ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ
21 ግንቦት 2015

ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ዝተባህለ፡ ብትኽክል ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ኣከያይዳ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝመስል። ብሰንኪ ሕሱም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወወርሒ ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ። ባሕሪ መዲተራንያን ከኣ፡ ወሓጢት መንእሰያት ኤርትራውያን ኮይና ኣላ።

እዚ ሰንካም ስርዓት’ዚ ከምቲ ንቆልዓ ክስንብድ ኢሎም “ዝብኢ መጸካ” ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ካብ 1998 ክሳብ ሎሚ “ወያነ መጺኦሙኻ፡ ወራር ይቀራረብ ኣሎ፣ ወይልኻ ጠፋእካ!” ብዝብል ለበዳ ሓሶት፡ ህዝቢ ናብ ኣደዳ ራዕዲን ሽበራን ከም ዝንቆት ገይሩዎ ይርከብ። ኤርትራ ንኢሰያስ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጉዶ ኢያ ተቐይራ ዘላ። ናብዚ ሎሚ ዘሎ መልክዕ ሃገርና ንምብጻሕ ከኣ፡ ካብታ ዝተሰለፈላ መዓልቲ ኣትሒዙ ደቂሱ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢሰያስ ንክገልጹ ዕጭ እንተበሉ፡ ኣነ ብንኡስ ዓቕመይ ንኢሰያስ መንነቱን መንገዱን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ዓመታት ተዛሪበን ጽሒፈን እየ። ከምዚ ናተይ ዝተዛረቡን መጽሓፍ ዝጸሓፉን እውን ኣለዉ። ግን ከምቲ ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ዝበሃል፡ እዚ ፈሊጡ ዝጸመመ ህዝቢ’ዚ ክሳብ ኣእዛኑ ዝኹኩዕን ኣዒንቱ ዝኸፍትን መቕዘፍቲ መንእሰያትና ገና ክቕጽል ኢዩ።

ነቶም ሃገር ዘፍረየቶም ደቂ ህዝቢ፡ ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ኢሰያስ ሃጽ ኢሎም ዝሃደሙን ዝጠሓሉን፡ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ከም ዝጸውዖም ዚዝከር ኢዩ። እቲ ሞት መመሊሱ ደኣ ገደደን በዝሐን እምበር ኣይነከየን። ድምጺ መርድእ ኣብ መመዓልቲ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ሓዘን ዳሳት ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዛ ተተኺሉሉ ኣብ ዘሎ ሓያል እዋን ግን እቶም ኣዝዮም ካብ ስነ ምግባር ህዝቢ ዝረሓቑ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ንማዓልቲ ናጽነት ዝዳሎ ዘሎ ዳሳት ንክስዕስዑ ይቀራረቡ ኣለዉ’ሞ፣ ዓገብ ክብሎም እደሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ምስ ተረኽበ ኢዮም ድማ ኣቦታት “ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ዝበሉ።

ከምቲ ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝሰሓተ ከኣ ይምከርካ ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና፡ ኣነ ብዕድመይን ብተመኩሮይን ምስቶም ናጽነት ንምምጻእ ብዘይሕለል ንያት ዝወዓሉን፣ ምስቶም ኣንጻር ሕሱም ኢሰያስ ተቓሊሶም ህዝባዊ ዕላማ ንምህራም ዝሰሓቱን ዜጋ እየ። ክቡራት መንእሰያት ደቀይ! ካብ ስሕታንን ጌጋታትን ተማሂርኩም ብሓደ ኣሰጓጉማ ንጸላኢኹም መክቱ።

ከምቲ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም “ምስ ዘራእቲ ነይረስ፡ ምስ ዓጻዶ ከኣ ተራኺበ” ዝበሎ፡ ኣነ’ውን ብዘይ ምግናን ምስቶም ዘርኢ ናጽነት ዝዘርኡ ቀዳሞት ነይረስ፡ ሎሚ ከኣ ምሳኹም ምስቶም ዓጻዶ ሓርነታዊ እንዳእቲ ተራኺበ። ድሌትናን ኣከያይዳናን ነንበይኑ ብምዃኑ ግን፡ ናብ ፍጹም ዓወት ክንበጽሕ ኣይከኣልናን። ወላ’ኳ እቶም መጣቓዕቲ ምርጭኦም ኮይኑ “ኢሰያስ ይንበረልና፡ ብዘይካ ንሱ ንኤርትራ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ የለን” እንተበሉ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ እውን ቁልፍና ኣይተረረን። ኣብ ኣርበዓታት፡ ሓምሳታትን ድሕሪኡ እውን ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝነበረ መጋርያ ኲናት፡ ኤርትራዊ ከምዚ ኣይነበረን። ዕጡቕን ተባዕን ከም ዝነበረ ታሪኽ ምስክር ኢዩ። ኣይኮነን’ዶ ንፍትሒን ራህዋን፡ ቀዳሞት ኣቦታት ናብ ጫካታት መረብን ተከዘን ወፊሮም ኣንበሳ ቀቲሎም’ውን ሓኔታይ ይበሃሉ ነይሮም ኢዮም። ክብርታትናን ትብዓትናን በዚ ንጥፍኣትና ዝተሰለፈ ገበነኛ ኢሰያስ ክብለል እንከሎ ከኣ የተሓሳስበኒ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋእል፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ክንከይድ ይግባእ።

ዝኸበርካ ህዝበይ! ዕድል ናይዚ ወለዶ እዚ ኣብ ታሪኽ መወዳድርቲ የብሉን። ከምዚ ኤርትራ ረኺባቶ ዘላ ሕሰም፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኣይተጻሕፉን። ኣብ ሃገርና፡ ዘይተበግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ገበናት ኢሰያስን ጉጅለኡን ንምጽሓፍ፡ ባሕሪ ቀለም እንተዝኸውን እውን ኣይምእእኸሎን። ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ! ነዚ ኩሉ ህልቂት እናረኣዩ ድማ፡ ገና ዘጣቕዑ ሰባት ኣለዉ።

ብሰንኪ ሓደ ብመንነቱ ዝቑሎ ዝነበረን ዘሎን ኢሰያስ ከኣ ህዝቢን ሃገርን ናብ ደረጃ ምጽናት እናተቓረቡ ይመጽኡ ኣለዉ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ፡ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትና ዘይንመሃር፡ ናይ ትማሊ ዘይንዝክር ሓመይቲን ተገላበጥን ህዝቢ ምዃንና ሎሚ ኣብ ግዜ ዕብየተይ ክመዝኖ እንከለኹ ድማ የሕዝነኒ። ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ቅድሚ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባና ሰውራ የድሊ ኣሎ። ተቓወምቲ ውድባትን ባይቶን ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪቖሞ ኢዮም። ብዘይ ከውን ተስፋ፡ ሃንቀውታ ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ተኾሊፉ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ስለ ናጽነት ዝተጋደሎ ዘመን፡ ብትኽክል ፈታዊኡን ጸላኢኡን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኮር ተግልበጥ፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ግዜ ዝማዕበለ፣ መራኸቢ ክንዲ ዝቐልጠፈ ግን ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ጥራይ ኮይኑ ጉዕዞና። ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት ኢልና ዝረዓምናየን ግዚያት፡ ብዘይካ መንገዲ ጥፍኣት ካልእ መንገዲ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ንሱ እቲ ኣቐዲሙ ዝመንኮሰ፡ ኣብ ሃገርና ዝተቐመጠ ዲያብሎስ፡ በዓል ጉዳይን ዕላማን ስለዝኾነስ፡ ኣብ መንገዱ ኢዩ ነይሩን ዘሎን።

ንሕና እዞም ተረከብቲ ሃገር ዝኾነንና፡ እቶም ደድሕሬና ዝስዕቡ ዘለዉ ውሉዳት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ንደሊ ከም ዘመነ ባቢሎን ገና ኣብ ጣቕዒትን ጽላለን ንነብር ኣለና። ንሱ ብደም ህዝቢ ኤርትራ ዝጎስዐ ገበነኛ ኢዩ። ብሞትን ጥፍኣትን ኤርትራውያን ኣብ ዝቆጻጸየሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ጓይላ ኣጋንንቲ ዓሲልኩም ተጣቕዑን ትለሃዩን ዘለኹም ዓገብ! ሎሚ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግናይ ዘመን ኢዩ። ሕቑፊ ወለዶም ዘይጸገቡ ሕጻናት ኢዮም ኣብ ምድረ በዳ ዝጠፍኡ ዘለዉ። ሞት ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ፡ ኣብ ዓለም ንቡር ብጽሒት ወዲ ሰብ ኢዩ። ኣማውታ ኤርትራውያን ግን ንበይኑ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መሰክሕ ህልቂት ደቂ ኤርትራ፡ ከም ኣማውታ ጉልሓይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ምድረ በዳን ባሕርታትን በብወርሑ ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይ መን ይቑጸሮ! ብሰንኪ እዚ ንሃገር ጸቒጡ ገቢትዋ ዘሎ ዲያብሎስ፡ ኣማውታ ኤርትራውያን መመሊሱ ኢዩ ዝኸፍእ ዘሎ። ናይ ሲናይን ባሕሪን ከይኣክል ድማ፡ ኤርትራ ዝወለደቶም መንእሰያት ብደዒሽ /ISIS/ ኣብ ገማግም ማይ ሊብያ ክሳውዶም ተቖሪጾም ኣለዉ።

ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ከም ዝበሃል ድግም፡ ኣንታ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓዘን ግዜ ምስ ሓራዲኻ ክትስዕስዕ ትቀራረብ ዘለኻ፡ ኣንቲ ደቅኺ እናተሓርዱ ዝዋውዕ ዝመስል ወርቂታት ተሰሊምኪ ኮቦሮ ኢሳይያስ ክትሃርሚ ትህንጠዪ ዘለኺ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዓገብ እብለኪ ኣለኹ። ብስም መዓልቲ ናጽነት ንዳንኬራ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ብኩሉ ህዝቢ ክፍንፈን ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ኩነኔ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ህዝቢ በብእምነቱ ስለ እዚ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ክጽሊ ይግባእ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.