መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ።

ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብ13 ጥሪ. 2006፥ ”ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ዝበልዎ ረዚን ትንቢታዊ ቃል ብግብሪ ክፍጸም ንርእዮ ስለዘሎና ንኣምላኽ ነመስግን።

ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንኹነታት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምምዝማዝ፥ “ዋና ኣማሓዳሪ፥ ፈጻሚ ኩሉ ጉዳያት” ዝብል ስም ተጠቒሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ጅሆ ሒዞማ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ዝነቐለ፥ ንልዕሊ ዓሰርተ (10) ዓመታት፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ዘውረድዎ ሃስያ፥ ኣብ ውሽጢ ምእመናን ዘስረጽዎ ምፍልላይ፥ ዘውረድዎ ግፍዒ፥ ዕንወት፥ ውግዘትን ምፍልላይን ብዓቕሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን።

እዞም ክልተ ውልቀ-ሰባት፥ ካብ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ደረት ኣልቦ-ስልጣኖምን ተኣልዮም ኣለዉ። እዚ፥ ጽቡቕን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክትድበስ፥ ምስ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኮነ ምስ ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ብኽብሪ ክትስራዕ፥ ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምስግን እንተኾይኑ ግና፥ እቲ ቀኖናዊ ግህሰት ምስ ዝዕረን ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ምስ እትኸውንን ጥራይ እዩ። እዚ ዝኸውን ድማ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ።

በዚ መሠረት፥ ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ነቲ ገዳማውያን ኣቦታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብኣድናቖት እናኣመጎሰ፥ እዚ ዝስዕብ ለበዋታትን ጻውዒትን ብኣኽብሮት የቕርብ፣

  1. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ዘለዉዎ ማሕዩር ብህጹጽ ነጻ ውጺኦም ናብ ሕጋውን መንፈሳዊን መንበሮም ይመለሱ።
  2. እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ይፈትሑ።
  3. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይና ብቀኖናዊ ፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ትመሓደር።
  4. ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሰንሰለታ ሓልያ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶምውግዘታዊ-ፍትሓት ክህቡን ወግዓዊ-ዕርቂ ክግበርን።
  5. ስምረት ገዳማውያን ኣቦታት ዝጀመርክሞ ዝነኣድ ስጉምትን መንፈሳዊ ትብዓትን ክትቅጽልዎ፥ ስለ ሓቂ፥ ፍትሕን ርትዕን ድማ ወትሩ ብጸሎት ክትነቕሑ ንምሕጸን።
  6. ጳጳሳትንገዳማውያን ኣቦታት ብኦርቶዶክሳዊ ሓድነት ተጠርኒፍኩም ንዝጸንሐ ከቢድ ውግዘትን ምፍልላያትን ብምሕረትን ዕርቅን ንኽውዳእ ክትጽዕሩ ንላቦ።

7.ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ “ዓገብ” ብዘይምባልና ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ስደትን ሞትን ተረዲእና “ኣቦና ይፈትሑ” ኢልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክንቀርብ ይግባእ።

ልዑል ኣምላኽ መዓልቲ ሓቂ፥ ዕርቅን ሰላምን ይሃበና። ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሂቡ፥ ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላምን ምሕረትን የውርደልና። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

16 ጥቅምቲ 2014 (፮ ጥቅምቲ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ)

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.