Seminar Humanitarian Works: Supporting Eritrean & African Refugees. Eritrean Justice Seekers Toronto

Seminar Humanitarian Works: Supporting Eritrean & African Refugees

Eritrean Justice Seekers Toronto

Eritrean-Justice-Seekers-Toronto

 

 

Outside Eritrea looking in: a diaspora that stands divided

“I love my culture,” says Timnit Solomon. “Being Eritrean means you are a branch of a strong tree with deep roots.”

Continued The Guardian…

 

ዘ ጓርዲያን ብዛዕባ ኤርትራ ህልዊ ውሽጣውን ደጋውን ኩነታት ተኻታቲሎም የውጽእዎ ስለ ዘለዉ ተኻታተሉ፡

ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ኲናት የለን ግን፣ 3% ካብ ህዝባ ተሰዲዱ ኣሎ

ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ኲናት የለን ግን፣ 3% ካብ ህዝባ ተሰዲዱ ኣሎ

ኣዳም ብቘልዓኡ ወተሃደር ክኸውን ዝተዓስከረ’ዩ–ኣብዚ ሓጺር ዕድመኡ ዝሓለፎ መገዲ ግን ንዛንታ መሳቱኡ ኤርትራውያን ዝውክልን ዝገልጽን’ዩ።

ምንጪ ናብ ጓርዲያን ይቕጽል…

 

 

“ክሻ በል ክትድረር!” – ሳልሳይ ክፋል

“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 15 ነሓሰ 2015
ሳልሳይ ክፋል

‘ጉድ ዘገርም፡ ኣድጊ ምስ ዝብኢ ይኸርም!’ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብልክዕ ከምዚ ኢዩ ዝመስል።

ናብ PDF ይቕጽል…

ከተማ ርችሞንድ ንፈስቲቫል ህግደፍ ትነጽግ

ከተማ ርችሞንድ ንፈስቲቫል ህግደፍ ትነጽግ

ምምሕዳር ከተማ ርችሞንድ ካሊፎርንያ ነቲ ደገፍቲ ህግደፍ ዓመት መጸ ፈስቲቫል ዘካይድሉ ዝነበሩ ዓቢ ኣደራሽ ንኸይጥቀምሉ ኣጊድዎም። እዚ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ውጽኢት ናይቲ ደለይቲ ለውጢ በይ ኤርያ ካብ 2010 ኣትሒዞም ዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ እዩ። ህግደፍ ስጋብ ሓሙስ ዕለት 13 ነሓሰ ነቲ ኣደራሽ ክጥቀሙሉ እንተፈተኑ እኾ፡ በቲ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣባላትን መሪሕነትን ደለይቲ ባይ-ኤርያ ጠለባቶም ንክንጸግ ተወሲኑ።

እዚ ዓወት ድምር ውጺት ናይቲ ብማሕበር መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጀሚሩ ብመርሒነት በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ናይ መፈጸምታ ዓወት ዝበጽሔ ኣውንታዊ ፍጻሜ’ዩ።

እዚ ኣደራሽ ቅድሚ ናጽነትውን ኤርትራውያን ካብ 1989 ኣትሒዞም ሓቢሮም ዝዛተይሎን ንጉዳዮም ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝራኸብሉ ዝነበሩ ዓቢ ናይ መዛተዩ ማእከል እዩ።

ምስዚ ዝተኣሳሰረ ካልእ ዜና፡ ኣምሓዳሪት ከተማ ኦክላንድ ወ/ሮ ሊቢ ሻፍ ውን በቲ ደለይቲ ለውጢ ዝገበሩላ ተደጋጋሚ ርክባትን ምሕጽንታታን ተሞርኪሳ ነቲ ኣብቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ንኽትርከብ ዝቕረበላ ዕድመ ከም ዝነጸገቶ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓመት ከምዝፍለጥ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ተስፋ ዝሃበ፡ ንደገፍቲ ህግደፍ ሞራል ዝሰበረ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ክምዝተገበረ ዝዝከር እዩ። ንምዝኽኻር ኣብዚ ተውቁ፡ “Eritrean Justice Seekers’ Demonstration against PFDJ’s US West Coast Festival” https://youtu.be/av9H3jy3R2k

ንሕና ተቀማጦ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ ደለይቲ ሰላምን ፍትሒን ነቲ ኣመሓደርቲ ከተማ ርችሞንድን ኦክላንድን ዝገበሩዎ ምትሕብባር ኣዚና ነመስግን።

ዓወትና ናይ ግድን እዩ፡
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ
www.bayedc.org
ፋይስቡክ፡ www.facebook.com/bayedc
ኢመይል፡ [email protected]
ስልኪ፡ 510-629-0291