መልቐስ ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ

መልቐስ
ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት
ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ

ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!!
ወየ!!!ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!!!ወየ!!! ኣነ!!!
መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ
ኣብ ዳምባ እንዳ ስላሴ ዝተወልደ
ዓጣን ደብሪ ብንእሱ ዘንጎድጎደ
ኣብ ባይቶ ንመናግርቱ ዘስገደ
ግዜዶ! ኣርከቦ ንሰማዩ ኸደ
እዋን ሓሰም! ኮይኑ ዝገደደ
ካብ ደቆም ኣርከበዶ! ዋላ ሓደ
ወዲ መን ተሪፉ!! ዘይተሰደ ።

ወዲ ዘመንፈስ ቅዱስ ወዲ ኣባ ኣማሓ
ከይዶምዶ! ኣለዳ ከይወጻ! እተን ኣሓ
ሓላው ሃይማነት! ነበሩ ጽሩይ ኣርሓ
ሕጂዶ ከይርከብ ዘብን ሰፋሕፈሓ
ንኹሉ ዘርክብሉ፡ እንተሎ ዘበን ቀባሕባሓ
ኣለዉ እኮ ብዙሓት፡ ዘየርከቡ ኣብ ንስሓ።

መልኣከ ገነት ተወልደ ፈታው ህዝቡ
ዓመታት ሓለፈ ሃወርያነት ብህቡቡ
ዳዊት ተኾልኩሎም እምነቱ ክዕቅቡ
ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ኩሉ ሰቡ
ወሓለ! ብዓል ኣላዝቦ! ጽሩይ ልቡ
ከምዚናትኩም!!! ኣለዉዶ! ዝርከቡ።

ኣቦይ ቀሺ ብንእሶም ልቢ ተዓዲሉ
ንኸስተብህል ኣእምሮኦም በሲሉ
ንዝተዛብዔ ዘረባ መኤረሚ ይረኽበሉ
ዝሓመመ ዘረባ ፈውሲ ይረኽበሉ
መማኽርቲ ጳጳሳት ኩሉ ዘርክበሉ
እንክምድሩ! ባይቶውን፡ ጽን ይብሉሉ
ገዲፍኩምልናዶ!!ንኽእለትኩም! ዝሕሉ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
መምህረይ ከይዶም ገዲፎሞ ዓዲ
እንታይ ክብሉ እዮም እቶም መሳድዲ
እንዳ ስላሴ! ዋሽንግቶን እምነት ዓንዲ
ነበርኩም ኣቦ! ናይ እምነት ጽኑዕ ዕርዲ
ብፍቕሪ ትመርሑ! ኣይነበርኩምን ብግዲ።

ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሞ ቕነ
ሊቀ ኻህናት ተወልደ ሃዋርያ! ዘበነ
ድምጺ ያረድ ኣብ ልቦም ዝቕንቐነ
ጥዑም ዝማረኦም ደብሪ ምስ ተዓጠነ
ማሕበር ሃዋርያ ኣበርቲዖም! ይቓዙነ
ካህን ናይ ተዋህዶ!! ካብ ቀደም ዝሓንሓነ።

እዞም ምህረይ ንኹሉ ዘርኽብሉ
ካብ ጣልያን ጀሚሮም፡ ክሳብ ግዜ ዝሓስመሉ
ድልየቶም ኣይነበረን፡ ሕሱም ዘበን ክርእዩሉ
ሕሰም እዋን!! ዝዓበየን!ዝነኣሰን! ዝተሻቀለሉ
ብዙሕ ቤተ ሰብ ነይሩ ኣብ ቀብሮም ክህሉ
ሕማቕ! ዘበን ስርዓት ሃገርና ጎዲሉ
በሉ! ንኽርስቶስ ንገሩልና ኩሉ ብጥቕልሉ
ሕሰም ሃገርና! ከይ ኣጉደልኩም ብኹሉ
ብኣምላኽ እዩ!!፡ ፍታሕ ዝወርደሉ።

እዞም መምህር እዞም ወለድቲ ሓቦኛ
ኣቦ ጽገ፡ ገብረ መድህን፡ ተኸስተ ሓርበኛ
ኣኮኣ! ንእዝግሃርያ እታ ጂግና
ኣዲኡ ንኣማኑኤ እያሱ ድምጺ ኣሰና
ኣኮኡ ንሉኡል ኣውሊዔየ!! ባንደራና
ኩሉ ቤተ ስብኩም ብዙሕዩ ሓርበኛ
ሃገር ኣይረኸበትን ጥዑይ ዳኛ
ንገሩልና ነቦይ እዝጊ ፈጣሪና።

መልኣከ ገነት ተወልደ ነቒሎም
ናይ መርየት ዕደሜኦም ጸጊቦም
ኣንታ እዞም ምህረይ ተዓዲሎም
ፍሽኽ እናበሉ መስቀል ኣብታ ኢዶም
ዝፈትዉዋ ዳዊቶም ተኾልኩሎም
መላእኽቲ ወሰድዎም ህሩግ ኢሎም
ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ በዓሎም
ኣንታ ንሶምስ!! ብዙሕ እዮም ረቢሖም
መላእኽቲ ወሰድዎም ተኾልኪሎም።

ንቤተ ሰብ ዘለኒ መልእኽቲ
ኣብ ላዕሊ ኮኑ፡ኣብቲ ታሕቲ
ኣብ ሩሕቕ፡ ኣብ ቀረባ መላዝብቲ
ኣየድልን ሓዘን ወጺእካ ኣብ ቅርዓቲ
ከምዚ ናቶም ዕደመ ይሃብ ንተረፍቲ
የውርደልና ሰላም ፍቕርን ንተረፍቲ
መንግስተ ሰማያት ንኣቦና መዋቲ
ጽንዓት ይሃብ ንቤተ ሰብ ንተርፍቲ
ምርቓኦም!! ይግበረልና ለምለም ሰቲ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና
9 መስከረም 2015

ዓለም ሰሚዓዶ???????

ዓለም ሰሚዓዶ???????

ኣውያትናን! መርድእናን ዓለም ሰሚዓዶ?????
ብኽያትናን!! ቃንዛናን!! ሓዘንናን!! ተነጊሩዶ???
ዝሓለፈ ኩሉ!!! ሽግራና!! ኣርዲእኩሞዶ???

ጸገምና በዚሑ!!በየናይ ጀሚረ በየናይ ክውድእ
መንእሰይ ሃገርረይ! ኣብ ዝኸዶ ይብል ድፍእ
መሲሉና ዝተቃለስና!! ካብ ሽግር ንኽወጽእ
እናሓደረ ዝግንፍል፡ ድቕድቕ ጸላም ዘይጠፍእ
ንገሩለይ ንዓለም፡ ብርሃን ሃገረይ ንኽመጽእ
ህዝበይ!!ሕበርሞ! ንጻላኢና ከነብሎ ድፍእ።

ዓው ኢልካዶ!! ተነግረ ኣብ ሳሕል ዝሓለፈ
ሂወት ጀጋኑና ኣብዘይ ግዜኡ ዝተኾልፈ
ኣብ ኣስመራ ምስ ተኣትወ፡ ኣብ ጸላም ዝሓለፈ
ናይ ስንኩላን!!! ተነጊሩሎምዶ! ሓደ ከይተረፈ።

ኣብ ዒራዒሮ ዘሎ!! ዝተፈጸመ ኣብ ዊዓ
ወዶም ጓሎም፡ ኣብ ኮንተይነር ክቕጻዓ
ተሓቢኡ ከይተርፍ፡ ኩለን ሃገራት ይስማዓ
ምረት ናይ ወላዲ ከይኣክል፡ ኣደታት ክነብዓ
ወራዙት ሃገርይ ተዋረዳ፡ ጸገመን ከይተሰምዓ
ኣብ ስደት ኮነ፡ ኣብ ዓደን ተሪፈን ብዘይ ቖልዓ።

ህጻናት ሃገረይ ትምህርቶም ምስኮነ በባትረ
ተስፋ ምስ ቀበጹ፡ ትምኒቱም ምስ ሓረረ
ንገሩሎም፡ ንስደት ክሰግር ኣብ ዶብ ዝተገብረ
ህጻንዩ! ከይበልካ ክቑሎቡ፡ ብጥይት ብዓረረ
ዝዓበዩን ዝነኣሱን፡ ተረሸኑ ብዘይሰዳድ ወረ።

ሃለውት ሃገር ሓሲሙ፡ ተሳእነ ዋላ ጥረምረ
ሃጽ በለ ንስደት፡ በለ ይኹን ካብ ዕረ!!ዝመረረ።

መናእሰይ ዓደይ ረኸብቲ መከራ
ብወልዶም ዘይተወድኤ መሰል ኮነ ሓራ
ወለዶም ተቓሊሶም፡ ጎይዮም ከምጽኡዋ ባንደራ
ጥራሕ ነጻነት ኣይኮነን፡ ዘድልዮ ህዝቢ ኤርትራ
ሕግን፡ ስርዓትን፡ ቕዋምን እዩ ንሕዝቢ ዘንብራ
ቅዋም ምስ ጠፍኤ፡ ህዝብና ኣብ ግዳም ሰፈራ።

ሽሻይ ከሎ ኣብ ሃገርና
ኣማዕዲና፡ ክንርኢ ተፈሪድና
ምስ ልብና ከለና፡ ደቑርና
እናርኤና ዓይንና፡ ዓወርና
እናሰማዕና ኣእዛንና፡ ጸመምና
በገዛእ ሃገርና፡ ጓኖት ኮና
ደሚሕት ቸቸ፡ እናበሉ ኣብ ሃገርና
ሳኣን ቅዋም ፡ንነብረ ተዋሪድና።

ህዝብና የውርደሉ ዕርቂ
ሓቢርና ክንዝቲ ክንፈልጥ ሓቂ
ብሰላም ክነብር ከነለልዮ ንጸይቂ
ኣብ ትሕቲ ሕጊ የልቦን ሰራቒ።

ይኣክል ዝሓለፈ ጸገም
ይወዳእ እቲኹሉ መርገም
መግዛእት ዓመጽቲ ይገዘም
መንደፍ ዝመልሓሶም ይለጎም።

ዓዲ ጀጋኑዶ ኣብዚ ምወደቐ
ጅግንነት ኣጥፊእካ! ስደት ትድቅደቐ
ኣብ ኢድ ረሳይዳዶ! ጎበዝ ምሓቐቐ
ኣብ ኢድ በደውንዶ! ኩሊት ምተዞቐ
ኣብ ሊብያዶ ብጋለዶ! ክሳዱ ምደቐቐ
ይኣኽለና!! ይኣኽለና!! በቃ!! ምምጽዳቐ።
ኣብ ጀነቫ ዝወዓልኩም ብሓበራ
ቀላጽምኩም ኣጽንዑወን፡ ደጊመን ይትረራ
ኣደልዲኩም ዕተሩወን፡ ዓትዕትወን ይስመራ
ገና ቀጻሊ እዩ!! ቃልስና ኣሎገና ብኹምራ።

ማፍያ ህግደፍ ታሪኾም እዞም ሓተላ
ኣምበሳደራቶም ነንስቶም ዘእትዉ ናብ ሸላ
ኣዘኽተምቲ ደቆም፡ ነንስቶም ዘብልዑ ብሽላ
ስጋ ሰብ ዝቐለቦም፡ መጸይቲ ደም ድራኩላ
ዓላምኦም ከጽንትዋ ሃገና፡ ወራሲ ዘይብላ።

ረጋቢት ጀንቫውን!! ኣብ ኩሉ ብረራ
ንህዝብና ንገራኦ፡ ቀልጢፍክን ፍትሒ ኣበስራ
ቕዋምን ሕግን ክዓስል ኣብ ኣስመራ
ክሕደትን! ጥልመትን! ጠፊኤን ክሓራ
ዝተሰደ ክንምለስ፡ ነናብ ዓዱ ምስክብራ
ተወዲኡ ሽግር ኢልና፡ ክንዝምረላ ንኤርትራ።

ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ሕጊ ይንገስ!!!!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያን
26 ሰነ 2015

መጋረጃ ይቀንጠጥ ካብ ኮን ሰዓቱ 6 መዓልቲ ስዉኣትና።

መጋረጃ ይቀንጠጥ ካብ ኮን ሰዓቱ 6 መዓልቲ ስዉኣትና።

መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ።

PDF: ምሉእ ትሕስቶ…

ቐሺ ኣብራሃም መርጌታ ትምከሩዶ??????

ቐሺ ኣብራሃም መርጌታ ትምከሩዶ??????

“ሰይጣን እንተደለኻ? ኣብ ቆብዕ ፈላሲ ድለዮ!!!!”
“ኹሉ እሾኽ ይወጽእ!!እሾኽ ወይባ ነይወጽእ!!!!!!”
ቃል ኣባ ቱኳቦ

መርጌታ ንዑ ትሕትበሉ! ተመኸሩ
ስራሕኩም ነበረ ወንጌል ከተስተምህሩ
ስብከትኩም እኮ! ፍቕሪ ክትነግሩ
ንዝተጋገየ ሕድገት እናበልኩም ክትዝምሩ
ቕብኣ ቅዱስ ሒዝኩም ኣብ ኣምኒ ክትዘሩ
ዝነበረ ዓቢ ስምኩም ተዘርዚሩ።

ወዮ ሰባኺ ኣይበለንዶ?? ከንቱ ናይ ከንቱነት
ዝነብር እኮ!!!የለን ጳጳስ ኮነ በዓል ሽመት
ክንዲ ተመስገን!! ዘይዓቕምኻዶ! ይጥማት
ዓዲ ዝነብር ንብረቱ ኮነ!! ዉላዱ!! ይዝመት
ኣብዚ እንሆ!! ዓቢ ጸገም ሃወርያዊ ጥልመት
ምስ ስድራኹም ክትመጹ ብዶላር ክግመት
ሽግር እኮ ሓላፍይ እዩ!!! ካብ ዓመት ናብ ዓመት።

መርጌታ ስራሕኩም ነበረ ናይ ሃዋርያ
ኣመሪካ መጺእኩም ገበርኩማ ቕያ
ኣብ ኣመንቲ ዝነበሮም ምክብባር ጠፊኣያ
ሕዉነትን ፍቕርን ኣብ ሂስቶን ዓንያ
ሕድገትን ፍቕርንዶ ኣይኮነን? ስነ ምግባር ሃዋርያ
ኣየወ!! ጎይታና የሱስ ተዝመጽ ሂስቶን ንኽርእያ
መበኸዩ ነይሮም ጎይታ ኮነ! ጳውሎስ ሃዋርያ።
ኣባ ቐሺ ብዓል ሂቶን ተክሳስ
ዝሰርሕዎ ኣይደመቐን ኮነ ሃሳስ
ነቃዕ ዕትሮ ኩሉ ግዜ ፈሳስ
ጻሕልኩምዶ በላዕኩማ ክሳብ ሕሳስ።

መርጌታ ኣብራሃም በዓል ከባቢ
ስራሖምን ተግባሩን ኮይኑ ዘይዓቢ
ንኣመንቲ! ምቅርራብ! ገደፍዎ በሉ እምቢ
ጥዑም ጨና! ኣይርከብን ካብ ዝቐነየ ጥምቢ።

መርጌታ ኣብራሃም ካህን ናይ ተዋህዶ
ኣማዕዲኻ ዝርኤ ግልጺ ብማዕዶ
መን ይፍታሓዮ? ደብተራ ዝኣጎዶ
ወዮም ሂስቶን ተክሳስ ረኺቦም ጋዶ!!!።

መርጌታ ኣብራሃም በጃኹም ልቢ ግበሩ
ኣምኒ ክርስትያን ብዘይ ካህን ኣይተሕድሩ
ምእንቲ ንዋይ ስምኩምዶ!? ይጥፋእ ሓሪሩ?
ምፍልላይ ኣይጠቅምን ብመርጌታ ክትጅምሩ
መርጌታነትኩም እንተዳኣ
ክነብር ልዕል ኢሉ ተኸቢሩ
ትዕግስትን! ሕድገትን! ፍቕርን ተደሚሩ
እንዳ እየሱስ ሂስቶን ክነብር ሰሚሩ
ንዑ በጃኹም ታሪኽ ግበሩ
መስቀል ናይ ሃውርያ ኣይትስበሩ!!!!!!።

ሃይል ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንዲኣናፖሊስ ኢንድያና
4 ሰነ 2015

“ፍሉያት ኢና”

“ፍሉያት ኢና”

“ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና”
ቃል ዕሉል ሽፍታ ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ
ሓቂ ዳኣ??????????

ፍሉያት ኢና! ብኹሉ ተግባርና
ፍሉያት ኢና!! ርኢና ከምዘይረኣና
ፍሉያት ኢና!! ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና
ፍሉያት ኢና!! ኣብ ቀብሪ ጓይላና
ፍሉያት ኢና!!! ንፍትሒ ቐቢርና
ፍሉያት ኢና!! ሸየጥቲ ደቅና
ፍሉያት ኢና!!!ጥለምት ናብራና
ፍሉያት ኢና!! ብሽፍታ ተመሪሕና
ፍሉያት ኢና!! ፈዳይ ሕነ ዘይወለድና።

ዓለም ብዓለማ ክትበኪ ክትሓዝን
ኣደራዕ ኮይኑ ተግባርና ዘይንደንን
ዝገበርካ ገርካ ወይከ!!ድንን
ስንፍናኻ ክትሽፍን! ትቑዝም ተስተንትን።

ወዳጃ ድርቅና ወዳጀ ትምክሕቲ
ዝነበረ እናኣጥፋእካ ኣለኹ ብሃልቲ
ብደናቑር ኣይተሰርሔን ሓወልቲ
ሓድሽ ኣይኮነን ዝነበረ ካብ ጥንቲ።

ፍሉይ እዩ ነሮ ናይ ኤርትራ
መንእሰይ ኣጢፊኡ ይገብር ፈኸራ
ኣደታት ኣብክዩ ዝገብር ዳንኬራ
ዕሸላት ኣብሪሩ ዝልምን ባጠራ
ብጭካነ ሲንጋፖር ክትከውን ኣስመራ።
ሓማሴ! ዳዕሮ ቓውሎስ ታይ? ተገብረ
ኣዳርሽ! ኣፍሪሹ ፈሪሱ ግዳምዶ! ሓደረ!
ጾሎትውን ተደግሙ ኣዳራሾም ተኾመረ
ነዚድዩ!! ወዲ ላመይ ኢልካ ምግዓረ
ነሮ!!! ህዝቢ ከጽንት ቀደምዩ ዝጀመረ።

ፍሉይ ዝኾነ ነገሰ ኣብ ማእከልና
ዝበላዕናዮ ዝበልዕ እዩ ዝመስለና
ካባና ዝተወልደ ዓመጸኛ
ንትግራይ ትግርኚ መጥፊኢና
ጅግና ኣልቦ ገይሩዋ ነዛ! ሃገርና።

ፍሉያት ኢሉ ክምህረና ዘይኸውን ሓቂ
ሓመድ እንተ ተኣከበ ኣይከውንን ወርቂ
ሃገርዶ ይምዕብል? ብቕጥፈት ብስርቂ?
ሓሶት እንተተቖጽረ ኣይከውን ስንቂ።

ፍሉያት ያኢ ካብ ኤርትራ ዝተወልደ
መፍለጢና ካብ ኮነ ህጻናት ምስዳደ
ብረሻይዳ ኢዱን እግሩ ምስ ተቐየደ
ልቡን ኮላሊቱ ኣብ ዕዳጋ ምስ ወርደ
ሕሳብ ዝቕበሉ ኣብ ፈቐዳኡ ኣዋደደ
ወልዲ ብውላዱ ከይሕጎአ ዘዕበደ።

ፍሉያት ኢና በለ ነሮ ኤርትራ
ዓዲ ሓሎ ሰፊሩ ገዲፉ ኣስመራ
ኣብ ሓዘን የላእኽ ገበርቲ ዳንኬራ
ኣብ ቤት ጸሎት ይሰድድ ኣመንዝራ
ህዝብና በታቲኑ ከም ደቂ ዛግራ።

ፍሉታ ኢና ንጀጋኑ እናኣሰራ ኣብ ጎዳጉዲ
ሓለውቶም እንተኾነ ከማኦም መራጉዲ
ምሕረት ዘይፈቱ ኣጽኒዑ ቐያዲ
ናእዚ ስርዓት ዘይተራእየ ሓድሽ ቅዲ
ጭካነታቱ ንዓለም በሊጹዎም ኣብ ዓዲ።

ፍሉታ ኢና !!!!
ክልተ ኣሕዋት በበይኑ ጸለቶም
ዋል እንተነበሩ ኣብ ስደቶም
ፍቕሪ ንኸይገብሩ ምሒላቶም
ከይተላዘቡ ይነብሩ ጸሓይ ዓሪባቶም
ሓኽሊ ምሳር ኮኑ ንጸላእቶም
ሳኣን ኢህን ሚህን ኣጽነትዋ! ታዓዶም።

ፍሉያት ኢና በለ ፈርዖን ኣስመራ
ዕሽነት በዚሑ ሓደን ክልተን ዘይቁጸራ
ዝተሸሙ ጀነራልት ኮኑ ሰብ ጹሩራ
ንህዝቦም ኣብረሶ ሓረድዎ ብኻራ
ረሳታት መንእሰይ ተሪፉ ኣብ ሳሃራ
ዝተረፉ ኮይኖም ቀለብ ንኣሞራ
መራኽብ ማእከላይ ባሒሪ ደጋጊመን መስከራ
ኣየወ!! ፍሉይ ህዝቢ!!
ኣብ ሓዘን ዝገብር ዳንኬራ።

ፍሉያት ኢና!! ንነጻነት ተርጎምቲ
ብዙሓት ኣለዉ!! ንፍትሒ ደለይቲ
ብዛዕባ ህዝቦም ንዓለም መሃርቲ
ገለን ክኣ ወቀርቲን ሓሰውቲ
ንዝመተ ስርዓት ኣለናካ ብሃልቲ
ጸነተ ሓገሮም እናፈለጡ ሓባእቲ
ደቂ ሰብ ይመስሎም ነበርቲ።

ሰብ ፍልያት ኢና ዘብሎ
ምቕማጥ ኣብ ዓዲ ሓሎ
ስራሕካ ኩሉ ጎደሎ
ብርሃን ጠፊኡሎ
ማይ ተሳኢኑሎ
ሲንጋፖር ኣብ ሕልሚሎ
ህዝብኻን! ዓድኻ!! ኩሎሎ!!!
ብሕልናኻ!!!ደጊምካ ኩለሎ!!!!
ድሕሪ ሰብ ተሪፉሎ!!!!!!
ይበርስ እዩ!!!ይበርስ እዩ ዘሎ!!!!!

ዉድቀት ንስርዓት ማፍያ ህግደፍ
ዓወትን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!!!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
31 ግንቦት 2015