‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ካልኣይ ክፋል
‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡
ካልኣይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብድሕሪኡ ንዝተሓብአ ኣጀንዳ ዝትግብር ዘሎ ኮይኑ እስመዓኒ። እቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብተን ቦኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ነፍስ-ሄር መለስ
ዜናዊ ኣርሒቑ ብዝጥምት ስትራተጂ፡ “…ብዛዕባ ኲናትን ሳዕቤኑን ብወረ ዘይኮናስ ብኣካል ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦ፣ ዳግማይ ውግእ ኣየድልን ኢዩ። ኣይፋሉን ንሕናስ ክንዋጋእ ኢና ዝብል ሰብ እንተሎ ድማ፡ ዘድሊ ዕጥቅን ስንቅን ሂብና ክሳብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከነብጽሓኩም ንኽእል ኢና” ኢሉዎም ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ሎሚ ደኣ ስለምንታይ’ዩ ኣቶ ገብሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግሁድ ኲናት ኣዊጁ?
ከምቲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት፡ ጉዳይ ኤርትራ’ውን ንኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። ንነዊሕ ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ድጉል ሸውሃት፡ ሎሚ በጨቕ እንተበለ ድማ፡ ከምቲ ‘ጸማም ሓደ ደርፉ’ ዝበሃል፣ ላልማየ-ላሎ ጥራይ ኢዩ። ልክዕ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዘሎ ሓጺናዊ መስገደል ህግደፍ፡
ኣስካሕኪሑ ኢዩ። ተኣሲሩ፡ ተሰዲዱን ተዋሪዱን ኢዩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብዘን ኣብ ከባቢና ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝዓበየ ዑቕባን ኣግእዞን ዝገበረት ሃገር ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ወላ’ኳ ሎሚ ኣዝዩ ደኺሙ እንተሎ፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ግን፡ ዳግማይ ታሪኽ ከም ዝስራሕሲ ንሕና ኤርትራውያን ምንም ጥርጥር የብልናን።
ሕጂ ብሰንኪ ፍልስፍና ኣቶ ገብሩ፡ ንኤርትራን ትግራይን ከነናቑትን ከነባእስን፡ ወይ ንታሪኽ ክልቲኡ ሰውራታት ከነበላሹ፡ ወይ ድማ ከምዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሶ፡ “ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ” ዝብል ሰክዔት ሰሪሕካ ንኤርትራን ህዝባን ናብኡ ንምእታው ዝተጀመረ ትልሚ፡ ኣይከውንን ኢዩ። ኣብዚ ዝምድና ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገማገመሉ ዘሎ ትስፉው እዋን፡ በሰላ ኲናት’ኳ ክጎድእ እንተፈተነ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክንዮ መጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ኢዩ ዝሓስብ።
ትማሊ ንዝነበረ ሕውነታዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ኣይንጠዓሰሉን ኢና። ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን፡ ናይ ጽልኢ መንደቕ በርሊን ክሰርሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ብባህሊ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ተዛሚዱ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ዝምድንኡ ብዝኾነ ጎዞሞ ተሓርሒሩ ዝብተኽ ኣይኮነን።
እቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢታት ተፈጢሩ ዘሎ በሰላ ድማ፡ ንምሕዋዩ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና። ሎሚ ብድሕሪ ደርዘናት ዓመታት ኩሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ግጉይ ኢዩ ነይሩ፡ እቲ ስለ ናጽነት ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን እውን ‘ደመ-ከልቢ’ ይኹን ዝብል ጽውጽዋይ ኢዩ ቀሪቡልና ዘሎ። ነዚ ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ ቄናን ታሪኽ ጥራይ ስምዑ ምባል፡ ዓገብ ኢዩ!
ኣለና’ኮ እቶም ቀዳሞት ውፉያት ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ስለ መሰል ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ንክቃለሱ ክጅምሩ እንከለዉ ምስኣቶም ዝነበርና። ኣለና’ኮ ኣብ ዘመነ ሰውራ ንዝነበረ ይዕበ ይንኣስ ምዕባለታት ብተመኩሮ ክንነግር እንኽእል ሰባት። ኣለዉ’ኮ ብዘይ ምዝንባዕ ታሪኽ ክነግሩ ዝኽእሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ጥምጥም ቃልሲ ህዝብታት
ኤርትራን ትግራይን ኣንጻር መግዛእቲ ንዝነበረ ውዕሎ ክነግሩ ዝኽእሉ ሰባት፡ ገና ኣይተቐብሩን። ስለዚ ዓገብ ኣቶ ገብሩ!
ቢኒኮሎ ኣቶ ገብሩ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተነጻጸረ ይመስል። ትንታኔኡ ከኣ፡ ብንዕቀት ንህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ብብድዐ ኢዩ ዝደምደሞ። ጉዳይ ባሕሪን ኣፍደገታቱን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ጥራይ ኢዮም ዝውስንዎ። ክንዮ ጉዳይ ባሕሪ ክብጻሕ ዝድለ ዝምድና እንተሎ ከኣ፡ ብክልቲኡ ህዝብታት’ምበር ብመጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ዝውሰን ኣይኮነን። ካብ ሕጋዊን ታሪኻዊን ሰነዳት ወጻኢ ንዝግበር ኣፈታትሓ፣ ንዝመጽእ ወለዶ ተባራዒ ፈንጂ ምትካል ጥራይ ኢዩ ክኸውን።
ስለዚ ንኣበሃህላ ኣቶ ገብሩ፡ ‘ዋልታ ኣይትርአ፡ ክንዮ ዋልታ ንዘሎ ርአ’ ብዝብል ምስላ ጥራይ ክሓልፎ መሪጸ። ናብ ዋና ጉዳይ ግርምቢጥ ታሪኽን ትንታነን ኣቶ ገብሩ ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፡ ኩሉ መደረታቱ ንሓድሕዱ ዝገራጮን ካብ ኣዝዩ ጸቢብን ብጽልኢ ዝኸሓነን ልቢ ይዝረብ ከም ዝነበረን ኣይሰሓትናዮን። ንኩሉ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝኸሓደ ኣቶ ገብሩ፡ ብካልእ ኣበሃህላ “… ኤርትራውያን ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርኩም ምንባር ካልእ ምርጫ የብልኩምን።” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነቱን ሰብኣዊ ክብሩን ክብል ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝመረጾ መንገዲን ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ግጉይ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ።
ቅድሚ መደምደምታ መደረ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ግን፡ እቲ ንነዊሕ ዘመናት ብፍቕሪ፡ ብታሪኽን ሕውነትን ተኸባቢሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብፈላስፋታት ላልማየ ላሎ ዝብተኽ ኣይኮነን። እቲ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓባር ጸላኢ ንምስዓር ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብክቡር ደሙ ዝፈረሞ ዝምድና ከኣ፡ ብዘራጊቶ ትምክሕተኛታት ዝብተን ኣይኮነን። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሓመድ፡ ኤርትራን ትግራይን ዝተቐብረ ኣዕጽምቲ ጀጋኑ ሰማእታት’ውን ረዚን ሕድሪ ተሰኪሙ ከም ዘሎ ንኣቶ ገብሩ ከዘኻኽሮ እደሊ።
እቲ ጽውጽዋይ መስደምም ኢዩ። ኣብ ቃለ ምልልሱ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣቶ ገብሩ፣ “…ጣልያን ንኤርትራ ለቒቓ ምስ ወጸት፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትምለስ” ዝብል ስምምዕ ከም ዝነበረ፡ ከምኡ’ውን ጣልያን ብ1935 ንኢትዮጵያ ስለዝወረረት እቲ ኣብ መንጎ ጣልያንን ንጉስ ምነሊክን ዝነበረ ናይ ዘይምውራር ስምምዕ ፍሩስ ኢዩ ይብል።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ታሪኽ ዝመልአ ወረቐት፡ መጽሓፍ ክበሃል’ውን ኣይከኣልን ኢዩ። ‘ኣደይ ኢታይ ዝበልዕኦ ሕምቶ፡ ነቦይ ቀሺ ኣጉስዖም!።’ ብኣበሃህላ ገብሩ፣ ሙሶሊኒ ብዝጠሓሶ ሕጊ፡ ሎሚ ኤርትራ ከም ገንሸል መስዋእቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ሕጋዊ ኢዩ ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብሂወቱ እንከሎ፡ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ጣልያንን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ሎሚ ክትደፍኖ ምብጋስ፡ ሕልሚ እቶም ኣብ ቅርዓት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይቅዱስ ሓዊ ክኣጉዱ ዝደልዩ ዘለዉ ቅንጅትን ተሓባበርቶምን ምትግባር ጥራይ ኢዩ።
ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ካብ 1998 ክሳብ ውዕል ኣልጀርስን ዘ ሄግን ንዝነበረ ቀያዲን መሰረታዊን ስምምዓትን ፍጻሜታት እውን ብኣዝዩ ዝቐነነ ኣረኣእያ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ። ነቲ ቅድሚ ትማሊ ዘይኮነስ፡ ትማሊ ዓለም ዝረኣየቶ ውዕል ኣልጀርስን ጉዳይ ዶብን’ውን ቅቡል ከም ዘይኮነ ተንቲኑ። ቀጺሉ’ውን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብወግዒ ይቕሬታ ዝሓተተሉን ኤርትራውያን ንብረቶም ተመሊሶም ንክወስዱ ንዝገበሮ ተበግሶ፡ ምስጓጉ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ፡ “…በቲ ዝተገብረ ምስጓግ ኤርትራውያን ትናሳሕ’ዶ” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ውሳኔ ትኽክል ከም ዝነበረ ኢዩ ገሊጹ።
ብድሕሪ ሞት ኢሳይያስ የራኽበና!