ዕራርቦ ጸሓይ!

ዕራርቦ ጸሓይ!

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ሎሚ 18 መስከረም ኣብ ኤርትራ ጸሓይ ኣዱንያ ዝዓረበትሉ መዓልቲ ኢዩ። ሎሚ ንጉጅለ 15ን ምኩራት ጋዜጣኛታትናን ብምዝካር ብዓቢ ሓዘን እንዝክራ መዓልቲ ኢያ። ሎሚ ዕድል ኤርትራ ናብ ኢድ ሓደ ሰብ ዝኣተወትሉ መዓልቲ ኢያ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ መኣዲ ሰላም ዝተደፍኣላ፡ ዲሞክራሲ ዝተዓምጸጸትላ፡ እቲ ንብረት ህዝቢ ዝኾነ ቅዋም ናብ ከብሒ ኢሳይያስ ዝኣተወትላ መዓልቲ ኢያ።

18 መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዓቢ ሓዘን ክዝክራ ዝግበኣ መዓልቲ ኢያ። ሓደ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ካብ 2001 ክሳብ ሎሚ 2014፡ ን13 ዓመታት ኣብ ጉድጓድ፡ እሞ ከኣ ብማሕዩር ተቐፊዱ ከመይ ኢሉ ይነብር? እሞ ከኣ ኣብ ገድሊ ዝደኸመን ጨው ዝፈረየን፡ ጥዕና ዝወሓዶን ብዕድመ ዝደፍአን!

እስከ ነቲ ሕሰምን ምረት ዒራዒሮን ብሕልና ነስተማቕሮ! ኣንታ ህዝቢ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ’ሞ ርኣዮ! ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ኣርካናት ሃገር ኣጥፊእካ’ዶ ደቂስካ ይሕደር’ዩ? ንሳቶም ኢሳይያስ ከም ዝኣስሮም እናፈለጡ ኢዮም ደው ኢሎም ተጸብዮሞ፡ እቲ ምንታይ ናባና፡ ናብዞም ህዝቢ ኤርትራ እንበሃል ምሉእ ዘይጉዱል እምነት ስለዝነበሮም። ኢዩ። ሓደ ካብዞም ’ገበርቲ ድማዕ ተፈደይቲ ሕሰም፡’ ኣብ ዱሮ ምእሳሮም ንበዓልቲ ቤቱ፣ ”ምእሳርና ዘይተርፍ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን ጸበባና ካብ ኣዋርሕ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ንዓና ኣሲሩ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ኣየደቅሶን ኢዩ፡ ኣጆኺ ኣመት ደቅኺ ግበሪ! ናይዛ ነጻ ቀረጽ መኪና ዕዳ እንተሓተቱኺ፡ ኣይትሸገሪ ወላ ይውሰዱዋ ሃብዮም! ኣይትሕመቒ ክንራኸብ ኢና!” ኢሉዋ ነበረ።

ከም ዝበሎ ብድሕሪ ምእሳሩ፡ ናይ መኪና ዕዳ ንክትከፍል ሓተቱዋ። ከምቲ ዝተባህለቶ ከኣ “ውሰዱዋ” በለቶም። እንተኾነ ኣብቲ ዝነበረቶ ሚኒስትሪ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ነቲ ጉዳያ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዋጺኦም ዕዳ መኪና ከፈሉላ። እሞ ከምቲ ዝበሎ’ዶ ቀጺሉ? ስለምንታይ ዝበለ ጀነራል፡ ሚኒስተር፡ ሰራዊት ወይ ህዝቢ’ኸ ኣሎ ድዩ?

ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብዞም ኣርካናት ገድሊ ሓደ ሰብ ንደገ ወጺኡ እንተዝነብርሲ እንታይ’ኮን ምገበረ? እስከ ሓደ ሰብ ጴጥሮስ ሰለሞን ወይ ዑቕበ ኣብራሃ፡ ኣስቴር ፍስሓጽዮን ወይ ሚርያም ሓጎስ፡ ሓመድ ሕምድ ወይ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ጀርማኖ ናቲ ወይ እድሪስ ኣባ ዓራ! ንደገ ወጺኦም ነይሮም እንተዝኾኑ? ሃይለ ወልደንስአ /ድሩዕ/ በቲ ኣብ ደገ ዝነበሮ ተሪፉ ነይሩ እንተዝኸውን? እስከ ማሕሙድ ሸሪፎ’ኸ ከም ገለ ክብል ንደገ እንተዝተርፍ? ወይ’ውን በራኺ ከምቲ ኣብ ደገ ዝነበሮ ”ትረፍ! ሰብኣይ ክኣስረኩም ይቀራረብ ኣሎ” ምስ ተባህለ፡ ኣብ ኤውሮጳ ተሪፉ ነይሩ እንተዝኸውን … እንታይ’ኮን ምገበሩ?

ብትኽክል ኣብ ደገ ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ህዝቢ ወዲቦን ኣዕጢቖምን ምተዓወቱ። ሕነ ብጾቶም ንክፈድዩ፡ ክሳብ ዋጋ ሂወቶም ብመስዋእቲ ምኸፈሉ። እቲ ምስኦም ዝፈረመ ገዲም ብጻዮም ደኣ እንታይ ረኸቦ? እንታይ ደኣ እቲ ንለውጢ ዝፈረመ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ህዝቢ ኣብ ምውዳብን ምዕጣቕን፡ መንእሰያት ኣብ ምብርባርን ሕነ ብጾቱ ኣብ ምፍዳይን ገለ ቅንጣብ ለውጢ ዘይገበረ? በቲ ሽዑ ኣብ ሰራዊትን ህዝቢን ዝነበሮ ተሰማዕነት፡ ሕነ ንክፈዲ ተበጊሱ እንተዝነብርሲ ሎሚ ኣብ ከመይ ምሃሎና? ብርግጽ፡ ብድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ኣስመራ፤ ”መስፍን ሓጎስ ኣብ ከሰላ ሰራዊት ይእክብ ኣሎ። ብወገን እግርማይካ መጥቃዕቲ ክገብር ኢዩ። ሃገር ሕሰማ ከብቅዕ’ዩ!” ይበሃል ከም ዝነበረ እዝክር።

ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ነዚ ወረ’ዚ ሰሚዖሞ ስለዝነበሩ ድማ፡ ምስኡ ንምጽንባር ድሉዋት ከም ዝነበሩ ኣጸቢቐ ዘረጋገጽኩዎ ጉዳይ ነበረ። ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ባር እንዳ ነብያት መብራህቱ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላል ነዕልል ነበርና። ስለዚ እቲ ካብ ቁራዕ ዒራ-ዒሮ ዝወጸ መስፍን ሕነ ብጾቱ ንክፈዲ ተበጊሱ እንተዝነብር፡ እቶም ኣብ ስንጭሮ ዒራዒሮ ዝሓቐቑ ኤርትራውያን’ውን ሎሚ ምስ ህዝቦም ምሃለዉ! መስፍን ምስ ደለይቲ ቅዋም ብደም ፈሪሙ እንተነይሩስ፡ ስለምንታይ ብግብሪ ዘይተበገሰ? ከምቲ ንራእሲ ወልደንኪኤል ወዲ እምበይተይ ኢለኒ፡ “ህዝቢ’ዶ ኢሉካ ኣይምክትን? ቀሺ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን፡ ክትዕወት ክትወድቕ ዘይትፍትን …” ዝበሎ፡ ንመስፍን’ከ፡ ህዝቢ’ዶ ኣብዩዎ?
መንእሰይ’ዶ ሓንኲልዎ? ኣቕሽሽትን መሻይኽን’ዶ ኮነንዎ? ባጀት’ዶ ውሒድዎ?

እህምምም! ”ጥራይ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ኣጥፍኣልና’ምበር፡ ዘድልየካ ገንዘብ ሕተት። ንመበገሲኻ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክውፊየልካ ድሉው’የ” ዝበሎ ሰብ’ኮ ኣብ ኣሜሪካ ብሂወቱ ኣሎ’ዩ! እዛ ጉዳይ፡ ስሳስ ኣላታ! ስለዚ ’ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብልዓዮ’ ከም ዝበሃል፡ ህዝበይ፡ መጓዕዝትኻንዘይመጓዕዝትኻን እንተዘይፈሊጥካ፡ ኣዲዮ!!

ሕነ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምፍዳይ፡ ካብ ዳግማይ ላምፐዱሳ ንምድሓን ሎሚ ሰሚርካ ተበገስ! ”ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እዚ እንታይ ማለት’ዩ? ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ! ገለ ዘይተኸፍለ ናይ ሓጥያት ዕዳ ደኣ ኣሎና ኮይኑ’ምበር፡ ዕየት ዘጥፍአ ጓሳ’ውን ደቂሱ ኣይሓድርን ኢዩ፡ ናይታ ዝጠፍአት ንብረቱ፡ ብሂወታ ወይ ብሞታ ኣሰር ከይረኸበ’ዶ ይድቅስ’ዩ?

ዋእ ዋእ ዋእ! ኣይ ግድን ንሕና ኤርትራውያን! ክሕደት፡ ኣርቲፊሻልነት፡ ምፍልላይ፡ ጥልመት፡ ብገንዘብ ምስዳዕን ጉዳይ ሃገር ምርሳዕን ጉዝጓዝና ጌርናዮ። ሓቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ንሓድሕዶም ክጫነዉሉ ዝግባእ ግዜ ኢዩ’ሞ፡ ህዝበይ ስለ ሃገርን ክብሪን ሎሚ ከም ሓደ ሰብ ሰሚርካ፡ ተጫኖ!

ደጊም ዝተረፈ የለን! ሃገር ናብ ፍጹም ጥፍኣት ገጻ ኢያ ትኸይድ ዘላ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንግዳያት ዒራ-ዒሮ!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.