ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ እንታይ ክግበር’ዩ ዝድለ ዘሎ-?!

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ እንታይ ክግበር’ዩ ዝድለ ዘሎ-?!

ንኹሉ ገጊዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብዙሕ ክዝረብን ክጸሓፍን ይስማዕ ኣሎ። እቲ ምዝራብን ምጽሓፍን ግን ሕጂ ዝተጀመረ ኣይኮነን። በብእዋኑ ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ዩ። ዓገብ-!! ዝተባህለሉ ግዜ’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ክሰምዕ ዝኽእል

እዝኒ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን። ስለዚ ድማ’ዩ ጉዳይ’ዛ ጥንታዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ብቐጻሊ ዓቢይ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዝርከብ ኣሎ። እቲ ዘሎ እኩብ ድምር ጸገማት መልሲ ክረክብ ክሳብ ዘይተኻእለ ከኣ፥ እቲ ብደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ኣውያት፥ ከቋርጽ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከቋርጽ’ውን ኣይግብኦን።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዘልዓሉዎ ተሪር ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ተቐሚጦም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ-ዲሜጥሮስን ሃብቶም-ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ  ውልቀ-ሰባት። ካብቲ ብቐጻሊ ከፍርሱዎን ከዕንዉዎን ዝጸንሑ ደምበ፥ ተደፊኦም ክወጹ ከም-ዝተገደዱ ብመራኸቢ-ብዙኃን ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና። እዚ ድማ ንቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ-ዓወት ስለ ዝኾነ፥ ብኹሉ ወገን “ኣሜን ወኣሜን” ዝብል ድምፂ ክቃላሕ ቀንዩዎ እዩ። እወ እዞም ከም ክልተ-ቁርዲድ ዝምሰሉ እኩያን፥ ነቲ ኩሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ-ዓመት ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት፥ ብሓላፍነት ዝሕተቱሉ ስለ ዝኾኑ፥ እቲ ናታቶም  ምውጋድ ከም ሓደ ዓቢይ-ጾር ካብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ዝወረደ ጌርካ፥ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ብናይ’ዞም ዝተባህሉ ክልተ ውልቀ-ሰባት ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ምውጻእ ጥራይ፥ እቲ ጸገም ተፈቲሑ ወይ እቲ ሕቶ መልሲ ተረኺቡዎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ክልቲኦም ሓደ ክፋል ናይቲ ጸገም ደኣምበር፥ ክሉ እቲ ጸገም ንሳቶም’ ዮም ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ናይ “ ነፃነት” ሕቶ ደኣምበር፥ ውልቀ-ሰባት ሰጉጕካ ካልኦት ብምትካእ ዝግበር ጸወታ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎ ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ንቤተ- ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ሒዙዋ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ በሃልቲ ኢና። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘሊልካ ክኽየድ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ምህላዉ ድማ ኣይረኣየናን።

ብዝተረፈ “ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም-ዝበሃል፥ ንዮፍታሔን ንሃብቶምን ሰጕጎም ካልኦት ንዓታቶም ዝመስሉ ካብ ጽርግያ ኣኻኺቦም  እንተ’ምጽኡ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነትን ጽሬትን ዘይብሉ ኣቕሓ መራገፊት ክትከውን፥ ሕራይ በሃሊት ከም-ዘይኮነት ክንገሮም ግቡእ’ዩ። ከመይሲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ካልእ ዋንኣ’የ ክብል ዝኽእል ኣካል ዘለዋ ኣይኮነትን። ስለ-ዝኾነ ድማ መጻኢ ዕድላ ክውስን ዘለዎ፥ እቲ ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማሕፀና ዝተወልደ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ማንም ተላዒሉ ክሸይምን ክስዕርን ዝኽእል ኣካል ክህሉ፥ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዘፍቅድ ኣይኮነን። እዚ መሰል’ዚ ከኣ ብኃይሊ ተመንዚዑ ክውሰድ ዘይከኣል ምዃኑ፥ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ካብ ብዙሓት መገባእያታት-ዓለም መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎ ክስጎጕ ኣይምጸንሐን።

እዚ ድማ ዓቢይ ትምህርቲ ክኸውን’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣሥመራ ክግበር ዝርአ ዘሎ፥ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኢድካ ጣልቃ-ብምእታው ክግበር ዝድለ ጸወታ ግን፥ “-ሌባ! ሌባ! እንተበልዎስ፥ ልዋ ልዋ ዝበሉዎ ይመስሎ-” ከም ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ትማሊ ብበዓል ዮፍታሔን ሃብቶምን ዝተመዝበረቶ ከይኣክል፥ ሕጂ ድማ ካብኣቶም  ዘይሕሹ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ብምትካእ፥ ነቲ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ ክቕጽልዎ ምድላዮም፥ እቲ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶ ተበጺሑ ዝርከብ ዘሎ ደረጃ ንቕሓተ-ሕሊና፥ እምበርዶ ክዕቅኑዎ ዘኽእል ሚዛን ኣለዎም’ዩ ዘየብል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ማንም ኢዱ ዘይመልሰላ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልዎ ደኣምበር፥ ንዝኾነ ዝግበር ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ተጻዊሩ ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ብውሽጥን ብደገን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ እኹል መረድኢ’ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ፥ እወንታዊ ውጽ ኢት ከምጽእ ከም-ዘይከኣለ እናተፈልጠ ከሎ፥ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ብምድጋም ነቲ ዋናን በዓል-ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣግሊሉ፥ እቲ ናይ ፖለቲካ-ኃይሊ ዝሽይምን ዝሥዕርን ኮይኑ ክርከብ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ቅቡል’ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ’ውን “ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ” ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ኣብቲ ሕግን ሥርዓትን ዘለዎ ኩሉ ድማ፥ እዚ ደረት’ዚ ክጠሓስ ዝግብኦ ኣይኮነን። ኣባና ግን እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ነዚ ናይ ሕጊ ደረት’ዚ ኣኽብሮት ዘለዎ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ብሳንቡእ-ፖለቲካ ከተተንፍስ ተፈሪዱዋ ትርከብ ኣላ። ብኸምኡ ክትቅጽል ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ግን የብልናን።

ብዝኾነ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተመሪጾም ዝበሃሉ ዘለዉ፥ እንታዎት ምዃኖም ብዘየገድስ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ምርጫ’ውን ኣፍልጦ ክህቦ ይኽእል’ዩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ናቱ ውክልና ረኺቦም ዝተመርጹ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት’ዚ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕልላፍ ዝተገብረ “ሹመት” እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ናትና’ዩ ኢሉ ኣፍልጦ ዝህቦን ዝቕበሎን ኣይኮነን። ስለዚ’ውን እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሠራርሓ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ዝተመኮርናሉን ዝላደናሉን ስለ ዝኾነ፥ በዚ ክዕሾን ክታለልን ዝኽእል ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ዝርከብ ኣይመስለናን። የግዳስ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝጸንሖም ጌጋ ርድኢት፥ ክእርሙዎ እንተ-ዝኽእሉ ክንደይ ደስ ምበለና። ከመይሲ እዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ካብቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበረቶ ብብዙሕ መዐቀኒ ፍልይ ዝበለት፥ ማለት ብኽብሪ ከጠምታ ዝኽእል ሞያዊ-ዓቕሚ ዘለዎ ውሉደ-ክህነት፥ ከተዋህልል ዝኸኣለት ምዃና ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ-!! ኣብ ዓለም-ለኸ መድረኻት ወጺኦም ክዋስኡ ዝኽእሉ፥ውሉደ-ክህነት ኣለዉና ኣብ እንብለሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ ስለ-ዘሎና፥  ንማንም ከነሸግር ድሌትና ኣይኮነን። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ይምልከቶ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ’ዚ ድማ ኢና እቲ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት ኣብ ኣሥመራ ዝግበር ዘሎ ጉባኤታት፥ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ይግበር ብምህላዉ ናትና’ዩ ኢልና ክንቅበሎ ዘይንደሊ። ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ክዋስኡ ዝጸንሑ ናይዝጊ ክፍሉን ደራጎን ኃይለ-መለኮትን እዮም። ሕጂ ድማ እቶም ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሮሞ ዘለዉ፥ ኣብርሃ ካሣን ሠመረ በይንን ምዃኖም’ዩ ዝንገረና ዘሎ። ነዚ ኸኣ ብዝኾነ ተኣምር ሕዝቢ ተዋሕዶ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ርግጽ’ዩ ንከም በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝኣመሰሉ ሒዝካ፥ ብዙሕ ክፍተን ይከኣል ይኸውን’ዩ። እዚ መንገዲ’ዚ ግን ከኽይድ ዝኽእል መንገዲ ኣይኮነን። ከመይሲ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እዚ ጸወታ’ዚ ከብቅዕ ኣለዎ’ዩ ዝብል ዘሎ። ንበዓል ኣባታት  መጋበሪ ብምግባር ብዙሕ ክግበር ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ግን ትማሊ እምበር ሎሚ ክሠርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ጥራይ’ዩ ዝምልከት፥ ብሕዝቢ ተዋሕዶ ጥራይ’ውን ይውሰን። ዝሰምዕ እዝኒ ስለ-ዝተሳእነ እንተ-ዘይኮይኑ ኣብ 1989 ዓ/ም(1997) ኣቢሉ’ውን፥ እቶም ዓቢይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ፥ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ገና ካብ ኣሥመራ ከይወጹ ከለዉ፥ ዝተዛረቡዎ ዘረባ ምንባሩ ክዝከር ግብእ’ዩ። ንሱ ድማ “ ታተ እናበለ ዘሳልየና እምበር፥ ክሕንግረኩም ዝብለና ኣየድልየናን እዩ” ብምባል፥ ንናይ ፖለቲካ ኢድ ምእታው ከም-ዝተቓወሙዎ ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ካብ 2 ክሳብ 8 ሓምለ 2014፥ ኣብ ጀነቫ ስዊስ-ዘርላንድ ተጋቢኡ ዝነበረ፥ ናይ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ጉባኤ። ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከት፥ኣብ ኣጀንዳ ኣእትዩ ከም-ዝተዘራረበሉን፥ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክልቀቑን ከም-ዝጸውዐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ከም-ዘይሰማዕካ ኮንካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕዝቢ-ተዋሕዶ’ውን እዚ ሕቶ’ዚ ክምለሰሉ ደኣ’ዩ ዝጽበ ዘሎ እንበር፥ ሕጂ ከም-እንደገና እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝቈጻጸሩዎ ኮይኖም ክርከቡ ዝሰማማዓሉን ዝደልዮን ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዕሥራ-ዓመት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ፥ ብውሑዳት ቃላት ገሊጽካ ይውዳእ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ሕጂ እቲ ጌጋ’ቲ መሊሱ ክድገም ዝደልዮ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕጂ እዚ መሰል’ዚ ክኽበረልና ከም-እንደሊ፥ ተቢዕና ብምቅላስ ከነረጋግጾ ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ ንኹሉ እወ! ንኹሉ ከኣ ሕራይ! እናበልካ ክኽየድ ዝጸንሐ መንገዲ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቅዱስ-ሃይማኖትና እንታይ ሳዕቤን ከም-ዘኸተለ ብግልጺ ዝርአ ዘሎ  እዩ። እቲ ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፥ ሕጂ’ውን እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ዝዋስኡሉ ዘሎዉ፥ ንሳቶም እቶም ናይ ትማሊ እዮም። ስለዚ እቶም ትማሊ ዘፍረሱን ዘዕነዉን ሕጂ ሓነፅቲ ኮይኖም ክርከቡ ስለ-ዘይክእሉ፥ ይኣክል-!! ምባል ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ እቲ ዋናን በዓል ቤትን ዝኾነ  ሕዝቢ-ተዋሕዶ ከሎ፥ በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝዕንድሩሉ መድረኽ ክህሉ ኣይግባእን። ስለዚ’ውን እቶም ብውሽጢ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ገዳማውያን-ኣቦታት፥ እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተ-ደኣ ኮይኑ፥ ሓገዝ ኩላትና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘድሊ ክንዝንግዕ የብልናን። እግዚኣብሔር ከኣ ዝተመስገነ ይኹን!!

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ናይ ኤውርጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂከ ናበይ ገጻ ተምርሕ ኣላ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂከ ናበይ ገጻ ተምርሕ ኣላ

(1ይ ክፍሊ) ቤተ ክርስቲያን ብመሰረቱ ብደም መድሓኒና ክርስቶስ ዚተዓደገት ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት፡ መንቅብ ኣበር ዘይብላ ክብርትን ቅድስትን  መንግስቲ እያ። “ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ፡

ርስሓት ዕጣር፡ ወይ ንእኡ ዚመስል ገለ ነገር ዜይብላ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን  ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቑማ ኢሉ ርእሱ በጃኣ ሃበ (ኤፌ 5፡ 25-27)።  ነዛ ብደም መድሓኒና ክርስቶስ ዚተጠርየት ድማ ከምቲ ፍቓዱ ገይሮም ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪመርሕዋ ሃዋርያትን ኤጲቆጶሳትን ሸመላ። “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዜጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዚሸመኹም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ” ። ኣነ ምስ ኣግለስኹ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ከም ዚኣትውኹም እፈልጥ ኣሎኹ (ግብ 20:28)።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረቱ ይልኣኸልና እምበር ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንና ካብቲ ኃዋርያውን ቀኖናውን መገዲ ወጺኡ፡ በቶም ንኽመርሑ ብቤተክርስትያንን መንፈስ ቅዱስን ዝተሾሙ ኣቦታት ዘይኮነስ፡ ብወለንታን ውጥንን ፖለቲከኛታትን መሰራሕቶም “ብዓል ንብላዕ ስርናይ ክሳብ ሰማይ” ካብ እትወድቕ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፋ ኣላ። ሎሚ ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅልስና ምስ ስጋን ደምን ጥራሕ እንተ ኩይኑ ኣይክንዕወትን ኢና። ከምቲ ቅ.ባስልዮስ ኣብ ዝደረሶ ጸሎት “ነኣኩቶ” ወትሩ እንደግሞ “ኦ መፍቀር-ሰብ፣ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፣ ኵሉ ዘመን ህይወትናን፣ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብቲ ሠናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኵሉ ቅንኣትን፣ ኵሉ ፈተናን፣ ኵሉ ግብር-ሰይጣንን፣ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፣ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፣ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ኵሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፤ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን (ቤተክርስቲያንካውን) ኣርሕቕ።” እቲ ቅልስ ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣን፡ ምስ መንፍቲ እኸይን ኣብ ሰማይ ምዃኑ ፈልጥና፡ ኵሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ለቢስናን ኣልዒልናን እንተ ተዋጊእና ግና ብሓይሊ ኣምላኽ ክንስዕር ኢና። ካብቲ ዕላማ መንፈሳዊ ውግእና ኪኸውን ዘለዎ፡ ገና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ፡ ህዝብና ኣብ ፈቀዳ ቤት ጠንቛሎን፡ ተስፋ ምቝራጽን ኣትዩ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንሕሰም ስደትን ዝርጋንን ምንዝርናን ተቓሊዐን፡ ኣብ ዘበናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቃይን ኣደራዕን ወሪዱና ኣሎ።

ኣብ ቤተክርስትያንና ኣትዩ ዘሎ ህቦብላ፡ ኣብታ ሃገር ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ እዩ መንቀሊኡ። ብሰንኪ ድሕረት ትምህርቲ፡ ካብተን ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት፡ ዝደኸመ ምሕደራ ንደጋውን ዓለማውን ኢድ ዘእቱ ነቓዕ ስለ ዝጸንሓና፡ እቲ ንፋስ ኣብ ኩለን እኳ እንተነፈሰ ኣባና ግና ናብ ህቦብላ እዩ ተቐይሩ። ተለኻኺምካ ውድቀት እዩ። ኵሉ ቁጠባ እዛ ሃገር እዚኣ ተረሚሱ፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለን ልምዓትን፡ ፍትሕን ፍርድን ጠፊኡ ማእሰርትን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብልሽውናን ብዘይ መጠን ሳዕሪሩ ንርእዮ ኣሎና። እዞም ኣብ ከምዚ ዚኣተዉ መብዛሕትኦም ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ምዃኖም ሓደን ክልተን ዜድልዮ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብዚግባእ ወንጌል ስለ ዘይተማህሩን ካብቶም ክርስትያን ዓብላሊ ቕጽሪውን ስለዘሎና እዩ።

እቲ ካብ ኵሉ ዚኸፍኣ ድማ ቤተ ክርስቲያን ሓጹር ዘይብላ ቀጽሪ  በዓቲ ጐሓሉትን ሰርቕትን ዀይና ንዅሉ ናታን ዘይናታን ዕርቃና ትርኣየሉ ዘላ ምዃኑ እዩ ። እቶም  ሰይጣን ነዚ ክፍኣት እዚ ዚጥቀመሎም ዘሎ ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ መንግስታዊ ኣካላት (ላዕለዋይ ኣካል ስለያ ከም በዓል ወዲ ካሳን ናቱ መሓውር ዚዀነ ብስም ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዚጽዋዕ መሪሕነትን)፡ ገለ ካብቶም ብትምህርቲ ሰንበት ዚጽዋዕ ኣባላት መሪሕነት፡ ኣባላት ስለያን ህግደፍን ዚዀኑ ካህናት ከም በዓል ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ዚኣመሰሉ ዕሉላት ዓለማውያን እዮም። እዚ ጠንቂ መሰረቱ እዚ ብሱል ትምህርትን ጥርኑፍ ኣመራርሓን ምሕደራዊ ትምህርቲ ውሉደ ክህነት ከም ናይ በዓል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይምህላዉ እዩ። ባጀት ስለ ዘይብላ፡ ንምሕደራኣ ዚኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብላ ብሰንኪ ዘይምእኩል ኣመራርሓ፡ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ሰላባን ግዳይን ናይቶም ዚምውልዋ ኣካላት ዀይና ትርከብ ኣላ።

ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶስ ኤርትራ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ድጐማን ምሕደራን መንግስቲ ምህላዋ ንዅሉ ከም ጸሐይ ቀትሪ በሪሁ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ፡ ብብዝሒ ሰዓብቱ ዓብላሊ ሃይማኖት ስለ ዚዀነ፡ ብመጠን ዚገበርካሉ ኣበርክቶ፡  ኣብ ትሕቲ መሪሕነትን ቝጽጽርን ከተእትዎ እቲ ዚቐለለ መገዲ ድጐማ ምሃብ እዩ።  ፖለቲከኛታት ዝወጠንዎን  ዝተመነይዎን ረኺቦም። እዚ ንመንፈሳዊ ዕቤቱን፡ ንሓድነቱን ጽንዓቱን ዘይዀነስ፡ እንታይ ደኣ መሳርሒ ፖለትካ ገይርካ፡ ሰለባኻ ምግባርን ንዘይትደልዮም መራሕትን ኣገልገልትን ድማ ብስም ቤተ ክርስቲያንን መራሕነታን ምእሳር፡ ምብራርን ምውጋዝን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ንሳ ብዘይመረጸቶም፡ ብመንግስቲ እተምዘዙ፡ ጭዋታት እረ ገሊኦምስ ህላዌ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወኪላት መንግስቲ ክትምራሕ ጸኒሓን ኣላን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብስም ሽዱሽተ ገዳማት ዚወጸ ፡ ንኣቶ ዮፍታሔን ንቐሺ ሃብቶምን ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ዝፈጸምዎ ገበናት ጠቒሱ ዜወግዝ ጽሑፍ ኣብ መላእ ኤርትራ ኪዝረበሉ ቀንዩ። ብርግጽ ፖለቲከኛታት ተንተንቲ እዃ እንተ ዘይዀንና፡ እቲ ፈጺሞምዎ ዚበሃል በደል ብናይ መን ስልጣንን ሓይልን እዮም ፈጺሞምዎ ንዮፍታሄን ሃብቶምን ናብዚ ዘይግብኦም ስልጣን መን ኣደይብዎም? ስለምንታይ? ኢድ መን ኰይኖምከ ሰሪሖም? መን ብዝሃቦም በትሪ ሃሪሞም?  እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ። ንምንታይኸ ሕጂ ባዕሎም ብገዛእ ስልጣኖም እዝን እትን ከም ዚገበሩ ተጋኒኑ ይዝረበሉ ኣሎ? እቲ ዓቢዪ መልሲ ሕጂውን ዚዀነ ዚመጽእ እቲ በትሪ እቲ ካብቶም ንቤተ ክርስቲያን ስልጣና ዚገበታ መሪሕነት ተዋሂብዎ እዩ ኪመጽእ። ማለት እቲ በትሪ እቲ እዩ ሕጂውን ኢድ ቀይሩ ኪመጽእ እምበር፡ ዘምጽኦ ፍታሕ የለን።  ብኻልእ ኣዘራባ እቲ በትሪ ከም ዝነበሮ ኪቕጽል ምዃኑ ዘጠራጥር እይዀነን።ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽን ዘይነበረን ነገር ኪመጽእ እዩ ኢሉ ዚትስፎ፡ ተስፋ ዚገብር ኣዝዩ ገርሂ እዩ። ምናልባት ሓደ ሓደ ብዕዉር ጽልእን ኣምባገነንትን ካብ ክህነቶምን ኣገልግሎቶምን ብበዓል ዮፍታሄ፡ ሃብቶምን ቀሺ ሳሙኤን ዚኣገድዎምን ዚወገዝዎምን ይምለሱ ይዀኑ። እንተ ዘየለ ሕጂውን እቲ ሓፈሻዊ መሪሕነትን መምርሕን ንሱ እዩ። መወዳእትኦም መሰክሕ ምዃኑ እንዳተፈልጠ፡ ልቢ ፈርኦን ዝወነኑ ስጋውያን፡ ምናልባት ብገለ ጸቕጥታት እንተ ዘይተዋጢሮም፡ ክሳብ እታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ከምዘይንስሑ፡ ቅዱስ ጽሑፍ ይምህረና። ሕጂውን እቲ በትሪ ረሲእነት ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪለዓል እዩ ምባል ዘይሕሰብ እዩ። ንሓቅነቱ ድማ ንጊዜ ንሓድጎ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ይቕረ ይበለልና ይወድኣልና። ዘበን ፍትሕን፡ ምሕረትን ፍቕርን ካብ ኣምላኽ ይውረደና።

 

ይቕጽል

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።

ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ጻዕዳ እምባ

ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም

ክልተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ

ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ

ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን እዮም።

  1. ገዳም ጻዕዳ እምባ ንከተማ ከረን ሓሊፍካ ቍልቍል ጥንቁልሓስ ምስ ወዳእካ ኣብቲ  ሰንሰለታዊ ጎቦታት ደቡባዊ ምዕራብ ይርከብ
  2. ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ካብ ከተማ ኣስመራ ብወገን ደቡብ ብገምጋም ኣስታት 160 ኪ.ሜ ኣቢሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢን/ዞባ ሰንዓፈ፡ ካብ ሰርሓ ንወገን ምዕራብ ተደኲኑ ይርከብ።
  3. ደብረ ጥሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ንኡስ ኣውራጃ መንደፈራ ወረዳ ደቂ-ኣድግና ዝተደኰነ፣ ካብ ተራ-እምኒ ከባቢ 15 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ይርከብ።
  4. ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ ካብ ኣስመራ ብሸነክ ደቡብ ኣቢሉ ካብ መንደፈራ ንኩዶ ኣብዑር ምስ ተጓዓዝካ ናይ ቁሩብ ሰዓታት ናይ እግሪ መንገዲ ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ
  5. ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ንኡስ ኣውራጃ ዓዲ-ዃላ ቆሓይን እዩ። ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድማ ተደኲኑ።

ምስ ገዳማት ኤርትራ ንምልላይ ኣብዚ መላግቦ’ዚ ተውከስ…

 

ክልተ ፍጻሜታት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ

ኣብ ክልተ ወታደራዊ መዓስከራት ኢትዮጵያ መተከልን ብላቴን ዝተወልዱ ሓደ ዓይነት ባህርይ ዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረ ቅዱሳን፥ ኣብ ኤርትራ ድማ ማሕበረ ማርያም፥ ብዝብል ዝፍለጡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝመሸጉ ቁርዲድ ቤተ ክርስቲያን እዮም።

ሓደ ንጹር መግለጺ ኣለዎም፥ ሓንቲ ቋንቋ ንኽልቲኦም ሓንቲ ትገብሮም ኣላቶም። ናቶም ሓሳብ ዘይቅበል ኣብ ትሕቲኦም ዘይምብርከኽ ኩል ሓንቲ መጸውዒት የጠምቕዎ “መናፍቕ፥ ተሓድሶ”። መለለይኦም ኣከዳድና ነጸላ ኣሰጋግዳ፥ ምኽኒት ብገዳማት፥ ንሽማግለታት ጳጳሳት ምሓዝ፥ ቀንዲ ስርሖም እዩ። ከምቲ ኣብ ራእ ዮሓ.ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” 12:10  ዝብሎ ኩሉ ጊዜ ኣብ ክስን ጸለመን ዝተጸምዶ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን ድሒሩ ዝተረድኦም ጳጳሳት ኢትዮጵያ ሕጂ ዝፈረሰ ምስ ፈረሰ፥ ብሚልዮናት ህዝቢ ናብ ካልእ እምነታት ምስ ገዓዘ፥ ናይ ዓቕሊ ጽበት መግለጺ ዘውጽእዎ ንምስትውዓል ኣብዚ መላግቦ እስከ ንስማዕ https://www.youtube.com/watch?v=u67ZFOJuJKw

እስከ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ሓዲግና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ማሕበር ማርያም ተባሂሉ ዝፍለጥ ገርህታት መንእሰያት ዝኣከበ፥ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ልሒኹ ዝኣተወ፥ ኣብ tewahdo.org “የማሕበረ ቅዱሳን ፖለቲካዊ እና ሃይማኖታዊ ጣልቃ ገብነት በኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክፍል 1-3 ብኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ኣተኣታትውኡ ኣብ ሃገርና ተመልከቱ።

ኣብ ኤርትራ ሱር እዚ ማሕበር ካብ ዝኣቱ ክንደይ ብርሰትን ዕንወትን በጺሑ ኣሎ።

ፓትርያርክና፥ ምሁራት ካህናትና ኣብ ምእሳር፥ ክሲን ጸለመን ኣብ ምንዛሕ፥ ክንደይ ዕንወት ተፈጺሙ ኣሎ። ንኣቦታት ጳጳሳት ኣብ ምግጋይ፥ ክንደይ ክፉእ ተሰሪሑ ኣሎ።

ኣብነት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 2005 ዑደት ዝገበሩ ኣባ ሉቃስ ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቀጽርታት ቤተ ክርስቲያን ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ሰሊኹ ዝኣተወ ማሕበር ብሓዊ ምስ ተቓጸለ፥ ነዞም ኣቦ ሰይጣንውን ዘይበሎ ቃል ድፍረት “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዴታት ሓዊ ዘቃጸላኦ መጽሓፍ ቅዱስ፥ መጽሓፍ ርኩስ እዩ።>” ኢሎም ክዛረቡ ዘገደዶም እዚ እኩይ ማሕበር እዩ።   ክሳብ ሕጂ እዚ ማሕበር ካብ ዝባኖም ምውራድ ኣብይዎም፥ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መካነ ክስን ጸለመን ጸርፍን፥ ናይ ፖለቲከኛታት መራገጫ ገይርዋ ዘሎ፥ ክንደይ ንጹሃት ካህናትን ዲያቆናትን እዮም ብሰንኪ እዚ ከሳሲ ማሕበር ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም፥ ኣብ ጽኑዕ እምነቶም ከለዉ ተወጊዞም፥ ሕልፍ ሓሊፎም ኣብ መንጎ ጳጳሳትና ውግዘት ክሓድር ዝገበሩ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅልውላው ዘላ።

ክንደይ ተስፋ ዝግበሮምን እንጽበዮምን መንእሰያት ካህናትን ዲያቆናትን እዮም ካብ ቤተ ክርስቲያን ክሲ እናኣቕረቡ፥ ኣጥፊኦሞም ዘለዉ? ንክንደይ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም መናፍቕ፥ ተሓድሶ ኢሎም ኣጸሊሞም ስሞም ዘኽፍኡ?

ዋላውን ንናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ከይተረፈ መናፍቓን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን እዚ ድሕሪ ካብ ስራሕ ምእላይ ኣቶ ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ንቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ንምብሓታ፥ ነቶም ብስምዒቶም ብተደጋጋሚ ዘታለልዎምን ዘታልልዎም ዘለዉ ኣቡነ ሉቃስ መሳርሒ ገይሮም፥ ተገን ፖለቲካውያን ሓይሊ ተጸጊዖም፥ ብኸውሊ ነጸላ ምጉልባብ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ፥ ክሳብ ክንደይ እዩ፥ ሰብ ኣቃሊብሎም ዘሎ?

ከም ተዋጋኢት ላም ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ፉፍ እናበሉ ክንደይ መንእሰይ እዩ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቃ ገይሮም ዘለዉ? እሞ ሕዝቢ ነቒሕሎምዶ? ዓቢይ ምልክት ሕቶ እዩ።

ኣብ ጎረቤትና ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ናባና ኣይሰገረን ኢልና ክንዕሾ ዝግብኣና ጊዜ ኣይኮነን። ካብቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ዘይውሕድ ይፍጸመና ኣሎ። እዚ ተመን ክሳብ ዝግብል ተዓጊስካ ገበል ምስ ኮነ ክትቀትል ምፍታን ንባዕልኻ ንሓደጋ ምግላጽ እዩ። ስለዚ ሕጅውን መምሃርን ኣይግበርካ መምሃርን ኣይኽላእካ ተባሂሉ እዩ ነቒሕና ንፍለጦም።

እግዚኣብሔር ጸጋን ሰላምን የብዝሕ።

ዘንስር ዮሓንስ

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ ደኣ’ያ፥ ክትድፋእን ክትሰሓብን ዝጸንሐት እምበር፥ ባዕላ መደብ ሓንጺጻ ክትገብሮ ይግብኣ ዝነበረ ጉዕዞ፥ ተፈቐዱላ ነይሩ’ዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እሞ ሕጂኸ ካብቲ ክግበረላ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ-ተጽዕኖ ነፃ ኮይና፥ ባዕላ ቤታ ከተመሓድር’ዶ ክትክእል’ያ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ።

እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ማለት ከም ርእሳ-ዝኸኣለት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ከላ፥ እቲ ጉዕዞ’ውን ‘ሀ’ ኢልካ ክጅመር ከሎ፥ ፖለቲካዊ-ሹመት ሒዙ ዝመጻ መራሒ ደኣ’ያ ክትቅበል ዝተገደደት እምበር፥ ባዕላ “…ይደልዎ…“ ኢላ ዝመረጸቶ ጳጳስ ከም-ዘይነበራ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ስለዚ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ እዚ ዝሓለፈቶ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብ ባይታ ዘይነበረ ኣፍኣዊ ነፃነት ሒዛ ደኣ’ያ ክትጐዓዝ ዝጸንሐት እምበር፥ ቤታ ከተመሓድር ዘኽእላ መሰል ነይሩዋ’ዩ ክንብል ዘኽእለና መርትዖ፥ ክንረክብ ከም-ዘይንኽእል ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ።

ርግጽ’ዩ ንስለ ዘረባ እንተደኣ-ኮይኑ ሲኖዶስ ነይሩ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣሎ። ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ወይ ክራይተሪያ ካብ ዝተመርጸ ሲኖዶስ፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ስለ-ዘይከኣል ግና፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዋና ከም-ዘይብሉ ቤት ኩሉ ዝዕንድረላ-ሜዳ ኮይና’ያ ጸኒሓ እንተ-ተባህለ፥ ንምግናን ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኣይኮነን። እምበኣር እኩብ ድምር ናይዚ ዝተባህለ ኩሉ’ያ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ ትርከብ ዘላ። እንሆ  ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ብዓይኒ-ምሕረቱ ክጥምታ ቅዱስ-ፍቓዱ ግዲ ኮይኑ፥ እቲ ጸበባኣን ጸገማን ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ክዝረበሉ፥ እዋኑን ሰዓቱን ዝበጽሐ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ድማ ስቕ ኢሉ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ዘይኮነስ፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ብዝገበሩዎ ዕዉት-ተቓውሞ ምዃኑ፥ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ዜናታት የረድእ ኣሎ። እወ! “ድሕሪ ሞት፥ ጥዕና ቅበጽ” ከም-ዝበሃል፥ እቶም ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን መጻወቲ ሓላፍነት ዘይስምዖም ውልቀ-ሰባት፥ ኣብ እትኾነሉ ደረጃ ወዲቓ ምስ-ረኣዩዋ፥ ዓይኖም ዓሚቶምን እዝኖም ዓጽዮምን ክቕመጡ ሕልንኦም ዝቕበሎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ’ውን ኣንጻር’ቶም ብቐጻሊ ንቤተ-ክርስቲያን ከዕንዉዋን ክፍርሱዋን ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ-ገበነኛታት ክልዓሉ፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ረኺቦሞ።

ብርግጽ እዞም ክልተ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዓቐኑን መጠኑን ዝሓለፈ ብልሽውና ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም፥ ብቐጻሊ ክኽሰሱን ክውቀሱን ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት፥ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ገበን ቈጺርካን ጸብጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ብኣታቶም ክፍጸም ዝጸንሐ ብልሹውን ግዕዙይን ኣሠራርሓ’ዚ ድማ፥ ንኽንድዚ ዝኣክል-ዓመታት ክቕጽል’ውን ይግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብሲኖዶስ ዝፍለጥ ናይ ጳጳሳት-ጉባኤ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ረዚን-ሓላፍነት ክርዳእ ብዘይ-ምኽኣሉ ግና፥ እታ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንከቢድ ሓደጋ ከም-እትጋለጽ ገይሩዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ’ውን እቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ዝኾኑሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ”-ኣንብር ዝበሉዎ ኣየጥፍእ፥ ኣጸብቕ ዝበሉዎኸ ኣየኽፍእ-”  ዝብል ምስላ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

ይኹን እምበር ነቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ክገብሮም ዘየኽእል ካልእ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ነቲ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ምፍላጥ ኣለዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ “-ዋና ኣማሓዳሪ-“ ብዝብል መዓርግ ኣብ ዘይግብኦን ኣብ ዘይምጥኖን መንበር ክቕመጥ ዝገበሩ ንሳቶም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሥልጣን ደልዲሉ ንምቕማጥ ዘኽእሎ ባይታ ንምጥጣሕ’ውን፥ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ምቕያር ዝበጽሕ ርሕቐት ከም-ዝተጓዕዙ፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነዚ ጉድ’ዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ እቲ ግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ፥ ከምኡ’ውን እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶም ርእሶም፥ በቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ብልሽውና’ኳ ተሓተቲ’ዮም እንተ-ተባህለ። እቶም ሓላፍነቶም ብምዝንጋዕ ነቲ ኩሉ ውድቀት ምኽንያት ዝኾኑ ጳጳሳት፥ ብዝለዓለ ደረጃ ተሓተትቲ ክኾኑ ከም-ዝግባእ’ውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ዩ። ከምዚ ምስ ተረኽበ ከኣ’ዩ “-ኣይበዲዶ እንዶ ዝቐደዶ-“ ተባሂሉ ክምሰል ዝኸኣለ።

እቲ ዝዓበየ እቲ ሲኖዶስ ዝገበሮ ገበን፥ ነቲ ተራ-ጭዋ ዝኾነ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ መተካእታ ፓትርያርክ ገይሩ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ከቐምጦ ምእንቲ ክኽእል፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ኣውሪዱ፥ ሥልጣኖም ስዒሩ፥ ኣብ ማሕዩር ከምዝተሓዙ ዝገበሮ ገበን፥ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ጥልመትን ክሕደትን እዩ። ስለዚ እቶም ገዳማውያን ኣቦታትና፥ ንተግባር እቶም ጳጳሳት ኣጸቢቖም እናፈለጡዎ ክነሶም፥ ከመይ ኣቢሎም’ዮም ሕጂ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ፥ ንሳቶም ደያኑ ኮይኖም ክዳንዩዎም ዝደልዩ ዘለዉ-?! “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-“ ዝብል ምስላ ምህላዉኸ ከመይ ኣቢሎም ክዝንግዕዎ ይኽእሉ-!! ከመይሲ እቶም ጳጳሳት በቲ ዝገበሩዎ ዕንወት ዝሕተቱ ኮይኖም እናሃለዉ፥ ብደረጃ ዳኝነት ኣብ መንበር ፍርዲ ዝቕመጡ ኮይኖም ክርከቡ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ ቅቡል ኮይኑ ዝርከበሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ስለዚ እቶም ንሓላፍነት ብቑዓት ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ተሓባበርቲ ዮፍታሔ ኮይኖም ዝጸንሑ -ጳጳሳት፥ በቲ ዝፈጸሙዎ ኩሉ ዝሕተቱ ደኣምበር፥ ንዳኝነት ዝሕሰቡ ከም-ዘይኮኑ ጸቒጥካ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ነቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ከነተሓሳስቦም ግቡእና’ዩ።

ርግጽ’ዩ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዝገበሩዎ ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኖም፥  እቲ ኩሉ ብልሽውና ክፍጽሙ ዝጸንሑ ክልተ-ገበነኛታት፥ ተደፊኦም ክወጹ ምኽኣሎም ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ-ዓወት ምዃኑ ኣየከራኽርን። ይኹን እምበር እቲ ዝዓበየ ሥራሕ እቲ ብድሕሪ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ነጥቢ’ዩ። ማለት ንድሕሪት ተመሊስካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈጸመ ኩሉ ክዝከር ከሎ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ’ዩ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክኣቱ ዝኸኣለ። ሕጂ ግና እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ግህሰት-ሕጊ፥ ሕጂ ከም-እንደገና ክድገም ዝደሊ የልቦን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነፃ ኮይና ቤታ ከተመሓድር ዘለዋ መሰል ክኽበረላ ኣለዎ። ካብኡ-ዝተረፈ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ንዝኾነ ዝግበር ኢድ ምትእትታው ዝጻወር ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይግባእ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእካን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካን ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ርግጽ’ዩ እቶም ክብደት-ሓላፍነት ይርድኦም’ዩ ዘይበሃሉ ጳጳሳት፥ ምስ ዮፍታሔ ተሓባቢሮም ነቶም ንሕማቕ-መዓልቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ዝእመነሎም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ስለ-ዘጥፍኡዎም፥ ሎሚ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብዘይ-ሰብ ገረውረው ኢሉ ከምዘሎ፥ ዝስሕቶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቶም ብሕይወት ኣለዉ ዝብሃሉ ዝርካቦም ድማ፥ ገሊኦም ንመቝሕ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክርከቡ ከለዉ፥ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ድማ ኣብ ስደት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዘለዎ ዉሉደ-ክህነትና ከኣ ከምኡ፥ እቲ ሲኖዶስን ዮፍታሔን ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን፥ ተሰካም ጠበንጃ ኮይኑ ኣብ በረኻ ከም-ዝበሊ እናገበሩዎ’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ድማ ዘገልግለን ሲኢነን ዝዕጸዋ ዘለዋ ብዙሓት’የን።

ብዝኾነ “-ጭራ-ነብሪ ኣይትሓዝ፥ እንተ ሒዝካኸ ኣይትልቀቕ-“ ከምዝብሃል፥ እዚ ጉዳይ’ዚ ዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ዕግበት ተሰሚዑና ክንሓድጎ ዝግበኣና ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ’ቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ከኣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እነእትዎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን እምበር ምስ ሕቶ ምፍታሕ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፥ ናይ ዮፍታሔን ሃብቶምን ምስጓጕ ኣብ ግምት እነእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ምፍታሕ እቶም ፓትርያርክ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ደምበ-ተዋሕዶና ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ ዓቢይ-ጉዳይ።

ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ንጎቦ ኣቐሚጥካ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ’ውን ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ እቲ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብጺሑዎ ዝርክብ ዘሎ፥ እቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ነቶም ጳጳሳት ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ክወርዱ ዝገበሮ ሰይጣናዊ-ውዲት እዩ። ስለዚ “ብዓመጽ ዝተወስደ፥ብፍትሒ ይመለስ“ ከምዝበሃል፥ ሕጂ ድማ እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ “-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ-“ ደኣምበር፥ እቲ ንዮፍታሔን ሃብቶምን ንምስጓጕ ዝተወስደ ስጉምቲ፥ ካብዚ ዓቢይ ጉዳይ’ዚ ኣውጺኡ ከዘናግዓና ዝግብኦ ኣይኮነን። ከመይሲ መንገዲ ገዲፍካ ብጓል-መንገዲ ዓዲ ክእቶ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ካብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ ዝተገብረ ዘይ-ቀኖናውን ዘይ-ሕጋውን ምርጫ-ፓትርያርክ ኣባ-ዲዮስቆሮስ፥ “-ልቐቕ  ዘይ-ርስትኻ፥ ውረድ ዘይ-በቕልኻ-“ ከምዝበሃል፥ እቲ መንበር ናብቶም ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።

ብዝተረፈ ጠቕላላ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ከቢድ-ሓደጋ ይርከብ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፥ እቲ ብልቦና ዘይፍለጥ ዮፍታሔን፥ እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ከም ሓደ ዓቢይ-ዓወት ቈጺርና እፎይታ ክስመዓና ኣይግባእን። ከመይሲ እዛ ንዓመታት ተጨውያ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና፥ እቲ ዋናኣ ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣብ ኢዱ ክርከባ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ኢድ ዘይ-ዋናታት ስለ-ዝጸንሐት እኮ’ዩ፥ እዚ ኩሉ ውድቀትን ዕንወትን ክርከብ ክኢሉ ዘሎ። ስለዚ’ውን እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብልቦና ክጥምቱዎ እንተዝኽእሉ፥ ክንደይኮን ከመስግኖም ምኸኣለ ነይሩ-!!

እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ’ዚ ተባሂሉ ዘሎ፥ ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂኸ ናበይ-? ዝብል ሕቶ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክምልሱዎ ዝግብኦም ምዃኑ፥ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን። ከመይሲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ካብቲ ክትጐዓዞ ዝግብኣ መሥመር ወጻኢ፥ ሪሒቓ ክትከይድ ጸቕጢ ክግበረላ ስለ-ዝጸንሐ፥ በዓል-ዮፍታሔ ናብ ዝወሰዱዋ ክትጉተት ከም-ዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ጌጋ ክድገም፥ ክንጻወሮ ዘይንኽእል ምዃንና ድምጽና ኣበርቲዕና ከነስምዕ ክንክእል ኣሎና። ኩሉ ነገር ወሰን ስለ-ዘለዎ’ውን “-ይኣክል-“ እንብለሉ ግዜ ሕጂ’ዩ።

ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ