ቅድሚ 69-ዓመት ኣብ ኣሥመራ ሕጂ ድማ ኣብ ሃገረ-ሊብያ ታሪኽ ክድገም ከሎ

ቅድሚ 69-ዓመት ኣብ ኣሥመራ ሕጂ ድማ ኣብ ሃገረ-ሊብያ ታሪኽ ክድገም ከሎ

ታሪኽ ይድገም’ዩ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ብርግጽ ድማ እቲ ሓደ ግዜ ዝተፈጸመ ታሪኽ፥ ኣብ ካልእ ቦታን ግዜን ክድግም ዝረኣየሉ ኣጋጣሚታት ይርከብ’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ታሪኽ ይድገም’ዩ ዝበሃል። ሕጂ ግን ይበሃል ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብ ተግባር ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ፥ ማለት ኣብ 1946 (1939 ዓ/ም ግእዝ) ኣብ ማእከል ከተማ-ኣሥመራ ዝፈሰሰ ደም-ንጹሓት ክርስቲያን ምህላዉ፥ ዘይፈልጥዎ ወይ ዝረስዑዎ እንተለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ታሪኽ ግን ከቶ ክርስዖ ኣይክእልን’ዩ። ክርሳዕ ዝግብኦ ታሪኽ ድማ ኣይኮነን።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፥ ንምሉእ ሕዝቢ-ዓለም ዘንቀጥቀጠ ኣረሜናዊ-ተግባር፥ ኣብ ሃገረ-ሊብያ ከም-ዝተፈጸመ ዘይሰምዐ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብዚ ሕጂ ዓለም ትርከቦ ዘላ መበል 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ግን፥ ክፍጸም ይኽእል’ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ጭካኔ ተፈጺሙ። ደም ንጹሓት-ክርስቲያን-ሓበሻ ድማ፥ ኣብ ኣደባባይ-ሊብያ ብግፍዒ ክፈስስ ተራእዩ። ስለ ምንታይ’ዩ  እዚ ኩሉ ክኸውን ዝኸኣለ እንተ-ተባህለ ድማ፥ ብእምነቶም ምኽንያት “-ክርስቲያን-“ ኮይኖም ስለ-ዝተረኽቡ ደኣምበር፥ ዝፈጸሙዎ በደል ሃሊዩዎም ኣይኮኑን። እቶም “-ኣይሲስ-” ብምባል ዝፍለጡ ሰብ-መሰል ኣራዊት ግና፥ እዛ ሕጂ ብሥልጣኔ እትፍለጥ ዘላ ዓለም፥ ክትጻወሮ ትኽእል’ያ ዘይበሃል ዓቐኑ ዝሓለፈ ጭካኔ ብምፍጻም፥ ደቂ-ሰብ ከም ኣባጊዕ-ፋሲካ ክሓርዱ ተራእዮም።

እዚ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ፍጻሜ’ዚ ከኣ፥ ንምሉእ ሕዝቢ-ዓለም ኣናዊጹዎ ይርከብ ኣሎ። ከመይሲ ፍጡር ወዲ-ኣዳም ከም-በጊዕ ክሕረድ ካብ ምርኣይ፥ ዝመርር ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዞም ቀተልቲ-ነፍሲ ዝኾኑ ወገናት’ዚኣቶም ግና፥ ካብ እምነቶም ወጻኢ ዝርከብ ኩሉ፥ ንኽነብር ዘለዎ መሰል ብምንፋግ፥ ደም ንጹሓት ብግፍዒ ከፍስሱ ምርካቦም፥ እዚ ፈተና’ዚ ንሰላም-ዓለም ዘሪጉ ኣብ ዘይተደልየ ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ ከይከውን፥ ኣብ ዝስግኣሉ ደረጃ ይርከብ ምህላዉ ሓቢእካ ክሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን። ብርግጽ’ውን ምእንቲ ናይ ሓባር-ሰላም ክበሃል፥ ትዕግስቲ ምግባር ከም-ዝግባእ፥ እቲ ክርስቲያን-ዓለም  ይርድኦ’ዩ ዝብል እምነት’ኳ  እንተሎ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ትዕግስቲ ኣሎ ምባል ግን ዝከኣል ኣይመስለናን።

ብዝተረፈ እዞም “ኣይሲስ” ዝተባህሉ ናይ ጥፍኣት ልኡኻት፥ ፀረ-ክርስትና ዝኾነ ኣቕዋም ሒዞም ስለ-ዝተላዕሉ፥ ዝኾነ ኣበሳ ኣለዎም ዘይበሃሉ ክርስቲያን ኣብ ምቕታል ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኮይኖም፥ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ከም ሳዕሪ ዓጺዶም ዘጥፍኡዎ ሕዝቢ ስፍሪ ቁጽሪ የብሉን። ከም መቐጸልታ’ዚ ኩሉ ድማ፥ ኦርቶዶክሳውያን ደቂ-ግብጺ ብስሕለት-ካራ ተሓሪዶም ከም-ዝተቐትሉ፥ ዓለም ብዓለሙ ብዓቢይ ሓዘን ተኸታቲሉዎ እዩ። እዚ ዕብዳንን ጽላለን ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ሰይጣናዊ-ተግባር’ዚ፥ ካብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ተሪር ተቓውሞ’ኳ እንተጋጠሞ፥ እቲ ዝጀመሮ ናይ ደም ምፍሳስ ተግባር ግና ብቐጻሊ ክደፍኣሉ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ ነቲ ወገን ክርስቲያን፥ ትዕግስቱ ክውድኦ ኣብ ዝኽእለሉ ሓደገኛ መሥመር ከየብጽሖ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። 

በዚ’ውን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፥  58-ኦርቶዶክሳውያን-ሓበሻ ብስሕለት-ካራ ከም-ዝተሓርዱን ብጥይት ተረሺኖም ከም-ዝተቐትሉን ዘይተኻታተሎ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ዘገርም ግን እዞም ሰብ-መሰል ኣራዊት ደም ብምፍሳስ፥ ንእግዚኣብሔር ዘሐጉስ ተግባር ንፍጽም ኣሎና ኢሎም ዝኣምኑ ምዃኖም እዩ። ብርግጽ ግን እዞም ፀረ-ሰላም ዝኾኑ ቀተልቲ-ነፍሲ፥ እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ናይ ጽላለ-ዕላማ ከም-ዘየወጻጽኦም፥ ርግጸኛ ኮንካ ክንገሮም ይከኣል’ዩ። ብዝተረፈ እቲ ክርስትና ኣብ ፍቕሪ ዝተሠረተ ስለ-ዝኾነ፥ ክሳብ ሕጂ ተጸሚምካ መስቀልካ ክጽወር ስለ-ዝተኻእለ’ዩ፥ እዛ ዓለም’ዚኣ ናብ ከቢድ-ጥፍኣት ካብ ዘብጽሕ ሓደጋ ክትድሕን ኪኢላ ዘላ። እዚ ግን ንዘይርድኦ ክርድኦ ዝኽእል ኣይኮነን። ይኹን እምበር እዚ ዕብዳን’ዚ ክዕገት እንተ-ዘይተኻኢሉ ግን፥ እቶም ሰብ-መሰል ኣራዊት ሰብ-ካራሩ፥ ብደም ንጹሓት-ክርስቲያን እናተጻወቱ ክነብሩ ይፍቀደሎም’ዩ ማለት ኣይኮነን።

ብዝኾነ እዚ ናይ ሊብያ ታሪኽ ግን፥ ይድገም ደኣ’ዩ ዘሎ እምበር፥ ሕጂ ዝተጀመረ ከም-ዘይኮነ ዓምድታት-ታሪኽ ዝህቡዎ ምስክርነት ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ኣብ 1946 (1939 ዓ/ም ግእዝ) ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር-እንግሊዝ ትመሓደር ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፥ ተመሰሳሊ ግፍዒ ተፈጺሙ ምንባሩ፥ እቶም ሕጂ ኣብ ዕድመ-80-ታት ዝርከቡ ደቀ’ሥመራ ይዝክሩዎ እዮም። እቲ ፍልልዩ እቲ ናይ ሽዑ ኣብ ኣሥመራ፥ እዚ ናይ ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ ምዃን’ዩ። እቲ ካልእ ፍልልዩ’ውን፥ እቶም ናይ ኣሥመራ-ሠማዕታት ብጥይት ክቕተሉ ከለዉ፥ እዞም ሠማዕታት-ሊብያ ግን ብስሕለት-ካራ ከምዝሕረዱ ምግባሮም’ዩ። ብዝተረፈ እቲ ምኽንያት ክልቲኡ ሓደ’ዩ። ክርስቲያን ዲኹም ኣስላም-? ዝብል ሕቶ’ዩ ቀሪቡሎም። ክርስቲያን ብምዃኖም ድማ ተቐቲሎም።

እቶም ኣብ ኣሥመራ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ግፍዒ ብምፍጻም፥ ደም ዘፍሰሱ ሱዳናውያን ወተሃደራት-እንግሊዝ ከም-ምንባሮም መጠን፥ ብሓላፍነት ክሕተት ዝግብኦ መን’ዩ-? ዝብል ሕቶ ምህላዉ’ኳ እንተ-ዘይዘንጋዕና። እቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ግን ታሪኽና ስለ-ዝኾነ፥ ተረሲዑ ክተርፍ ዝግብኦ ኣይኮነን። እዞም ክርስቲያን ብምዃኖም ጥራይ፥ ኣብ ማእከል ከተማ-ኣሥመራ ደሞም ዝፈሰሱ-ሠማዕታት፥ ኣብዚ ክንድ’ዚ ዝኣክል ዓመታት ታሪኾም ዘይዝከር ኮይኑ ምትራፉ፥ ነታ ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘንእዳ ኣይኮነን። ግዳስ ንሳ እዛ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን’ውን፥ ዝኾነ ነገር ክትብል ዘኽእል መሰል ትማሊ ኣይነበራን። ሎሚ’ውን ኣለዋ ትበሃል ስለ-ዘይኮነት፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ጸቕጢ እናሃለወት፥ ብዛዕባ ሠማዕታት-ኣሥመራ ኮነ ሠማዕታት-ሊብያ ድምፃ ዘየስምዐት ኢልካ ክትሕመ ዝከኣል ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ብትብዓቶም ዝልለዩ ዝነበሩ ኣቡነ-ማርቆስ፥ እቲ 32-ሬሳታት ኣብቲ ዓውደ-ምሕረት ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም፥ ነቲ ጎልጎል መሊኡዎ ይርከብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ነቲ እንግሊዛዊ በዓል-ሥልጣን ….. እዚ ኩሉ ግዳይ’ዚ ናትካ እዩ’ሞ ደስ ይበልካ ….. ከም-ዝበሉዎ፥ እቶም ብሕይወት ዝርከቡ  ኩሎም ደቀ’ሥመራ ይዝክሩዎ እዮም። እዞም ዝተባህሉ 32-ሠማዕታት-ኣሥመራ ድማ፥ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ሽዑ ዝተዳለወሎም ፍሉይ መካነ-መቃብር፥ ኣስከሬኖም ብክብሪ ዓሪፉ ይርከብ ኣሎ። እታ ወላዲቶም ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ግና፥ ፍትሓት ንኽገብረሎም ኢላ ክትሓስብ’ውን ዕድል ዘለዋ ኣይኮነትን። ብሳምቡእ-ፖለቲካ ከተተንፍስ እትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንከ፥ ከመይ ኣቢላ’ያ ብዛዕባ ሠማዕታታ ክትሓስብ ዕድል ክትረክብ እትኽእል-?!

ሠማዕታት-ኣሥመራን ሠማዕታት-ሊብያን ዝተቐትሉሉ ምኽንያት ግና፥ ሓደ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኩሎም ክርስቲያን ዲኹም ኣስላም ዝብል ሕቶ’ዩ ቀሪቡሎም-? ክርስቲያን ኢና ስለ-ዝበሉ ድማ፥ እቶም ናይ ኣሥመራ ብጥይት እቶም ናይ ሊብያ ከኣ ብስሕለት-ካራ፥ ሠማዕትነት ተቐቢሎም ክሞቱ ክኢሎም። ይኹን እምበር ነቶም ቀዳሞት   ገለ መዘከሪ ክግበረሎም ከም-ዘይከኣለ፥ ነዞም ዳሕረዎት’ውን ክግበረሎም ይኽእል’ዩ ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ጸልማት-ለይቲ ክሳብ ዝወግሕ ድማ፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ኣደባባይ ወጺኣ፥ ሠማዕታታ ክትዝክር ዘኽእላ መሰል ክትረክብ እትኽእል ኣይኮነትን። እቲ ደም ሠማዕታትና ዝፈሰሶ-ታሪኽ ግን ታሪኽና ስለ-ዝኾነ፥ ብዛዕባኡ ንኽንዛረብ ፍቓድ እንሓተሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።

ብዝተረፈ ኩሉ ክፈልጦ ስለ-ዝግባእ፥ እዞም 32-ሠማዕታት-ኣሥመራ ዓሪፎሙሉ ዝርከብ፥ ኣብ መካነ-መቃብር እንዳ-ማርያም ኮይኑ፥ ብሸነኽ ገዛ-ከኒሻ ን4ተ-ኣሥመራ ኣብ ዝወስድ መንገዲ፥ ብጸጋምካ ተጸጊዕካዮ ኣብ ዝሕለፍ መንገዲ ዝርከብ እዩ። ማለት ብቅርጻ መስቀል ኣብ ዝተሓጽረ ክሊ ስለ-ዝርከቡ፥ ዝኾነ ከይዱ ብጸሎት ክዝክሮምን ዕምባባ ከንብረሎምን ይኽእል እዩ። እዚ ክንድዚ ዝኣክል ክቡር ደም-ሠማዕታትና ዝተኸፍሎ ታሪኽ ግና፥ ከም-ዘይናትናን ዘይ-ምልከተናን ታሪኽ ተቘጺሩ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ፈጺማ ዘይትግደሰሉ ኮይና ክትርከብ፥ ክንደይ’ኳ ዘሕዝን’ዩ። ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ተቘሪና እትርከብ ቤተ-ክርስቲያን ግና፥ ንርእሳ ኣፋ-ተለጕማን ኢዳ-ተኣሲራን እናሃለወት፥ ገለ ዘይበለት ተባሂላ ክትሕመ ዘኽይድ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቲ ጉዳይ ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ፥ ደቂስና ክንሓድር ዘኽእለና ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ንብምሉኡ ማእከላይ-ምሥራቕ ክሕምሶ ዝርከብ ዘሎ፥ ”-ኣይሲስ-” ዝተባህለ ሰይጣናዊ-ጉጅለ፥ ክሳብ’ዛ ጎረቤትና ዝኾነት የመን እቲ ምንቅስቓስ እናስፋሕፍሐ ይኸይድ ክሳብ ዝሃለወ፥ ክንቀስን ክገብረና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ምእንቲ ሰላም ኢልና’ኳ ብዙሕ ክንዕገስ ከም-ዝግበኣና ንፈልጥ እንተኾና፥ ከም ኣባጊዕ-ፋሲካ ኩሉ ግዜ እናተሓረድና ክንነብር ማለት ከም-ዘይኮነ ግና፥ ብልቦና ክንሓስበሉ ከምዘድሊ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን።

ብዝኾነ እቲ ታሪኽ ሠማዕታት-ኣሥመራ ኮነ፥ ታሪኽ ሠማዕታት-ሊብያ፥ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ስለ-ዝኾነ፥ ብኽብሪ ተዓቂቡ ክነብር ዘለዎ ደኣምበር፥ ዋና ከም-ዘይብሉ ኣቕሓ ተደርብዩ ክድርበ ዝግብኦ ኣይኮነን። ስለዚ’ውን እቲ ታሪኽ “-ወበዛቲ ዕለት ኣዕረፉ–“ ተባሂሉ ኣብ መጽሓፈ-ስንክሳር ኣትዩ ክንበብ ስለ-ዝግባእ፥ ካብ ሕጂ ጀሚርና እቲ ታሪኽ ኣብ ምጥርናፉ፥ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ከነካይድ ኦርቶዶክሳዊ-ሓላፍነት ከም-ዘሎና፥ ክንዝንግዕ ከም-ዘይግበኣና ከነተሓሳስብ ሓላፍነትና እዩ።

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.