ኣብ መፈሳዊ ዕርቂ ኣይንሓውስ ጸይቂ

ኣብ መፈሳዊ ዕርቂ ኣይንሓውስ ጸይቂ

መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ 

3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ናይ ዕርቂ መስርሕ ከምዝጀመረ ቅድሚ ሰሙናት እኳ እንተ ሰማዕና መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ግና ብህድኣት ክከታተሎ ጸኒሑን ኣሎን። በዚ መሰረት፥ ዓርቢ 5 ነሓሰ 2016 (፳፱ ሓምለ ፳፻፰) ዓ.ም ካብ ኣቦታት መነኮሳት፡ ሊቃውንቲ ካህናትን ልኡኻት መንግሥትን ብድምር ከባቢ 18 ዝኾኑ ሰባት ንቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብቲ ተሓይሮሙሉ ዘለዉ ቦታ ከይዶም ብጉዳይ ዕርቂ ከም ዘዘራረብዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ። መቐጸልታ ናይዚ ሓፈሻዊ ዘተ-ዕርቂ ድማ ሰኑይ 8 ነሓሰ 2016 (፪ ነሓሰ ፳፻፰) ዓ.ም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣስመራ ቀጺሉ ውዒሉ።

ሓቀኛ ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ሰብን ምግባር ዘሐጉስ ብሥራት እምበር ዘሕፍር ስዕረት ኣይኮነን። ኣህጉረ ስብከታት ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝደኸመሉን ዝጸለየሉን ነገር ስለዝኾነ ሕጂውን ብሓጉስ ዝቕበሎ ብስራት እዩ። ኣብ ርትዕን ሕግን ዘይተሰረተ መንፈሳዊ ዕርቂ ግና ናብ ፍቕርን ጽድቅን ዘየብጽሕ ኣምላኽ ኮነ ሰባት ዘይሕጎሰሉ ዘይቅዱስ ተግባር እዩ።

ብቀኖናዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን መሰረት: ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ዝወርድ በዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነገራት ጥራይ እዩ።

1) ብዝሙት
2) እምነት ብምጉዳል
3) ኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ምስ ዘጋጥሞ

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ግና ዋላ ሓንቲ ካብዘን ዝተጠቕሳ ጉድለታት ኣይፈጸሙን። ካብ መዓርጎም ዘውርድ ዝኾነ ጌጋውን ኣይገበሩን። እኳ ድኣ ስለ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 10 ዓመታት ግፍዕን ማእሰርትን እዩ ኣጋጢምዎም። ሕጂ ኸኣ እቶም ዝጠለምዎምን ብኢዶም ዝተሾሙ ጳጳሳትን ልባዊ ይቕሬታ ክሓትዎም ዝግባእ ክነሱ ኮር ተገልበጥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ “…ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝገበርክዎ ጌጋ ምዃኑ እናገለጽኩ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ብልቢ ይቕሬታ እሓተሉ ኢሎም ”ዝብል መግለጺ ተዘርጊሑ ኣሎ። ይቕሬታ ሓቲቶም ተመሊሶም ዝብል ግና ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ንህዝቢ ንሕብር። ኣብ ነጻ ቦታን 3ይ ኣካል ተዓዛቢ ኣብ ዘይብሉን ዝወሃብ ዕርቂ ኮነ ፍርዲ’ውን ተቐባልነት የብሉን። ኮይኑ ግን፥ ሲኖዶስ ብመንግስቲ ተደጊፉ: ባዕሉ ከሳሲ፥ ባዕሉ ፈራዲ፥ ባዕሉ ኣተዓራቒ ባዕሉ ድማ ኣዋጅ ክህብ ኣይግብኦን እዩ።

ሕጂ ኸኣ ሓቀኛ ዕርቂ ክበሃል እንተኾይኑ፥ ብ3ይ ናጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ኣብ ናጻ ቦታ ዕርቂ ክግበር፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ቃሎም ክህቡ፥ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ብኣዋጅ ከልዕልዎ ንጽውዕ። ብተወሳኺ፥ መንግሥቲ ካብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ኢዱ ከወጽእ፥ ሕጊ እግዚኣብሔርን ሕጊ ሃገርን ክፈላለ፥ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ብነጻ እምነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ክሕሎ፥ ኣብ ወሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦን ክርድኦን ንጽውዕ።

ስምረት ገዳማት፥ ጉባኤ ሊቃውንትን ካልኦት ዕርቂ ክግበር ዝጽዕሩ ዘለዉን ነቲ ዝጀመርዎ ሰናይ ሓሳብ ናብ ምሉእ ዕርቂ ከብጽሕዎ እግዚኣብሔር ክድግፎም ኣብዚ ናይ ሱባኤ እዋን ብጸሎት ንዝክሮም።

ገበርቲ ሠላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም። ማቴ 5፡9።

ኣህጉረ ስብከታት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
9 ነሓሰ 2016 (፪ ነሓሰ ፳፻፰ ግእዝ)

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.