ ካብ ዝነበረ መጻሕፍቲ።

ጥዑም መግቢ፡ ብዝሒ ሓዊዶ! የብስሎ? ብዝሒ ጨው ከ! የጥዕሞዶ? ብዝሒ፡ በርበረ ኸ! የምቅሮዶ? ብዝሒ፡ ቀመም ከ! ይጥዕምዶ? ወሓለ ዘይሰርሓቶ! ይነ ኣድ ዶ?።

ሕሉፍ!! ሓለፋ!!!ሕሉፍነት እንታይ እዩ? ሕሉፍ ምዃንከ! እንት እዩ ረብሓኡ? ሕሉፍ ብምዃን፡ የፋቕር ዶ? ሰላምን ምርግጋእን ከ! የምጽእ ዶ? ፍትሕን! ስርዓትን ኣሎ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ብምዃኑ! ሰብ ይነኣድ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ይዕወት ዶ?

ሕሉፍነት! ባህርይ ኣብ ኤርትራውያን፡ ንሃገርናን፡ ንህዝብናን ኣብ ድቕድቕ ጸላም ኣእትዩዋ ይርከብ ኣሎ። ሕሉፍነት! ዘስዕቦ! ካብ ጥቕሚ!! ጉድኣቱን፡ ስቓዩን፡ ድኽነቱን፡ ዉርደቱን፡ ድንቑርናኡን፡ ዕሽነቱን፡ ስድነቱን፡ ብዕልግናኡን፡ ድሕረቱን፡ ስድራቤት ምብታኑን፡ ህልቀቱን፡ መቕዘፍቱን፡ ኣደራዑን፡ መረረኡን፡ ደሚርካ ኣጉዲልካ መልሱ፡ ባዶሽ፡ዝኾነ ዜግነት ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ። ሕሉፍነት!! ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ፡ ኣንነት፡ ብመጽናዕትን፡ ብታሪኽን፡ ብባህልን፡ ዘይድገፍ፡ ሓዱሽ ባህሊ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ባህሊ እዚ፡ ብዓዋሉ፡ ብናይ መንንነት፡ ቅልውላው፡ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ፡ ናይ ሓሶት ልዕልና፡ ኣብ ልዕሊ፡ዜጋን! ኣብ ልዕሊ፡ ህዝብን! ኣብ ልዕሊ ሃገርን፡ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ፡ መጽነትን፡ መቕዘፍትን፡ህልቀትን፡ ኤርትራውያን እዩ። ሓቢርና፡ ንመልከት።

“ነዋሕ፡ መሽላ!!ወይ ንዒፍ!!ወይ ንወንጭፍ!!” ከም ዝባሃል፡ ኣስዕብ ኣቢልካውን፡ “ብዘበነይ ይጥዓሞ ንወገነትይ” ይባሃል እዩ።

ሓለፋ ንምንታይ ኣድለየ? ሓለፋ ዝደሊ ዓማጺ!! ብሕጊ ዘይ ከይድ ጥራሕ እዩ። ሓለፋ ዝደሊ፡ ንዓይ ንዓይ፡ዝብል ፍጥረት እዩ። ናይ ሓሰማ ባህርይ ዘለዎ። ኣነ ይጽገብ፡ ጸጊበ ይድቅስ፡ ብድሕሪኡ ይሕረድ። ናይ ዓመጽ፡ ባህርያት፡ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ዓመጽ፡ ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት፡ ዘይናትካ ምድላይ፡ ብዘይ ጉልበትካ ምንባር፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ሽፍትነት፡ ጸብለትነት፡ ተበላጽነት፡ እንተ ዘይኮይኑ! ካልእ ዘምጾኦ፡ ትርፍን፡ መኽሰብ፡ ረብሓን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣይተራእየን።

ሕሉፍነት እንታይ እዩ?

ሕሉፍ ዝባሃለ ከመይ ዝኣመሰለ ኮን ይኸውን? ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ ክድርደር ስለ ዝኽእል፡ ሕሉፍ ማለት ካብ ዓቀን-ዝሓለፈ፡ ካብ መጠን-ዝበዝሔ፡ ካብ መምዘኒኡ፡ ዝዛየደ፡ ብቑመት ኮነ! ብኽብደት! ብስፍሪ! ካብቲ መለክዒ! ቅቡል ዝኾነ ኣብ ሓደ ህዝቢ ወይ ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ዳኝነት፡ ኣብ ኣከባቢ፡ ኣብ ሃገር ኮነ! ኣብ ኣሕጉራዊ፡ ንሰብ ኮነ! ንነገራት ዝልከዓሉን፡ ዝምዘነሉን፡ መለለዩ፡ ባህርያዊን፡ ሳይንሳውን፡ ሕጋውነት ዝለበሰ እዩ። ዓቀኑ ብዙሕ ኮይኑ ዝርከብ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓሊፉ ዝርከብ፡ ሕሉፍነት! ጸብለልትነት ኣለዎ፡ ክብሃል ይከኣል።

“ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ” ምስላ ናይ ኣድከመ ምልጋእ።

ሕሉፍ!!! መን እዩ? ሕሉፍ ዝባሃል እምበኣር ካብ ሰቡ ንላዕሊ፡ ጸብለልነት ዝሓትት፡ ዝያዳ ንዓይ ቀርቡለይ ዝብለ፡ ቅድሚ ሰበይ ክዛረብ ዝብል፡ ታራኡ ዘይጽበ፡ ንዓይ ስምዑኒ፡ ኣነ ምስተዛርብኩ ካልእ ክዛረብ የብሉን ዝብል፡ ልዕሊ ሰበይ ምሁር፡ “ዓለም ኩላ ደንቆሮ” ኣነ ብዝያዳ ፈሊጥ ስለ ዘለኹ!! ካልእ ሰብ ከም ዘይምልከቶ ጌርካ ምውሳድ፡ ኣብ መስርዕ፡ መስርዕካ ከይተጸበኻ ኣቀዲምካ ምሕላፍ፡ ጉዳይ ስለ ዘለኒ ቀልጢፍኩም ኣፋንዉኒ ምባል፡ ቅድሚ ሰብ ክትከውን ምፍታን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንበዓል ስልጣን ስለ እትፈለጥ! ጉዳይካ ብዘይ ኣግባብ ክሰልጠካ ምግባር፡ ብምጕብዕባዕ፡ ቆሉዑ ስለ ዘለውኒ፡ መገሻ ስለ ዘለኒ፡ ኣኼባ ስለ ዘለኒ፡ ዕድመ ስለ ዘለኒ፡ ኣጋይሽ ኣብ ገዛ ስል ዝገደፍኩ፡ ኣነዶ ከም ኩሉ ሰብ ክርኤ ኣለኒዩ፡ ……ወዘተ። ዝብል ሓለፋ ምድላይ።

ሓለፋ ብምድላይ ሰላም የምጽእዶ? ሓለፋ ዝደሊ ብምንታይ ይልለ? ኣብ ዕለታዊ ኣካይዳ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓን፡ ተግባሩን ሕሉፍነት ክርኤ ይኽእል። ሓለፍ ዝደሊ እንታይ ረብሔ? ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሸኒ ስለ ዝብል፡ ተበለጸ። ሰስዔ፡ ስነ ስርዓት ኣጉደለ፡ ኣነ ጽሩይ ማይ ኣስትዩኒ፡ ብድሕረይ! ማይ ይዘረግ።ኣነ ከለኹ ዳኣ ይጸብቕ እምበር ብድሐርይ ይበላሾ። ኣነ ኣይኮንኩን ባዕሎ እዮም ኣጨማሊቖሞ!። ዝገበርካ ምስ ገርካ ካብ ሓልፍነት ምህዳም፡ “ ኣነ እንተ ሞይተላ ዳንደር ኣይትብቆላ” በለት ኣድጊ ከም ዝባሃል እዩ። “ኣነኮ ሓደ ሰብ እየ! ዓዲ ብዓዳ እንድያ ከምኡ ትገብረ ዘላ” አናበልካ ምሽክዕላል።

መተሓሳሰቢ!!!ኩሉ ዜጋ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት፡ ስነ ምግባር ናይ ምሕላው ሓልፍነት ኣለዎ። ስነ ምግባር ዘጉደለ፡ ስርዓት ሃገር ኣጉደለ፡ ፍትሒ ኣዘናብዔ፡ ሕጊ ረገጸ፡ ሃገር ኣፍረሰ ወይ ሃገር ኣዕነወ እዩ።

ሕሉፍ፡ኣብ ሃገራውነት!!!!

ሕሉፍ!! ሃገራውነት፡ኽ? ካብ ዝጅምር፡ ዕድሜኡ ነዊሕ እካ እንተኾነ፡ እዚ ሕሉፍነት እዚ እናተወራረሰ፡ ምስ ግዜን ኩነታቱን፡ መልክዑን ሕብሩን፡ እናቐያየረ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት፡ ብጭብጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተምዝጊቡን፡ ተሰኒዱን፡ ተኾሚሩን ይርኤ ኣሎ። ብዘበን እንግሊዝ ዝጀመረ ሕሉፍነት፡ዝተዘርኤ ዘርኢ ሕሉፍነት፡ ስዒቡ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብሕሉፋት፡ ዜጋታት ዝተመስረተ፡ቃልሲ ኤርትራ? ሕሉፍ ሃይማኖትነት፡ ዓረብነትን፡ ስለ ዝተወሰኾ፡ ሕሉፍ ገድሊ ኤርትራ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስረተ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ እንታይ ይሕሸና? እንታይ የሰማምዓና? ከመይ ኢልና ሓቢርና ክነብር ንኽእል? ዝብል ሕቶታት ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ!!! ኣነነት ስለ ዝዓብለለ ኣብዘይ ኣድለየና፡ ናይ ህልኽን ናይ ቅርሕንትን፡ ናይ ሓጺር ስጉምቲ፡ሓጺር ዉሳኔ ብምውሳድ፡ ምስ ውልቃዊ ረብሓ ብሕዋስ ጸገምናን፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን ከይተፈትሔ፡ ሽግርና፡ እናበዝሔን፡ ናብራ ህዝብና እናኸፍኤን ይኸይድ ኣሎ።

ይተካእ ይለቀም፡ ድሕሪ ጉባኤ ኣዶብሓ፡ ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ፡ እንተ ብቕንዕና!!እንተ ብተንኮል፡ ኣቐዲምካ ስልጣን ሒዝካ ጎብለልነት ምዃን፡ ምስጢሩ ብሩህ ብዘይኮነ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ታሪኽ ኣብ 1970 ዝተገብረ ምፍንጫላት፡ ደቂ ባርካ ኮነ ደቂ ሰምሃር ብሓደ ወገን ደቂ ከበሳ በት ሓደ ወገን ንጽር መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ነናትካ ታሪኽ እናተጸባበቐ ህዝቢ ኤርትራ ብበሎ በሎ ክንድንቑር ከኣለ። “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ባርካ ዑበሊን፡ ኣብ ከበሳ ወይ ክርስትያን፡ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ” ኢልካ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ደጋጊምካ እንክርኤ፡ ሕሉፍነት፡ ዘስዓቦ መሪር ናይ ሓቢርካ፡ ዘይምስራሕ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ኣጉዲልካ፡ ሕግን ሓልፍነትን፡ ረጊጽካ፡ ኣብ ዘየድሊ ፈኸራን፡ ዕንደራን፡ ተኣትወ። ንእትብሎ ሓቅነት ከተልብስን፡ ደጋፊ ሰዓብን ክትረክብ፡ ናይ ሓሶት ታሪኻን፡ ገበናትን እናደራደርካ፡ ዝጠፌኤ ሂወት መንእሰይ ኤርትራ፡ ዝጠፌ ጉልበትን፡ ቅንጸላን፡ መስዋእትነትን፡ መሪር ታሪኽን፡ ሓተላ ምምሕዳር፡ ኣጽናቲ ስርዓትን፡ተፈጢሩ ዘሎ፡ ሑፍነት ዘስዓቦ ጠባያትን፡ ተግባራትን እዩ።ኣብ ታሪኽ ሓተላ ዝኾነ ትግባራት እዩ።

“ምሳና ዘይኮነ ካባና ይፈለ”

ዝዓይነቱ ኣመሃህራን፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን፡ ኣሰራርዓን፡ ኣወዳድባን፡ ካብ ወላዲኻን፡ ወላዲትካን፡ ሓፍትኻን፡ ሓውኻን፡ ሓዳርካን፡ ደቅኻን፡ ሂወትካን፡ ዓርክኻን፡ ዓድኻን፡ ወረድኻን፡ ኣውራጃኻን፡ ፈሊኻ፡ ሕሉፍ ሃገራውነት ከተእምንን፡ ከተጽልይን፡ ከተስምዕን፡ ከተሕስብን፡ ተጋዳልይ! ከተስቆርቑርን፡ ብምግባር፡ መደንቆር ዝኾነ ትምህርቲ!!! ንኣእምሮ ተጋዳልይ ሰለበ።ተጋዳላይ ጻዕዳን ፡ ጸሊምን ክፈልየሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃውን በጽሔ። ተጋዳላይ፡ ናብ ሮቦት ወይ ናብ ዛህላልነት ተቐየረ። እዚ ስለ ዝተገበረ፡ ዘስዓቦ! ወይ ዘፍረዮ፡ ምግዳል ከም መለኮታውነ ኮይኑ ክእመን ከኣለን፡ ለበሰ። መስዋእትነትን፡ ጅግንነትን፡ ድማ ኣንዊሕካ ኣብዘይ ትጥምተሉ ስለ ዝበጽሔ!!! ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናተባህለ፡ ናብ ከቢድ ስምዒታዊ ወይ ከም ሻህረትነትን፡ ተቐየረ። ተጋዳላይ! ንሂወቱ ምንም ዋጋ ኣብ ዘይህበሉ እዋን ተብጽሔ። ተበልጽቲ ክጸንሑ፡ የዋሃት ኣቐዲሞም ተበጀዉ።ኣባጽሕን፡ ዕሸላትን መናእሰይ ተጋደልቲ ኤርትራ ኣብ ባርዕ ኩናት እና ኣተዉ፡ ሃገራዊ መስዋእቶም ቀጸሉ፡ በጃ ሃገር ህዝብን ሓሊፎም ነጻነት ናይ መርየትን፡ ክብሪን ግርማን!!! ንህዝቢ ኤርትራ ኣረኪቦም ሓለፉ።

ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ኤርትራ፡ ዝተሰዉን፡ ዝሰንከሉን፡ ዕድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝወዱኡን፡ ዝደኽሙን፡ ኣብ ኣገልግሎትን ዘለዉ ኩሎም ምስጋና ይብጻሓዮም።

“ተመሊስካ ትርእዮ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ”

ሕሉፍነት፡ ዜጋ!! ኣብ ርእሲ ዜጋ ብምዃን፡ ሓደን ክእመን እቲ ሓደን ክጥእርጠር እናገበርካ፡ ሓደን ክግደስ ብዙሕ ስለ ዝሕሰወ፡ እሙን ዜጋ ክመስል፡ ሓሳዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሳዊ፡ ዜጋታት ኔርትራውነ ተወዳደሩ፡ ናይ ዘይኮንካዮ ሕልምን በለጽን፡ ዝተኣልመ ማእለማ ሕሉፍ ተኣማኒ፡ “ሕሉፍ ጸጋማይ፡ ሕሉፍ የማናይ፡ ሓለፋ ዝዋሃቦ ኣውራጃ፡ ንሓለፋ ዝወዳደር ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዘየድልዮ ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዝወሃቦ፡ ሃይማኖት፡ ሓለፋ ዝሰኣነ ሃይማኖት፡ ሕሉፍ ሓገራዊ፡ ሕሉፍ ሓፋሽ ዉድብ፡ ሕሉፍ….ወዘተ። ብሕሉፍነት ሃገርና በረሰት።

ሕሉፋውያን ዓድታት፡

ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓለፋ ክዋሃብ ተራእየ፡ ሕሉፋት ጀጋኑ!!! ዘፍርያ ክመስላ ኣብ ሓለፋ ሽመትን መዓርግን ተሰሪዔን ይርከባ። ሕሉፋት ዓድታት፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ዓሰርተ ጀነራላት፡ ካብ ሚእትን ዕስራን፡ ንላዕሊ ኮሎነላት፡ ክህሉ እንከሎ፡ ጥዑይ ዓይንን ኣእምሮን፡ ዘለዎ ዜጋ፡ ክሓትት ናይ ግድን እዩ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን ካኣለ? እዛ ዓዲ እዚኣ ንበይና ድያስ ከማኣ ዝኣመሰላ ዓድታትከ ኣለዋዶ? ኢሉ ንዝሓትት፡ እወ፡ ኣብ ከባቢኤን ዘለዋ ዕድታት እየን እዩ መልሱ። ሕሉፍነት!! ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ሕሉፍ ኣውራጃ እንሆ። ናይ ሃገር መከላኸሊ ምኒስተር ብሓደ ኣውራጃ ክምራሕ፡ ንፍትሕን ስርዓትን ፡ ንሃገራዊ ቕዋም ጠጠው ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ንነብሶምን ንዝሸሞምን፡ ከገልግሉ እዮም ተመዲቦም።እዚ፡ ስል ዝኾነ ድማ እንሆ! ጀነራላት ኤርትራ፡ ሕሉፍ ሓገራውነት ተጎልቢቦም፡ሃገርን ህዝብን እናበረሰ ስቕ ኢሎም ይርእዩ ኣለው።

ካባና ዘይኮነ!! ካባና ይፈለ ዝዓይነቱ፡

ስርዓት ኤርትራ ካብ ሓደ ኣውራጃ ብብዝሒ ጀነራላትን፡ ኮሎነላትን፡ ማጆራትን፡ ብጠቕላላ መኮነናት፡ ሃገራዊ ጸጥታን፡ ድሕነትን፡ ምክልኻልን ስለ ዝተታሕዜ፡ ፍትሒ ኣልቦነት ኣብ ስራሕ ውዓለ። ሕሉፍነት ዝተጎልበቡ ምሁራት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ “ሃገርናን መንግስትናን ንሓሉ” ሃገር ንበይኖም ከም እትብጽሖም፡ ዓው ኢሎም ክጭድሩ ዕለታዊ መደርን ሓቂን እዩ። ብሕሉፍነት!!! ሃገርና ኣበየናይ ሓደጋ ኣትያ ከምዘላ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ተወሳኺ መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሃገራውነት፡ ሓለፋ ናይ ኣገልግልቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋኻ ኣሽካዕልል!! ድላይካ ግበር፡ ሕጊ ንስኻ ኢኻ፡ ሕጊ ከምድላካ! ተርጉሞ! ዘድለካ ግበር ሃገር ናትካ!! ናተይን! እዩ ዝብል ንጉስ ኣብ ኤርትራ ነገሰ።

“ደርሆ!! በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝባሃል፡

ገለ ገለ ኣካዳሚክስ ትምህርቲ ዘለዎ ሕሉፋት ዜጋ ኣብ ዕብዳን ምዝርና፡ ብዕልግናን፡ ከም ሓለፋ ወሲዶም፡ ናብ ሃገርና ኤርትራ ክመላለሱ ይራኣዩ። ሕሉፍነት ዝተኸድኑን፡ዝተዓጥቑን፡ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ንህዝቢ ዓለም ዘደናግሩን፡ ንዲክታተር ንጹሁነት ዘልብሱን፡ ሃገርና ብጸላእቲ ተኸቢባ፡ እናበሉ ዝግዕሩ ብገንዘብ ዝተዓደጉ፡ ንቖልመጽመጽ ዝሓድሩ፡ ኣብ ኤርትራ ከይዶም ከምድላዮ ክምንዝሩን፡ ክብዕልጉን፡ ይፍቀደሎም። መንእሰይ ሃገርና፡ ኣብ ባርነት ክነብር ጥዑይ መነባብሮ ስለ ዘየብሉ፡ ድኽነት ስለ ዝበዝሖን፡ መስዋእትነትን፡ ስደትን ተወሲኹ፡ ኣዋልድ ኤርትራ ሓዳር ክገብራ ስለ ዘይከኣላ፡ ኣደዳ ምንዝርናን፡ ዉርደትን ኮይነን ይርከባ ኣለዋ።

ተወሳኺ! ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዘበነ ጸነተ!!! ናብ ኤርትራ ዘኺዶም ንኽምንዝሩን ንኽዓብዱን፡ ድሃይ ገዛይ ክፈልጥ እናበሉ ይገሹ።

ሃገራዊ!!ንገበንካ ሓቅነት ዘብሉ፡ ከተምስል ተጣበቕቲ ስል ዘድልዩ፡ ካብ ህዝቢ፡ክትምልምል ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ብትምህርቲ ኣካዳምያዊ ደረጃኦም፡ ልዕል ዝበሉ ብማስተርስን፡ ብዶክተርነት፡ ዝወድኡ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዕን በደልን ኣብ ስደት፡ ንዝግበር ምንቅስቃሳት ከተዓናቅፉን፡ ነቲ ዝግበር ኣብ ህዝቢ በደላዊ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ሕጋዊ ስም ከልብሱ ይኽእሉ ዝባሃሉ ይቑጸሩ። ቑጻር ወይ ዓሰባ ዝተባህሎ ይፍጽም። ገለን ብገንዘብ ተቖጺሮም፡ ገለን ብሕሉፍ ሃገራውነት ኣእምሮኦም ሸፊንዎም፡ ዝተበላሸዉ፡ ንህዝቢ ዓለም፡ ሃገርና ኤርትራ ምዕብልትን ብልጽግትን ብወርቂ፡ዝነትዔትን፡ ድኽነተ ኣልቦ ክገብሩ ይፍትኑ። ኣብ ስደት ካብ ሓደ ከተማ ናብቲ ሓደ ከተማ እናኸዱ ይግዕሩ ኣለው።

ናይ ኤርትራውያን ሕሉፍነት!!!ንበይኑ እዩ??

ኣቕሽሽትን፡ መሻይኽን ካብ ሃይማኖት ወጻኢ ኣብ ዘይምልከቶም፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘፋቕሩ ከባእሱን ይውዕሉ ኣለዉ። ነፍስ ወከፍ ዜጋ ብሕሉፍነት ተበላሽዩ ስለ ዘሎ፡ ካብዚ መርዛም ብልሽውና፡ ጠባይ ክንፍወስ ናይ ግድን እዩ።ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዘይሓልፍነታዊ፡ ዘይ ስነ ምግባራዊ፡ ዘይሕጋዊ ተጋባራት ክፍጽሙ ይዉዕሉን፡ ይሓድሩን፡ ኣለዉ። እዚ፡ ድማ፡ ኣብ ዘዝነብሩ ዓዲ፡ ኣብ ሓገዝን፡ ረዲኤትን፡ እንጀራ ልማኖ እንዳነበሩን፡ እናበልዑ፡ ዝበልዕሉ ጻሕሊ ክሰብሩ ይራኣዩ።ኣብ ዝነብሩሉ ዓዲ ወይ ሃገር፡ ዑቕባ ክሓቱ ከለዎ ዝበልዎ ረሲዕም፡ኣብ ኤርትራ እንክበጽሕ ኣብ ሓሶትን፡ ሕግን ስርዓትን፡ ክጥሕሱ ይርከቡ ኣለዉ።ኤርትራዊ ስነ ስርዓት ኣጕዲሉ ይርከብ ኣሎ።

“ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” ኮይኑ ስለ ዘሎ ኣንዊሕና ክንሓስብ ይግባኣና።

ሕሉፍነት ዘይፍወስ ሕማም ምንሽሮ ኤርትራ እዩ።

ኤርትራዊ፡ ነን ነብሱ፡ ይፈትሽን ይመርምርምን፡ ብሕሉፍነት ምንም መድሃኒት ኣይርከቦን እዩ። ሕሉፍ ቛንቛ የለን። ሕሉፍ ሃይማኖት፡ የለን። ሕሉፍ ብሄር የለን።ሕሉፍነት ዜጋ እውን የለን። ሕሉፍ ኣውራጃውን የለን።ሕሉፍነት ሕማም ምንሽሮ እዩ። እሞ ሕማም ምንሽሮ ካብ ኮነ፡ እዚ ሕማም ምንሽሮ ተሰኪምና ካብ ምንባር ክንገላገል ንጽዓር፡ ፈውሲውን ንርከበሉ።

ካብ ሕሉፍነት ሓራ ንኹን።ህዝብና፡ ተር ከም ዓተር ኢሉ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ማዕረ ዳኣምበር!!! ሓለፋ፡ የብሉን።ኩሉ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣብ ማዕርነት ዜጋታት፡ኣሚኑ ክነብር፡ ብቕዋም ክምራሕ፡ ብሕግን፡ ብፍትሕን ብስነ ርዓትን፡ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ክነብር እንተዳኣ ኮይኑ? ኩሉ ዜጋ ኣብ ሃገራዊ ትካልን፡ ቅዋምን ንኽተክል ክጽዕር ሓላፍነት ኣለዎ።ናይ ኩሉ ዜጋ ጻዕርን ድኻምን ድማ ይሓትት። ደው በለለይ ክብለጸልካ ግዜኡ ኣብቂዑ እዩ።

ፍትሒ ይንገስ!!!
ዉድቀት ንሸፋቱን ሕሉፋት ሃገራውያንን
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ፡ ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 03/21/2016