ነጋውስ ባሕሪ-ነጋሽ ሳልሳይ ክፋል

ነጋውስ ባሕሪ-ነጋሽ

ሳልሳይ ክፋል

ምቋም ቦርድን ወዲ ፊውቶራሪን

ቦርድ ምምሕዳር ጽላት ሃብቲ ባሕሪ ምስ ምምጻእ ወዲ ፊውቶራሪን ምውጣን ዳግመ ውደባን ስርርዕን ፕረዚዳንት ዘቖሞእዩ፡፡ ቀንድን ኣንቀሳቐስን እዚ ቦርድ ከኣ ወዲ ፊውቶራሪ ባዕሉ ኮነ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ከኣ ኣባላት ቦርድ ጽላት ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ተሰየሙ፡-

  1. ሜ/ጀነራል ሑሞድ ሓምድ ካሪካረ ኣዛዚ ሐ/ባሕሪ
  2. ኮሎኔል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲፊውቶራሪ) ሓለቓ ስታፍ ሓ/ባሕሪ
  3. ወ/ሮ ጽገሬዳ ወልደገርግስ ኣማሓዳሪት ሰ/ቀ/ባሕሪ 
  4. ኣቶ መብራህቱ ማኢል ሓላፊ ገደም ኮንስትራክሽን ካንፓኒ ህግደፍ

ቦርድ ጽላት ሃፍቲ ባሕሪ ንናይ ሚ/ሪ ሃብቲ ባሕሪ ፖሊሲ፡ መምርሒን ኦፕረሽናል ስራሕትን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ክኸውን ኣፈናዊ መምርሒ ኣውረደ፡፡ ወዲ ፊውቶራሪ ብግልጺ ናብትካላት ባዕሉ እናዞረ ንሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ እንከይተወከሰ ኣብ ትሕቲኡ ከምዘለው፡ ኣብዚ ባሕሪ ዝኣስርን ዝሓድግን ንሱ ጥራይ ከምዝኾነ ኣፍለጠ፡፡

ዘይሕጋዊ ንግዲ ዓሳ ንኣስመራ ኣካይድኩም ዝበሎም 5 ነበርቲ ባጽዕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዜጋታት ድማ ኣብ ገደም ኣሲሩ 200,000 ናቕፋ ክኸፍሉ ብምግባር ኣፋነዎም፡፡ ብዘይ ገደብ ጸጋታት ባሕሪ ንወጻኢተኛታት ዝሸይጥ ዘሎ ወዲ ፊውቶራሪ ከይተኣሰረ ነስመራ ናብ ህዝቦም ዓሳ ዝሸጡ ዜጋታት ናይ ምግፋዕን ምቕጻዕን ገፋዒ ተግባሩ ቀጸለ፡፡

ውስናት ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሳብ ንየመን ኣትዮም ክሸጡ ኣፍቀደሎም፡፡ ካብ የመን እንክምለሱ ድማ ንሓይሊ ባሕሪ የድሊ ዝብሎ ከም ነዳዲ፡ ካልእ ሸቐጣትን ሒዞም ብምእታው ከረክብዎ ኣዘዞም፡፡

ንብርክት ዝበሉ ጀላቡ ዝሓዙ ጀለብቲ የመናውያን ከከም ዕብየት ጀላብኦም ካብ 2,000- 4,000 ዶላር ከፊሎም ዓሳ፡ ጽፍሪ ዓሳን ሕድራን ክጅልቡ ኣፍቂድሎም፡፡

ን6 መራኽብ ግብጺ ኣብ መላእ ቀይሕ ባሕርና እንኮላይ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ብፍሉይ ተሓዚኡ ዝጸንሐ ሕዙእ ባሕርና ኣትዮም ዝደልይዎ ዓይነት ዓሳ ክገፉ፡ መራኽቦም ዝዕሸጉሉን መዕረፊኦምን ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክኸውን ወሰነ፡፡ ንሕድሕድ መርከብ 40,000 ዶላርክኸፍሉ ከምዘፍቀደ ድማ ባዕሉ ኣውረየ፡፡ ጉዳይ ምትእትታው ግብጻውያንን መራኽቦምን ብዘይመጠን ይገፉ ከምዘለውን ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ግሁድ ሓቂ ዋላ እንተኾነ፡ እተን ብጸላም ናብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ዝኣተዋ 6 መራኽብ ምስራውያን (ግብጺ) እንታይ ሒዘን ኣትየን? ስለምንታይ’ከ ዘይንቡርን ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪናክዕሸጋ ተደልዩ? ግና ብርግጽ ንግዚኡ ዝተፈልጠ የልቦን፡፡ ወዲ ፊውቶራሪ ባዕሉ ዘውርዮ ግና እቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ ንወፍራዊ ንጥፈት ወጻኢተኛታት ብምትብባዕ ንናይ ወጻኢ ባጤራ ንምርካብ ምኻኑ የውሪ እዩ፡፡

ኤርትራ 1,200 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ፡ 365 ናኣሽቱን ዓበይትን ደሴታትን ኣዝዩ ውቁብን ብስነ ብዙሑነት ዓሳ ሃብታም ዝኾነ ባሕሪ ትውንን እኳ እንተኾነት እዚ ኩሉ ጸጋታታ ግና ንብዙሕ ሚእታዊት ናይ ሃገራዊ እቶት ሃጓፍ ክሽፍን ምተገበአ ኔሩ፡፡ እንተኾነ እቲ ብዓሳ፡ ጽፍርን ሕድራን እኹል ኣታዊ ክህልዎ ዝግባእን ብቱሪስት ምዝዋር መልክዕ ዝኣቱ መጠን ሸርፊ’ውን ቀሊል ዘይኮነ ጸጋታት ባሕርና ንዜጋታቱ ኣይወዓለን፡፡ ነዚ ጸጋታት ባሕሪ ዝከታተሉን ዘጽንዑን ኣብ ትሕቲ ሚ/ሪ ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበሩ ጨንፈራት ብዘይወግዓዊ ኣፍልጦ ሚኒስተር ብወዲ ፊውቶራሪ ተገቢቶም ኣለው፡፡

ወዲ ፊውቶራሪ ኣናዋጺ ሱናሚ ኮይኑ ንኩሉ ኣብ ትሕቲ ዞባታት ቀ/ባሕሪ ዝርከብ ትካላት ባዕሉን ዝእዝዞም ሓይልታቱን ጠርኒፉ ብመገዱ ክምእዘን ገይርዎ ኣሎ፡፡ ሕልፈቱ ሙሉእ ሳሕል እናበለ ብሕጊ ሳሕል ዝገዝኣና “መንግስቲ” ብዙሕ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝውንን መንግስታዊ ትካል ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌሩ ብገባሪ ሓዳጊ ውልቀ ሰብ ምትክኡ ንልዕልና ሕጊ ዝስዕር፡ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ንውልቁ ዘቕድም ገባሪ ሓዳጊ ውልቀ ሰብ ዝመርሖ ምኻኑ መረጋገጺ’ዩ፡፡

ጸጋታት ባሕሪ ኤርትራ ብኣንደበት ፕረዚዳንት “ምንጪ ወጻኢ ሸርፊ” እንዳተብሃለ’ዩ ዝግለጽ፡፡ ህዝቢ ምዕንጋል ውሕስነት ምግቢ ምርግጋጽን ካብ ከንፈር ፕረዚዳንት ዘይሰግር ሃፋፊ ቃል እዩ፡፡ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ሃልኪ ዘይሓትት ኣብ ቀረባ ዝርከብ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ብግብጺ ይውጻእ ብየመን ወይ ብካናዳ ይተዓደን ብቻይና ብዘየግድስ ደም ሱሩ ንዝኾነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብቕልጡፍ ከምጽእ እንተኺኢሉ ካብኡ ንላዕሊ ድሌት የብሉን፡፡ ኣብ ባህሪያዊ ጸጋ ሃገር ኣብ ሃገርን ህዝብን ዘረጋግጽዎ ስትራተጅካዊ ዕንወትን ክሳራን ብዘየግድስ ንሎሚ’ምበር ናይ ጽባሕ ኣይግዳዱን፡፡

ናይ ዝኾነ ባህሪያዊ ጸጋ ሃገር መዓልታዊ፡ ወርሓዊ ይኹን ዓመታዊ እቶት ንዜጋታት ከፍልጥ ሓሊምዎ ኣይፈልጥን፡፡ እዚ ግሉጽነት ዘይብሉ ኣካይዳ ኢሳያስ ድማ ተግባራቱ ስለዝፈልጥ ንተሓታትነት ስለዝስከፍን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ጥራይ እዩ፡፡ “ሰራቔ ሞባእ ባዕሉ ይለፋለፍ” ከምዝበሃል ኣብ ዝሓለፈ ቃለ መሕተቱ ዝሓተቶ ዘይብሉ “ናብ ጁባ ሓለፍቲ ዝኣቱ ጸጋታት ሃገር የለን” ክብል ዝደርበዮ ናይ ብደዐ ቃል ኔሩ፡፡ መደረ ኢሳያስ ሓቅነት እንተዝህልዎ ን23 ዓመታት ዝመደረልና መደረታት መዓስ ውሒዱ ግን ቃልን ተግባርን ኢሳያስ ተቓዲየን ኣይፈልጣን፡፡   

ምዝመዛ ጸጋታት ሃብቲ ባሕሪ ንወዲ ፊውቶራሪ ዝተዓደለ ባርኾት ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ብቐንዱ ንባዕሉ ንፕረዚዳንትማእከል ዝገበረ ብዛዕባ ምኻኑ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ ኣብ ወዲ ፊውቶራሪ ዝጀመሮ ዘይኮነ ብተሞኩሮ ዘማዕበሎ እዩ፡፡ ኣብ በዓል ወልዱ ገረየሱስ (ወልዱ ባርያ)፡ ሓጎስ ኪሻ፡ መቐለ፡ ኣብ ሓላፊ ትካል ሓጺንን ዕንጸይትን ሰንበል፡ ተኽለ ማንጁስ…ዝተለምደ ተሞኩሮ እዩ፡፡

ሕንከት ከምዘይብሎም ምስሉያትን ነጋውስ ባዕሎም እዚ ኩሉ ዓመጽን ግብትናን እናፈጸሙ ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ገፈፍቲ ዓሳ ናእሽቱ ጌጋታት ምስ ዝፍጽሙ ብጹኣት ኣውሓስቲ ጸጋታት ሃገር ክመስሉ ኣደራዕ ከውርዱ ድሕር ዘይምባሎም እዩ፡፡

—–ይቕጽል

=======================[[[[[[[[[]]]]]]]]]]]=======================




ናብ ራባዓይ ክፋል

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.