ኣመት!!ጀነራል ቢትወደድ ኣብራሃ!!

ኣመት!!ጀነራል ቢትወደድ ኣብራሃ!!

ብመጀመርያ! ነቶም ነዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ቪድዮ፡ ናይ ጀነራል ቢትወደድ ዝቐድሑን፡ ዝዓቀቡን፡ ንብዙሕ ዓመታት ከይፈርሑ፡ ዓቂቦማ ብምጽናሕን፡ ኣብ ስደት ኣምጺኦም፡ ግዜ ሓልዮም ብምዝርግሖም፡ ዝዓበየ ክብርን ምስጋናን፡ ይብጽሓዮም። እዚ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት፡ ከም ምኻኑ ኩሉ ዜጋ ክፈልጦን፡ ክግንዘቦን ይግባእ።ሓደ መጎታይ ብጭብጥን ብመርትዕን ተሰንዩ ክምጉት እንከሎ ተወዳዳድሪ ከም ዘይርከቦ ግሉጽ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብህግሓኤ፡ ኮነ ብህግደፍ ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ፡ ትምህርትን መግለጽን መትሓዝን፡ መጨበጥን፡ መእሰርን፡ ዘይብሉ፡ “ብበሎ በሎ”!! ንልዕሊ 40 ዓመታት፡ ክደናገርን፡ ክድንቁርን፡ ክዕንዝዝን ይነብር ኣሎ። ሓቂ ዘይብሉ ወረታት 03 ከም መምርሒ ተጠቒሙ መርትዒ ዘይርከቦ ኣብ ሃለውሎም ከንብሮ ይርከብ። ከተማ ዓሰብ ነጻ ምስ ወጸት ተጋዳላይ ቢትወደድ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ “ብዓበይትን፡ ቀረብ ሰበ ስልጣን “ህግሓኤ” መናፍሕ 03 ተዘርግሔ።እቲ ወረ፡ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ “ዓበይቲ ተጋደልቲ፡ ኣብ ስርቅን፡ ቅጥፈትን፡ ተረኺቦም ዘሕዝን ነገር እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ብዙሕ ቀጠፍጠፍ፡ ይርኤ ኣሎ” እናበሉ የውርዩ ነበሩ።ስዒቡ፡ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ተኣስረ። ሓለቓኡ መን ነበረ? ተጋዳላይ ዉጩ። ዉጩ እንታይ ይገብር ነበረ?። ዉጩ ብወገኑ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ደቂ ዓዲ መንጎቲ ሰራሕተኛታት ቆጺሩ፡ ንተጋዳልይ ቢትወደድ “እዚ ወገናዊ ደቂ ዓዱ ቆጺሩ ኢሉ ብመርበብ 03 ወረ ነዝሔ” እዚ ታሪኽ ንገደፎ።

ጀነራል እንታይ ኣመተ? ወይስ እንታይ በለ ኣብ ዓደቡኡ፡ ዓድ መንጎቲ፡ ተኸላ፡ ሰራየ። እምበኣር ዝበሎ ከምዚ እዩ።ከምቲ ዝዓበየሉን፡ ዝፈልጦን፡ ዝተጋደለሉን፡ዝመከተሉ ዓላማን፡ ንዘሎን፡ ንመጻኢ፡ኣመተን፡ ንዓዱ፡ ንዓድ መንጎቲ ከምቲ ዝርድእዎ! ገይሩ ኣቕረበ። ወዲ ሕጊ፡ “ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ”፡ ብስነ ስርዓትን፡ ኣገባብን ከምዝዓበየ፡ ዘይረስዖ ምዃኑን፡ ወይ ሰውራ ወይ ቃልሲ ገድሊ፡ ዘይቀዮሮ፡ ምዃኑን፡ኣብ ጽፈትን፡ እሩምን፡ ስነ ምግባርን፡ ባህልን፡ ያትታታትን፡ ዝዓበየ ምዃኑ ገለጸ።

“ሰብ ኣብ ዓዱ፡እኽልንከ! ኣብ ዓውዱ” ከምዝባሃል፡ ወይስ፡ “ዓድኻ! ፍርሕን!!!ትኽልክለልካ! ሞት! ነይትኽልክለልካ” ከም ዝባሃል፡ ባህሉን ልምዱን፡ እምነቱን ኣብ ልዕሊ ዓዱ ከምዘለዎ፡አዩ ዝገለጸ።“ንለባም ኣምተሉ ክንደይ፡ ከይስሕቶ! ንዓሻንከ! ደርጉሓሉ፡ ክንደይ ከይፈልጦ” ከም ዝባሃል፡ ኣመት!!ጀነራል ቢትወደድ ንተዓዘብ።ጀነራል! ኣብ ዓዲ መንጎቲ፡ ዘርኣዮ!! ምቕሉልነት፡ትሕትና፡ ስነ ስርዓት፡ከበረታ ንዓደቦ፡ መንነቱ፡ ተወፋይነቱ፡ ናይ ሕጊ ተማእዛዚ ምዃኑ፡ ሃገራውነቱ፡ ምእንቲ መሰሉ ዝጣበቕን፡ ዝምጉትን ምዃኑ፡ ዘይቅየም ምዃኑን፡ ሃገሩ ብሕጊ ክትግዛእ ምዃና፡ እምነት ከምዝነበሮ ገለጸ።

ጀነራል፡ ኣብ ዘረባኡ “ኣነ ንብረት ዓደይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለ ዝበልኩ ተኣሲረ፡ ኣብ ቅድመይ ካልእ ክብል እንተሎ ይምጻእ፡ ክሳደይ ንሴፍ፡ ካሕሳ ንኽበልዕ ተሓቲተ! በላዕ ካሕሳ ከምዘይኮንኩ ንዓደቦይ የፍልጥ፡ ወዲ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ እየ፡ በላዕ ካሕሳ ኣይኮንኩን፡ በላዕ ካሕሳ ሸያጥ ዓዱ እዩ፡ ቃልስና ሕጂ!!! ንሓርነት ንቃለስ፡ ዋጋኡ ማእሰርትን፡ መስዋእትን እዩ። ኣይንፍራሕ ንሰብ፡ ንፍራሕ ንፈጣሪ። ትምክሕትን፡ ትዕቢትን ኣየዔውትን እዩ። ካብ ኢትዮጵያ ዝማረኽናዮ ንብረት፡ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ስለ ዝኾነ ንብረትና እዩ፡ ንብረት ሃገረይ ኣይህብን” እዚ ካብ በለ እስከ ደጊምናንር ኣዮ?።

እምነት፡ ጀነራል፡ ንዓደቡኡ ንጹህ ተጋዳልይ ምዃኑ ገለጸ። ሓጥያቱ ሃገራውነት “ቆልመጽመጽ” ዝብል ከምዘይኮነ ኣረድኤ። ኣብዚ እዋን ክንርኢ ከለና ግና ነዊሕ ዝጠመተ “ኑዛዜን ለበዋን” ምንባሩ ንዕዘብ።ህዝቢ ምእንቲ መሰሉ ክብርትዕን ክጉስጉስን ተዛሪቡ። ሓቅነቱን፡ ዓላሙን ንህዝቢ ክሳብ ክንደይ ስርዓት ኢሳያስ ጠላም ምዃኑ ይገልጽ ነበረ። ማፍያ ኢሳያስ! ኣቐዲሙ ብሓለዋ ሰውራ ገይሩ ንህዝቢ ቅድሚ ነጻነት ብፍርሕን፡ ብራዕድን ገሩ ከም ዝረመሶ ተረዲኡ። ናይ ሕጂ ሓርነታዊ ቃልሲ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረድኤ። ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ሃገራውነት ዓቢ ሓጥያት ምንባሩን፡ ነዚ ዓብላልነት ኢሳያስ፡ ክንፈልጦን ንኽልውጦ ድማ፡ መስዋእትነት ዝሓተና ቃልሲ እዩ። ፍርሒ ቦታ የብሉን ።እዚ ፈሊጥና ክንኣትዎ ከምዘለና ኢሉ ዘረድእ ዝነበረ።

ዓዲ መንጎቲ፡ ኣብ ኤርትራ ካብተን ዓበይቲ ዓዲ ሓንቲ እያ። ወለዶ ዓዲ መንጎቲ ነዊሕን ሰፊሕን እዩ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ሓበሻ። ዓዲ መንጎቲ፡ ጓል ሃጸይ ፋሲል ዝምርዓዉ፡ ጎንደር ከይዶም ዝዋሰቡ ዓዲ እዮም።ልዕልቲ ሰብለ ወንጊል ልዕሊ 40 ርስትን ጉልትን ዝነበራ፡ ልዕልቲ ዓዲ መንጎቲ እያ።ኣብ ዓዲ መንጎቲ ዘይዋሰብ ኣውራጃ፡ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ የልቦን።ዓዲ መንጎቲ ኣብ ሰራየ ካብተ ሸውዓተ ዓዲ ሕጊ እያ። ዓዲ መንጎቲ ብዝሒ ሰብን፡ ሃብትን፡ ንብረትን ዘለዋ ዓዲ ዝነበረት ዓባይ ዓዲ ናይ ኤርትራ እያ።ዓዲ መንጎቲ እንተ ተዛሪቦም “ኣድከመ ምልጋእ” ይሰምዑ። ዓዲ መንጎቲ ንጀነራል ተድላ ዝወለደት ዓዲ እያ።ዓዲ መንጎቲ ካብተን ዘሔብና ዓድታትን፡ ኩርዓት ናይ ሰራየን ክትከውን እንከላ ኣብ ሃገራውነት ዝእምቱን፡ ዝምጉቱን፡ ዝስዉኡን፡ ዝመርሑን እትወልድ፡ ተጠማቲት ዓባይ ዓዲ እያ።

ጀነራል ቢትወደድ ወዲ ዓዲ መንጎቲ፡ ካሕሳ ዘይበልዕ፡ ሓቂን ፍትሕን ተዛሪቡ ኣብ ማእሰርቲ ክበሊ ርኢና። በላዕቲ ካሕሳኸ! እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ካሕሳ በሊዖም፡ ኣይደቀሱን፡ ስጋ ሰብ በሊዖ ይሓድሩ ኣለዉ። ንሕጊ ክብሪ ስለ ዘይሃቡ፡ ሕጊ ኣብ ድላዮም ስዓት እናቐያየሩ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ሕጊ ከመሓድሩ ጥራሕ ከይ ኣኽሎም! ደቁ ምስ ረሻይዳን፡ ምስ በደውን ተሓባቢሮ ከም ጤለ በጊዕ ክሸጥዎን፡ ከሕርድውን፡ ከቕትልዎን፡ ከስደድዎን ይውዕሉን፡ ይሓድሩን ኣሎው።ኣብ ዓለም ዘይተራእየን ግፍዒን ዝፍጸም ዘሎ ዘስደምም ጭኮናን ጥምየትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እናተፈጸመ! በላዕቲ ካሕሳ ከጋይጹ ከሽካዕልሉን ይርኣዩ ኣለዉ።

ጀነራል ቢትወደድ!! እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ንኸይመጽእ እዩ ብሕጊ ንስራሕ ዝበለ። ኣብ ልዕለይ ንዝተፈጸመ በደል ከም በደል ኣይሓስቦን እየሞ!!! ንመጻኢ ንሕሰብ ኣብ ሕሉፍ ኣይንንበር ዝበለ።ንደቅና፡ ንደቂ ደቅና፡ ሕጊ ንግበረሎም መሰረት ነንጽፈሎም። ዝበሎን እዚ ሕጂ ንመናእሰይ ወሪድዎም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ፡ ወዶም ኮነ ጓሎም ኣብ ሓሳረ መከራን፡ ኣደዳ ማእሰርትን፡ መቕዘፍትን፡ ኣብ ፈቐዳኡ ክርሸኑን፡ ክሞቱን፡ ብሑጻ ክድፈኑን፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ክጥሕሉን፡ ኮላሊቶም፡ ክዝቖቕን ክጥባሕን፡ ንበይኖም ዓለም ብገፊሑ ጸቢባቶም ክነብሩ ትምኒቱ ኣይነበረን።

ብኣንጻሩኸ! በላዕቲ ካሕሳኸ!!! እንታይ ገበሩ! ንብጻዮም፡ ኣሕሊፎም ሂቦም!! ኣብ ናይ ሕልና ማእሰርቲ ይነብሩ ኣለዉ። እንተፈኾሶም፡ ኢሎም ድማ ገበን ኣብርእሲ ገበን ይፍጽሙ ኣለዉ። ኣስዒቦም ስስዕትን፡ ጥልመትን ጭካነን፡ ናይ መስተ ግዙኣት ኮይኖምን፡ ሕልናኦም ኣዕሪቦምን ይነብሩ ኣለዉ። እዞም ዕሩባት ሕልና ዘይዓጀቦም መኳንንቲ ሃገር ክባሃሉ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ህዝቦም እናጸነተ ግዲ ዘይብሎም ኣብ ምንታይ ታሪኽ ኮን ይምዝገቡ ይኾኑ።ንህዝቢ ኤርትራ ከናእሱን፡ ከበሳብሱን፡ ከሽካዕልሉን ይነብሩ ኣለዉ።

ጀነራል ቢትወደድ፡ ኣብ ቃልሲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኮነ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ብሕጊ መንግስቲ ዝግዛእ ዜጋ ምኻኑ፡ ንህዝቡ ጽቡቕ ዝምነ፡ ንመጻኢ ትውልዲ ንጹርን ጥጡሕን ሂወት ንኸዳልወሎም ዝተዳለወ፡ ኣብ ሕሉፍ ዘይነብር፡ ንዝበደልዎ፡ ምሕረት ዝህብ። ንህዝበይ፡እምበር ንዓይ ዘይብል፡ ብጭውነት ሕጊ ዓደቡኡ፡ ዘኽብርን፡ ታሪኽ ዓዱን ክብሪ ዓዱን ዝሕሉን፡ መሰሉ ኣግባብ ሓልዩ ዘይስእኖ ምዃኑ ዝፈልጥ፡ ዓመጽ ዘይፈቱ እዩ።

ኣብ ዓዱ መጺኡ ንደቂ ዓዱን ኣሕዋቱን፡ቤተሰቡን ኣብ ዝረኸባ ሓጻር ነጻነት ተጠቒሙ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መዝገብ ገዲፉልና ከይዱ። ኢሳያስ ንዘዳለወሉ ሸላ ድማ ድምብርጽ ከይበሎ ብትብዓት ኣተዎ። ዝተረፈ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገደፎ። ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣሰር ብጾቱ ከይረሰዔ እምነቱ ከይጠለም፡ መጺጽን፡ መሪርን ክስቲ መረጸ። ነዚ እሙንን፡ ዉፉይ ሃገራዊ ጀነራል ቢትወደድ፡ ሃገሩ ፍትሕን ስርዓትን ኣብ ዝተረኽበሉ ጭውነቱን ፡ክብርን ተወፋይነቱን፡ ትምኒቱን፡ ሓቅነቱን ክንፈልጠሉ ይግባእ።

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 1 ሕዳር 2015

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.