0
ብውልቀሰባት ኣብ ምስጢራዊ ባንክ ስዊዝዘላንድ ኣስታት 699.6 ሚልዮን ዶላር ብስም ኤርትራውያን ተቐሚጡ ኣሎ፡
ብውልቀሰባት ኣብ ምስጢራዊ ባንክ ስዊዝዘላንድ ኣስታት 699.6 ሚልዮን ዶላር ብስም ኤርትራውያን ተቐሚጡ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ተቓሊዑ ዘሎ ጸብጻብ ምስጢር ዓማዊልን ዘዋህለልዎ ብዝሒ ገንዘበን ናይቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ HSBC ዝተባህለ ባንክ ዓለማዊ ኣገልግሎት ዝህብ ብስም ኤርትራውያን ብምስጢር ዝተቐመጠ መጠኑ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ገንዘብ ኣብ መበል 53 ደረጃ ክስርዑ ዝኸኣሉ 699.6 ሚልዮን ዶላር ብምውህላል’ዩ።
እቶም ነዚ ገንዘብ ብሱቱር ዘቐመጡ ውልቀሰባት 699.6 ሚልዮን ዶላር ዘዋህለሉ 32 ዓማዊል ካብ ኤርትራ ምዃኖም ሰነድ ናይቲ ባንክ ከም ዘረጋገጾን፡ 28 ሚእታዊት ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም እንከሎ ዝተረፉ ክልተ ዜግነት ዘለዎም እዮም። ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ገሊኦም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ሎ።
እዚ ተቓሊዑ ዘሎ ሰነደ ካብ 1981 ክሳብ 2006 ዓ. ም. ጥራይ 24 ናይ ባንክ ሕሳብ ዝኸፈቱ ብዝተፈላለየ ጨንፈራት ናብ 39 ባንክሕሳብ ዘጠቓልል ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ። ካብ 2006 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ገና ዘይወጸ ምስጢር ኣብቲ ናይቲ ባንክ ሰነድ HSBC ከም ዘሎ ዘየጠራጥር እዩ።