መትሮፖሊታን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም

መትሮፖሊታን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም

ክቡራን ሕዝበ-እግዚኣብሔርን ውሉደ-ክህነትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፥ መትሮፖሊታን ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ዝመርሕዎ ጉጅለ፥ ምስ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም። ብተወሳኺ፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ፥ ብኹነታት ጥዕናኦም ደሓን ከምዘለዉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ን10 ዓመታት ከቢድ ዕንወት፥ ውግዘት፥ ማእሰርቲ፥ ምፍልላይን ሕጊ-ኣልቦነትን ነጊሱ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ መደብ እግዚኣብሔር ኮይኑ ግና ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ብተበግሶ ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ዝጀመረ ምግላፍ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፡ ሓድሽ ኵነታትን ኣንፈትን ከም ዝተፈጥረ ዝዝከር እዩ።

ን10 ዓመታት ዝኣክል ሕቶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ’ውን ንጹርን ዘየማትእን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ንሱ ድማ፥ ዝተጣሕሰ ቀኖና ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ናብ ንብሩ ይመለስ፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ይምርሕዋ ዝብል እዩ። እዚ ምስ ዝኸውን እዩ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብሓዋርያዊ መሪሕነትን ስምረት ክትነብር ትኽእል።

ሕጂውን ኣብ ሕጊ፥ ጽድቅን ሓቀኛ ፍቕርን ዝተመሥረተ ወግዓዊ ዕርቂ ኣብ መንጎ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ጳጳሳትን ንኽትግበር መልእኽትና ነመሓላልፍ።

መንበረ-ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን                            

13 ሰነ 2015 (፮ ሰነ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ) 

ውሽጣዊ ነውጽን ኣድማሳዊ ተነጽሎን ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ጠንቁ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ’ኸ?

ውሽጣዊ ነውጽን ኣድማሳዊ ተነጽሎን ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ጠንቁ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ’ኸ?

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ

  1. ተልእኾ ቤተክርስቲያን እንታይ እዩ? ቤተክርስቲያን ተልእኾኣ እንተዘይፈጸመት ኣብ ህዝብን ሃገርን እንታይ ጉድኣት ይበጽሕ?
  2. ኩነታት ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ቅድምን ድሕሪ ነጻነትን እንታይ ይመስል?
  3. ምስ ነጻነት ሃገርና ምምሕዳራዊ ነጻነት ረኺባ ንትንሣኤ እተማዕዱ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ብኸመይ ናብዚ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ወደቐት?
  4. ኣብ መፋርቕ 2005 ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶዝተፈጸመ ማንም ዘይተጸበዮ ሓደጋ ዘኸተሎ ዕንወት እንታይ ይመስል?
  5. ካብዚ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶኣትያቶ ዘላ ናይ ውድቀት መገዲ ብኸመይ ኪትወጽእ ትኽእል?
  6. መዛዘምን ለበዋን ንውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ንኡስ ወለዶን ዝብሉ ኣገደስቲ ኣርእስቲ ይርከብዎ። ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ, PDF, 1.36 MB

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብህጹጽ ክፈትሖም መንግስቲ ኣሜርካ ይጠልብ

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብህጹጽ ክፈትሖም መንግስቲ ኣሜርካ ይጠልብ

መንግስቲ ኣሜርካ ብሰሉስ 20 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ:

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሖም ጸዊዑ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ፥ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዓመጽ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ናይ ገዛ ሕዩር ካብ ዝገብሮም ድሮ 8 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ከምዝገበሩ ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ዓመጽ ብጽኑዕ ከምዝኹንኖ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ ይርከብ። ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብሕማም ሽኮርያ ከምዝሳቐዩን ኩነታት ጥዕንኦም እናበኣሰ ይኸይድ ስለዘሎ ከምሻቐሎን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይሕብር።

ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረታዊ ህያብ ደቂ-ሰባት እዃ እንተኾነ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም መሰላት እዚኣቶምን ካብ ዝስእኖም ግና ልዕሊ 20 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ይብል እቲ መግለጺ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ ኣብዚ ተወከስ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከቕርብ እኳ እንተጸንሐ: ክሳብ ሕጂ ክሰምዕ ዝኽእል ኣካል ግና ኣይተረኽበን። 

ጸሊም ታሪኽ ሰብስልጣን-ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ክርስትና

ጸሊም ታሪኽ ሰብስልጣን-ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ክርስትና

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ ን2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉ’ዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።

ኣቶ ናይዝጊ ድማ ሓደ ካብዞም ደም ንጹሃት ክርስቲያናት ብፍሉይ ድማ ኦርቶዶክሳውያን ብዋንጫ ቁጥዓ ሰትዩ ዝሰኸረ፣ ጸረኣምላኽ ብኣምሳል ሰብ ዝተፈጠረ ኣደራዕ ኣመንቲ ክርስትና እዩ። ናይዝጊ ኣብ ቀጽሪ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩ ከም ሓደ ክርስትያን ጸሎተ ፍትሓት ኪግበረሉን ኪጽለየሉን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢላ ክትምስክረሉን፣ ፈጺሙ ኣይግብኦን ናይዝጊ ከሓዲ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ መጥፍኢ ኣመንቲ ኣምላኽ እዩ። ብመጠን ትሪ ልቡ ድማ ክሳብ ዕለት ሞቱ ንስሓ ዝኣተዎን ዝተጣዕሰሉን ነገር የለን።

ናይዝጊ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮ ርድኢት ዘይፈልጦ እኳ እንተ ኾንኩ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብታ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ምኽትል ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፤ ጉዳያት ጸጥታ፡ ኢሚግሬሽንን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኮይኑ ሥልጣን ካብ ዝሓዘላ እዋን ግን ስር ኢሉ ኣብ ሕቖ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ ተሓዚሉ፣ ሕማም መንድዓት ዝኾና። ዝነበሮ ሓላፊ ሃይማኖት ብምዃን ድማ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሱር ነቀል ዕንወት እዩ ምሂዙላ። ቤተ ክርስቲያን ካብ በዓል ኔሮን ድዮቅልጥያኖስ፣ ትራጃን ፈልያ ዘይትርእዮ፣ ክርስትና ከጥፍእ ንርእሱ ዝጠፍአ ገበነኛ ኣምላኽ እዩ። ርኹስ ተግባራቱ ዘርዚርካ ዘይውዳእ እኳ እንተ ኾነ፣ ካብ ባሕሪ ብማንካ ናይቲ ሓደገኛ ውዲቱ ሒደት ክጠቅስ።

  1. ኣብ 1991 ናይቲ እዋን ዋና ጸሓፊ፣ ናይ ሕጂ ፕረሲደትን ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ጊዚያዊ ሲኖዶስ ክቐውም ምስ ኣዘዘ፣ ነቲ ዝቖመ ጊዚያዊ ሲኖዶስ ብቐረባ ተኸታታሊኡ ናይዝጊ እዩ ኮይኑ። ከምውጽኢት ናይዚ ድማ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዋና ጸሓፊ ጊዚያዊ ሲኖዶስ ኮይኑ ዝተመርጸ፣ ናይ ሕጂ ናይ ኣሥመራ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፣ ብቐጥታ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰላዪን ዝተገብረ ኩሉ ናብ ናይዝጊ ሪፖርት ከቕርብን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ መሥረተ ኣብ ውሽጢ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ሓደገኛ ሰላዪ ፈጢሩ ምሉእ ብምሉእ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ምሉእ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኣውደቓ። ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ነቲ ሽዑ ዝረኸቦ ሞገስ እንጌራኡ በሲላትሉ፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ዘይትሕት ተፈራሕነትን ህቡብነትን ዘለዎ ሰብ እዩ፣ ኣብ ምእሳር ናይ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ቀሺ ገብረመድኅን ገብረጊዮርጊስ ቀሺ ዶር ፍጹም ገብረንጉሥን ቀሺ ዶር ተኽለኣብ መንግሥተኣብን ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ ብደም ዝሕተት ሰብ እዩ።
  2. ናይዝጊ ኣብ 1994 ኣብ መንጎ ጳጳሳት ንሓድሕዶም ከም ዝተፋነኑ ብምግባር ኣብቲ እዋን ዝነበሩ 3 ጳጳሳት ኣቡነ ፊልጶስ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ያዕቆብን፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ገፊሕ ዝኾነ ምፍልላይ ከም ዝፍጠርን ንናይዝጊ ዘይተኣዘዘ ካብ መንግስቲ ባጀት ከም ዘይምደቦን፣ ምስናይ ምፍርራሁን ጸርፉን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕንወታ ሰርሐ፣ ንኣቡነ ያዕቆብን ኣቡነ መቃርዮስን ካብ ስራሕ ኣደስኪሉ ኣብ ገዝኦም ከም ዝዕጸዉ ብምግባር፣ ኩሉ ስራሕ ነቶም ኣብቲ እዋንቲ ወዲ 95 ዓመት ዝነበሩ ኣቡነ ፊልጶስ ክመሓደር ገበረ ነዚ ድማ ኩሉ ብኢድ እቲ ኣባል ስልያኡ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ከም ዝካየድ ገበሮ።
  3. ኣብ 1995, ንዝተሾሙ ጳጳሳት ዕድሜኦምን ኩነታቶም ገምጊሙ፣ ካብቲ ዝበሎ ቃል “መንግስቲ ሓደሽቲ መካይን፣ ገዛ፣ መራሒ መኪና፣ ዋርድያ ናይ ገዛ ናይ ዝገሽኩሙሉ ኣበል ብላዕሊ፣ ናይ ነዳዲ ብላዕሊ፣ ደሞዝኩም 1800 ብር ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ። በዚ መጋየጺ እዚ ዝተሓጎሱ ስሞም ምጥቃስ ኣየድልን ሓደ ካብቶም ሓደሽቲ ዝተሾሙ ጳጳሳት “እዚ መንግስቲ እዚ ዳግማይ ቆስጠንጢኖስ እዩ። ንሕና ድማ መንግሥትና ዝኣዘዘና ኣብ ኩሉ እዙዛት ኮይና ከነገልግል ኢና ሃገር ከይትጠፍእ፣ ከይትደኽሙና ንስኻን ኢሳይያስን ስራሕ ተጽዕቑ ኣሎኹም።” ክብሉ ናይግዙእነቶም ቃል ኣስምዑ። እዚ ድማ እቲ ጐይታ “ሰብ ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ኣይከኣሎን እዩ” ዚበሎ ብግልጺ ግዝኣቶም ነቲ ካልኣይ ጎይታ ዘነጸሩሉ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዘበን ነበረ።
  4. ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ሕጂ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ናይ ዮፍታሄ ፓትርያርክ ኣባ ዲዮስቆሮስ፣ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቀሺ ገብረመድኅን ገብረ ጊዮርጊስ፣ ናይ ምምሕዳር ስራሕ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፣ ንናይዝጊ ለሚኖምን ኣፍትዮምን፣ ገለ ክእለት ዘለዎም ካህናትን ዲያቆናትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስራሕ ክምደቡ፣ ልማኖ ኣቕረቡ ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ፣ ሕራይ ስለ ዝበሎም። እቶም ደሓን ናይ ቤተ ክርስቲያን መንቋሕቋሕታ ዘለዎም ዝበሃሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከካብ ዘለውዎ ቦታን ስራሕን ተጸዊዖም መጽኡ።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም ዮፍታሄ ወጊዙ ዝሰጎጎም ሕጂ ብሕይወት ዘየለዉ።

ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትርያርክ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ።

ናይ ሕግን ሥርዓትን ሓላፊ መርጌታ ተወልደ መድኅን መንግስቱ፣ ብዮፍታሄ ተስጒጎም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝርከቡ።

ናይ ወጻኢ ርክባትን ዝምድናታትን ጸሓፊ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ ካብ ኢድ ናይዝጊ ኣምሊጡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከብ። ብምዃን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ደሓን ዝኾነ ምንቅስቓስ ተጀመረ። እንተኾነ ናይዝጊ እዚ ዕቤት እዚ ኣዝዩ ስለ ዘሻቐሎ በቲ ዝተፈጸመ ናይ ስራሕ መደብ ተጣዕሰ። ቀሺ ሳሙኤልውን ካብቲ ናይ ሲኖዶስ ጸሓፍነት ዘይሓልፍ ሥልጣኑ ክድረት ጀመረ።

ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብናታ መምርሒ ክትከይድ ንናይዚጊ ናይ ሞትን ሕይወትን ጉዳይ እዩ። ድሕሪ እዚ ድማ እዩ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ውዲት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተማህዘ። ናይዝጊን መሰልቱን ንደምበ ተዋሕዶ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ዝብል ተኣፋፊ ምክፍፋል ኣእተውሉ፣ እዚ ፈተና እዚ ዋላ ነቶም ብዙኅ ትጽቢት ዝተገብረሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብቐሊሉ ዘይስገር ፈተና ኮኖም።

በዚ ድማ ደገፍቲ ኣቡነ ፊልጶስ ዝኾኑ ብስም ኣከለጉዛይ ዝጽውዑ ሓደ ደምበ፣ ደገፍቲ ኣቡነ ያዕቆብ ዝጽውዑ ብስም ሓማሴን ካልኣይ ደምበ። ኣብዚ ፈተና እዚ ብጀካ ሓደ ጳጳስ ኩሉ ሰንከልከል ክብል እዩ ተራእዩ። ዋላ እቶም ከም ኣቦን ውሉድን ዝፋተዉን ዝቀራረቡን እውን ተረጋጊጾም ኣብ ዝሓልፉሉ ደረጃ እዩ ተበጺሑ። ናይዝጊን ናይ ውሽጢ ሰላይኡ ቀሺ ሳሙኤልን ግን ዓላማኦም ሠመረሎም።

ኣብ ቀዳማይ ደምበ ኣቡነ ቄርሎስ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ኣቡነ ዮሓንስ፣ ኣቡነ ሰላማ፣ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፣ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፣ መርጌታ ተወልደመድህን መንግስቱ፣ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ።

ኣብቲ ካልኣይ ደምበ፣ መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ቀሺ ተኽለማርያም ምርካጽዮን፣ ቀሺ ገብረመድኅን ገብረጊዮርጊስ፣ ምእመናን ናይ ሲኖዶስ ኣባላት ብጀካ ቀኛዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ኩሎም፣ ቀሺ ማርቆስ፣ መርጌታ ጸጋይ፣ ቀሺ ባህታ፣ ቀሺ ግርማይ፣ ኣቶ ይስሓቕ ዮሴፍ ሓላፊ ክፍሊ ረድኤት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፣ መጋቤ ሥርዓት ቀሺ ሉቃስ ገብረሚካኤል። ብምዃን ከቢድ ምትፍናን ተፈጥረ።

ኣብ ማእከል ዘረባ ዘቀባብሉ ደቂ ሞንጎ ድማ ተፈጥሩ። ኣቡነ ማርቆስ፣ ቀሺ ኤፍሬም ግርማይ፣ መርጌታ ኣፈወርቂ ተስፋጽዮን፣ ኣባ ተኽለኣብ ሓጎስ ኣባ ማህጸንተ ኣማኑኤል (ሕጂ ኣባ ሲኖዳ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ)፣ ቀሺ ፍጹም ተስፋይ፣ ቀሺ ኢሳይያስ መሓሪ ብምዃን ነገር ዘምበድብዱን ዘላኽዑን ተፈጥሩ። “በዓል ወይ ክረምቲ ክሳብ ዘፍልጥ ኣብ ዓሚቕ ጽመድ” ዝብል ርእሶም ዝቐበሩውን ነይሮም እዮም። ካልኦትውን በትሪ ሒዞም ቱፍ ቱፍ እናበሉ ዝኸዱን በዓል ኣባ ተስፋልደት። ወረቐት ጸሓፉልና ኢሎም ለይቲ ምስ መዓልቲ ናብ ክፍሊ ጸጥታ ዝጎዩ ከም በዓል ኣቶ ሓጎስ ተስፋጽዮን መራሕ መኪናውን ነይሮም እዮም።

ናይዝጊ ክፍሉ ቅጫኡ በሲላትሉ ሰላዪ ቀሺ ሳሙኤል መእተዊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ረኸበ። ዝደልዮ ኮይኑ፣ ኣብ ክንዲ ናብ ዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ምጥርናፍ ሕዝብን ኣብ ንሕድሕድካ ምፍኽኻርን ምትህልላኽን ወርቃዊ ጊዜ ብኸንቱ ባኸነ።

ነዚ መሳርሒ ዝጠቕሞ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይዝጊ ዝምራሕ ደራጎን ሃይለመለኮት ዘማእክሎ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዚብል ሓደ ትካል ተመሥረተ። ደራጎን ምንም ኣፈፍ ዘይብሉ ከም ንቖልዓ ችቸቶ ሂብካ ተዕሽዎ፣ ንግደታት እናወሰድካ ኣረቅን ዊስክን እንተ ቐሪብካሉን፣ ወዲ ጎይታይ እንተኢልካዮ፣ እኹል እዩ፣ ብኣራዳድኣ ደራጎን ኤርትራ ማለት ካብ ጸዓዘጋን ሃዘጋን ክሳብ ኣስመራ እንተ ኸደት ድማ ሓማሴን ተጠቓልል እምበር ብናይ ደራጎን ሓንጎል ኩሉ ትግራዋይ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣከለጉዛይ ግሉጽ ዝኾነ ጽልኢ ዝነበሮ ዓጋመ ዚብል መቐጸልታ ስም እዩ ዝጽውዖም። ካብ ዝገርም ግን ብእንዳ እኖኡ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ትግራይ ንደራጎን ትቐርቦ።

እዚ ክልተ ጉጅለ እዚ እቲ ሓደ ብቐጥታ ምስ ናይዝጊ ዝራኸብ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ምስ ደራጎን እዩ ዝራኸብ። ንናይዝጊ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንምቁጽጻራ ዝቐለለ መገዲ ኮነሉ።

እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ጳጳሳት ዝሓዘ ብምዃኑ ዝያዳ ናይ ሓይሊ ብልጫ ኣርኣየ። ናይዝጊ እዚ ኣዝዩ ኣሰከፎ። ምኽንያቱ እናተዋጠጡን እናተገታተሩን ክነብሩ እምበር ሓደ ክዕወት ድራርካ ምዕጻው እዩ ንናይዝጊ። በዚ ድማ ነቲ ቀንዲ ክመርሕ ይኽእል እዩ ብቕዓት ኣለዎ ዝበሎ ሰብ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ብቐጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ገበሮ። ናይቲ ካልኣይ ወገን ሚዛንነት ተመዓራረየ። ከመይሲ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ ብመንፈሳውነትን ብዘመናዊ ትምህርትን ኣዝዩ ዝበሰለ፣ ቤተ ክርስቲያን ናጽነታ ይከበር ኢሉ ደው ዝብል ሕይል ዝበለ ሰብ እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ጉጅለ ናይ ምስንባድ መንፈስ ተፈጥረ።

ደራጎን ምስ ናይዝጊ ብምምስጣር ድማ ቅያር ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ናይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና፣ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ክሰርሑ፣ መምህር ፍስሃየ ሃብተሥላሴ ተመደቡ።

መምህር ፍስሃየ መዘምር ኣይኮኑ ካህን ኣይኮኑ፣ ብደራጎን ዝተወፈየ ጉንዖ ናይ ዘይቅዱስ ኪዳን እዩ ነይሩ። ከመይሲ ደራጎን ሃይለመለኮት ኣብ መንደፈራ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ጓል መምህር ፍስሃየ ግሉጽ ናይ ምንዝርና ርክብ ስለዝዝነበሮም መከሓሓሲ እዩ። ሓደ እዋን ኣብ መንጎ መምህር ፍስሃየን ኣቡነ ፊልጶስን ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ። ኣቡነ ፊልጶስ “ቤተ ክርስቲያን ብባሬላ ተሸይጣ።” ክብሉ ናይ ልቦም ተዛሪቦም እዮም።

መምህር ፍስሃየ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሑ ኢደ እግሪ ዘይብሎም በዚ ኣትዮም በዚ ይወጹ ዘይበሃል፣ ናይ ደራጎን ልኡኽ ኮይኖም ዝተቐመጡ እዮም።

እቲ መደብ ስራሕ ብናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ይሓዝዎ እምበር ክሰርሕዎ ስለ ዘይክእሉ። ንቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፣ ምክትል ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትርያርክ ብዝብል ሽፋን ኩሉ ስርሓት ብእኡ ኣቢሉ ከም ዝዕመም ይግበር። እቲ ዝተጻሕፈ ኩሉ ብክታም መምህር ፍስሃየ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ንቀሺ ገብረሚካኤል ሓደ እዋን ደራጎን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ፣ እቲ ስራሕ ንስኻ ክትሰርሖ ተመዚዝካ ኣሎኻ፣ ዘይኮነ ጽሑፋት ወይ ሓበሬታት መምህር ፍስሃየ ፈሪሞሞ እንተ ወጺኡ ናይቲ ጉዳይ ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ። ደድሕሪ ይትባረኽ ክትስዕብ ምዃንካ ፍለጥ ኢሉ ከም ዘጠንቀቖ’ውን ይዝረብ እዩ።

ማእሰርቲ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ ካልኣይ ጉጅለ ዝያዳ ሓይሊ ረኸበ፣ ብፍሉይ ድማ ኣብ ጳጳሳት ዘተኮረ መጥቃዕቲ ተተሓሓዞ። በዚ ድማ ኩሎም ጳጳሳት ብጀካ ሊቀ ጳጳስ ኣባ ያዕቆብ ብገዳም ደብረ ቢዘን ተወጊዞም ዝብል ኣባ ተኽለማርያም ተስፋልደት ናይ ደብረ ቢዘን ኣበምኔት ዝነበሩ፣ብሥጋ ቀረባ ቤተ ሰብ ኣቡነ ያዕቆብ ዝኾኑ፣ ኣባ ኣርኣያ ናይ እንዳ ማርያም ዓይላ መነኮስ ብዝኾኑ፣ ኣብ መላእ ገዳማትን ኣድባራትን ኤርትራ ወረቓቕቲ ተበተነ፣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይዚ ጸይቂ እዚ ድማ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ኮነ።

ናይዝጊ ነቲ ዝተፈጥረ ምንዕዓባት ቀንዲ ሃንዳስን ኣላዪን ንሱ ክነሱ፣ ንኣቡነ ፊልጶስ፣ ኣጆኹም እዛ ፓትርያርክ ነኣኹም እያ። ብዝብል ምስምስ የታልሎም ነበረ። ደራጎን ዝገብሮ ዘሎ ብቐረባ እከታተሎ ኣሎኹ ዝብል ብደራጎን ከምዘይተሓጎሰን ከምስል ተዋስኦ ኣብ ምስራሕ ተጸምደ።

ኣብቲ እዋን እቲ እታ እንኮ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፣ ትርንዕ ዝበለ ጽሑፋት ትዝርግሕ ስለ ዝነበረት ኣዳላዊ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ቀሺ ተኽለማርያም ምርካጽዮን፣ ሕጂ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከቡ ናይ ኣውሮጳ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት፣ ደራጎንን ናይዝጊ ክፍሉን፣ ካብ ርእሲ መሬት ንምሕቃቖምን ንምጭዋዮምን ዘይመሃዝዎ ነገር ኣይነበረን።

ኣብቲ ቀዳማይ ጉጅለ ዋላ እኳ ብኣካል ጳጳሳት ዝዓብለልዎ እንተ ነበሩ፣ ብቐጥታ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ምትእስሳር ዝነበሮም ኣባ ዮውሃንስ ናይ ከረን ጳጳስ፣ ነቲ ካልኣይ ጉጅለ ራዕዲ ይፈጥሩሉ ነይሮም እዮም። ምንቅስቓስ ኣብ ስለያዊ ክፍሊ ኣባ ዮሓንስ ንናይዝጊ ክፍሉ ደስ ኣየበሎን ርክቡ ቀጥታ ኣብቲ እዋንቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ሙሳ ራብዓን ኮለኔል ጋይም ወልደሚካኤልን ስለ ዝነበረ፣ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከይከይድ ዘስግኦ ኮነ።

ናይዝጊ ጥልመቱን ክሕደቱን ኣብ እምነት ክርስትና፣ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ዘይከኣል፣ ከሓዲ ኣምላኽ እዩ። ክብረት ኣምላኽን ሰብን ዘይብሉ፣ ዕድመን መዓርግን ሰብ ዘይግድቦ፣ ንሽማገለ፣ ንካህን ንጳጳስ ብጾታዊ ጓል ኣንስተይቲ ዚጽውዕ፣ ኣቲ ወይ እተን ጳጳሳት ኢሉ ፆታዊ ህያብ ኣምላኽ ዝኽሕድ ውሉድ ሰብ እዩ። ናይዝጊ ብስዲ መልሓሱ ዘይጸረፎ ጳጳስ፣ ካህን ዲያቆን ምእመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ንመልሓሱ ምስናይ ኣደራዑ፣ ቀፊር ዘይብሉ፣ ዘይተቐብአ ሰብ እዩ።

ካብ 1998 ምርጫ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ ክሳብ ምእሳር 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ከቕርቦ እየ።

ናይዝጊ (ዘይ-ናይዝጊ) ጸሊም ታሪኽ ሓዲጉ ኣብ ምድሪ ብታሪኽ ሰባት ኣብ ሰማይ ድማ ብፍርዲ ኣምላኽ  ዘሕፍር ኣማውታ ሞይቱ፣ ቤተ ክርስቲያን ግን ርእሳ ክርስቶስ ሕያው እዩ እሞ ብሕይወት ትቕጽል ኣላ።

ቅዱስ ታሪኽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክብረት ኣለዎ።

ልሳነ ሠይፍ ዘገዳም

ሓድሕዳዊ ምፍልላይ ኣብ ደምበ ተዋህዶ ንረብሓ መን?

ሓድሕዳዊ ምፍልላይ ኣብ ደምበ ተዋህዶ ንረብሓ መን?

ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ተመሃሮ ኮለጃት ማይ ነፍሒ፥ ኣብ ፈታኒ ኩንታት ንርከብ ኣለና። ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ-ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናይ ምውንጅጃል ጊዜ ተሕልፈሉ ዘላ ዘመን እዩ፣ ካብቲ ኣብ 2000 ዓመት ዝተፈጥረ ምፍልላይን ምቅጻል ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ዕንወት ይበጽሓ ኣሎ፣ ሰዓብታን ተኸተልታን ዝያዳ ድማ መንእሰያት ንጠፍእ ዘይኮነስ ንጸንት ኣለና እዩ ዘብል፣ ገለ መንእሰያት ብናይ መናፍቓን መዝሙራትን ስብከታትን ይታለሉ፥ ፍርቆም በቲ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ተመቓቒሎም፥ ገለውን ምስ መናፍቓን ምጽምባር ማለት ዘመናውነትን (ምዕባለ) ዝመስሎም ስምዒታውያን፥ መዓልታዊ ራሕሪሖማ ክኸዱን ሃይማኖቶም ክልውጡን ንርእዮም ኣሎና።

ብደገ ንዝርኢ እዚ ንጠቕሶ ዘሎና ጥራይ ክመስሎም ይከኣል እዩ፣ እትው ኢሉ እቲ ውሽጢ ንዝርድኦ ግና እቲ ጠንቂ እዚ ዝተጠቕሰ ጥራይ ኣይኮነን። ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ: 12: 25. ንሓድሕዳ እተፈላለየት ቤት ኣይትነብርን እያ ዝበሎ፥ ኣብ ንሕድሕድና ዘሎ ምብላዕን ምውንጃልን ንህዝብና ከቢድ ፈተናን ብድሆን ኮይንዎ ኣሎ። ሎሚ እቲ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዘሎ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝኽተልን ዝስዕብን ኣካል፥ ኣንጻር እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ብኣቡነ ደስቆሮስ ዝምራሕ (ኣቡነ ዲይስቆሮስ እኳ ኣበይ ኣለዉ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ንበሎ) ዘመተ ምክያዱ ብሓቂ ነቲ ዘለዎም ስልጡንን ምሁርን ክኢላን ዓቕሞም ዘናእስ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ስለዚ ስኽን ኢሎም ክሓስቡሉ ይግባእ ንብል፣ ከመይሲ ንቤተ ክርስትያንና ሃሳዪ ስለ ዝኾነ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቤተ ክህነት ምርጫ የብሉን፣ ወይ በል ዝተባህሎ ክብል ኣለዎ፥ ወይድማ ክእሰርን ክስደድን ኣለዎ፣ እቲ ዝኸበደ ጸገም ግን ማእሰርትን ስደትን ኣይኮነን፥ ውሽጣዊ ሰብ ዘይፈልጦ መቕጻዕትን ማእሰርትን ስቓይንውን ኣሎ። ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ኣብ ኮለጃት ክምስረት እንከሎ፥ ንተዋህዶ ሃይማኖት ዓቢ ተስፋን ሓይልን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኮለጃት ብፍላይ ድማ ኮሎኔል እዝራ ወልደገብርኤል ኣብ ዝነበረሉ፥ ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ከም ድላይና ክንሰብኽ ክንዝምር፥ ክንእከብን ክንንቀሳቐስን ሰፊሕ ዕድል እዩ ነይሩና። ብብዝሒውን ካብ ኣምሓርኛ ዝተገልበጡ መዛሙራት ይዝመር ነይሩ፥ ገሊኡውን ከም ዘለዉ ብኣምሓርኛ፣ ድኻምነት ግን ነይርዎ። መዛሙራትና ዝያዳ ኦርቶዶክሳዊ ንምምሳል፥ ብዋጣን ክራርን ሻምብቆን ጥራይ ብምንባሩ ሓደ ዓይነት ቃና ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዝተቐድሐ ኣምሓርኛ ዝጥዕም ቃና መዛሙር ብምዃኑ፥ ምስቲ ናይ መናፍቓን መዛሙር ኣነጻጺርና፥ ናትና መዛሙር ብትሕዝቶ ይኹን ብቓና፥ ኣብ ልቢ መንእሰያት ዝሰርጽ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንተ ስብከት ግን ሳላ እንተርነታት፥ መጻሕፍቲ ፖፕ ሽኖዳ፥ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዘቕርቦ ትምህርትታትን ስብከታትን፥ ምስጢራት ቤተ ክርስትያንን ጽቡቕ ገይሩ ይቐርብ ስለ ዝነበረ፥ ጽቡቕ ተቐባልነት ነይርዎ ክበሃል ይከኣል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ድሕሪ ምእላይ በዓል ኮሎኔል እዝራ ጉባኤ ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ወዲቑ። እቲ ጸገም ኣሕጽር ኣቢልና ክንገልጾ እምበር ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፣

  1. ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፍልጠት ብቕዓት ዘለዎ ተሓታቲ የብላን፣ እቶም ብመንፈሳዊ ፍልጠቶም ብቕዓቶም ትሕትናኦም ኣዝዮም ፍሉጥ ዝኾኑ እንኮ ኣብ ኤርትራ ብስነ መለኮት ተሓታትን ምሁርን መርገታ ሰመረኣብ ቀሺ ወልደገብርኤል ካብ ቤተ ክርስቲያን ብምስጓጎም፥ ሓቲትካ ክትረኽቦ ትኽእል መልሲ የለን፣ እንተ ሓተትካውን ተመሊስካ ንርእስኻ ኣብ ሕቶ ምልክት ተእትዋ ናይ ምፍርራህ ሕይወት፥ ይወርደካ፥ እቲ ተሓድሶ፥ መናፍቕ ዝብል ናይ ጸለመ ኣስማት የንጸላልወካ።
  2. ብስም ኣጻራይት ሃይማኖት ዝቖሙ ኣዝዮም ስምዒታውያን መንእሰያት መብዛሕትኦም ካብ ኪዳነ ምሕረት ማይተመናይ ዝኾኑ 12 ሰባት ኣለዉ። እዚኦም ኣካል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበረ ቅዱሳን ዝበሃል ትካል እዮም። ገጹ ባህ ንዘይበሎም፥ ንዝጸልእዎ፥ ብናታቶም መዕቀኒ ዝመዝንዎ ኩሉ መናፍቕ፥ ተሓድሶ፥ ጸረ ሃገር ዝብል ኣስማት ብምልጣፍ፥ ናይ እምነትካ መሰል ገፊፉ ዝሰጉግ ትካል ኣሎ። እዚ ምትእኽኻብ፥ እዚ ኣነ እዚ ኢየ ዝኣምን ኢልካ ዘይኮነስ፥ እቲ ንሕና ንብለካ ኢኻ ኢሉ ባዕሉ ስም ዘሰክም ንደቂ ቤተክርስትያን በትሪ ሒዙ ዝሰጉግ ምሕረት ኣልቦ ጉጅለ እዩ። እዚ ብኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ብስምዒት እምበር ስኽን ኢልካ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘይብሎም፥ መንፈሳዊ ፍልጠት ይኹን ብቕዓት ዘይብሎም፣ ብዝፈጥርዎ ራዕድን ምፍርራህን ኩሉ ሰብ ስለ ዝተሸቑረረ፥ እምነቱ ዝገልጽውን ንሶም ብዝህብዎ መዕቀኒ ጥራሕ እዩ።
  3. ኣብ ኮለጃት ዘለዉ መማህራን መብዛሕትኦም ነቲ ናይ መናፍቓን ምንቅስቓስ ዝስዕቡን ዝኽተሉን ብምዃኖም፥ ሎሚ ኦርቶዶክሳዊ ምዃን ዘሕፍርን ዘሰክፍን፥ ከምኡ ድማ ናይ ስምዒታውያንን ደናቁርን መእከቢ ባህላዊ እምነት ገይሮም ብምግላጽ ነቲ ተማሃራይ የሸቑርርዎ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ነጥቡ (Grade) ክሳብ ምጉዳል ከም ዝደሃል ብምግባር፥ ኣይንፈልጦምን ኢና ተባሂሎም ብስም ጥርኑፋት ይእሰሩ፣ ዝከታተሎም ይኹን ዝሓልየሎም የለን። በዚ ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ዝጠፍኡ ኣለዉ። እቶም ኣብ ካልእ ሃይማኖታት ዘለዉ ግን ብፍላይ ናይ በዓል ጰንጤ፥ ከኒሻ፥ ወዘተ ዝኣመሰሉ እቶም ናይ ፕሮትስታን ምምሕዳር ቀልጢፎም ናትና ኢዮም ኢሎም ተጓይዮም ካብ ማእሰርቲ የውጽእዎም፣ ደቂ ካቶሊክ ዝለዓለ ክብረት ዘለዎም እዮም ኣይሕተቱን’ውን። ደቂ ኦርቶዶክስ ግን ኣብ ርእሲ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ጥራይ ዘሎካ ብምዃንካ፥ ኣብ ርእሲ ምእሳርካ መናፍቕ ተሓድሶ ዝብል ስም ይልጠፈካ እሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲን ጎዳጉድን ትበሊ።
  4. እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ኮለጃት ዝናፈስ ወረ፥ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ማለት ባህላዊ ሃይማኖት እምበር ብክርስቶስ ኢየሱስ ብድሕነቱ ዘይኣምን ገርካ ምውራይ፥ ኣብ ኮለጃት ዘለዉ ክኣ ምሁራት ስለ ዝኾኑ ኣብ ድሑር ሃይማኖት ምንባር ገይሮም ስለ ዝርእይዎ ካብ ባህላዊ ሃይማኖት ምእላይ፥ ካብ ኣምልኾና ጀሚርካ ዝግበር ጸርፍን ጸለመታትን እዚ ኢልካ ዝቑጸር ኣይኮነን። ካብቲ ዘገርም ግን እቶም መናፍቓን ባዕላቶም ነቶም ደቂ ኦርቶዶክስ፥ እዚኦም ተሃድሶ እዮም መናፍቓን እዮም ክእሰሩ ኣለዎም ኢሎም ምስቶም ናይ መንበረ ፓትርያርክ ሓለፍቲ ተመሳጢሮም የሳቕዩና፥ የሸግሩና፥ የእስሩና ምህላዎም እዩ።
  5. ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተ ክርስትያናት ዝወሃብ ስብከት ንሰብ ዘርዕድን ዘሰክፍን፥ ተጠንቀቑ መናፍቓን ኣትዮሙና ኣለዉ፥ ኣብዚውን ኣለዉ፥ ንማርያም ዝጸርፉ፥ ሓጢኣተኛ እያ ዝብሉ ኣለዉ፥ ወዘተ ዝብል ስብከታት ንኣረገውቲ ኣንስቲ ዘንብዑን ዘሰናብዱን፥ ሰብ ንሓድሕዱ ከም ዝፈራራህን ከም ዝጠራጠርን ዝገብሩ፥ ንኣዴታት ሳላኽን እያ ሃገርን ሃይማኖትን እናበሉ ዕልል ዘብሉን ጊዚኣውያን ሰብ ረብሓ ብምዃኖም እቲ ቁሩብ ርድኢት ዘሕደረን ዘመዛዝንን ሰብ፥ ካብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ትስልም ኣቢልካ ገዛኻ ምውዓል ይሓይሽ ዝብለሉ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።
  6. ሎሚ ኣብ ኤርትራ ቁሩብ ወንጌል ፍልጥ ኣቢሉ ኣብ ህዝቢ ዝተቐልቀለ ኩሉ ቀሺ ወይ ዲያቆን፥ ናይ ምንባሩን ዘይምንባሩን ሕቶ ብድሆታት እዩ ዝገጥሞ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ፥ መናፍቕ ተሓድሶ ትብል ስም ይጥቀን። ኣብ ገጠራት እንተ ኸድካ ከኣ ካብዚ ዝኸፍአ ስም ምጥፋእ ኣሎ፣ ቀሺ እገለ ቡዳ እዩ፥ ዲያቆን እገለ ቡዳ እዩ፥ መርገታ እገለ ቡዳ እዩ እናተባህለ ምስ ሰብ ምጽንባርን መውስቦ ዘኸልክልን ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።
  7.  እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ዘጉህን ጉዳይ ጥንቆላን ቡዳን ኩሉ ድማ ሕማም ተዋህዶ ተባሂሉ ምጥቃሱ እዩ። እቶም ዘለዉ ዝርካቦም ኣረገውቲ ጳጳሳትና እዚ ኩሉ ዝወርድ ዘሎ ጸገምን ግፍዕን ኣይርድኦምን እዩ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካሕሳይ ጸሓፊ ሲኖዶስ፥ ግርማይ ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ኮይኖም፥ ነቶም ኣቦታት ከም ድላዮም ይጠውይዎምን የታልልዎምን ኣለዉ።

ብሓፈሻ እዚ ቁሩብ ቁራቦ ካብቲ ዘጋጥመና ዘሎ ፈተናታት ንምግላጽ እምበር ኩነታትና መኣዝንካ ዘጥፍእ እዩ በጺሑ ዘሎ።

ስለዚ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ማእከል ምሁራትን ሊቃውንትን ክነሱ፥ ምስ እዞም ኣብ ኩሉ ዘየለዉ ረሲኣን ከም ህልዋት ገይሩ ክካታዕን ክጸሓሓፍን ምርኣይ ንሚዛኖም የጉድሎ እዩ። በጃኻትኩም እቲ ትምህርትኹምን ፍልጠትኩምን ከም ቀደምኩም ኣካፍሉና። ምስ መን ትዛረቡ ኣለኹም ኣይትፈልጡን ኣይንብልን፣ ወዲ ቤተ ክርስትያን ግን ይበርስ እዩ ዘሎ። ክሳድና ከም ነድንን እዮም ገይሮሙና። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን መናፍቕ እያ፣ ፖፕ ሽኖዳ መናፍቕ እዮም፥ ኣቡነ መቃርዮስ መናፍቕ እዮም፥ ኮታ ብጀካ ትምህርቲ ሰንበት ኪዳነ ምሕረት ማይ ተመናይ፥ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ መናፍቕ እዩ። ኩሉ ብሆሆን ስምዒትን ቤላቤለውን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሎሚ መናፍቓን ካልእ ስብከት ኣየድልዮምን እዩ፥ ረኣይዎም መራሕትኹም እኹል ኣብነት እዩ ንኣኣቶም። እዞም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሎኹም፣ ተጸባይኹም ብዙሕ እዩ’ሞ ካብዚ ትርኪምርኪ ጽሑፋትን ዘረባታትን ወጺእኩም ትምህርትኹም ኣካፍሉ። ምፍልላይ የብቅዕ ናይ ሰላም ኣዋጅ ይተኣወጅ። እዚ ናይ ሰላም ኣዋጅ ግን ብኣኻትኩም ጥራይ እዩ ክስማዕ ዝግባእ። ካብ በዓል ኣቡነ ሉቃስ፥ ሰላም ከምጽኡ ወይ ናብ ሰላም ክመርሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት የለን። ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለድዎም ኣቦኦም ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይተረፈ፥ ኣፎም መሊኦም መናፍቕ ክብልዎም እዝንና ይሰምዕ ኣሎ። እዚ ድማ ጸሊኦም ዘይኮነ እቶም ዝዝውርዎም ጸጋ እግዚኣብሔር ዝረሓቖም ስለ ዝኾኑ እዮም። ከም ሰብ ክፉእን ተንኮለኛን ኣይኮኑን መራሕቶም እዮም ዘጋግይዎም ዘለዉ፣ ሕጂ ዘምጽእዎ ለውጢ ክህሉ እዩ ኢልካ ምዝራብ ይኸብድ እዩ፣ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይንፈልጥን። ስለዚ በጃኻትኩም ስለ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኢልኩም፥ ንስኻትኩም ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ መግቡና፣ ናይ ራድዮን ተለቭዥንን መደባት ሕሰቡ ቴክኖሎጂ ንኣኻትኩም ኣብ ቀረባ እዩ’ ሞ ንክቡር ቃል ኣምላኽ ተጠቐሙሉ።

ተስፋና፥ ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ነታ ቤተ ክርስትያን ከተንስኣ እዩ።

ወደሓንኩም ኣብ ደሓን ትረፉ።
ካብ ኣርድእት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ
ኮለጃት ማይነፍሒ።