እቲ ዘየደቅስ ናይ ቤተ-ክርስቲያንና ጉዳይ

እቲ ዘየደቅስ ናይ ቤተ-ክርስቲያንና ጉዳይ

ዘደቅስ ከይተረኽበ ደቂስካ ክሕደር ዝከኣል ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ዘይስምዖም ኮይኖም፥ ደቂሶም ዝሓድሩ እንተተረኽቡ እውን፥ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ናይ ሕልና ጉዳይ ስለዝኾነ፥ ምሳና ድቃስ ስኢንኩም ዘይትሓድሩ ኢልና፥ ንወቕሶምን ንኸሶምን ሰባት ክህልዉና ኣይግባእን። ከመይሲ ከምቲ ዝበልናዮ፥ ኩሉ ነገር ናይ ሕልና ጉዳይ እዩ።

ሕዝብና ድማ ብሕልና ካብ ዝፋላለ ነዊሕ ስለ-ዝኾነ፥ ብሓንሳእ ክበክን ብሓንሳእ ክስሕቕን ዝነበሮ እዋን፥ ካብ ዝሓልፍ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። ከመይሲ ኣብ ላምባዱሳ እቲ ኩሉ ህልቂት ክርከብ ከሎ፥ ኣብ ዳስ ሓዘን ብሓንሳእ ኮፍ ኣይበለን። እቲ ክንድቲ ዝኣክል ንማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ዘንቀጥቀጠ ህልቂት ክርከብ ከሎ፥ ሕዝብና ኣብ ክልተ-ዳስ ተመቒሉ`ዩ ዝተራእየ።

እተን ኣብቲ ሓደ ዳስ ዝነበራ ኣዴታት፥ ዋይ-ደቀይ-!! እናበላ ርእሰን ደርሚመን፥ ምድረ-ሰማይ ብኣውያት ንቕንቕ ኣቢለንኦ ክሕድራ ከለዋ፥ እተን ኣብቲ ካልኣይ ዳስ ዝነበራ ግና፥ ብኣንጻሩ ብስልማት-ወርቂ ኣብለጭልጨን፥ ኣብቲ ጓይላታት ክዕንድራን ክዘላን ከም-ዝሓደራ፥ ኣብ ምርሳዕ ዘይበጽሐ ናይ ትማሊ ፍጻሜ`ዩ። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ`ውን፥ ንኹሉ ብኃባር ከቐንዝዎ ይኽእል`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝኾነ ግን፥ -ዘየድቅስ ነጊሮሙኻስ ድቅስ ይሓድሩ- ከም-ዝበሃል፥ እቲ ንቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ካብ ኣሥመራ ተላዒሉ ዝነፈሰ ንፋስ፥ ኣብ ካልእ ጸገም ዘእትወና ኮይኑ ከይርከብ፥ እቲ ደምበ ተዋሕዶና ብዕቱብ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብርግጽ`ውን እዚ ጉዳይ`ዚ፥ ነታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ናብ ጥፍኣት ደፊኡ ዝወስዳ ደኣምበር፥ ንሠናያ ዝግበር ዘሎ`ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ፥ እቲ ተገይሩ ዝበሃል ዘሎ ምዝርራብ፥ ስለ-ምንታይ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት፥ ክሕወሱዎ ዘይተገብረ-? ስለ-ምንታይሲ እቶም ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ኣብ ግልጺ ዝኾነ መድረኽ ወጺኦም፥ ብዛዕባ`ቲ ዕርቂዶ-! ይቕሬታዶ-! ተባሂሉ ዝተዘርግሐ መግለጺ፥ ባዕሎም ብኣካል ቀሪቦም ክገልጹ ዘይተገብረ-? ኩሉ ነገር ብሽፍንፍን ክኸይድ ዝድለ ዘሎኸ ስለምንታይ`ዩ-?

መቸም እቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ፥ ብስም ሲኖዶስ`ዩ እኳ እንተ-ተባህለ፥ ናይቲ ሲኖዶስ መግለጺ`ዩ ኢሉ፥ ክቕበሎ ዝኽእል ግን ዘሎ ኣይመስለናን። ብርግጽ`ውን እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ነዚ ዝሓለፈ ዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር-ፖለቲካ ዝተታሕዘት ደኣምበር፥ ብሲኖዶስ እትምራሕ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ነይራትና፥ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለናን። ከመይሲ እቲ ኩሉ ሕግን ሥርዓትን ብምትሕልላፍ፥ ክግበር ዝጸንሐ ግህሰት፥ ብበዓል ናይዝጊ ክፍሉን, ደራጎን ኃይለ-መለኮትን, ሠመረ በይንን እምበር፥ ብመነኮሳት ወይ ብጳጳሳት ኣይነበረን።

ርግጽ`ዩ ጳጳሳት ኣይነበሩን ክንብል ከሎና፥ ብሓላፍነት ዘሕትት የብሎምን ማለትና ከምዘይኮነ፥ ክፍለጥ ኣገዳሲ`ዩ። ናይቲ ፖለቲካ መጋበሪ ብምዃን፥ ዘፍረሱዎን ዘዕነዉዎን እውን፥ ክንደይ`ኳ ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ሲኖዶስ ወሲኑዎ እናተባህለ`ዩ፥ እቲ ኩሉ ዕንወት ክፍጸም ዝጸንሐ። ግዳስ ብጉልባብ ሲኖዶስ ደኣ ተገይሩ ይበሃል እምበር፥ እተን ነቲ ጻሕሊ ከዅሳ ዝጸንሓ ኣእዳውሲ፥ ናይ መን ከም-ዝኾና፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ክጠፍኦ ይኽእል`ዩ ኣይንብልን።

እቲ ሕጂ ዘፍርሃና ዘሎ ግና፥ እቲ ብቐዳማይ ዝተዋህበ መግለጺ፥ ናይቲ ዕርቂ ተባሂሉ ዘሎ መጐልበቢ ደኣምበር፥ ካብ ሎሚ ንጽባሕ ዝስዕብ ነገር ከም-ዝህሉስ፥ ከም ርዱእ ዝውሰድ ነገር እዩ። ግዳስ ካብቲ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ዝተመኮርናዮ እምባ ሠናይ ነገር ምጽባይ፥ ነፍስኻ ምትዕሽሻው እንተ-ዘይኮይኑ፥ ብተስፋ ክንጽበ ዘግብረና ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።

ከምቲ ካብ ኣሥመራ ዝስማዕ ዘሎ እንተ-ኾይኑ፥ እቶም ፓትርያርክ ነቲ ዝጸንሐ ማሕዩር፥ ማሕዩር ተወሲኹዎ ምስ ዝኾነ ሰብ፥ ክራኸቡ ከም-ዘይክእሉ ኮይኖም፥ ብጸቢብ ተታሒዞም ከም-ዘለዉ`ዩ ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ድማ እቲ ዕርቂዶ-! ይቕሬታዶ-! ብዝብል ጉልባብ፥ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ነፍሒ፥ ካብ ንፕሮፖጋንዳ ተባሂሉ ዝግበር ሃልኪ፥ ዝሓልፍ ቁም-ነገር ከም-ዘይብሉ ዘረድእ እዩ። ብዝተረፈ እዚ ጉዳይ`ዚ ከምቲ ንዓታቶም ዝመስሎም፥ ብዕበጦ ጽቐጦ ዝኸይድ ኣይኮነን። ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን፥ ብዓቢይ ትዅረት ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ`ዩ። ብኸምቲ ዝድለ ዘሎ፥ ኣብ ኣሥመራ ዘላ ተለቪዢን ስለ-ዝተዛረበት ጥራይ፥ ተወዲኡ ኢልካን ጠቓዕ ጠቓዕ ኣቢልካን፥ ዝውዳእ ነገር ኣይኮነን።

ብዓቢኡ እዚ ጉዳይ`ዚ፥ ጉዳይ`ታ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ መጋበሪ-ፖለቲካ ክትከውን ተፈሪዱዋ እትርከብ ዘላ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ከኣ ዋንኡ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ እቶም መለካውያን ጳጳሳት ኣይኮኑን። ንሳቶም እሞ ካብ ዓንተቦኡ፥ ኣሕሊፎም ንበላዒ ዝሃቡዋ ስለ-ዝኾኑ፥ ሕጂ ንቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ክቐርቡ፥ ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን። ስለዚ እዚ ጉዳይ`ዚ ሓደ መወዳእታ ክህልዎ ዝድለ እንተደኣ ኮይኑ፥ ምስቲ ዋናን በዓል ጉዳይን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ብመንገዲ ጳጳሳት ክግበር ዝድለ ዘረባስ፥ ርሑቕ ዝበጽሕ መሓውር ዘለዎ`ውን ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ንዕለት 25 ናይ`ዚ ወርሒ`ዚ፥ ክግበር ዝተሓስበ ነገር ኣሎ ተባሂሉ`ውን፥ ኣብ ኣሥመራ ይዕለል`ዩ ዘሎ። እዚ ኣከያይዳ`ዚ ግና፥ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት ዝኣክል እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ላድዩሉን ተመኪሩሉን ስለ-ዝኾነ፥ ሕጂ ድማ ኣብቲ ብመንገዲ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣቢሉ፥ ክግበር ዝድለ ናይ ምትላል ጸወታ፥ ኢዱ ክሕውስ ዝደሊ ኣይኮነን።

እቲ ሕዝቢ ቤተ-ክርስቲያኑ ባዕሉ ከመሓድር`ዩ ዝደሊ ዘሎ። ከምቲ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ 90ታት ዝበሉዎ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ዘታትዩዋ እምበር፥ ክንሕንግረኪ ዝብሉዋ ኣይትደልን እያ። እቲ ብበዓል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ውጉዝ ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፥ ዝተሳቐኹዎ ይእከለኒ`ያ ትብል ዘላ። እቶም ሰብ ግዜ ዋናታት ፖለቲካ ድማ፥ ነቲ ብወገን ተዋሕዶና ዘሎ ምረት፥ ክርድኡ እንተ-ዝኽእሉ ክንደይ እኳ ጽቡቕ’ዩ። ካብኡ-ተረፈ ሎሚ ትማሊ ስለ-ዘይኮነ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ድሕሪ ደጊም ኣርዑቶም ተሲኪማ ክትቅጽል፥ ከም-ዘይትፈቅድ ክርድኡላ`ያ ትዛረብ ዘላ።

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.