ስርዓት ህግደፍ ግርማ ከተማ ኣስመራ የዕኑ 


ስርዓት ህግደፍ ግርማ ከተማ ኣስመራ የዕኑ 


እታ ብ እትውንኖም ጥነታዋያንን ታሪኻውያንን ህንጻታት ኣፍሪቃዊት ሮማ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ኣስመራ፡ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ኣካይዳ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግርማኣ ተጥፍእ ከምዘላ ኣብዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝበጽሓና ሓበሪታ የረጋግጽ። 
እዞም ብግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝተሃንጹ ህንጻታት ብብዙሓት ናይ ስነህንጻ መሃንድሳትን ኣርክተክተራትን ብዙሕ ጠመተ ዝወሃቦም ቅርስታት እዮም። ነዞም ጥንታውያን ህንጻታት ንምዕቃብን ንምሕዳስን ከኣ ካብ መፋርቕ 1999 ኣቢሉ ካብ ባንክ ዓለም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝተሰልዓሉ ካርፕ ዝብሃል ፕሮጀክት ይሰላሰል ነይሩ አዩ። እንተኾነ ግን እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 2004 ኣቋሪጹ። በዚ ከኣ እቶም መስሕብ በጻሕቲ ብምዃን ኣብ ምምዕባል ቱሪዝምን ቁጠባ ሃገርናን ዓቢ ተራ ክጻወቱ ዝግብኦም ጥንታውያን ህንጻታት ብሰንኪ እቲ ዝስእንዎ ክንክንን ጽገናን ኣብዚ እዋን ዕርቃኖም ወጺኦም ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ የምርሑ ኣለዉ። እዚ ኣብ ታሕቲ እትርእይዎ ዘሎኹም ስእሊ ህልዊ ኩነታት ናይታ ፓልሶ እንዳ ኣባ ሓበሸ ተባሂላ እትፈለጥ ሓንቲ ካብ ጥንታውያን ህንጻትት ርእሰ ከተማና እያ።

asmara-tedewina-2ብዘይካ እዚ እቲ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ፖሊሲኡ ንምትግባር ከይደቀሰ ዝሓድር ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ንጥንታውያንን ታርኻውያንን ህንጻታት ዕርቃኖም እንዳ ወጹ ስቕ ኢሉ ኣብ ምርኣይ ጥራይ ከይትሓጽረ፡ ካብ መጨረሽታ ወርሒ ናይ ዓመተ 2014 ኣትሒዙ ነቶም ብዓቕሚ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላልየ ከተማትትን ከባቢ ኣስመራን ዝተሃንጹ ህንጻታት ኣብ ምዕናውን ምድምሳስን ተዋፊሩ ከምዘሎ ኩሉ ዝዝክሮ ፍጻሜ እዩ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ከኣ ኣብዚ ዝሓልፈ ወርሒውን ብብርክት ዝበለ ሚልዮናት ናቕፋ ብኣርባዕተ ሰብ ሃብቲ ኤርትራውያን ዝተገዝአት እሞ ድሕሪ ዝፈሰሰላ ዘይተኣደነ ርእሰማልን ርሃጽን ኣብ መዝዛም በጺሓ ንስራሕ ክፍቲ ንምዃን ትዳለወሉ ዝነበረት ኣብ ከባቢ ሹቕ እትርከብ ሓዳስ ህንጻ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝዓነወት ብስእሊ ተሰንዩ ዝበጽሓና ዜና የረጋግጽ። ነቶም ውሕስነት ዘይብሉ ናይ ወፍሪ ፖሊሲኡ ኣሚኖም ሃብቶም ዘፍሰሱ ኤርትራውያን ከኣ ወላሓደ ርትዓዊ መኽንያት ከምዘይተዋህቦም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። እቶም ሃብቶም ንባዶ ዘፍሰሱ ኤርትራውያን ከኣ ብጭንቀትን ጣዕሳን ተዋሒጦም ከም ዘለዎ እቶም ግዱሳት ይሕብሩ።ካልእ ምሲዚ ኣብ ዝተኣሳሰራ ሓበሬታ ኣብዚ እዋን ኣስመራ ናይ ከተማ ስርዓት ዘጥፈአት ከተማ ከም ዝኾነት እቶም ፈጋዕጋዕ ዝበሉ ማርሻ ቤድታታን፡ ኣብ ጎደናታት ዝዕንገሉ ዘለዎ ናይ መጽዓን እንስሳታትን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

asmara-tedewina-3መስልን ፍትሕን ዜጋታትና ኣረጋጊጽና ን ሃገርና ብቑጠባዊ መዳይውን ንቕድሚት ክንወስዳ እንተ ድኣ ኮይና፡ እቶም ድሮ ተረኺቦም ዘለዎ ጸጋታትን ብሕጂ ክርከቡ ዝኽእሎ ሃብታታ ተፈጥሮና ሓንሳብን ንሓዋሩን ከይተጓሕጉሑ ከለዉ መታን ከነርክቦም፡ ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሓድነትና ኣትሪርና ንምልኪ ክንስዕር ይግብእና።



ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

Eritrea: Asmara’s Great Architectural Heritage in Danger

Residents of Asmara, Eritrea’s capital reputed for its Modernist architectural heritage lament the city’s decline as the regime obstructs crucial maintenance of the buildings that gained the city its reputation as ‘Little Rome’ where Italian architects freely experimented daring and innovative designed in the 1930s.

asmara-tedewina-2In recognition of the importance of this heritage the world bank funded projects to conserve and maintain these buildings, however these project and other similar initiatives seem to have ground to a halt as many buildings stand derelict and devoid of their potential as tourist attractions.

A case in example is the historic Asmara Icon known locally as Palaso Aba Habesh, in a picture given by a recent Asmara visitor. The building is in total decline and in dyer need of maintenance and conservation, however the regime’s policy prevents any building and construction projects to be undertaken by citizens. As a consequence many residential buildings constructed by individuals to salivate the severe housing shortage in the city are being demolished without regard for the economic and social damage that this is causing residents.

asmara-tedewina-3In 2014, in a rare case of private initiative to modernise and conserve old buildings four individuals bought to renovated a building in the commercial heart of the city deploying resources estimated in millions of ’Nakfas’, however as the building work was nearing completion and the building almost ready for commercial use officials ordered its demolition and the result is total dereliction of the building as seen in the picture.

Asmara residents note that all of this adds to the hopelessness in the city and fuels the exodus of the young and resourceful citizens.

Project Freedom Friday