መልቐስ፡ ድሓን ኩን ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም

መልቐስ

ድሓን ኩን ተጋዳላይ
ተስፋማርያም ወልደማርያም
ሓልፊ ክፍሊ ዜና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ዝነበረ።

ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!! ወየኣነ!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቕነ!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቕነ!!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቅነ!!!

ኣትላንታ መጺኤ! ሓወይ ክስኢነ!!!!
ዋይ ኣነ!! ዋይ ኣነ!!! ዋይ ኣነ!!!!

ሃገሩ ንኸደሕን ብጊሓቱ ዝኣመነ
ለባም ጂግና ህዝቡ ክምህር ዝወጠነ
ቀርኒ ናይ ሱሱዓት ብልዝብ ዘምክነ
ኣንታ ዛሃገርና ዘይኮነላ ለባም ክሳኣነ
ትኸል ንቐል ኮይኑ ወርሒ ሰነ።

እዚ ሓውይ ኣነ ክበኽየሉ፡
ነዚ ሓወይ ኣነ ከልቅሰሉ
ነቲ ታሪኹ ባዕለይ ክነግረሉ
ወግዒ ዓድቡኡ ጎደሎ ዘይብሉ።

ተስፋማርያም
ወዲ ቐሺ ወልደማርያም
ወዲ ምህረይ ክፍሉ
ከም ሓኸለ ዝውለድ ኣብ ኩሉ
ቆላኡ ደጋ ከም ብተይ ዝዘለሉ
አየ!! ተማሃራይ ከሎ ከምሕረሉ
መጻሕፍቲ ሳንጣ ተኾልዅሉ
ሽዋ ንኽማሃር ማዕጾ ተኸፍተሉ።

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!
እዋን ኮለጅ ኮይኑ ምስ ከደ ንሽዋ
ቆላታት ኤርትራ ዘመተ በርቲዕዋ
ሃገር ተዓመጸት ዘረፋ በዚሑዋ
ፍትሒ ተሳኢኑ ናብራ ሓሲሙዋ
ሕጊ ተጣሒሱ ደብዳብ ከቢዱዋ
ባርካ ተሰዲዶም ዶብ!! ሱዳን ጥሓሱዋ
ተስፋይ ምስ ብጾቱ ኣስመራ ተመልሰዋ
ሽግር ናይ ህዝብና ንመንእሰይ ከምህርዋ
ብድኻምኩም!!!
ኣጓብዝ ሃገርና ንበረኻ ወረሩዋ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!!
እዚ ሓወይ ተጋዳላይ ፋኖ!!!!!
ለምለም ሰውሒ ሻኻ ብዘይ መስኖ
ትምህርቱ ጸጊብካ ዘይምኖ
ብጥዑም ቃላቱ ንህዝቢ ዘእምኖ
ዓቢ ደብሪ ፍልጠት ዝምዘኖ
ንዓማጺ ብክእልት የድንኖ
ሙያኻ ይነገር ንህዝቢ ክኾኖ
ጅግነነት ሃገርና ጻማ ዝተሳእኖ
ሓቁ ይነገር፡ ይዘርጋሕ!!ይፈኖ!!!
ወዲ ሀገር ተደፍረ መሬቱ ምስ ሰኣኖ
ጭዋ ተዋረደ መሰሉ ምስ ሰኣኖ
ዘይፈለጠ ይፍልጡ ኣብ መዓልቲ ተፋኖ።

ወየ!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!!!!
ተስፋማርያም ቆልዓ ዓዲዃላ
ወዲ ማይላፎ!! ማይ ጻዕዳ ብኹላ
ኣደከመ ምልጋእ ኣብ ማእከላ
እምባ ሶይራ ምስ ጞላጙል ዓላ
ጋሽ ሰቲት ባርካ ታሕታይ ላዕላ
ሓማሴን ዓንሰባ ከረን ምስ ሓሸላ
ሳሕል ሰምሃር ደንከል ቖላ
ኣፈ ጉባኤ ገድሊ ወሓለ ብዓል ሜላ
ኣብ ኩሉ ዝሓድር ኣፈላላይ ዘይብላ።

ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!
ኣንታ ተጋዳልይ ኣብ ባይቶ ሞጋቲ
ሕጊ ንዘኽብር ትለዝቦ ከም ሰቲ
ንብዓል ነገርካ ተብሎ ፍቲፍቲ
ንሕንጊድ፡ ብቐለምን ብርዒን ዘማቲ
ወለድኻ ምስ ሰብ ሮማ መላዝብቲ
ሊቃውንቲ ነይሮም ንሃገር መጽለልቲ
ዝጸንሔ እዩ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ
ማህደር ሊቃውንቲ ኣርሒቑ ጠማቲ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ተስፋማርያም ዝቃለስ ኣብ ኩሉ
ኣንታ ዘእምሮኻ ንመን ገደፍካሉ
ትምኒትካ ኣይኮነን ኣብ ስደት ክትህሉ
ግዜ ኣይጠዓመን ዓድኻ ትነብረሉ
ተዘሚቱ ሃገር ብብዓል ተዃሉ
ወስለትለት በዚሑ ጭዋ ዝሓፍረሉ
ቆፎ ሃገር ተዝምርመር ብኹሉ
ተባዕ ተሳኢኑ ንፍትሒ ዝሕሉ
ለባማት በሪሶም ከማኻ ዝበሉ።

ጂግና ሓወይ ኣንታ ዓይኒ ቓላይ
ተስፋይ ለይለይ ኣንታ መዓቢይተይ
መምህረይዶ! ክብለካ መራሒ መገደይ
ዓርከይዶ ክብለካ መዛልልተይ
ወዲ ዓደይ ኢኻ! መርየት መማቕልተይ
ወዲ ሓወቦይ እባ! መማጉተይ።
ወየ!!!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!

ኣንታ ሓወይ እምብዛ ተዘንጊዕካ
ተትምርምር እኮ! ብዙሕ ነይሩ ሰብካ
ዓለም ብገፊሑ! ንዓኻ ክጸበካ
ዓንዲ ማእከል ከልኻስ ተገሊልካ
ሽግርካ ከይነገርካ ዓለም ኣርኪቡካ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ቤተ ሰብ ዝኾንኩም ኣጸቢቕኩም ንብዑ
መንእሰይ ሃገርይ ደጋጊምኩም ንብዑ
ኣዋልድ ኣወዳት ልቢ ገርኩም ንብዑ
ዳዕሮ ናይ ሃገርናስ!! ደም ነጒዑ
ቀራናት!! ሃገርና ምስ ተሰልዑ
ለባማት ጠፊኦም ከተርቲ ክሰርዑ
ሃገርና ተረፈት ኣብ ቆላዑ።

መናእሰይ ሃገርና መርምርዎ ቃሉ
ቃልሲ ሃገርና ከመይሉ ማዕቢሉ
ዝተጠልመ ሕድሪ ኣብ ዓዲ ክተኽሉ
ፍትሒ ምስ ዘነብ ኣብ ዓለም ዓልሉ።

ኪድ በል ንኹሉ ኣርኪብካሉ
ኣምላኽ ጸዊዑካ ሰዓትካ ኣኺሉ
ሽደን ሓወይ እዚ ጥዑም ቃሉ
ኣምላኽ ይቀበልካ ኣብ ጽላሉ።

ጽንዓት ይሃብኩም ንስድራ ቤትን
መቓልስቱን ብኹሉ።

 

 

haile-gt-indianaብሓውካን መቓልስትኻን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰርየ!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
2 ማዝያ 2015

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.