ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ገምጋምና ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቭ 23.05.2016፣

ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ
ገምጋምና ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቭ 23.05.2016፣
‘’በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን’’

ካብ ነዊሕ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት ዘሚርና ደሪፍና ሰላማዊ ሰልፊ ጌርና ተኣሲርና ተሰዲድና ክሳብ ብረት ዓቲርና ሂወትናን ኣካልናን ሃብትናን ግዜናን ሰዊእና። ኣውያት ህዝብና ግን ባህግን ጽቡቕ ተስፋን እንበር ክሳብ ሎሚ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተዓወተን። ሰብ ክዉለድ ከሎ ሓራ’ዩ። ንሓርነቱ ከኣ መሬት ወላ ከም ኣፍ እንቚ ትጽበብ እንበር ኣሕሊፉ ኣይህብን’ዩ። ናይ 1961ዓም ብረታዊ ቓልሲ ንዕብየትን ንዝናን ናይ ዉልቐሰባት ዘይኮነ ንሓርነት ህዝቢ’ዩ ተበጊሱ። እንተኾነ ኣከዋውናና ማሕበራዊ መቆምያታትና ብግቡእ ከይተጸንዔ፣ ንድልየታታትና ብግቡእ ዝሕልዎ መርሕ ከይተጠርየ ብድልየትን ብተስፋን ስለዝተጓዓዝና ሂወትን ግዜን ወዲኡ ነቲ ዝተብገሰሉን ዝሰንከለሉን በሊዑ ፍጻሜኡ ንረብሓ ከዳዓት ኮይኑ።

ህዝብና ኣብ ናጽነት ኣሎኹ እናበለ ሂወቱ ‘’ዎጮ እንተገምጠልካዮ ዎጮ’’ ኮይኑ ኣብ ዝተዓጻጸፈ ፍርሕን ምሽቑራርን ምሕቓቕን ይነብር ኣሎ። ጉጅሌ ኢሳያስ ሃገር ብዘይ መቆምያታት ከቑሙ ክብሉ ክበርን መሰል ዜጋታት መንጢሎም ‘’ስልጣና’’ ክብሉ ህዝብን ሃገርን ይርምሱ ኣለዉ። ኤረ ሃገራውነት ብብልሕን ብቓልስን ብመስውእትን ብሕድገትን ዝነበረትን ዝመጽኤትን ሎሚ ሃገራውነት፣ ብ2%ን፣ ብባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፣ ንጻዕዳ ጸሊም ብምባልን፣ መንነትካ ብምሕባእን፣ ኮበሮ ኲናት ብምዉቓዕን ገይሮሞ ነዚ እንቢ ዝበለ ህዝብና ኣድጊ ዘይትጾሮ ወጽዓ ዪወርዶ ኣሎ። ፋሺሽታዊ ጉጅሌ ኢሳያስ ንስልጣኑ ክብል ዘይሰማዕናዮን ዘይረኤናዮን ካብ’ዚ ንላዕሊ ጭቆናን ጥፍኣትን ኣብ ልዕሌና ከውርድ’ዩ።

እንተኾነ ‘’ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ’’ ከም ዝበሃል መሰል ዝሓትት ህዝቢ ብዝኾነ መሳርያ ኣፈራሪሕካዮ ክትገዝኦ ከም ዘይትኽእልን ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብዓወት ዪጎስዕ ኣሎ። ጉዳይ ገበነኛ መንግስቲ ኤርትራ፣ ‘’ቀታል ህዝብታት’ዩ’’ ዝብል ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ክለዓል ክጅምር ከሎ ዉሑዳት ሰባት ኔይሮም። ከም ሓለምቲ ከኣ ዪቁጸሩ ኔይሮም። እዚ ናይ ትማሊ 23 ሰኔ 2016ዓም ሰላማዊ ሰልፍን ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ክትርእን ክተሰሞዕን ከሎኻ ግን ኣብ ህዝቢ ምስ ዝምክት ዝስዕሮ ከም ዘየሎ ምስክር’ዩ። ‘’መን ይእኽሎም’’ ዝብሉ ዝነበሩ ፈሺሎም። በዚ ኣጋጣሚ ንህዝብና ዝንዕቁን ዘትሕቱን ዝነበሩ ኣብ ልቦም ክምለሱ ተስፋ ንገብር። ህዝብና ንሓቂ ወላ እንተቀበርዋ ኣዉጺእዋ። እዚ ጥራይ ድማ ኣይኮነን ጌና ዝቅጽልን ዝመረረን ከውርደሎም’ዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስቲ ፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ፣
ብቐዳምነት ዮሃን ነዚ ዓወት እዚ ክዉን ክኸውን ሰብ ክድቕስ ዘይደቀስኩም!! ዮሃና ናይ ትማልን ናይ ሎምን ሱዉኣትና እታ ቆጽሊ ኣዉልዕ ንስኹም ዝተኸልኩማ ትዕንብብ ኣላ!! ዮሃን ኣካለስንኩላትና ደኺምናን ተጸጊምናን ከይበልኩም ኣብ ኩሉ ሰላማዊ ሰልፊ ተመርሑና!! ዮሃን ገዲማን ተጋደልቲ ንእስነትኩም ዝሃብኩምና!! ዮሃን ሰነ-ጥበባውያን እስፖርታውያን ንሓቂ ዝመስከርኩም!! ዮሃና ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኸብር ብእግርን ብብርዕን ዝተጓዓዝኩም!! ዮሃና ፓልቶካትን ኩለን ናይ ዌባትን ፈይስ ቡካትን ሬድዮን ቲቭን መራኸቢ ብዙሓንን!! ዮሃና ፖሎቲካውያን ውድባትናን ሲቭካውያን ማሕበራትን ኩሉ ህዝብና ብውዱብን ብዉልቕን!! ዮሃና ኣብዚ መሪር ግዜ ምሳና ደው ዝበላ ሃገራትን ውድባትን ዉልቀ ሰባትን!! እዚ ዓወት’ዚ ግን ብዓቢኡ እኩብ ድምር ናይ ህዝብና ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብር ስለ ዝኾነ ዮሃና ህዝብታት ኤርትራ!!

ክቡራትን ክቡራንን ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስቲ ፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ፣
ዓመጽትን ሓሰውትን ክሳብ ኣብ መቓብሮም ዝኣትዉ ስርሖም ኣየቋሩጹን’ዮም። ብትግሬ ‘’ደብር ኣካኑ ኢሓድግ በዓል ኤመል ኤመሉ ኢሓድግ’’ ከም ዝብል ምስላ ኣቦታት እዚኦም’ውን ንሓሶት ከም ሮኬት ክሳብ ወርሒ ክትበጽሒ ክኮሓሕልዋ፣ ንጭቆና ከም ሞዶሻ ኮይና ሓምሓም ርእሲ ሰብ ክትሰብር ክዉልዉልዋ፣ ንህዝቢ ከናቁቱ ካብ መኻዝኖም ሐደስቲ ብልሓታት ከውጽኡ ለይትን መዓልትን ስራሖም ኣይክገድፉን’ዮም። ባህሪኦም ካብ ናይዲያብሎስ ንላዕሊ’ዩ። ኣይትገርሁ፣ ንዉላዶምን ንኣዲኦምን ዘይምሕር ልቢ’ዩ ዘለዎም። ግደፉ ንሓንቲ ብሄር ወይ እምነት ወይ ኣውራጃ ወይ ዉልቀ ሰብ ንመላእ ሃገር ንርብሓኦም ክሸጡ ዓይኖም ዘይዕምቱ’ዮም። ግብሮም ደው ዝብል ኣብ መቓብር ምስ ዝሰፈሩ’ዩ።

ኣሓትናን ኣሕዋትናን ገርህታትን ኣምሰሉታትን ተበለጽትን መዓልቲ ነጻነት መጽኤት ‘’ጽቡቕ ኣዋጅ’’ ክንሰሚዕ ኢና ትብሉን፣ ወገናን እምነትናን ዝዉክል መንግስቲ’ዩ ኢልኩም እትታለሉን፣ ሹመትን ገዛን ዙረት ሓጋይን ከይተርፈኩም ዓይንኹም ትዕምቱ እዝንኹም ትዓብሱን፣ ብኮበሮን ዳንኬራን ጃህራን ዝሰኸርኩምን ንሕልናኹም ክሳብ ክንደይ ዓመታት ክትክሕድዋ ኢኹም? መንግስቲ ብመርገምዶ ብኢድ ሰብ ሓላፋይ’ዩ። ንሕናን ንስኹምን ግን ተረፍቲ’ና። ኣድምጹና።

ክቡራትን ክቡራንን ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስቲ ፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ፣
ዝተረፈ ከም ዘሎና ንኣኹም ዝንገር ሕቡእ ምስጢር ኣይኮነን። ህዝብታት ኤርትራ ንሓርነቱ ክቓለስ ድሉው ሙዃኑ ኣብ ጅኔቫ 23.06.2016ዓም ሰላማዊ ሰልፊ ኣመስኪሩ’ዩ። እንተኾነ ውደባ ልዕሊ ውደባ፣ ውድብ ልዕሊ ውድብ፣ መራሒ ልዕሊ መራሒ፣ ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ርእይቶ እናእምጻካ ንቀዳማይ እናፍረስካ ዳሕራይ ክትሃንጽ ምፍታን ካብ ደዉ ዝበልካዮ ሓንቲ ስድሪ እኳ ፍንትት ክንብላና ከም ዘይኽእል ተሞኩርናሉ ኣሎና። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንኹላትናን ናይ ኩላትትናን ፍትሓውያን ጽላል መርሕዎ፣ እንተዝኸውን!! እናበልና ዊዕልና። ንሕና ፍትሓውያን እና በሃልቲ ንሃገርን ንህዝብታት ኤርትራ እቶም ካልኣይ ገጽ መንግስቲ ኤርትራ ወይ መተካእታ ሙዃና ዘርኢ ዝተእማምን ጽላል ክነቑዉም ኣይበቓዕናን። ካብ ዝጭቁኑ ዘለዉ ኣሕዋትና እንኮ ዝፈልየና እኮ ንሕና ፍትሓውያን ሙዃና’ዩ። ካልእ ፍልል የብልናን። እንተኾነ ኣነንትነትን ዕብለላልን ነብርኩን ባህሊ ሒዝና ፍትሓውያን ክንከዉንን ሓደ ሃገራዊ ጽላል ክንምስርት ዘይሕሰብ’ዩ። እዚ ሓርነታዊ ቃልሲ መበገሲኡን መዕረፊኡን ፍትሒ’ዩ። ፍትሒ ደልና ኢና ንቓለስ ዘሎና። ፍትሒ፣ ድማ ኣብ ሓድነትን፣ ኣብ መሰልን፣ ሕድገትን’ያ ትርከብ። እዚ ባህሊ እዚ ንኣና ጋሻ ኣይኮነን። ናይ ህዝብና ባህሊ ካብ ጥንቲ ካብ ትቕምቲ’ዩ። እዛ ሃገር ብሽርክነት ጥራይ ከም ትዋሓስ ኣሚና ደረትና ኣይንስገር። ሕድገት ዘይገብር ህዝቢ ሃገር ከቑሙዉም ኣይክእልና’ዩ። ሕድገት ንልመድ። ብሄራትን ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኮሚኒቲ (ዓዲ ወረዳ ኣውራጃ) እምነታት ኩሎም መቆምያታት ሃገር ኢዮም። ነዚኦም ብልፍንቲ ብመርፍእን ብፈትል ክነስምሮም ከም ቀድማይ ዕላማ ንበገሰሎም። ፋሺስቲ መንግስቲ ኤርትራ ‘’ናተይ ዪሰማዕ’’ ክብል ሃገርን ህዝብን ዪሸምም ኣሎ። ነዚ ባህሊ እዚ ካብ ሱሩ ካብ ማእከልና ንእለዮ። ዝኾነ ሰብ ወይ ኣኩብ ማሕበር ሓሳቡ ክገልጽ ከሎ ዶብ ክንገብረሉ ኣይንፈትን። ምኽንያቱ ኩልና ሓደ መሰል’ዩ ዘሎና። ሓደ ንሓደ እዚ ተዛረብ እዚ ኣይትዛረብ ኢሉ ዝወስነሉ መሰል የብሉን። ምኽንያቱ ብባይቶ ሃገርን ህዝብን ዝቆመ ቁዋም የብልናን። ኣብ’ዚ ጉዕዞ ሓርነት ፍልልያት ርኣይቶን ኣቛቁማን ክህልወና ናይ ግድን’ዩ። ነዚ ንፍልልያትና ከም ጸጋ እንተወሲድናዮም ከማዕብሉናን ከዕዉቱናን’ዮም። ከም ጸገም እንተወስዲንዮም ‘’ብትም በል/ሊ’’ እንተመኪትናዮ ከኣ ንጥፍኣትና ክኾኑ ዪኽእሉ’ዮም። ዲውድብብኤ ብዘይቅድመ ኲነት ነቲ ናይ መጠረሽታ ሽቶና ክነዕዉት ሕድገትን ተጻዋርነትን ፍትሕን ተወፋይነትን ክስስን ክሰርሕ’ዩ። ናይ ኩልና ዕላማ ከኣ ንሱ ክኸውን ንጹዉዕ።

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ኤርትራ/ሆደ ንመጻኢ ወስታ ቅሩብነቱ እናገለጸ ብዝተዓትረ ዓወት ንኹሉ ህዝብና ኣብ ዉሽጥን ዲያስፖራን ንዘሎ ዮሃና እናበለ ንድገፍትና ሕብረት ኣፍሪቓን ኣባላት ኢጋድን ንባይቶ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰልን ንኹሎም ኮሚቴታቶምን ብስም ህዝብና ይምጉስን ንቐጻሊ ፍትሓዊት ኤርትራ ክሳብ ትረጋገጽ ኣብ ጎንና ደዉ ክብሉ ዪጹዉዕን።

ግዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ኤርትራ/ሆደ
ውድቐት ንፋሺስታዊ ጉጅሌ ኢስያስ!!!

ዓመጸኛታት ኢሳያስን ጉጅሌኡን ኣብ ፍትሒ ይቅረቡ!!!
ዝኽርና ንስዉኣት ብፍትሒ ምንጋስ ይኹን!!!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.