ካብ ተሞኩሮ ዘይመሃር ንፋዕ የብሉን

ካብ ተሞኩሮ ዘይመሃር ንፋዕ የብሉን

ሎሚ ዓመት ኣስታት 22 ሺሕ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት 27 ዙርያ ተመሪቖም፡፡ ምረቐኦም ምስ 6ይ ዙር ፌስቲቫል ሳዋ ብሓባር ዕለት 18 ሓመለ 2014 ተፈጺሙ፡፡ ኣብ ምረቓ ኣባላት 27 ዙርያን መኽፈቲ በዓል 6ይ ዙር ፈስቲቫል ሳዋን ፕረዚዳንት ኢሳያስ ተረኺቡ መደረ ኣስሚዑ፡፡ ኣብ መደርኡ “ኣይለመድኩዎን ግን እስከ ንዝጸሓፍኩዎ ብዘይመነጸር ቅድሚ ምምዳረይ” ብምባል ንሕብራዊ ቀለማት፡ ወትሃደራዊ ሰልፍታትን ምስቲ ሰልፍን ሕብርታትን ተሓዊሱ ዝነፍስ ዝነበረ ንፋስ ሳዋን ኣመልኪቱ ብመልክዕ ሞዛይክ ሓጺር መደረ ካብ ጽሑፍ ወጻእ ብቃል ዘስምዐ ፕረዚዳንት ኢሳያስ፡ ቀጺሉ ናብ ናይ ጽሑፍ መደረኡ ብምእታው ካብ 26 ዙርያ ጀሚሩ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዕድል ዘይረኸቡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ተመረቕቲ መንእሰያት ሳዋ ዝተመሓየሸ ሞያዊ ስልጠና ኪነታዊ ትምህርቲ ክኣትው ተኣሚሙ ምንባሩ እንተኾነ ኣብ ወጻኢታቱ ክብድ ዝበለ ብድሆ ብምጉናፉ ዛጊት ክፍጸም ከምዘይኻኣለ ኣብሪሁ፡፡ ኣስዒቡ እቶም ትምህርቶም ንምቕጻል ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት 26ን 27 ዙርያታት ንብሩህ መጻኢ ዕድሎም ብዓቕሊ ክጽበዪ ከምዝግባእ ብተስፋ ተማባጺዑ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ኢሳያስ “ይሓስቦ ኣለኹ፡ ሓሲበዮ ነይረ፡ ብትዕግስቲ ተጸበዩ፡ ዓቕልን ኣኻእሎን ይሃልኹም፡ ስራሕ ሎሚ ብሩህ መጻኢ…” ወዘተ ብዝኣመሰሉ ዉሩቓት ቃላት ካብ ዘታልለና ክንደይ ዓመታት ኣቑጺሩ? ዘተግበሮም’ክ ኣለው’ዶ? ምልስ ኢልና ምስ እንሓትትን እንምርምርን፡ ሓቁ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፡፡ እቲ ሓቂ ከኣ ካልእ ኣይኮነን፡፡ ከም ማይ ዘይዕሞኽ፡ ከም ግመ ዝበንን፡ ክትሰምዖም ጥዑማት ዉሩቓት ቃላት ኢሳያስ ጥራይ እዮም፡፡

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ዘይበሎ እሞ እንታይ ኣሎ; መገዲ ክጸርግ ሓሲበ ነይረ፡ ደሞዝ ሰራዊት ክገብር ሓሲበ ነይረ፡ ምግቢ ውሕስና ከረጋግጽ መርሓ ጎደና ሓንጺጸ፡ ማርሳታትን ወደባትን ክሃንጽ እየ፡ ናጻ ዞባ ክኸፍት ኣንቂለ ነይረ፡ ጸጋታት ባሕሪ ናብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል መደባት ሓንጺጸ ነይረ፡…. ነይረ….!ነይረ…! ነይረ…! ግን ከኣ ብሰንኪ እከለ…ብሰንኪ እከሊት ብድሆታት ገጢሙኒ ከይፈጸምኩዎ ተሪፈ፡፡ ሕጂ”ውን ግን እቲ ሓሳባይ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ ብዓቕሊ ተጸበዩኒ፡፡ ዝብሉ መወዳእታ ዘይብሎም መብጽዓታት ካብ እንሰምዕ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኣቑጺርና፡፡ ሓሲበ”ምበር ኣተግቢረ ዝብለና ናፊቕና፡፡

ንኢሳያስ ዝብድሁ ግን ከኣ ካብ ስልጣኑ ዘይድርብዩ ብድሆታት እንታይ እዮም; ኢሳያስ ደጋጊሙ ካብ ዝገልጾ ብድሆ ሓደ ሕጽረት ቁጠባ ባጤራ እዩ፡፡ እዚ እናተደጋገመ ዝግለጽ ሕጽረት ባጤራ ንዓና ንኤርትራውያን ርዱእ ኣይኮነን፡፡ ተፈጥራዊ ጸጋታት እዛ ሃገር ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቲ ካብ ትሕቲ ከርሲ መሬት ዝርከብ ዘሎ መዓድናዊ ጸጋታት ወርቂ ቢሻ ይኹን በቢሰሙኑ ብባጽዕ ኣቢሉ ብመራክብ ምስሪ እንዳተጸዓነ ሰሙናዊ ብቶናት ዝግመት ምስ ሓመዱ ብኣሚት ሚሊዮናት ዶላር ዝሽየጥ ካብ ኳዕቲ ቢሻ ዝወጽእ ዘሎ መዓድን ሽይጣቱ ኣበይ ይኣቱ ኣሎ? መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ እዩ፡፡ እንታይ ይፍለጥ ኢሳያስ መልሲ ኣይስእንን፡፡ ከይሓፈረ ንሕድሕድ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል 500 ናቕፋ ክኸፍል ጀሚረ ብምህላወይ ኣብኡ የውዕሎ ኣለኹ ይብለና ይኾን፡፡

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽንብል በዓል ናጽነት ከይተረፈ ብዕሊ ካብ ዝግለጽ ዛጊት ሰለስተ ወርሒ ዘቑጸረ ንምድላዋቱ ዝምልከት ፍጹም ዘይተሰምዐ “ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም” ኣመልኪቱ ኣብ መድረኽ ብሓሶት ዝተመባጽዐ፡ ነዚ ናይ 26ን 27ን ዙሪያ ግዳ ክሳብ ክንደይ ክእመን ይከኣል; ኩሉ ክሓስቦ ይግባእ፡፡ ብሓቂ ክንዲዚ ዝኣክል መንእሰይ ኪነታዊ ሞያ ክስልጥን ተሓሲቡ ነይሩ ድዩ; እንተተሓሲቡ ክእመን ይከኣል ዶ; እስኪ ክንሪኦ እንዲና ተባሂሉ ንግዜ ዝሕፍ እውን የብሉን፡፡ ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም ካብ ዝዝረብ ሰለስተ ወርሒ ኣቑጺሩ ክንሱ ክሳብ ሕጂ ንምልከት እውን ይኹን ዝተረኣየ ምንቅስቓስ የለን፡፡

ተዓለምቲ ኣባላት 27 ዙርያ ድሕሪ ምረቓኦም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ነናብ ስድራቤቶም ክኸዱ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንዕለት 5/09/2014 ግን ንሳዋ ክምለሱ ተኣዚዞም፡፡ ንሳዋ ንክምለሱ ከም ምኽንያት ዝተገልጸሎም ውጽኢት ምርመራ ማትሪክ ክንገሮም ምኻኑ እዩ፡፡ ካብ 22 ሺሕ ተምሃሮ እቶም 20 ሚእታዊት ትምህርቶም ንምቕጻል ነጥቢ እንተረኺቦም እቶል 80 ሚእታዊት ዝኾኑ ግና ተረፍቲ ምኾኖም ርዱእ እዩ፡፡ እቲ ጻውዒት ግን ኩሎም ናብ ሳዋ ክምለሱ እዩ፡፡ ኣብዚ ክምዘን ዘለዎ እቲ ትእዛዝ ፍትሓዊ ዘይምኻኑ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዘይእመን ተቐባልነት ዘይብሉ ምትላል ምኻኑ እዩ፡፡

ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም እንኮላይ ኣብታ ኣህጉርና ኣፍሪቃን ጎረባብትና ሃገራትን ንተመርመርቲ ጀነራል 8ይ ክፍሊን ን12 ክፍሊ ማትሪክ ምርመራ ዝገበሩን ተምሃሮ ውጽኢታቶም ንምንጋር፡ ናብ ዩንቨርስቲታትን ኮለጃትን መእተዊ ነጥቢ ንምግላጽ፡ ንቀጻሊ ናብ ዝመሃርሉ ዩኒቨርስቲታትን ኮለጃትን ምደባታቶም ንምፍላጥ ነናብ ኣብያተ ትምህርቶም ምእካብ ኣየድልን፡፡ ኣብ ገገዝኦም ከለዉ ብመራኸቢ ብዙሃንን ብመርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ትምህርትን ይግለጸሎም ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ድማ ተምሃሮን ስድራቤታቶምን ናይ ግዜ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ጉልበትን ካልእን ብኽነት ይኹን ካብ ከልበትበት ይድሕኑ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ ዘመን ዝፈጠሮ ውጽኢት ምዕባለ ቴክኖሎጂ ናብ ረብሓ ዜጋታትካ ንምውዓል ብግብሪ ምስራሕ ማለት እዩ፡፡

መንግስቲ ኢሳያስ ግን ንዓመት መመላእታ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ሰዋ ክመሃሩን ወትሃደራዊ ታዕሊማት ክወስዱን ዝጸንሑ ብዓስርታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ተምሃሮ ድሕሪ ዕላዊ ምረቕኦም ንሓደ ወርሒ ምስ ወለዶም ጸኒሖም ውጽኢቶም ንኽንገሮም ካብ ዓዓዶም ናብ ሳዋ ክውርዱ ምእዛዝ ንሃልኪ ወጻኢታት፡ ንድኻም ተምሃሮ፡ ንጸገማት ስድራቤት፡ ንናይ ግዜ ብኽነት ኣብ ግምት ዘየእቱ ዘመኑ ዝሓለፎ ዕውር ውሳነ እዩ፡፡ ልክዕ እዩ ብኣገላልጻ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ነቲ ብጀካ ኣብ ሃገርና ኣብ መላእ ዓለም ንኣህዛብ ዓለምና ልዑል ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ኢንተርኔት “ንፋስ” ስለዝኾነ ብዙሕ ከምዘይግደሰሉ ብወግዒ ነጊሩና እዩ፡፡ ሕራይ እሞ ብመርበብ ኢንተርኔትስ ይትረፍ እሞ ተምሃሮ ኣብ ከባቢታቶም እንከለው ውጽኢታቶም ብመራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ከባቢታቶም ምጥቃዕን’ከ እንታይ ስለዘጸገመ እዩ ንሳዋ ክወርዱ ዝተደልየ?

እቶም ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ናቕፋ ንሃሩር ቀትርን ቀዛሕታ ለይትን ተሳጢሖም ዝርከቡ ኣስታት 6 ሺሕ ዝኾኑ ኣባላት 26 ዙርያ ተመሪቖም ነናብ ስድራቤቶም ምስተለቁ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን “መንግስቲ ካልኣይ ማትሪክ ክትገብሩ ፈቒዱ ስለዘሎ ንሳዋ ተመለሱ” ዝብል መምርሒ ምስ ወረደሎም እክብ ኢሎም ወለዶም እውን ብግሩህ ልቦም ንሳዋ ኣፋንዮምዎም፡፡ ሳዋ ምስኣተው ብኡ ንብኡ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ሓለዋ ኣትዮም፡፡ ቀጺሎም ብዕለት11/10/2013 ብ/ጀነራል ወዲ መምህር ኣኪቡ ናብዚ ዝተጸዋዕኹምሉ ቀንዲ ምኽንያት ድሕሪ 7ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ተቋሪጹ ዝነበረ ኣካል ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝኾነ እግሪ ጉዕዞ ክትገብሩ ኢኹም” ዝብል መግለጺ ሂብዎም፡፡ ብቀጥታ ብ4 ብርጌዳት ተወዲቦም ን5 ንምሕምባስ ባሕሪ ወሲዶም፡፡ ቀጺሉ ካብ ሳዋ ንኣፍዓበት ን19 መዓልቲ ብእግሪ ተጓዒዞም ዕለት 03/11/2013 ኣፍዓበት በጺሖም፡፡ ይትረፍ ንህጻውንቲ ንዓበይቲ እውን ኣዚዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ናይ ባርካ እግሪ ጉዕዞ ገለገለ ቆልዑ ብኣጻምእ ማይ፡ ነብሰ-ድርቀት (ዲሃይድሬት) ገይርሎም ሂወቶም ዝሰኣኑ ከምዘለው ጋህዲ እዩ፡፡ ገለ ካብኦም ዓቕሎም ኣጽቢቦም ብጸምጸም ኣጻምእ በረኻታት ናቕፋን ሳሕልን ክጠፍኡ ብስእነት ማይን ምግብን ኣብ ጉዕዞ ዝሃለቑን ዕድል ገይሮም ክኣ ነዊሕ ተጓዒዞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ከምዘለው ይፍለጥ፡፡

ንጉዕዞ ካብ ሳዋ ዝተበገሱ ኣባላት 26 ዙርያ 13 ሺሕ ነይሮም ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጎዲሎም ናብ ትሕቲ ፍርቂ ቀኒሶም ብ4 ብርጌዳት ዝተሰርዑ ኣስታት 6 ሺሕ ተምሃሮ ኣብ ኣፍዓበት ሩባ ሓዳይ ብዘይዝኾነ ስራሕ ኮፍ ኢሎም ከምዘለው ይፍለጥ፡፡

ስድራቤታት ተዓለምቲ 26 ዙርያ ኣብ ልዕሊ ደቆም ብዝበጸሐ ስቓይ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኮለል እንዳበሉ ጥርዓናት የስምዑ እኳ እንተነበሩ ሰማዒ ስኢኖም፡ ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ ጫቑጫቕ ምስ በዝሐ ዝተሰከፈ ጉጅለ ኢሳያስ ተገዲዱ ነቶም ኣብ ሩባ ሓዳይ በረኻ ተደርብዮም ዘለው ህጻውንቲ ደቆም ክረኽቡ ኣፍቂዱ ነይሩ፡፡ ክሳብ ዝፍቀድ ግን ንብዓተን ተነጺፈን ዝሓደራ ኣዴታት፤ ብጓሂ መዓንጣ ከብዶም ተጠዊፎም ዝነብሩ ኣቦታት ብዙሓት እዮም ነይሮም፡፡

ስለዚ ስድራቤት ኣባላት 27 ዙርያ “ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ” ከምዝበሃል፡ ካብ ኣባላት 26 ዙርያ ምምሃር የድሊ፡፡ እንተዘይኮይኑ እቲ ታሪኽ ክደገም ምኻኑ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ ካብ ጌግኡ ዘይመሃር ንፋዕ የብሉን እዩ እሞ ሃየ ነስተውዕል፡፡ ብ26 ዙርያ ዝተጀመረ መዓስከር ሩባ ሓዳይ ወይ ከኣ “እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት” ሩባ ሓዳይ ኣፍዓበት ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ምዱብ ኣሃዱታት ሰራዊት ንዘጋጠመ ገዚፍ ናይ ዓቕሚ ሰብ ሃጓፍ ንምምላእ ዝተሓስበ ውጥን እዩ፡፡ ነዚ ውጥን ዘተግብርን ዝዕልምን ነዞም መንእሰያት ዝሕሉን ሓይሊ ካብ ኣሃዱ ክ/ሰራዊት 84ን ሓልሓለ ካብ ትበሃል ዓላሚት ኮማንዶ ዊዓን ዝተወጻጽአ ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ናብ ሳዋ ተላኢኹ ንኣባላት 26 ዙርያ ተቐቢሉ ምምራሕ ቀጺሉ እዩ፡፡ ነዚ ካብ 84ን ካብ ታዕሊም ክፍሊ ኮምናዶ ሓልሓለን ተወጻጺኡ ዝተልኣከ ሓይሊ ዝመርሕ ሌ/ኮሎኔል ሙሳዝጊ ሃይለ ወልደንኪኤል ወይ ከኣ ብመርዓዊ ዝጽዋዕ ሰብ እዩ፡፡ ንሌ/ኮሎኔል ሙሳዝጊ (መርዓዊ) ብላዕለዋይነት ዝመርሖን ነቲ “እዚ ሃ/ኣገልግሎት” ክመርሕ ብፕረዚዳንት ኢሳያስ ዝተመዘዘ ሓላፊ ከኣ ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) እዩ፡፡

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.