ዋና ዝሰኣነ ህዝቢ!!
ዋና ዝሰኣነ ህዝቢ!!
ሰንበት 19 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብፍርሂ ከም ዝተዋሕጠን ከም ዝተረበሸን ርግጸኛ እየ፡፡ እቲ ምንታይ ማዕረ እቲ ካልእ ንዓይ ውን ከቢድ ፍርሂ ስለ ዝወረረኒ፡፡ ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ 28 ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ እምነት ክርስትና ቀቲሉ: ዝብል ዜና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ምስ ተጋወሐ፡ እቲ ነቲ ጉዳይ ልቢ ኢሉ ዝከታተሎ ዝነበረ፡ ካብ ሰሪ መዓቱ የድሕነና ክብል ብስቕታ ክከታተሎን ክርእዮን ኢዩ መሪጹ፡፡ ዋላኳ ብግዳማዊ ትርኢትና ንነብስና ክንቅሽሻ እንተሓለና፡ ውሽጥና ግን እቲ ሓቂ ሽዑ ንሽዑ ብሕሹኽታ ኣርዲኡና ኢዩ፡፡ ኣብዝሓ ካብቶም ግዳያት ስሕለት ካራ ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ ( ISIS ) ዝኾኑ ሰማእቲ፡ ካብቶም ሓላይን ተሓላቕን ዋናን ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ምዃኖምሲ ነብስና ባዕሉ ነጊሩና ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኢና ኩልና ብውሽጥና ብፍርሂ ዝተወሪርና፡፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያውያን ተባሂሎም ናይ ቀረባ እዋናት ዝኽርን ተመኩሮን ግርም ገይሩ ምሂሩና ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ኣብዝሓ ካብኦም ኤርትራውያን ክንሶም ኢትዮጵያውያን ተባሂሎም? ብሓቂኸ ከምቲ ጉጅለ ዲዕሽ ዝበሎ እዞም ሰማእቲ ኢትዮጵያውን ድዮም? ንእሽቶ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ሓቂ ወስ ከብለልኩም፡፡
ናይቶም ካብ መቕዘፍቲ ግብጻውያን በደዊን እንተስ ኣካሎም ጎዲሎም ገለ ድማ ንስክላ ድሒኖም ናብ ኢትዮጵያ ብመገዲ ዶክተር ኣልጋነሽ ጋንዲ ዝኣተዉ፡ ካብ እስርቤታት ግብጺ ክወጹ እንተ ኾይኖም ኢትዮጵያውያን ኢና ክብሉ ጥራይ ኢያ ሓንቲ ዕድሎም፡፡ ኣይኮነን ኣብቲ እስርቤት መጻወቲ ወተሃደራት ግብጺ ኮይንካ ምትራፍ ኢያ፡፡ ወይ ድማ ኤርትራዊ እየ ኢልካ ናብ መጻወድያ ህግደፍ ምእታው ኢዩ፡፡ ናብ ኤርትራ ተመሊስካ ምእታው ግን፡ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ካብቲ ዝተሓዝ ኣይመርጾን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ካብ ምድረበዳ ሲናይ ንስክላ ዝደሓኑ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ ኤርትራያን መናእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ገግዚኡ ዝኣተዉ፡፡ ፍጹም ዘደንጽወካ ነገር እንተሃልዩ፡ ብዙሓት ካብቶም ንሞት ርእዮማ ዝተመልሱ መንእሰያት፡ ተመሊሶም ምስ ሞት ክፋጠጡ ነቲ ኣስካሕካሒ ፈታኒ ግዕዞ ክደግምዎ ክትርኢ ኢዩ፡፡ ብዙሓት ነቲ ህይወት ዝጠልብ ንጸላኢኻ እውን ዘይትምነየሉ፡ ቀቢጸ ተስፋዊ ውሳነ ደጊሞም ክወስድዎ ርእየ እየ፡፡ ብወተደራት ግብጺ ይኹን ልብያ እንተ ተታሒዝካ፡ ኢትዮጵያዊ እየ ትብል መዋጽኦ ድማ፡ ቀዳመይቲ መልሲ ኢያ፡፡ እዞም ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕርን ኣብ በረኻታት ልብያን ብስም ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ እምነት ክርስትና ሰማእትነት ዝኮኑ ኣሕዋትና እውን፡ ካብዚ ቀዲመ ዘቐመጥክዎ ዝተፈለየ ነገር ኣይክህልዎምን ኢዩ፡፡ ሓደኳ ተታሒዙ ናብ ህግደፍ ክምለስ ዝደሊ ስለ ዘየለ፡፡
ሰንበት 19 ሚያዝያ 2015 ዳግማይ ትንሰኤ መዓልቲ፡ እቲ ነብሰ ስጋኻ ዝቐፍፍ ናይ ቪድዮ ትርኢት፡ ኣብ ህዝባዊ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ፡፡ ክሳድ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መናእሰያት፡ ብስሕለት ካራሩ ሰይጣውንቲ ዲዕሽ (isis) ክጉያሕ፡ ዘርኢ ምስሊ ተፈንዩ፡፡ ኤርትራውያን ተጨውዮም፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ናውቲ ኣካላቶም ተወሲዱ፡ ተቐቲሎም፡ ተዓሚጸን፡ ተዘሪፎም ……ዝብል ዜና እዚ ሎሚ ሎሚ ተለሚዱን ተራ ነገር ኮይኑን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ህይወት ኤርትራዊ ሓሲሩ፡ ዋናን ተሐላቕን ስኢኑ፡፡ ፍጻመ 19 ሚያዝያ ግን ኣብ ኩልና ስንባደን ድንጋጸን ምጥርጣርን ፈጢሩ፡፡ ንገለ ገለ ድማ ካብ ሚሒር ጭካኔኡስ ዓባስ ገይሩ ኣርሚምዎʼዩ፡፡ እቲ ብእዝንና ዝተላመድናዮ ድምጺ ስቅያት ወገናትና ብዓይንና ክንርእዮ ኣየኽኣለናን፡፡ ሞት ቅትለት ኣብ ጎደቦኻ፡ ኣብ ጎረቤትካ ክእወ ክትሰምዖን ኣብ ቤትካ ኣትዩ ክምንጥለልካን ይፈላለ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ዝረኣናዮ ኣሰቃቒ ኣቀታትላ ወገናትና ካብ ቤትና የርሕቆ ብምባል እናተፈለጠና ንነብስና ክንቅሽሻ ኢና ድንዕ ድንዕ ኢልና፡፡ የግዳስ ኣሰቃቒ ኣቀታትላ ጉጅለ ዲዒሽ ንዓናን ንጎረቤትናን ብሓደʼዩ ተሳሂሉና፡፡ ሞት ሓደ ይኹን ክልተ ምረቱ ማዕረ ኢዩ፡፡ ሞት ሞት ኢዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ህልቂት ናብ መን ይዘጥጥ እንተ ኢልና ግን፡ ሓደን ክልተን ከይበልና ናባና!!!!
መን የርድእ ዝቐበረ መንከ ይንገር ዝወዓለ ኢዩ፡፡ ውጻእ መዓት ናይቲ ኣሰቃቒ ፍጻመ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹዱሽተ ዓመት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራዊ ናኤል ጎይትኦም፡ ነቲ ዘንተእለት ካብ ኣእምርኡ ዘይሕከኽ ኣስካሕካሒ ፍጻመ፡ የማነ ጸጋም ብዘየጋላብጥ ሓቂ፡ ኣብዝሓ እቶም ግዳያት ኤርትራውያን ምዃኖም ቃለ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ፡፡ ዋላኳ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ውሽጥና እቲ ሓቂ እናፈለጦ ንነብስና ከነደናግራ እንተፈተና፡ ደም ንጹሃት ኣሕዋትናን መተዓብይናን ንሕና ኤርትራውያን ኢና ክብል ብዓውታ ከቃልሕ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ድሮ እውን ናይ ልዕሊ ደርዘን ካብዞም ሰማእቲ፡ መንነቶም ብዝግባእ ተረጋጊጹስ ምስሎምን ዓዶምን ብምስናይ፡ ኣብ ህዝባውያን መራኸቢ ብዙሓን መዓልታዊ ቁጽሪ እናወሰኸ ክልጠፍ ንዕዘቦ ኣለና፡፡ ክሰብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኹ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ካብቶም ግዳያት ብንጹር ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ ቤተሰቦም ተረዲኦም፡ ካብቲ ውጻእ መዓት ዝኾነ ትሕቲ ዕድመ ናኤል ጎይትኦም ዝገለጾ፡ ስድሪ እውን ፍልለይ የብሉን፡፡ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ውሉዳቶም ግዳያት ዲዕሽ ምዃኖም ዝተረድኡ ቤተሰብ ቁጽሮም ካብ ሸሞንተ ንላዕሊ ኣይኮነን፡፡ ብመሰረት ቃለ ምስክርነት ውጻእ መዓት ናኤል ጎይትኦም ድማ፡ ካብቶም ልዕሊ ሰማንያ ብጉጅለ ዲዒሽ ዝተጨውዩ እንትርፎ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ካልኦት ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ኢዮም፡፡ ካብቶም ልዕሊ ሰማንያ ብዲዕሽ ዝተጨወዩ ንጹሃን ሰለማውያን ዜጋታት፡ ድሮ ኣርብዓን ሸውዓተን ሰባት ብኣሰቃቒ ኣቀታትላ ህይወቶም ከም ዝሓለፈን ከም ዝተቐትሉን ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ በዚ መሰረት ካብቶም ግዳያት ሰላሳን ትሽዓተን ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ ሸሞንተ ድማ ኢትዮጵያውያን ኢዮም፡፡ እቶም ዝተረፉ ኣስታት ፍርቂ ወገናትና ካብዚ ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ ብህይወት ክተርፉ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ውን እንድዒ…?
እቲ ሓቂ እዚʼዩ፡፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብመሰረት ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ (isis) ዝፈነዎ ጭካነን ኣረመንንትን ዝተላበሰ መግለጺኡ፡ ኢትያጵያውያን ስለ ዝተባህለ ጥራይ፡ ኣዝዩ ከቢድ ክትገልጾ ውን ዘሸግር ናይ ሓዘን ድባብ ክሳብ ሕጂ ብዓይንና ንርእዮ ኣለና፡፡ በቲ ዘጋጠመ ኣስካሕካሒ ፍጻመ መላእ ኢትዮጵያዊ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣትዩ ይርከብ፡፡ ሓዘንን ጓህን ዘለዓዓሎ ሕራነ መስቀል ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ቁጣዔኡን ኩኔንኡን ከስምዕ ርኢናዮ፡፡ ቁጠዐን ሕራነን ኢትዮጵያውያን ብዘገርም ቅልጣፈ ኣብ መላእ ሃገር ተላቢዑ፡ መላእ ኢትዮጵያ ማዕበላዊ ሰለማዊ ሰልፍታት ቀንዩ፡፡ ብደረጃ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልታት ተኣዊጁ፡፡ ኩሎም ምእመናን ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዶም፡፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ክረኣይ እንከሎ፡ ኩሎም እቶም ግዳያት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኢዩ ማሕበረሰብ ዓለም ፈሊጡን ተገንዚቡን ዘሎ፡፡ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ድግዲጊት ተዓጢቕካ ኡይይይይ ዝበሃሎ ጽዩፍ ተግባርʼዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ወገነይ ዝፍጸም ዘሎ ክሕደት፡፡ ይወእዪ ዋና ዝሰኣነ ኤርትራዊ ወገነይ ኤርትራውነቱ እውን ተኻሒዱ!!!
ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ብጭቡጥ ውሉዳቶም ናይዚ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ግዳያት ምዃኖም ተረዲኦም፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን እናሃለዉ፡ ብጥፍኣት ኤርትራውያን መናእሰያት ቅጭጭ ዘይብሎ ህግደፍ፡ አሽንካይ ንቤተሰብ ግዳያት ሕሰም ረኺብኩም ኢሉ ከጸናንዕ፡ ብተገላቢጦሽ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ክጽመድ ኢዩ ተራእዩ፡፡ እቶም ገለ ከም ብዘበነ ውበ ዝጸመሙ ሕሉፋት ደገፍቱን፡ ልዕሊ ህይወት ገንዘብ ዝዓጀቦም ደም ኣልቦ ስነጥበባውያን እውን፡ ከላህዩን ክለሃዩን ተራእዮም፡፡ ተደራራቢ ሞትን ህልቂትን ኣርባዕተ ሚእቲ ወገናትና ባሕርን ዲዒሽን ክዘራረዩልና ድምብርጽ ኣይበሎምን፡፡ ቃላት ቀሺ ሙሴ ሲሳይ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ኣእምሮይ ኣቃሊሑ፡፡ ”ንሕና ቀተልቲ ሰብ ኢና! ንሕና ሓዘንን ዳንኬራን ዝተሐዋወሰና ህዝቢ ኢና! ንሕና ሬሳና ሓቢእና ንስዕስዕ ንድብል ህዝቢ ኢና!” ኣይተጋገኻን ቀሺ ሙሴ ሲሳይ፡፡ ይዋእዩ ዋናን ኣላይን ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ!!! እግዚኣብሄር ባዕሉ መዓቱ የቑርረልና፡፡
ኩሎም ግዳያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡ ንቤተሰቦም ጽንዓት ይሃቦም ኣሜን!!
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]