“ዱባ ብገርሁ፡ ናይ መሰለስ ኮነ!”

“ዱባ ብገርሁ፡ ናይ መሰለስ ኮነ!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2015

ኣብ ኤርትራ ኣብ ብሂል ሕብረተሰብ ትግርኛ ብዛዕባ ዱባ ብዙሕ ኢዩ ዚዝረብ። ዱባ ልቢ ዘይብሉ ገልጣም፡ ዘጓንፎ ከይፈለጠ፡ ንቕድሚኡ እናኣሳፍሐ ዝኸይድ ተኽሊ ኢዩ ይብልዎ። ጸብሒ ዱባን ልቢ ዓሻን ሓደ ከኣ ኢሎም ይውስኽዎ። ካብቲ ዝተዘርኦ ግራት ዋና፡ እናኣሳፍሐ ናብ ግራት ጎረቤት ይኣቱ’ሞ፡ ደሓር ፍርያቱ ንፍርቂ ወይ ንመሰለስ ንክኸውን ይግደድ ማለቶም ኢዩ።

ንዳሕረዎት ወለዶና ንምርዳእ፣ መሰለስ ኣብ ኣተረጓጉማ ቋንቋ ትግርኛ፡ ንምክፍፋል ንብረት ዝምልከት ኮይኑ፡ ከም ፈረቓ ወይ ርባዕ ሓደ ሲሶ ማለት ኢዩ። ግርም ልቦና ዝመልኦ ቋንቋ’ኮ ኣሎና ኢዩ። ‘ዱባ ብገርሁ ናይ መሰለስ ኮነ’ ናብ ፖለቲካዊ መኹባዕቲ ክኣቱን ክጽሞቕን እንከሎ ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና መንገዲ ኢሳይያስን እቶም ብፍላጥ፡ ብዘይፍላጥን ንከንቱ ፖለቲካዊ ሃልኪን ዝቀዳደሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ ዝምልከት።

መንግስቱ ሃይለማርያም፡ እቲ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ን17 ዓመታት ዝገዝአ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ ወላ’ኳ ንተዛማዲ ዕላማ ይኹን’ምበር፡ ”ኤርትራ ኣትሸጥም ኣትለወጥም!” ኢዩ ነይሩ ጭርሖኡ። “ትርፍ ካለ ለምን ኣትሸጥም” ክብል ሓደ ውራጌ መሊሱሉ ነይሩ ይበሃል ኢዩ። መንግስቱ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብታ ዝኣመነላ ዕላማ ጸኒዑ ነበረ። ኣብ ጉዳይ ባድመ፡ መንግስቱ’ውን ብገለ ጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ ይበሃል። “ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት ድያ ወይስ ናይ ኢትዮጵያ?” ኢሎም ድማ ሓተትዎ። እቲ ንጋዜጠኛታት ዘገረመ መልሲ ከኣ፣ “ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት ኢያ” ኢሉ ምምላሱ ነበረ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ባድመ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ኢሉ እናተማጎተስ፡ ከመይ ገርካ ኢኻ ንስኻ ናይ ኤርትራ ኢያ ኢልካያ?” ክብሉ’ውን ሕቶ ደገምዎ። “መልሰይ ልክዕ’ዩ! ኤርትራ’ውን እኮ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ” ክብል ደጊሙ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዐ ነይረ።

እዞም ክልተ ውሉፋት ደም፡ ንኤርትራ ብከመይ ኢዮም ዝርእዩዋ? ግርም! ኣብዚ እነሀኻ ወግዒ። እቲ ትማሊ ክንዲ ሰማይን መሬትን ርሕቀት ዝመስል ዝነበረ ኣረኣእያታት መንግስቱን ኢሳይያስን፡ ሎሚ ግን መድረኽ ምስ ተገማጠለን ጥጅእ “ትግራይ ትግርኚ” ክጽሞቕ ምስ ተቓረበን፤ ሓደ ኣረኣእያ ሒዞም እነሀዉ። ኢሳይያስ ቅድሚ ናጽነት ምስ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ኣብ ናቕፋ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ፡ ሎሚ ቅነ’ውን ምስ ጋዜጠኛ “እሳት” /መሳይ መኮነን/ ዝገበሮ ዝርርብ፤ ኣግሂዱ ነቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ሂወት መንእሰያት ኤርትራውያን ዝወሰደ ናጽነት፡ ናብ ዕዳጋ የውርዶ ከም ዘሎ ዳሕዲሕዎ ኣሎ። እዚ ክሕደት ንሰማእታትን ንዕቀት ህዝቢን ዝመበገሲኡ ኣሽካዕላል እዚ፡ ሎሚ ዝተጀመረ ኣይኮነን።

እቲ ጸሊም መንግስቱ፡ መልክዑ፡ ዕላምኡን ተግባሩን ግሁድ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ቀይሕ ዘይተጋህደ መንግስቱ ደኣ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኡ ሃገር ንክሸይጥ ዝደናደን ዘሎ? እዚ ኤርትራዊ መሰል፡ ከም ተኹላ ናብ ማእከል ኣባጊዕ፣ ናብ ውሽጥና ኣትዩ ዝጎዛዘየና፡ ብልክዕ ግን ንጣብ ኤርትራዊ ደም ዘይብሉን ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ጨካን ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ንምሻጥ ዝኣለሞ ሪኪያሞ መመሊሱ ይበርሃልና ኣሎ። ንሱ፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኤርትራ ንምሻጥ፡ ካብ ብሕሹኽታ ብጋህዲ፡ ከም ባቡር ዓርበ-ረቡዕ ብብርቱዕ ጥሩምባ ይነግር ነይሩ ኢዩ። እሞ ከምቲ ዱባ ብገርሁ፡ ኣንቱም ንጥፍኣት እተዳኽሩ ዘለኹም፡ ናይ መሰለስ ንክትኮኑ ኢኹም ትቆጻጸዩ ዘለኹም’ሞ፡ ኣይፋልኩምን! ቅድሚ መሸጣ ተመለሱ ደኣ።

ኢሳይያስን እቶም ውሑዳት ኣገልገልቱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ታሪኽ መጻእቲ ወለዶታት ብዝኾነ ይኹን ቃላት ይቕረ ዘይበሃሎ ገበናት ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ነዛ ምድረ ሰማእታት ሃገርና፡ ነዛ ብደም ኣስላምን ክርስትያንን ዝተተኽለት ኤርትራ ናበይ ኢዩ ክወስዳ ዝደናደን ዘሎ እዚ ሰታይ ደም? ጉጅለ 15 ኣርካናታ ናብ ዒራዒሮ ኣሲሩን ቀንጺሉን፡ መንእሰያታ ኣባሪሩ፡ ንታሪኻን ኩሉ ክብሪታታን ኣሕሲሩ፡ ንመልክዕ ሃገር ደዊኑ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብቀሊል ዘይሓዊ ጽልኢን ቅርሕንቲን ኣኻዕቢቱ፡ ወርቂ ቢሻን ሃገራዊ ሃብቲን ናብ ባንክታት ስዊዝን ቻይናን ሓቢኡ፡ ኣባይታ ብዶዘራት ኣዕንዩ ናበይ ንምብጻሕ ኢዩ ክንድዚ ዕብዳን። እቶም ልቢ ኣልቦ ዱባታት ገና የሳፍሑ ምህላዎም ንምርግጋጽ ድማ፡ ከም ጠበቕ ቀትሪ፡ ውጥም ቅልቅል ይብል ኣሎ። ክዕንቅፍዎ ኢሉ ንዝገመቶም፡ ኣቐዲሙ እናቀንጸሎም ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ሎሚ’ውን ገለ ተረፍ-መረፍ ቀሪም ንዝተረፉ ደቀባት ኤርትራ፣ እንተ ብሃንደበታዊ ሕማም እንተስ ብምኽንያት ሓደጋ የረኻኽበሎም ኣሎ። ኢሳይያስ ክልተ ፍሉያት ባህርያት ኣለዎኦ። ሓደ ንባህርያትን ውሽጣዊ ስምዒታትን ሰባት ብቅልጡፍ ናይ ምልላይ ተኽእሎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ንዝወሰኖ ውሳኔ፡ ቅልጡፍን ዘየላቡን ስጉምቲ ምውሳድ። ኢሳይያስ፡ ንዘስግእዎ ሰባት ፈጺሙ ዘይንዕቕ መርዛም ኮብራ ኢዩ።

እወ ’ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ’ ኢዩ’ኮ! ኣብ ዘመነ ገድሊ ኣይመስለናን ነይሩ። ብዛዕባ ትውልዲ እውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዛዕባ ትውልዲ ንከይንዛረብ፡ ‘ኣፍና ኣፍ ላም ትኹን’ ኢልና ስለዝመሓልና፤ ክንዛረበሉ’ውን ኣይምደለናን። ንሱ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፍተሻ ትውልዲ ካብ ተተሓሓዞ ደኣ’ሞ ከመይ ጌርና ብጥንታዊ ማሕላ ኣፍና ክንዓብስ? ሓቂ ኢዩ! ብዙሓት ደቂ ትግራይ ስለ ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ደቂ ኤርትራ ስለ ትግራይ ተሰዊኦም ኢዮም። ወላ’ኳ ሎሚ ሰባት ንታሪኽ በብዝጥዕሞም ኣገባብ ይጠውይዎ እንተሃለዉ፡ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ዝተዋሳእናሉን ብደም ክልቲኡ ህዝቢታት ዝተፈረመ ስንክሳር ግን ኣብ ግምጃ ታሪኽ ኣሎ። ኢሳይያስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስኑ ነኺስዎ ዝነበረ ሕንሕነ፡ ሎሚ ‘በብሓደ ሰብ ወሓደ’ ምስ ኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ከብዱ ንዝነበረ ረስኒ ኢዩ ዘውጽኦ ዘሎ።

ኣንቱም ሰባት! ሕሩመይ ኢለ… ብዘይ ፍትወትና፡ ብዛዕባ ትውልዲ ንክንዛረብ ተገዲድና። ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን’ኮ ክብረት ኢዩ። ርእሰ ምትእምማን ‘ዝመበጊሲኡ፡ መን ኣበይ ኢዩ ዓዱ፡ ኣበይ ኢዩ መረብ ቤቱ፡ ብእንዳ እኑኡ’ኸ? ንሳ’ኸ ኣበይ ኢያ ትውለድ? ዝብል ምስጢር ውሽጠ ውሽጢ ኣስተውዒልናሉ’ውን ኣይነበርናን። ኢሳይያስ፡ ኣፈወርቂ፡ ኣብራሃ፡ ሓጎስ፡ ማሩ፡ ካሳ፡ ጉግሳ ወ.ዘ.ተ… ንዕኡ ኢዩ ዝምልከት። ብትኽክል ንዝርእዮ ከኣ፡ ወለዶኻ ክብረትካ ኢዩ።

ሎሚ’ውን መንነት ብትውልዲን ብፍቓድን ጸኒዑ ይንበር። ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩ ኢና ንደሊ። ኢሳይያስ ግን ካብ ኣሰላልፍኡ ኣትሒዙ ርእሰ ምትእምማን ኣይነበሮን። ካብ ዝነበሮን ዘለዎን ናይ መንነት ቅልውላው ተበጊሱ’ውን ንኤርትራ ብትግሃት ተወፍዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሓደ ብ “ይብሉኒ ኣለዉ” ዝብል ባዕላውነት ዝሓመመ ሰብ ድማ፡ መድሃኒት ኣይርከቦን ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ሜዳ ናይ ስም ኣደ ኦርኒኩ፡ ኣብ ክንዲ “ኣዳነሽ ኪዳነ” “ኣድሓነት ኪዳነ” ኢሉ ኣመዝጊቡዎ ነበረ። እዚ’ኸ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ’ኾን ይኸውን? ብዙሓት ተጋደልቲ ኣደታቶም “ኢትዮጵያ”፣ ንባዕላቶም ወይ ስም ኣቦታቶም እውን ተፈሪ፡ ሃይለስላሴ፡ ምነሊክ፡ ወ.ዘ.ተ…ዝብል ነበረ። ብምኽንያት ስክፍታ ከኣ፡ ስሙ፡ ስም ኣዲኡ ወይ ስም ኣቦ ዝቐየረ ተጋዳላይ ኣይሰማዕናን።

ንሱ ብናትና ኣረኣእያ ዘይኮነስ፡ ብናቱ ኣተሓሳስብኡ “ኤርትራዊ ኣይኮንኩን” ዝብል ውሽጣዊ ቅልውላው ስለዝነበሮን ዘለዎን፡ ብዋጋ ኤርትራ ንምቁማር ዝቀራረብ ዘሎ። ስለዚ በቲ ኣብ ደሙን ኣንጉዑን ዝሰረጸ ባዕላዊ ስምዒታት፡ ኤርትራ እንተጠፍአት ምንም ድምብርጽ ዝብሎ ሰብ ኣይኮነን። ዕርቡን ንመግዛእቲ ክኾኑዎ’ኳ ኢዩ ነዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ”ደምህት” ኣብ ጎይቢ ኣደታትና ንዝነበረ ጠስሚ እናመገበ፡ ደቂ ውሻጠ ገይሩዎም ዘሎ። ብሎኮታትና ይቆጻጸሩ፡ ይገፉን ይኣስሩን፣ ይምርምሩን ንደቀባት ይርሽኑን ኣለዉ።

ኢሳይያስ፡ ነቶም ቅጫ ኣደታቶም’ኳ ዘይጸገቡ ደቂ ውሻጠ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያትን ቆልዑትን ድማ፡ ብመኾስተር የባርሮም ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ዘይወሓጠሉ ዜጋ፡ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ከም ዱባ ናይ መሰለስ ምስ ኮነ ክበርሃሉ ምዃኑ ርግጸኛ እየ። እሂ! እታ ሓቀኛ መስትያት ንመልክዕ ኢሳይያስ ብንጹር ስለዝገለጸቶስ ሕርኽርኽ’ዶ ኢሉኩም ገለ ገለ ዱባታት? ወዲ ዓድና፡ ወዲ ጸሎት’ዩ፡ ወዲ ሓማሴን’ዶ፡ ክርስትያናይ’ዶ፡ ዳዊት ዘንብብ’ዶ ይመስለኩም ነይሩ ኣንቱም ዱባታት?

ኢሳይያስ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ዘቑጸልጸለ ሓሶትን ባዶሽ መብጽዓታትን ን24 ዓመታት ተዛሪቡ። ወቀጥ መስተንክር’ዩ! ድራም ኣይሓሱ!! ወግሐ-ጸብሐ፡ ከምቲ ንቆልዓ “ዝብኢ መጸካ!” እናበልካ ተሰንብዶ፣ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ህግደፍ ድማ፡ ”ወያነ መጸት…ክትወረኩም ኢያ…ኣሜሪካ ክትደግመኩም’ያ” ይባሃለለይ፡ መስታህብል! ንባዕሉ ኣብ ቆርበት ኤርትራውያን ዝሰፈረ ቁርዲድ ክነሱ፣ ሸውዓተ ቀመማት ፖለቲካ ንክኾኖ ያኢ፣ “…ጠፋእኩም ብወያነ” ክብል ዘሚሩ።

ወዳጄ መዝሙር!! ’ጸማም ሓደ ደርፉ’ ኣንቱም ሰባት፣ ወዲ ሰብ’ዶ ን17 ዓመታት /1998-2015/ ብሓንቲ ላልማየ-ላሎ ይስዕስዕ’ዩ! ብግብሪ መንገዲ ኢሳይያስ ከኣ ጉዕዞ ንዕዳጋ ኤርትራ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኩሉ ተካል መጋብር፡ ኤርትር ንምሻጥ ኢዩ። እዚ ናይቲ ካብ 1942 ክሳብ 1952 ብግዜ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ተምሳል ትኽክለኛ ቅዳሕ ኢዩ። መራሕቲ ሃይማኖት “ካብ ሓጥያት ርሓቑ” ኢሎም ኢዮም ዝነግሩ። ሰባት ግን ነናቶም ምርጫ ኢዮም ዝወስዱ። ንሕና ከኣ ብዛዕባ መንገዲ ኢሳይያስ ንነግር ኔርናን ሕጂ’ውን ኣብዚ ዘመነ ምዕናው ኣባይቲ ገና ንነግር ኣለና። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ሕልና ዘልዎ ከኣ ነብሱ ይሕከኽ።

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ”…ነዛ ሃገር እዚኣ ባዕለይ እየ ኣምጺአያ፡ ባዕለይ ከኣ ከጥፍኣ’የ” ኢሉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንኩላቶም እቶም ንኤርትራ ዘምጽኡዋ ደቀባት ምስ ዳጎነን ቀንጸለን፤ ሃገር ናብ ዕዳጋ ብጨረታ ንምሻጥ ይቀራረብ ኣሎ። ”ዱባ ብገርሁ ናይ መሰለስ ኮነ” ከም ዝበሃል፡ ጽባሕ መሬትኩም ብስቡሑ፡ ባሕርኹም ምስ ላህመቱ፡ ኣንስትኹም ምስ ስልማተን፡ ኣዋልድኩም ምስ ወለብአን፡ ነብስኹም’ውን ኣብ ገዛእ ዓደቦኹም፡ ካልኣይ ዜጋ ክትኮኑ ኢኹም።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.