ኣገዳሲ መግለጺ – ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ዕለት፡ 22/11/15

ኣገዳሲ መግለጺ
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ንቡር መዓልታዊ ሂወቱ ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጸወታን ዕድመን ከይፈለየ ንዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ስደት ኮይኑ ምርጭኡ። ስለዚ ሃገርና መንእሰይ ዘይብላ ባዶ ትኸውን ስለ ዘላ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ። ብሓፈሽኡ ኣብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዙ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኢዮም። ነዚ ኩነታት’ዚ ንምግታኡን ፍታሕ ንምርካብን ብደረጃ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን መራሕትን ወከልትን ኣፍሪካ ኣብ ቫለታ -ማልታ ብ11-12/11/15 ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ኤርትራ ብሰንኪ መራሕታ ባዶ ትተርፍ ኣላ ዝበልዎ ድማ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይነበረን።

ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ካብ ቅድም እናተወሃለለ ዝመጸ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ጽባሕ ዘይብሃለሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ ኩለን ውድባት ይኹና ብውልቂ ፍልልያተን ኣወንዚፈን ብሓደ ምእኩል መሪሕነት ግንባር ፈጢረን ህዝብን ሃገርን ከድሕና ይጥለባ።

ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝርከቡ ኤርትራውያን በብመድረኹ ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ዝተጠርነፉን ኣብ ዝኾነ ውድብ ኣባልነት ዘይብሎምን ብሓባር ክቃለሱ ጸኒሖም ኢዮም። ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓበራዊ ስርሓት ብምግምጋምን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብኦም ዝጥለብ ዕውትን ኣድማዕን መታን ክኸውንን ብዝያዳ ግልጹነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ብዓዲ ጣልያን ደረጃ ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ብወግዒ ቆይሙ።

ካብ ሮማ፡ ቦሎኛን ሚላኖን ዝመጹ ብዕለት 21/11/15 ኣብ ሚላኖ ካብ ሰዓት 10፡35 ክሳብ ሰዓት 18፡00 ጉባኤ ብምግባር ዝምርሕሉ ውሽጣዊ ሰነድ ድሕሪ ምጽዳቕን፡ ንሓደ ዓመት ተገልግል 9 ዝኣባላታ መሪሕነት ብደሞክራሲያዊ መገዲ መሪጾም።

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ክፉት ኮይኑ ተደናገጽትን ደገፍትን ኢጣልያውያን እውን ኣለውዎ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ!
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.