ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ራብዓይ ክፋል

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…?

ራብዓይ ክፋል

ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ ገለ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኻ ኢኻ እምበር ወያነ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ከም ዘይደሊ ጠፊኡካ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ገለ ገለ ውድባት ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ውዳበን ስነ-ሓሳብ ቃልሲ ዘለወን ኢየን፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ እውን እቲ ደጋፊ ዝበሃል ኢሳይያስ ይቐትልን ይኣስርን ሃገር የዕንዋን ከም ዘሎ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡፡ ኩልና ለውጢ ንደሊ ኣለና፡፡ ምስ ወያነን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይንካ ዝግበር ለውጢ ግን ኣይንቕበሎን ኣይንደልዮን ኢና፡፡ ዝብል ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስምዒትን ህልኽን ዝተወጠረ ሓሳቦም ወስ የብሉለይ ኢዮም፡፡ ስለምንታይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ንፍትሕን ድሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ማዕረ ዘበነ ቃልሲ ንናጽነት ሎሚ እውን ንሓርነቱ እንተደገፎ ከም ነውርን ሓጥያትን ዝቑጸር….? ነቲ ቀንዲ ሕቶኦምን ስክፍቶኦምን ድሒረ ብሰፊሑ ክድህስሶ ክፍትን እየ፡፡

ብወገነይ ሓደ ከረጋግጾ ዝደሊ ንዘይኣመንኩሉን ቁኑዕ ኢዩ ንዘይበልክዎን ሓሳብ ዋላ እውን መድፍዕ ይተኮስ ንጣብ ብርዐይ ኣየፍስሰሉን ኢየ፡፡ ብርግጽ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዘለኹ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጊ ነጻ ፕረስ ድማ ኣጸቢቐ ይፈልጦ፡፡ መዓልታዊ ኣብተን ዝሕተማ ብዙሓት ነጻ ናይ ግሊ ጋዜጣታት እንታይ ይጸሓፍ ድማ የንብብን ይርእን፡፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግጉይ ኣተሓሕዛ እንተ ተኸቲሉ ክጽሕፎን ክዛረበሉን ዝኾነ ዘሰክፍ የብለይን፡፡ ማዕረ ማዕርኡ እውን ግግይ  ኣካይዳታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኮሓሒለ ዘይምስሉ ከትሕዞን ከጸብቖምን ሰሪሓን ሓሲበን ኣይፈልጥን ኢየ፡፡ ንዘይተቐበልኩሞም ጉዳያት ግጉይ መገድን ኣተሓሕዛንዩ ንዝበልኩዎም ሓሳባት ብሽፍንፍን ዘይኮነ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይነ ደረተይ ነፊሐ ብግሉጽ ኣይፋሉን ኢለ ከም ዝምጉት ከዘኻኽር እፈቱ፡፡ ኣሽንኳይ ምዝራብ ምጽሓፍ ንዘይ ኣመንካሉ ወይ እውን ዘይተሰማማዕካሉ ግጉይ ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ኣኼባ ኮንፈረንሳት ጉባኤታት ረጊጽካ ምውጻእ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡፡ ሓደ ከዘኻኽሮ ዝድሊ ዓብይ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ነባሪ ረብሓን ሓባራዊ ጥቕምን እምበር ነባሪ ጽልኢ ዝበሃል የለን፡፡ ስለዝኾነ ጉዳይና ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ኣይንርኣዮ፡፡  ናብ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ክምለስ፡፡

ስለምንታይ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ክብሪ ሎሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ተደልዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራውነትና ብመንጽር ምውድዳር ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ እውን ብመንጽር ምውድዳር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክኸውን ዝፍተን ዘሎ? ኤርትራውነትና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሃበና መለለይ ታርጋና ኣይኮነን፡፡ ኤርትራውነትና እኮ ደምና ኢዩ፡፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠረ እኮ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሕ ውድብ ናይቲ ናጽነትና ብቕልጽምናን ድምጽናን ንምርግጋጽ ዝገበርናዮ ቃልሲ እምበር ወሃብን ከላእን ኤርትራዊ መንነት ኣይኮነን፡፡ እታ ናይ ትምክሕት ጃህራን ኣነ ይፈልጥን ዝሕመረታ ሕማም ካንሰር ዝኾነት ትዕቢትና ካብዚኣ ኢያ ትነቅል፡፡ ሕማምና ሃገርን ውድብን ፈላሊና ክንሪ ዘይምኽኣልና ኢዩ፡፡ ሕማምና ኢሳይያስን ኤርትራውነትን ነጻጺልና ክንርእዮም ዘይምፍታና ኢዩ፡፡ ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ብኢሳይያሲዝም ዝበሃል ቀታልን ኣዕናውን ተዋጋእን ስነ ሓሳብ ማሲና ሃለዋትና ምስሓግ ኣብ ጻዕረ ሞት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሕማምና ፈሊጥና መድሃኒት እንተዘይ ወሲድናሉ ድማ ትዕቢት ትወልዳ ንውድቀት ብዝብል ብሂል ተደሊስና መጻኢና ጽልግልግ ዝበለ ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ ጸላም ዝጎልበቦ ጥፍኣት ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ፡፡

ናይ ሳላሳ ዓመታት መስተንክራዊ ገድልናን መዘና ኣልቦ መስዋእትናን ክንከፍል ከለና፡ ንሕና ኤርትራውያን ኢና ብምባል ቃልሲ ከነልዕል እንከለና፡ ምስዚ ሕጂ ብስርዓት ህግደፍ ናይ ሓዋሩ ጸላኢ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ብሓደ ኢና ተቓሊስና፡፡ ብሓደ ተሰዊእና፡፡ ብሓደ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርና፡፡ ቃልስና ምስቲ መንነትና ሓግሒጉ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ኤርትራውነትና ዝመንዝዓና ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልስናን መስዋእትናን ምስቶም ኤርትራ ምድረ-ባሕራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝበሉ ገዛእቲ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ብሄራዊ ጭቆና ዘይኮነ ናይ ናጽነት ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣለዎ ብምባል ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝተቓለሰን ክሳብ ምእታው ኣዲስ ኣበባን ስዕረት ስርዓት ደርግን ድሕሪኡን መስዋእቲ ዝኸፈለ ድማ እዚ ሕጂ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኢዩ፡፡ እቲ ዝገርም ብጌጋ እውን ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ተማቲኡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡

ስለምንታይ ድኣ ወያነ ኣይእመንን ኢዩ ዝበሃል..? ነቲ ብመትከል ኣሚኑሉ ንምዕዋቱ መስዋእቲ ዝኾፈለሉ ናጽነት ኤርትራ ተጣዒስሉስ ክወረና ይደሊ ኣሎ ዝበሃል፡፡ እዚ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕሲ ዛግራ በላ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተባዕጠ ውዲታት ኢሳይያስን ናይ ጥፍኣት ጉጅልኡን ኢዩ፡፡ እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ፡፡ ብምስምስ ባድመ ኢሳይይስ ናይ ጽሉላት ውግእ ክእውጅ እንከሎ ቅድሚ ጥፍኣትን ደም ምፍሳስን ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወሰዱ ስምምዕ ርዋንዳን ኣመሪካን እንታይ ኣበሳ ነይርዎ፡፡ እታ ዘቕረብዋ ሓሳብ ነናብ ዝነበርኩሞ ተመለሱ፡፡ ጉዳይኩም ኣብ ጠረጵዛ ኮፍ ኢልኩም ብምርድዳእ ፍትሕዎ ዶ ኣይኮነን ዝብል ዝነበረ፡፡ ቅድሚ ደም ምፍሳስ ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበለ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ ኢሳይያስ ዝመርሖ ዋንነት ውልቀ ሓደ ንእሽቶ ጉጅለ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኮፍ ኢልካ ብሰለማዊ መንገዲ ምርድዳእን ምፍትሑን ተሓሲሙ ንፈታተን ሓይልና ይዕረቐና ኢዩ ዝበለ፡፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ስለምንታይ ኢሳይያስ ተንበርኪኹ ትፋኡ ክልሕስ ዝተገደደ፡፡ እቲ ዘሕዝን ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት መናእሰያት ኤርትራ ምስ ጠፈአ፡ ማዕሪኡ ስንክልና ምስ ኣጋጠመ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ምስ ተመዛበለ ዕስራን ሓሙሽተን ኪ.ሜ (25 ኪ.ሜ) መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣረኪቡ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ክፍርም ሕንኽ ኣይበለን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ውርደት ኣሎ ድዩ……?

እቲ ዝገርም ግን ኢቲ ንኤርትራ ክወርር ይደሊ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ነቲ ብውግእን ኢሳይያስ ባዕሉ ዘረከቦን መሬት ኤርትራ ገዲፉ ንድሕሪት ኢዩ ተመሊሱ፡፡ ስለምንታይ ነዚ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ ዘሎ ጥረ ሓቂ ዋላ ዕረ እናጠዓመና ዘይንቕበሎ፡፡ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ኣብ ኣእሙሮና ኢሳይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ቦታ ሒዙ ኣሎ፡፡ እንታዩ ኢሰይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ጽሑፈይ ብሰፊሑ ክድህስሶን ክትንትኖን ክፍትን ኢየ፡፡

ከም መጠቓለሊ እዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ሓደ ሓቂ ኣስሚረሉ ክሓልፍ እየ፡፡ እዚ ሓቂ እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቅድሚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ብ1985 ብፈረንጂ ብካርዝማቲክ መራሒኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ኣብ ዝብል 151 ገጻት ዝሓዘ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘለዎ መልሲ ንኤርትራዊ ንፐሮፌሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ጽሑፍ…

ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረጋገጽ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስሎ ነገር ክውስን ዘኽእሎ፡ ነጻ ዕድል ኣቐዲሙ ክወሃቦ ኣለዎ፡፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብትኽክልን ምሉእነትን ከረጋግጽ ኣለዎ፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ቀዳማይ ሕጡበ)

ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን መሰል እንተድኣ ረኺቡ፡ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ከም ዝመርጽ ፍጹም ዘየጠራጥር ኢዩ፡፡ ነዚ ሐቂ እዚ ካልእሲ ይትረፍ ስርዓት ደርጊ እውን ዝጠራጠረሉ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዓዲ፡ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓዘቦ ዝኾነ ጋሻ ክርእዮን ክዕዘቦን ዝኽእል ግሁድ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽ ካብ ደርባዊ ምዝመዛን ጭቆናን ንህዝቢ ኤርትራ ከናግፎ ከም ዘይክእል ግን ርዱእ ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ናጽነት ኤርትራ ዘምጽኣሉ መሰረታዊ ረብሓታት የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ካልኣይ ሕጥበ)

ሃገራዊ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ  ጽምኡ እንተረውይሉ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ጭቆናን ምዝመዛን እንትርፎ ናብ ኤርትራውያን ገዛእቲ ደርብታት ናብ ካልእ ከውድቖ ኣይክእልን፡፡ ገዛእቲ ደርብታት ኤርትራ እውን ካብ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ብዘይ ተፈለየ መንገዲ ጨቆንቱን መዝመዝቱን ምዃኖም ብጭቡጥ ብተግባር ክርዳእ ኢዩ፡፡ ስለዚ ድማ ንደርባዊ ሓርነቱ ዝሕንኩሉ ስምዒት ዝሸፈኖ ኣረኣእያ ዘይብሉ ነጻ ኮይኑ፡ ክቃለስን ብዘይ ጥርጥር ደርባዊ ሓርነቱ ክጓናጸፍን ይኽእል፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 106 ካልኣይ ሕጡበ)

እዚ ቅድሚ 28 ዓመታት ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብመርሕነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ባርዕ ፈጢሩ ህዝቢ ክዓስሎን ናጽነቱ ክጓናጸፍን ኢዩ፡፡ ግን ድሕሪ ናጽነቱ ምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነቱ እውን መስዋእቲ ክሕተት ኢዩ፡፡ ኣንቱም ብኢሰይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ዝተጠቓዕኩም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ እዚ ጽሑፍ ትንቢትዶ ክንብሎ ወይስ ነቲውዱዕ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምርኩስ ገይሩ ዝተዋህበ ትንታነ….?

ይቕጽል……….

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251-921924501

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.