እምኒ ገበጣ!

እምኒ ገበጣ!

14 ሰነ 2014

“ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት” ዝብል ምስላ ኣበው፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉዳይ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ህግደፍ ይመሳሰል። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ ከምቲ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ እውን ብሴፍ ዝበሃል፣ ዕሉም ብሂወት ክሳብ ዘሎ፡ ዝኣመነን ዝኸሓደን ኩሉ ክእሰርን ክጸንትን ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቶም ካብ መፋርቕ 60ታትን ካብ በዓቲ ዓላን ኣትሒዞም ናቱ ምስጢራት ዝፈልጡ፡ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ይሃልዉ ኣብ ሰራዊት፡ ሚኒስተር ይጸዋዕ ኣምባሳደር፡ ጀነራል ይሰየም ኮሎኔል፤ ትልኽ እናበለ በብሓደ ክጸጽዮም ኢዩ። ንሓደ ሰብ ናብ ጫፍ ጥርዚ ኣደይብካ፡ እንደገና ናብ ህጉም ምኽታቱ ውዒሉ ዝሓደረሉ ሕብራዊ ተዋስኦ ኢዩ። ዝግ ድሕሪ ዋንጫ!
ኢሳይያስ፡ መስትያት ኣብ ቅድሚኡ ምስ ኣቐመጠ ንነፍሱ ይፈልጣ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝጥርጥሮ እውን ኣጸቢቑ ይርደኦ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ፡ እንተተመሰለሉ ስልጣኑ ንወዱ ንምውራስ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ፡ ቀዳምነት ብድሕሪኡ ምስጢር ዝበሃል ክተርፍ የብሉን ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ፤ ከም ካልኣይ ጉዳይ’ውን ጽባሕ ንግሆ እሕሕ ዝብል ድምጺ ደቀባት ናብ እዝኒ ወዱ ክስማዕ የብሉን ካብ ዝብል እከይ ውዲት፤ ቅንጸላ መመሊሱ ክዓቢ ኢዩ። ብዙሓት ንሕቡኣት ምስጢራት ኢሳይያስ ዝፈልጡ ዝነበሩ ምስጢራቶም ተገኒዞም ሓሊፎም ኢዮም።

ገለ ውሑዳት እውን ኣብ ደገ ኣለዉ፤ ካብኣቶም ከኣ “ምስጢራትና ሒዝና ኢና ንቕበር” ዝበሉ ኣይተሳእኑን። እዚ ስለምንታይ ይኽውን? ንኣዳም ገረሞ ኢዩ። ቤተ መዘክር’ኳ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ደኣ’ምበር ኣብ ንየዋይ ዓለም ከም ዘሎስ ዝረኣዮ ሰብ የለን። ኢሳይያስ ብሰንኪ ዘይስምረትና፡ ኤርትራዊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ። ድምጽና ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ክሳብ ዝኾነ ከኣ፡ ክሳብ ዕለተ ዕርበቱ ደም ሰባት ክሰቲ’ዩ።

ኣብቲ ንሱን መስትያትን ገጽ-ንገጽ ዝጠማመቱሉ መድረኽ፡ ቀዳማይ ጸላኢኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ ኢሳይያስ። ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኣቐዲሙ ቤት ጽሕፈቱን መንበሪኡን ናብታ ከም መንገዲ ጻጸ ብሓንቲ ጽርግያ ጥራይ እትእቶ ወደብ ባጽዕ ዝገበሮ። መታን ስኽፍ ከይብሎ’ውን ንደቀባት ተቐማጦ ባጽዕ ብመኾስተር ጉሒፍዎም ኢዩ። ኢሳይያስ ንገዳይም ሓለውቱ ኤርትራውያን እውን ኣይኣመኖምን! ቀስ ብቐስ ንዕኡን ንኩሉ ኣገዳሲ ትካላቱን ዝሕልዉ ኣባላት ደምህት፡ ብፍላይ እውን ብታሕቲ ታሕቲ ደቂ ተምቤን ኣብ ምቁጽጻር ጸጥታ ኤርትራን ኣብ ምርመራን ምርሻንን ዜጋታትን ፍሉይ መፋትሕ ይህቦም ከም ዘሎ ካብ ኣዒንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሰወረን።

እቶም ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሰክዔት ፊሊጶስ ዝህደኑ ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ብኣባላት ደምህት ኢዮም ዝእሰሩ ዘለዉ። እታ ኣብ ትሕቲ ፊሊጶስ ብቀጥታ ተመዲባ ትኣስር ዘላ ጋንታ ደምህት ከኣ፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ይኹን ፖሊስ ኤርትራ ኣይፈልጣን ኢዩ። እህህህህም! ኤርትራዊ ዓሻ ላልማየ-ላሎ! እናደረፈ እንከሎ፣ መስታህብል ድማ ብዛዕባ ቅዋም የደናግር። ከምቲ መሬት ከብዲ ኣድጊ ጸኒሓ ቂሐ-ጽልሚ ትኸውን፤ እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ ዘሎ ውዲት “ትግራይ ትግርኚ” እውን ውጥም-ቅልቅል ምባል ጀሚሩ ኣሎ። እነሆ እዚ በርቂን ነጎዳን “ትግራይ ትግርኚ” ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ። ‘ማይ መጸ በየን መጸ፣ ብጎዳጉዲ’ ከም ዝበሃል ድማ፡ ሰርቢ ዳግማይ ጥፍኣት ደቂ ኤርትራ ንክወርድ ኣዒንትና ናብ ሰማያት ንጠምት! እቲ ዘገርም፡ ኣዝዩ’ውን ዘደንጹ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኢሳይያስ ብብሩህ መንገዲ ዝኸዶ ዘሎ ዘይሰማምዕሉ ሰባት ምህላዎም ኢዩ።

ኩምራ ሰራዊት ደምህት ኣብ ኤርትራ፡ ዕርቡን ንዳግማይ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። እዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራዊት ደምህት፡ ኣንጻር መን ይቃለሱ ኣለዉ? ዋልቃይት’ዶ ጸቢቡዎም መሬት ጸገዴ! ተከዘ’ዶ ርሒቑዎም ጎላጉል ዳንሻ! ደጊም ኣንቱም ደሓን ኣለና እትብሉ ዘለኹም፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለኹም ገዳይም ተጋደልቲ ንእሽቶ ዝተረፈት ጩራ እንተላ፡ ከይቀደመኩም እንከሎ ሎሚ ገለ ግበሩ። ዓሻ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት፡ ከምዚ ናትኩም ዝኣመሰለ ዕንክሊል ኢዩ ዝመስል። ብውሑዱ’ኳ ንሂወት ደቅኹም ኣውሕሱ።

ኩልኻ ገዲም ተጋዳላይ፡ ካብ ዓላ ክሳብ ብሌቓት ዝተዓለምካን ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት ትሰርሕ ዝነበርካን፣ ምስጢራትን ገበናትን ኢሳይያስ እትፈልጥ ዘበልካ ተራኻ ቀሪቡ ከም ዘሎ ፍለጥ! ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ኩሉ ኤርትራዊ ሚኒስተር ይኹን ጀነራል ሮታመ ኢዩ።ተር ከም ዓተር! እምበኣር፤ ኣብ ቀረባ ሪጋ መስርዕ ሒዝኩም ከም ዘለኹም ፍለጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብዙሓት ኣብ እትናብለ ኢሳይያስ ፎቶሪኖታት ዝነበሩ ሰብ ባሊቃ ከም ዝስዕቡ፡ ኣከያይዳ ስርዓት ህግደፍ ይነግረና ኣሎ።

ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ብድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር፡ ናብ 2ይ መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስረ፣ እንደገና’ውን ብ/ር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) ተኣሲሩ ዝብል ውዑይ ዜና ሰሚዕና ኣለና። ካልኦት ሓደ ደርዘን ዝኾኑ ኮሎኔላትን ሌተና ኮሎኔላትን’ውን ናብ ዳስ ሓውያ ይቕጽሉ ኣለዉ። ‘ንገረብ ብሓኽላ’ ከም ዝበሃል፡ ሎሚ ኢሳይያስ ንዘጥፍአ ምስ ኣጥፍአ፤ እታ ሰባብ በትሪ ዲያብሎስ ንጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ ኣረኪብዎ ዘሎ። ብኢደ ዋኒኑ ንምጥፍኦም ኣጸጊሞሞ ንዝነበሩ ደቀባት ከኣ ሕጂ ብጀነራል ፊሊጶስ ገይሩ “ቾፕ-ላ” ክብሎምን ክጸጽዮምን ኢዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎኡ ፊሊጶስን ኣብ መንጎ ውጩን ዝነበረ ህልኽ፡ ኣብ ጎድኒ ውጩ ዝነበሩ መኮንናት ምክልኻል፡ ኣማሓደርቲ፡ ነጋዶ፡ ወ.ዘ.ተ… ደበና ጥፍኣት የንጸላልወኩም ኣሎ’ሞ ወይልኹም! በብሓደ ክቕፍደኩም ምዃኑ ከኣ ከይደቀስካ ዝተሓልመ ሓቂ ኢዩ።

ከምቲ ንምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ምስጢራት ኣምሊቑ፤ ከምኡ እውን ንስርሒት ፎርቶ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኢሉ ብድሕሪ ምጥቃኑ ነቶም ቀንዲ ዓንገልቱ ዓብደላ ጃብርን ሙስጣፋ ኑር ሑሴንን ዘጥፍኦም፡ ሓደስቲ ንምእሳርን ምቕንጻልን ዝተረፉ ገዳይም እውን እታ ናይ 03 ወረ እትጥሕን ፋብሪካ ከም ብሓድሽ ተወቒራ ስራሓ ክትቅጽል ኢያ። ‘ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት’ ደጊም ከምዚ ናታትኩም ብሂወትኩም፡ ብዕድል ሃገርኩምን ብመጻኢ ደቅኹምን ምጽዋት ይመስል።

ምእሳር፡ ቅንጸላ፡ ምስማም ወ.ዘ.ተ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገዳይም ፈለጥቲ ምስጢራት ኢሳይያስ፡ ገና ካፋ ኢዩ ዘሎ፤ መቃነዪ ኢንፍዩዥን እንተረኺቡ ከኣ ኣልማማ ናይ ምእሳር ዳግማይ ማይ ኖህ ዘይተርፍ ኢዩ። ስለዚ ‘ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብልዓዮ’ ኢዩ ነገሩ፣ ሰበስልጣን ህግደፍ ጸሓዮም ክትዓርብ እናረኣዩዋ፣ ካብ ወጋኢት ላም’ውን ኣየድሕኑን ኢዮም። ብውሕዱ’ኳ ነብሶምን ስድራ ቤቶምን ከድሕኑ ዘይክእሉ ብደዎም ዝተማረኹ ዳንደታት ኢዮም።

እምበኣርከስ፡ ኣንታ ሚኒስተር፡ ኣንቲ ሚኒስተርን ኣማሓዳሪትን፡ ኣንታ ጀነራልን ኮሎኔልን ኣንቱም ኣማሓደርቲ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ብድሕሪ ምጽጻይ እቶም ሓዋርያት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጉጅለ 15፣ ከምኡ’ውን ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ መሓመድ ስዒድ ባረ፡ ወልደንኪኤል ገብረማርያምን ኮሎኔል ዓብደልራሕማን ጃስር፣ ድሒሮም ዝተቀንጸሉ ጀነራላት ኣማኑኤል ሃንጀማን ቫይናክን ገዲም ተጋዳላይ ደሱን፡ ምእሳር መሓመድ ዓሊ ዑማሮን ገና መመሊሶም ዝስዕቡ ዘለዉ ተጋደልቲን፤ ምጾታትኩም ይቀራረብ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርድኣኩም ዘሎ።

መቓብር ሓርበኛታት ቀይሕ ሓመዳ ጋሊሃን ኣፋ ሃህ ኣቢላን ትጽበዮም ዘላ ገለ ስሙማት ከኣ ኣብ ሱዳን ማጨሎት ይሕጸቡ ኣለዉ።
መናወራ! ንይምሰል፡ ገልጠምጠምን ተኽሊጥን ይግበር ኣሎ። ‘ስብሓት ዝመጽኣካ መዘዝ ኣይትስሓት’ ኢልና ኢና’ኮ። እነሆ ድማ ግሩም ተዋስኦ! ስብሓት ናብ ተራ፡ ፊሊጶስ ናብ እራራ ደየበ። ገና እታ ገበጣ ካልእ ጸወታ ከተርእየና ኢያ። ምምዛዝ ወልደንኪኤል ኣብራሃ ናብ ሓድሽ ስማዊ ሚኒስተር ከኣ ናይ ነገር ጣቋ ኣይኮነን። ኩሉ ሚኒስተርን ጀነራልን ምስ ተቐጥዐ፤ ኢሳይያስ ፉንቲ ኮይኑ ንክተርፍ ዝተሃንደሰ ውጥን ግን ምልኽኻም ከም ዘስዕብ ንግምት። ምቕናይ-ምቕናይ ከም ዝበሎ ደራፋይ፡ ደጊምሲ ገለ ጉድ ክንሰምዕ ኢና።

ኩሉኹም መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ /እስላምን ክርስትያንን/ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ከምቲ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝወሰድዎ ተባዕን ሃገራዊን ስጉምቲ ንምውሳድ ሎሚ ብተኹ። ሃገር ደጊም ዝተረፋ የለን! ናበይ ኢዩ ክወስዳ ዝደሊ ዘሎ ኢሳይያስ? ከኣ መመሊሱ እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ። ከምቲ ‘ጻመውከ ለከንቱ’ ዝብል ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ ዝኸፈሎ ደም፡ ናብ ደመ-ከልቢ ገጹ ይኸይድ ኣሎ።

ብዘይካ ንኢሳይያስ እምኒ ዳዊት ምንጽጻር፡ ማጨሎት ይኹን ብሕሩድ ምጅላጥ ጥዕና ዝህብ ኣይኮነን። እሞ እንታይ ኢና ክንሰምዕ? ናብታ ገሃነብ ቤት ማእሰርቲ ኢሳይያስ መን ይቐጽል! መቓብር ጸጸራት ከ ናይ መን ዕንባባታት ንምርኣይ ኢያ ክትጽበ?

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.