ዓገብ መርጌታ ኣብራሃም

ዓገብ መርጌታ ኣብራሃም

በዓል ሂስቶን ተክሳስ!!!
ንሂስቶን ገበርኩማ ሃሳስ
በላዕኩማ ጻሕሊ ክሳብ ሕሳስ?

ገረመኒ ናይቶም! ካህናትና!!!!
ዓገብ ዝብል ዘየብሎም ንጨና
እናተጠልመ ኣማኒ ክርስትና
ዓመታት ሓሊፉ! ካብ ሰማዕና
ዕዳጋ ገበርዎ! ቤት ጾሎትና
ምሕረት የውርደሉ ንህዝብና።

ኣመንቲ ሂስቶን ክብደሉ
መርጌታ ቶኾኑ ንዋይ ኣከብሉ
ህዝቢ! ኣብየት!! ኣብየት!! እናበሉ
ካህን ኮነ!! ጳጳስ! ዘስቅጥሉ!
መን ዳኣዩ? እምነትና! ዝሕሉ
ሃይማኖት ተጠለሙ! ብኣካሉ
ዝገበርካ ገርካ ይብሉ ኣሉ ።

ስነ ምግባር! ካብ ኣጥፍኡ
ሓልዊ ጠፊኡ ብኣጋኡ
መርጌታ ኣብ ሂስቶን ከዋጉኡ
ኣቕሺሽቲ ተዋህዶ ኣበይ ጠፍኡ
ኣጽቂጦ ዓገብ ንኸይብሉ ዝሕቡኡ።

ተዋህዶ ከደት ኣንቆልቁላ
ካህናታ ካብ ኮኑ ሽላምላ
ኣብ ኣስመራ እንዳሰርሑ ቪላ
ዝቕመጦ! ሸፍታ ወይ ጉሒላ
ብሓሰውቲ እምነት ተመንጢላ
ሰብርዋ! ጻሕሊ ዝበልዑላ
ጽዩፍ! ስነ! ምግባሮም ሓተላ።

ንቅንዕና ዘይብላ መሰታ
ሓቂ እያ! ንጽድቂ! መሰረታ
ንፍትሒ ተኾነት መሓፍስታ
ዝተገብረ ይንገር! ይድገም ንዛንታ።

መርጌታ ኣብራሃም ፡ ወዲ ማእከል
ኣስመራ ንኽገይሽ ዘይኽልከል
ነባር ሂስቶን ነበረ ዘይምቀል
ቀሺ ኣብራሃም መጸ በዕላ መስቀል
ንሂስቶን ገበራ ተኸፋፈል
ተቕዩምካዶ! መስዋእቲ ይዕደል
ንመቕደስዶ! ይእቶ ተሰኪምካ በደል።

በጃኹም መርጊታ ተመኸሩ
ኣመንቲ ኣብ ደገ ኣይተሕድሩ
ሃዋርያኮ! ክትኮኑ ንሰላም ጸዓሩ
ስራሕኩም ነበረ!ወንገል ንኽትነግሩ
መዓስ እዩ ናብ ንዋይ ተቐይሩ
ሽምኩም ከይትፈኩስ ንሓዋሩ???

ተዓዛቢ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
22 መስከረም 2015

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.