ክልተ ፍጻሜታት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ

ኣብ ክልተ ወታደራዊ መዓስከራት ኢትዮጵያ መተከልን ብላቴን ዝተወልዱ ሓደ ዓይነት ባህርይ ዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረ ቅዱሳን፥ ኣብ ኤርትራ ድማ ማሕበረ ማርያም፥ ብዝብል ዝፍለጡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝመሸጉ ቁርዲድ ቤተ ክርስቲያን እዮም።

ሓደ ንጹር መግለጺ ኣለዎም፥ ሓንቲ ቋንቋ ንኽልቲኦም ሓንቲ ትገብሮም ኣላቶም። ናቶም ሓሳብ ዘይቅበል ኣብ ትሕቲኦም ዘይምብርከኽ ኩል ሓንቲ መጸውዒት የጠምቕዎ “መናፍቕ፥ ተሓድሶ”። መለለይኦም ኣከዳድና ነጸላ ኣሰጋግዳ፥ ምኽኒት ብገዳማት፥ ንሽማግለታት ጳጳሳት ምሓዝ፥ ቀንዲ ስርሖም እዩ። ከምቲ ኣብ ራእ ዮሓ.ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” 12:10  ዝብሎ ኩሉ ጊዜ ኣብ ክስን ጸለመን ዝተጸምዶ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን ድሒሩ ዝተረድኦም ጳጳሳት ኢትዮጵያ ሕጂ ዝፈረሰ ምስ ፈረሰ፥ ብሚልዮናት ህዝቢ ናብ ካልእ እምነታት ምስ ገዓዘ፥ ናይ ዓቕሊ ጽበት መግለጺ ዘውጽእዎ ንምስትውዓል ኣብዚ መላግቦ እስከ ንስማዕ https://www.youtube.com/watch?v=u67ZFOJuJKw

እስከ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ሓዲግና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ማሕበር ማርያም ተባሂሉ ዝፍለጥ ገርህታት መንእሰያት ዝኣከበ፥ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ልሒኹ ዝኣተወ፥ ኣብ tewahdo.org “የማሕበረ ቅዱሳን ፖለቲካዊ እና ሃይማኖታዊ ጣልቃ ገብነት በኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክፍል 1-3 ብኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ኣተኣታትውኡ ኣብ ሃገርና ተመልከቱ።

ኣብ ኤርትራ ሱር እዚ ማሕበር ካብ ዝኣቱ ክንደይ ብርሰትን ዕንወትን በጺሑ ኣሎ።

ፓትርያርክና፥ ምሁራት ካህናትና ኣብ ምእሳር፥ ክሲን ጸለመን ኣብ ምንዛሕ፥ ክንደይ ዕንወት ተፈጺሙ ኣሎ። ንኣቦታት ጳጳሳት ኣብ ምግጋይ፥ ክንደይ ክፉእ ተሰሪሑ ኣሎ።

ኣብነት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 2005 ዑደት ዝገበሩ ኣባ ሉቃስ ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቀጽርታት ቤተ ክርስቲያን ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ሰሊኹ ዝኣተወ ማሕበር ብሓዊ ምስ ተቓጸለ፥ ነዞም ኣቦ ሰይጣንውን ዘይበሎ ቃል ድፍረት “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዴታት ሓዊ ዘቃጸላኦ መጽሓፍ ቅዱስ፥ መጽሓፍ ርኩስ እዩ።>” ኢሎም ክዛረቡ ዘገደዶም እዚ እኩይ ማሕበር እዩ።   ክሳብ ሕጂ እዚ ማሕበር ካብ ዝባኖም ምውራድ ኣብይዎም፥ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መካነ ክስን ጸለመን ጸርፍን፥ ናይ ፖለቲከኛታት መራገጫ ገይርዋ ዘሎ፥ ክንደይ ንጹሃት ካህናትን ዲያቆናትን እዮም ብሰንኪ እዚ ከሳሲ ማሕበር ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም፥ ኣብ ጽኑዕ እምነቶም ከለዉ ተወጊዞም፥ ሕልፍ ሓሊፎም ኣብ መንጎ ጳጳሳትና ውግዘት ክሓድር ዝገበሩ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅልውላው ዘላ።

ክንደይ ተስፋ ዝግበሮምን እንጽበዮምን መንእሰያት ካህናትን ዲያቆናትን እዮም ካብ ቤተ ክርስቲያን ክሲ እናኣቕረቡ፥ ኣጥፊኦሞም ዘለዉ? ንክንደይ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም መናፍቕ፥ ተሓድሶ ኢሎም ኣጸሊሞም ስሞም ዘኽፍኡ?

ዋላውን ንናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ከይተረፈ መናፍቓን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን እዚ ድሕሪ ካብ ስራሕ ምእላይ ኣቶ ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ንቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ንምብሓታ፥ ነቶም ብስምዒቶም ብተደጋጋሚ ዘታለልዎምን ዘታልልዎም ዘለዉ ኣቡነ ሉቃስ መሳርሒ ገይሮም፥ ተገን ፖለቲካውያን ሓይሊ ተጸጊዖም፥ ብኸውሊ ነጸላ ምጉልባብ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ፥ ክሳብ ክንደይ እዩ፥ ሰብ ኣቃሊብሎም ዘሎ?

ከም ተዋጋኢት ላም ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ፉፍ እናበሉ ክንደይ መንእሰይ እዩ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቃ ገይሮም ዘለዉ? እሞ ሕዝቢ ነቒሕሎምዶ? ዓቢይ ምልክት ሕቶ እዩ።

ኣብ ጎረቤትና ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ናባና ኣይሰገረን ኢልና ክንዕሾ ዝግብኣና ጊዜ ኣይኮነን። ካብቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ዘይውሕድ ይፍጸመና ኣሎ። እዚ ተመን ክሳብ ዝግብል ተዓጊስካ ገበል ምስ ኮነ ክትቀትል ምፍታን ንባዕልኻ ንሓደጋ ምግላጽ እዩ። ስለዚ ሕጅውን መምሃርን ኣይግበርካ መምሃርን ኣይኽላእካ ተባሂሉ እዩ ነቒሕና ንፍለጦም።

እግዚኣብሔር ጸጋን ሰላምን የብዝሕ።

ዘንስር ዮሓንስ

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.